ቻይና፡ ናይ ብሓቒ ዒላማ ኲናት ታሪፍ ትራምፕ ድያ?

ትራምፕ፡ ዋላ'ዉን ኣብ መንጐ ኣመሪካን ቻይናን ንግዳዊ ኲናት ይካየድ እንተሃለወ፡ ንዢ "በሊሕ ሰብኣይ" ክብል ገሊጹዎ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ትራምፕ፡ ዋላ'ዉን ኣብ መንጐ ኣመሪካን ቻይናን ንግዳዊ ኲናት ይካየድ እንተሃለወ፡ ንዢ "በሊሕ ሰብኣይ" ክብል ገሊጹዎ እዩ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዘውጽኦ ሰፊሕ ውጥን ቀረጽ፡ ኣብ መጀመርታ ካብ ዓሰርተታት ሃገራት ካብ ወጻእ ዝኣቱ ምህርቲ፡ ግብሪ ክውስኽ እንከሎ ገለ ንነዊሕ እዋን መሓዙት ንግዲ ኣመሪካ ዝዀና ሃገራት'ውን ኣየናሕሰየለንን።

እቲ ውጥን ካብ 9 ሚያዝያ 2025 ዓ.ም [ኣ.ግ] ጀሚሩ ግብራዊ ካብ ዝኸውን ድሕሪ ሰዓታት ግን፡ ትራምፕ እቲ ዝኣወጆ ቐረጽ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ጕዳያት ን90 መዓልታት ደው ከም ዝብል ኣፍሊጡ።

ነዚ ገዲፉ ድማ ምስ ሓንቲ ሃገር ጥራይ - ቻይና - ኣብ ዝግበር ንግዳዊ ኲናት ኣተኲሩ።

እዚ፡ ገለ ተንተንቲ ንምዃኑ ትራምፕ ካብ ቀደሙ ንቻይና ድዩ ዒላማ ክገብር ዝደሊ ነይሩ ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝኣቱ ንደሓር፡ ኣብ ንግዲ ትዅረት ብምግባር ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብርቱዕ ቀረጽ ኣተኣታትዩ።

ንሱ፡ መሻርኽቲ ንግዲ ንኣመሪካ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዘን ክጥቀማላ ከም ዝጸንሓን እዚ ድማ ንኢንዳስትሪታት ውሽጢ ዓዲ ብኣሉታ ከም ዝጸለወንን ይዛረብ።

እቲ ብ2 ሚያዝያ ዝወጽአ ዝዓበየን ኣካታዕን ፈጻሚ ትእዛዝ ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ብውጽኢታዊ መገዲ ቀረጽ ኣንቢሩ።፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ምውዳቕ ዕዳጋ ኣክስዮን ተራእዩ፤ ዓለማዊ ንግዳዊ ኲናት ከይለዓል ስክፍታታት ፈጢሩ።

ትራምፕ እቲ ዝኣወጆ ቀረጽ ን90 መዓልታት ደው ክብል ድሕሪ ምግባሩ፡ እዚ ኣካል ናይቲ ወትሩ ትራምፕ ብሰፊሑ ቀረጽ ክገብርን ድሕሪኡ ድማ ደው ክብል ብምግባር ምስ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ክዘራረብን ክደራደርን ዝሓንጸጾ መደብ ምዃኑ ዋይትሃውስ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዝተነብረ ቀረጽ ግን ኣካል እዚ ስጕምቲ ኣይኰነን።

ኣብ ክንድኡ፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካብ ቻይና ዝመጽኡ ኣቝሑ ዝኽፈል ግብሪ ናብ 145 ሚእታዊት ክብ ኣቢሉዎ።

ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ እቲ ሓቀኛ ዕላማ ንቻይና ምቕጻዕ፡ ከምኡ'ውን ናብ ድርድር ክትኣቱ ንምግዳድ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጾም።

ሚኒስተር ትሬዠሪ ኣመሪካ ስኮት ቤሰንት፡ "[ቻይናውያን] ዝዓበየ ምንጪ ጸገማት ንግዲ ኣመሪካ እዮም። ናይ መላእ ዓለም ጸገም'ዉን እዮም" ክብል ተዛሪቡ።

በዚ ኣገባብ፡ ምስታ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዝዓበየ ቁጠባ ዘለዋ ሃገር ውግእ ምምራጽ ግን ሓደገኛ እዩ።

ቻይና፡ ኣመሪካ ንዝወሰደቶ ስጕምቲ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ካብ ኣመሪካ ናብታ ሃገር ኣብ ዝኣትዉ ኣቑሑት 125 ሚእታዊት ግብሪ ከም ዝኽፈልን ካብ 12 ሚያዝያ ጀሚሩ ተግባራዊ ከም ዝኸውንን ገይራ።

ትራምፕ ዝገብሮ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ 2016 ኣብ ስልጣን ዝተክኦ ባራክ ኦባማ ዝጀመሮ ፖሊሲ ክቕጽል ምግባር - ኣቓልቦ ኣመሪካ ናብ ምብራቕ ብምቕያር ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽልዋን ሓይልን ቻይና ምግጣም ዝዓለመ ክኸዉን ይኽእል።

