ትራምፕ ዝወጠኖ ስርዓተ ምክልኻል ሚሳይል 'ጎልደን ዶም' እንታይ እዩ?

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኦቫል ኦፊስ ምስ ሚኒስተር ምክልኻል ፒት ሄግሰት ሚሳይል ወርቃዊ ዶም ወግዓዊ እንክገብር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኦቫል ኦፊስ ምስ ምኒስተር ምክልኻል ፒት ሄግሰት ሚሳይል ወርቃዊ ዶም ወግዓዊ እንክገብር

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ምኒስተር ምክልኻል ፒት ሄግሰት ብምዃን፡ "ጐልደን ዶም" ዝሰመዮ ንድፊ ሚሳይል ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ።

ንሱ፡ እዚ መከላኸሊ ስርዓት ሚሳይል ካልኣይ እብረ ስልጣኑ ቅድሚ ምእኻሉ ኣብ ኣገልግሎት ከም ዝውዕል እውን ተዛሪቡ።

እቲ መከላኸሊ ስርዓት ሚሳይል ናብ ስራሕ ንምእታው፡ መበገሲ ወፍሪ 25 ቢልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ክግለጽ እንከሎ፡ ጠቕላላ ወጻኢታት ኣስታት 175 ቢልዮን ዶላር ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

ሰበስልጣን ግን፡ እቲ ናይ መወዳእታ ወጻኢ ብውሕዱ ሰለስተ ዕጽፊ ናይቲ ኣሃዝ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ካልኣይ እብረ ስልጣኑ ምስ ጀመረ፡ እዚ ሚሳይል ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ባለስቲክን ክሩዝ ሚሳይላትን ሓዊሱ ዝከላኸል ሓድሽ መከላኸሊ ሚሳይል፡ "መጻኢ ወለዶ" ንምክልኻል ብዝብል ግብራዊ ከም ዝገብር ተዛሪቡ ነይሩ።

ሰብመዚ እታ ሃገር፡ ስርዓት ሚሳይላት ኣመሪካ እናዘመኑ ንዝመጽኡ ዘለዉ ኣጽዋራት ውግእ ዝምክቱ ኣይኰኑን ክብሉ ጸኒሖም'ዮም።

"ጎልደን ዶም"፡ ካብ ከም ብዓል ሩስያን ቻይናን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝመጽእ ዘሎ ሓደጋታት ኣየር ንምክልኻል ክምዕብል'ዩ።

ብኸመይ'ዩ ዝሰርሕ?

ውጥን ትራምፕ ብኸፊል ካብቲ ናይ ሓጺር ርሕቀት ሚሳይል ስግኣታት ንምዕጋት ስርዓታት ምክልኻል ራዳር ዝጥቀምን ካብ 2011 ጀሚሩ ኣብ ጥቕሚ ዝውዓለን ናይ እስራኤል ኣይሮን ዶም ዝብገስ እዩ።

ወርቃዊ ዶም ግን፡ ብብዙሕ ዕጽፊ ዝዓቢን ንዝሰፍሐ ስግኣታት ንምምካት ዝተዳለወን ክኸውን'ዩ።

ኔትዎርክ ኣስታት ኣማኢት ሳተላይታት ክጥቀም'ዩ፤ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ክልኵል ዝነበረ ሕጂ ግን ዝደዳ ግብራዊ ክኸዉን ተኽእሎ ዘለዎ ኰይኑ ኣሎ።

ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ 1980ታት ፕረዚደንት ነበር ሮናልድ ሬጋን ዘቕረቦ ብብዝሒ "ስታር ዋርስ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ህዋ ዝተመርኰሰ ስርዓተ ምክልኻል ሚሳይል ብምጥቃስ፡ "ሮናልድ ሬጋን ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ይደልዮ ነይሩ፣ እንተዀነ እቲ ቴክኖሎጂ ኣይነበሮምን፡" ኢሉ።

ወርቃዊ ዶም፡ "ካብ ካልእ ሸነኽ ዓለም ወይ ካብ ህዋ ንዝተወንጨፉ ሚሳይላት ከይተረፈ ናይ ምዕጋት ዓቕሚ ክህልዎ'ዩ፡" ክብል ትራምፕ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣንጻር ክሩዝን ባሊስቲክ ሚሳይላትን (ሃይፐርሶኒክ ኣጽዋር ሓዊሱ - ካብ ፍጥነት ድምጺ ንላዕሊ ብቝልጡፍ ክውንጨፍ ዝኽእል) ከምኡ'ውን ካብ ጠፈር ክውንጨፉ ንዝኽእሉ ንምክልኻል ዝህነጽ'ዩ።

