ኤሎን ማስክ፡ ን 'ቻት ጂፒቲ' ንምዕዳግ ብ97.4 ቢልዮን ዶላር ይዋገ ኣሎ

ኢሎን መስክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብኢለን መስክ ዝምራሕ ጥምረት ቢልዮነራት ንሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ቻት ጂፒቲ ንምዕዳግ 97.4 ቢልዮን ዶላር ሰሊዑ።

ዓቓቢ ሕጊ እቶም ቢልዮነራት ማርክ ተበሮፍ፡ ቦርድ እቶም ቢልዮነራት ነቲ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ንምዕዳግ እማመኡ ትማሊ ሰኑይ ከምዝወድአ ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ።

እቲ የማናይ ኢድ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኰይኑ ዘሎ ኢለን መስክ ምስቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ቻትጂፒቲ ሳም ኣልተማን ሓርፋፍ ርክብ ከምዘለዎ'ዩ ዝንገር።

ሳም ኣልትማን እማም ጥምረት ብዓል ኢሎን መስክ ምስ ሰምዐ ብኣቓጫጭ፡ ኣብቲ ብኢሎን መስክ ዝውነን ኤክስ [ትዊተር ነበር] "የቐንየለይ፡ ኣይፋሉን! እንተደሊኻ ግን ንትዊተር ብ9.74 ቢልዮን ዲላር ክዕድገልካ" ዝብል መልሲ ሂብሉ።

ኦፕን ሚድያ፡ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ንኸጉላዕልዕ ባይታ ዘጣጣሐ ኮይኑ፡ ቀንዲ ሓላፈ እዚ ትካል ከኣ ሳም ኣልተማን እዩ።

ኢሎን መስክን ሳም ኣልተማንን ኣብ ጽቡቕ ዕርከነት እንከለዉ ኣብ 2015 ብሓባር ኮይኖም ሓደ ገዚፍ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል መስሪቶም ነይሮም'ዮም።

እንተኰነ እቲ ወናኒ ተስላን ትዊተርን ዝዀነ ኢሎን መስክ ኣብ 2018 ካብቲ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ኢዱ ምስ ኣንሰሓበ ኣብ ሞንግኦም ዝነበረ ርክብ እናሓርፈፈ መጺኡ።

ኣልትማን ነቲ ትካል ናብ መኽሰብ ዘለዎ ትካል ከማዕብሎ ምስ ጀመረን ነቲ ዝህቦ ዝነበር ነጻ ምወላታት ብምቁራጽን ኣብ ምምዕባል ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ከውዕሎ ከምዝጀመረ'ዩ ኢሎን መስክ ዝኸስስ።

ሳም ኣልትማን ግን ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ [ወይ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ] ሕጂ'ውን ሰብ ኣብ ምሕጋዝ ይሰርሕ ከምዘሎ'ዩ ዝማጎት።

ኢሎን መስክ ንኦፕን ኤኣይ ክገዝኦ ዝወሰነሉ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ "ሕጂ ኦፕን ኤኣይ ኩሉ ብነጻ ዝግልገለሉ'ዩ ክኸውን ዝግብኦ፡ ነዚ ከኣ ክንገብሮ ኢና" ኢሉ።

ኦፕን ኤኣይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋግኡ 157 ቢልዮን ዶላር ከምዝኰነ'ዩ ብዋናታት ተተሚኑ ነይሩ፡ ምስቲ ዓሚ ዝተገመቶ ዋጋ ክነጻጸር እንከሎ ከኣ 97.4 ቢልዮን ዶላር ኣዝዩ ትሑት እዩ።

ካልእ ብዛዕባ ኦፕን ኤኣይ ዝተገበረ መጽናዕቲ ከኣ፡ ዋጋኡ 300 በልዮን ዶላር ክበጽሕ ከምዝኽእል ቀሚሩ ኣሎ።