ጸሓፍን ተንታኒ ፖለቲካን ቲም ማርሻል፡ "ሓድሽ ዘመን'ዩ፡ ቍጠባ ድማ ዓብዪ ክፋል ናይዚ ዘመን'ዩ። እዚ ኵነታት ብዛዕባ ቻይና እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ምስ እንግሊዛውያንን ኤውሮጳውያንን ዝተነብረ ቀረጽ ክቐልልን እቲ ሓዊ ናብ ቻይና ዝዘውርን'ዩ ነይሩ" ኢሉ።

ቻይና ንድሕሪት ኣይትምለስን

ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ ንደሓር ዳርጋ ቻይናን ኣመሪካን ኣብ ጽዑቕ ንግዳዊ ኲናት ተጸሚደን እየን ዘለዋ።

ተኸታታሊ ሓድሕዳዊ ቀረጽ ምጽዓን ድማ ስዒቡ ዝመጽአ ስጕምቲታት ኰነ።

ሚኒስትሪ ንግዲ ቻይና፡ ንቐረጽ ትራምፕ "ግብራዊ ትርጕም ዘይብሉ ናይ ቁጽሪ ጸወታ፡" ኢሉዎ።

"ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ናብታ ሃገር ዝለኣኽ ኣቑሑት ቻይና ቀረጽ ክትገብር እንተቐጺላ ቻይና ዕሽሽ ክትብሎ እያ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

መራሕቲ ቻይና፡ ንምምሕዳር ትራምፕ "ሃዳዲ" ክብሉ ብተደጋጋሚ ክገልጽዎ ጸኒሖም።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ቻይና ማኦ ኒንግ'ውን ኣብ ቀረባ እዋን ስእሊታት ኣቦ መንበር ማኦ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከተስፍር ተራእያ።

እዚ ድማ፡ ኣብ እዋን ኲናት ኮርያ "እዚ ኲናት ክሳብ ክንደይ ይጸንሕ ብዘየገድስ ፈጺምና ኢድና ኣይንህብን ኢና፡" ክብል ንኣመሪካ ዝሃቦ መልሲ ዘርእይ ምስሊ ይርከቦ።

ልዕሊ እዚ ድማ "ቻይናውያን ኢና። ዝዀነ ምትዅቷኽ ኣይንፈርሕን፤ ንድሕሪት ክኣ ኣይንምለስን" ክትብል ናይ ገዛእ ርእሳ ርይቶ ጽሒፋ።

ቻይና ድማ ነዚ ንምግባር ካብ ዝዀነት ሃገር ንላዕሊ ኣብ ዝሓየለ ደረጃ ክትህሉ ከም እትኽእል ተንተንቲ ይገልጹ።

ቻይና ንጸቕጢ ኣመሪካ ክሳብ ክንደይ ተቓላዒት'ያ?

ቅድሚ እዚ ኲናት ቀረጽ ምጅማሩ፡ ኣመሪካ ናብ ቻይና ሰደድ እትገብሮ ምህርቲ ካብ ሓፈሻዊ ፍርያት ቻይና [ዲጂፒ] 20 ሚእታዊት ጥራይ እዩ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ላዕለወይቲ ተንታኒት ዕዳጋ ሲቲ ኢንዴክስ ዝዀነት ፊዮና ሲንኮታ፡ ቻይና ሕጂ ንኣመሪካ ዘለዋ ተቓላዕነት ካብቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣን ትራምፕ ዝነበረ ኣዝዩ ዝነኣሰ እዩ ትብል።

"ቻይና ኣብ ሰደድ ኣመሪካ ዘለዋ ጽግዕተኛነት ከተጕድል'ያ ጸኒሓ። ስለዚ ሕጂ ኣስታት 13 ሚእታዊት ካብ ሰደድ ቻይና ናብ ኣመሪካ ይኸይድ። እዚ ኣብ ቀዳማይ እብረ ምምሕዳር ትራምፕ 26 ሚእታዊት እዩ ነይሩ፡" ኢላ።

ካልኦት ተንተንቲ ድማ ቤጂንግ ንቁጠባዊ ስጕምትታት ትራምፕ ኣቐዲማ ክትግምቶ ትኽእል እያ ይብሉ።

ቻይናውያን ዋጋ ምስ ዝኸብሮም ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ ምጥቃም ከም ዝጅምሩ ይገልጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤጂንግ ምስ ሰበስልጣንን ምሁራትን ዝተራኸበ ኣሰናዳኢ ዘ ኢኮኖሚስት ዴቪድ ረኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ንነዊሕ እዋን ክዳለዉ ጸኒሖም'ዮም፡" ኢሉ።