ላዕለዋይ ዳይረክተር ማእከል ምህዞ ሳይበርን ቴክኖሎጅን ኣመሪካ ሪየር ኣድሚራል ማርክ ሞንትጎመሪ (ጡረተኛ) ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ወርቃዊ ዶም ኣብ "ድምር ኣማኢት ሳተላይታት ዝህቡ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ምድብ ሳተላይታት፡" ከም ዝምርኰስ ገሊጹ።

"መጥቃዕቲ ኣቐዲሞም ዝፈልጡ ሳተላይታት ኣለዉ፣ ሓያሎ ኣማኢት ካብኦም፡ ምውንጫፍ ይፈልጡ። ቀጺሉ፡ ነዚ ዝከታተሉ ኣለዉ። ከምኡ'ውን መፍትሒታት ምቍጽጻር ሓዊ ዝገብሩ። ድሕሪኡ ድማ ናይ ጽምዶ ሳተላይት ኣለዉ፤ እዚኦም ቍልጡፍ ኣጽዋር ወይ ዝዀነ [ንሚሳይላት ጸላኢ] ንምውዳቕ እትጥቀመሉ ዝሕዙ'ዮም፡" ክብል ተዛሪቡ።

ጐልደን ዶም ኣብ ውሽጢ 3 ዓመት ክህነጽ ይኽእል ድዩ?

ኣብ ዘ ኢኮኖሚስት ኤዲተር ምክልኻል ሻሻንክ ጆሺ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ነቲ ውጥን ኣዝዩ ብዕቱብ ክወስዶ ምዃኑ'ኳ እንተ ገለጸ፡ ኣብ ግዜ ትራምፕ ክዛዘም እዩ ኢልካ ምሕሳብ ግን ክውንነታዊ ኣይኰነን። እቲ ገዚፍ ወጻኢታት ድማ ዓቢ ክፋል ባጀት ምክልኻል ኣመሪካ ክወስድ'ዩ ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣድሚራል ሞንትጎመሪ ነበር ምስዚ ይሰማማዕ።

"እዚ ካብ ሓሙሽተ ክሳዕ ሸውዓተ ኢሉ'ውን ክሳዕ 10 ዓመት ዝጸንሕ ክኸውን ይኽእል። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዝያዳ ውሑስ ዝገብሩና ነገራት ክህልዉ ድዮም? እወ" ብምባል፡ ኣብ መወዳእታ ዕምሪ ስልጣን ትራምፕ ግን "100% ውሑስ ስርዓት" ክህሉ ከም ዘይክእል ወሲኹ ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ባጀት ኮንግረስ መንግስቲ ኣመሪካ - ንኮንግረስ ቍጠባዊ ትንታነ ከቕርብ ሓላፍነት ዝተዋህቦ - ወጻኢታት እቲ ኣብ ህዋ ዝተመርኰሰ ክፋላት ናይቲ ስርዓት ጥራሕ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ናብ 542 ቢልዮን ዶላር ክዓቢ ከም ዝኽእል ሓሳብ ኣቕሪቡ።

መን'ዩ ክሃንጾ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጀነራል ሓይሊ ህዋ ኣመሪካ ማይክል ጉትሌን፡ ነቲ ብቢልዮናት ዝቝጸር ፕሮጀክት ወርቃዊ ዶም ክመርሕ ዝተመዘዘ ሰብ እዩ።

ካብ ታሕሳስ 2023 ጀሚሩ ኣብቲ፡ "ናይ ሚሳይል መጠንቀቕታ፡ ንቕሓት ዓውዲ ህዋ፡ ኣቀማምጣ፡ ምምራሕን ግዜን፡ ርክባትን ኤለክትሮንያዊ ውግእ ህዋን፡" ዝህብ ጨንፈር ሰራዊት ኣመሪካ ዝዀነ ሓይሊ ህዋ ምክትል ሓላፊ ስርሒታት ህዋ ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ።