"ኣንጻር ኣመሪካ ናይ ሓጺር ግዜ ምድላዋት ምክልኻል ገይሮም'ዮም። እንተዀነ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ምትዕርራይ ንምግባር'ውን ይጽዕሩ ኣለዉ። መላእ ቍጠባ እታ ሃገር ካብ ኣዝዩ ልዑል ጽግዕተኛነት ሰደድ ብምውጻእ ሚዛን ንክትሕዝ ንምግባርን ንምቕያርን ይጽዕሩ ኣለዉ።" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብዚ ምስ ኣመሪካ ዝግበር ንግዳዊ ኲናት፡ ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ሓደስቲ ንግዳዊ መሻርኽቲ ንምድጋፍ ዝሰርሕ ዘሎ ይመስል።

እታ ሃገር ብቀረጽ ዝተሃስያ ሃገራት ናብ ሓደ ክጥርነፋ ክትጽውዕ ጸኒሓ እያ።

ፕረዚደንት ዢ፡ ብ11 ሚያዝያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ ፔድሮ ሳንቸዝ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ሃገሩን ሕብረት ኤውሮጳን "ብሓባር ነቲ ብሓደ ወገን ዝፍጸም ኣሰራርሓ ምህዳድ፡" ምምሕዳር ትራምፕ ክቃወምዎ ከም ዘለዎም ገሊጹ።

ኣብዚ ወርሒ ናብተን ብቐረጽ ትራምፕ ብሕማቕ ዝተሃስያ ከም ቬትናም፣ ማሌዥያን ካምቦድያን ዝበላ ሃገራት እውን ክበጽሕ መደብ ሒዙ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሊ ቺያንግ ምስ ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ብቴሌፎን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ነጻ፣ ፍትሓውን ኣብ ማዕረ ተጠቃምነት ዝተመስረተን ሓያል ዝተሓደሰ ስርዓተ ንግዲ ንምድንፋዕ ተዘራሪቡ።

ሚኒስተር ንግዲ ቻይና ዋንግ ወንታኦ ድማ፡ ምስ ሰብ መዚ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ስዑዲ ዓረብን ደቡብ ኣፍሪቃን ተዘራሪቡ።

ንቻይና ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋታት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቻይና ምስ ካልኦት ሃገራት ክትገብሮ ዝጸንሐት ርክባት፡ ምናልባት መረጋገጺ ክትህበን ስለ ዝደለየት ክኸዉን ይኽእል።

ቻይና ንዕዳጋ ኣመሪካ ብኻልኦት ክትትክኦ ክትጥምት እኳ እንተኸኣለት፡ እዚ ግን ነቶም ሓደስቲ መዳረግቲ ገለ ጕዳያት ከምጽኣሎም ይኽእል'ዩ፤ ንቤጂንግ ድማ ዲፕሎማስያዊ ሻቕሎት ክፈጥረላ ይኽእል።

"ናብዘን ሓደሽቲ ዕዳጋታት ማዕበል ሰደድ ቻይና እንተ ኣዕለቕሊቑ፡ ኣብ ኣመሪካ ክሽየጥ ስለ ዘይክእል ጥራይ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ንዝርከቡ ስራሕን ዕድላትን እንተጐዲኡ፡ እዚ ንመሪሕነት ቻይና ዓቢ ዲፕሎማስያውን ጂኦፖለቲካውን ሻቕሎት ክኸዉን'ዩ" ይብል ረኒ።

ካልእ ድማ ዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ቻይና ዝርከቡ ተጠቀምቲ ፍርያት ኣመሪካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ፡ ዋጋ እቶም ኣቝሑ እንተኸቢሩ ፍርያት ቻይና ናብ ዝዀኑ ቀረባት ክጥምቱ ከም ዝኽእሉ ገሊጾም።

ኣብዚ እዋን ቍጠባ ቻይና የንቈልቍል እዩ ዘሎ።

ወግዓዊ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ፡ መዐቀኒ ዋጋታት ሃለኽቲ - መዐቀኒ ሽቕለት ኣልቦነት - ኣብ ወርሒ መጋቢት ንኻልኣይ ተኸታታሊ ወርሒ ከም ዝወረደ ይሕብር። ኣብ ውሽጢ ሃገር ጠለብ ዘሎ ኣይመስልን።

ፕረዚደንት ዢ፡ "ቻይናን ኣመሪካን ናብ ቁጠባዊ ኲናት ክኣትዋ ዝኽእላሉ ሓደጋታት ከም ዘሎ ይፈልጥ'ዩ" ይብል ኣመሪካዊ ተንታኒ ፖለቲካ ፕሮፌሰር ግራሃም ኣሊሰን።

"ብውሑዱ ካብ ኵሉ ዝረኣኹዎ መርትዖታት ተበጊሰ፡ እዚ እንተ ኣጋጢሙ ተጻዋርነት ንክህልዎምን ንዕኡ ዝምጥን መልሲ ንምሃብን ብዅሉ ጽላታት ተዳልዮም'ዮም፡" ብምባል፡ መራሕቲ ቻይና እቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ቀረጽ ናይ "ክሳራ-ክሳራ" ኵነታት ምዃኑ እኳ እንተተገንዘቡ፡ "[ንሳቶም] ነቲ ጸገም ካብ ኣመሪካውያን ብዝበለጸ ክጻወርዎ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ኣለዎም፡" ኢሉ።