ብፕረዚደንት ትራምፕ፡ "ኣዝዩ ንፉዕ ሰብ" ተባሂሉ ዝተገልጸ ብዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ጀነራል ጉትሌን፡ ቅድሚ ሕጂ ሓላፊ ትእዛዝ ስርዓታት ህዋን ዳይረክተር ስርዓታት 'ሪሞት ሴንሲንግ'ን ስለ ዝነበረ፡ ርኡይ ተመኵሮ ምልላይ ህዋን ሚሳይልን ሒዙ ክመጽእ'ዩ።

ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኦክላሆማ ተወሊዱ ዝዓበየ ጉትሌን፡ ካብ ኦክላሆማ ስቴት ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምምራቑ ኣብ 1991 ናብ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ተጸንቢሩ።

ወርቃዊ ዶም ብቐንዱ ብሩስያን ቻይናን ዝውንጨፍ ሚሳይላት ንምክልኻል ዝዓለመ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብኤጀንሲ ስለያ ምክልኻል ዝተዘርግሐ ሰነድ፡ ስግኣታት ሚሳይላት "ብዓቐንን ብዝተራቐቐ መንገድን ክሰፍሕ'ዩ፡" ክብል ኣመልኪቱ።

ቻይናን ሩስያን ድማ ኣብ ምክልኻል ኣመሪካ ዘሎ "ሃጓፋት ንምምዝማዝ" ስርዓታት ብንጥፈት ይነድፋ ከም ዘለዋ ይግለጽ።

ክልቲአን ሃገራት ነቲ ተበግሶ ኣመሪካ፡ "ዓሚቝ ዘይምርግጋእ፡" ክብላ ነቒፈንኦ።

እቲ ሓድሽ ስርዓተ ምክልኻል፡ "ኣብ ህዋ ስርሒታት ውግእ ንምክያድ ዝሕግዝ ኣጽዋራት ዘጠናኽር'ዩ፡" ክብል ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ መንጎ ሩስያን ቻይናን ድሕሪ ዝተኻየደ ዝርርብ ዝተዘርግሐ መግለጺ ክረምሊን ገሊጹ።

ይዅን'ምበር ወሃቢ ቃል ክረምሊን ድሚትሪ ፔስኮቭ ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ውጥን "ልኡላዊ ጉዳይ" ኣመሪካ'ዩ ክብል ገሊጽዎ።

ዳግማይ ዝርርብ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክጅምር ከም ዝኽእል ድማ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ቻይና ብወገና፡ እቲ ውጥን ንወተሃደራዊ ምትእትታው ጠፈር ብምዕባይን ንውድድር ኣጽዋር ኣብ ሓደጋ ብምእታውን ዓለምለኻዊ ጸጥታ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ገሊጻ።

ወርቃዊ ዶም፡ "ኣብ ጠፈር ናይ ውግእ ዓቕሚ ብሰፊሑ ክውስኽ ብግልጺ ይእምት... ብባህሪኡ ድማ ብኣንጻር እቲ ብውዕል ጠፈር ዝድገፍ ሰላማዊ ኣጠቓቕማ፡ ሓያል መጥቃዕቲ ዝፈጥር መዳያት ኣለዎ፡" ክብል ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ገሊጹ።

ስለዝዀነ ድማ ኣመሪካ ነቲ ስርዓት ክትገድፎ ተማሕጺኑ።

ብኻልእ መዳይ፡ ነዚ ካናዳ ክትጽንበሮ ድያ ዝብሉ ሕቶታት ይለዓሉ'ዮም።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ካናዳ ኣካል ናይቲ ስርዓት ክትከውን ከም ዝሓተተት ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንሱን ምኒስተራትን ምስ ኣመሪካውያን መዛኑኦም ኣብ ሓድሽ ጸጥታውን ቍጠባውን ዝምድና ይዘራረቡ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

"እዚ ዘተታት ብተፈጥሮኡ ምሕያል ኖራድ -NORAD [ትእዛዝ ምክልኻል ኣየርን ስፔስን ሰሜን ኣመሪካ]ን ተዛመድቲ ተበግሶታት ከም ወርቃዊ ዶምን ዘጠቓልል'ዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ናብ ዋሽንግተን ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ምኒስተር ምክልኻል ካናዳ ነበር ቢል ብሌር፡ ካናዳ ኣብቲ ፕሮጀክት ዶም ክትሳተፍ ተገዳስነት ከም ዘለዋ ተኣሚኑ ነይሩ።

"ትርጕም ዘለዎ፡" እዩ ብምባል፡ ን"ሃገራዊ ረብሓ" ካናዳ ከም ዘገድስ ገሊጹ።