ቬንዙወላ፡ 'ሕቡኣት መራኽብ' ብኸመይ ካብ እገዳ ነዳዲ የምልጣ?

ኣመሪካ፡ ብ10 ታሕሳስ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቬንዙወላ ንሓንቲ መርከብ ነዳዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣመሪካ፡ ብ10 ታሕሳስ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቬንዙወላ ንሓንቲ መርከብ ነዳዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትያ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብን ናብን ቬንዙወላ ዝንቀሳቐሳ ኵለን መራኽብ ነዳዲ "ምሉእን ፍጹምን" እገዳ ክንበረለን ክእዝዝ ምዃኑ ኣፍሉጡ ኣሎ።

ብረቡዕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ መራሒ መንግስቲ ቬንዙወላ ኒኮላስ ማዱሮ ከም ናይ ወጻኢ ግብረሽበራዊ ትካል ተባሂሉ ከም ዝተመደበ፡ ንብረት ኣመሪካ ንምዝማት ከምኡ'ውን "ሽበራ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰባትን፡" ብምፍጻም ከም ዝተኸሰሰን ጠቒሱ።

"ስለዚ ሎሚ፡ ኵለን ካብን ናብን ቬንዙወላ ዝንቀሳቐሳ መራኽብ ነዳዲ፡ ምሉእን ፍጹምን እገዳ ክንበረለን ይእዝዝ ኣለኹ፡" ክብል ወሲኹ ብኣጽንዖት ሓቢሩ።

መንግስቲ ቬንዙወላ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ትራምፕ ዝገለጾ "ዘስደምም ምፍርራሕ" ከም ዝነጸጎ ገሊጹ'ሎ።

ነዚ ስዒቡ ብረቡዕ ዋጋ ነዳዲ ልዕሊ 1 ሚእታዊት ክብርኽ እንከሎ፡ ሰደድ ነዳዲ ቬንዙወላ ድማ ክንኪ ከም ዝኽእል ትጽቢት ይግበር።

ዕዳጋ ነዳዲ ንሕጂ ጽቡቕ ቀረብ ኣለዎ፤ እንተዀነ ግን እቲ እገዳ ንዝተወሰነ እዋን እንተ ቀጺሉ፡ ዋጋ ነዳዲ ዝያዳ ክብርኽ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ ሰደድ ነዳዲ ቬንዙወላ ዝፍጠር ዝተናውሐ ምዝንባዕ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ውጥረት ዝጸንሐ ዕዳጋታት ናፍታ ከጋድዶን፡ ዋጋታት ክብርኽን ከምኡ'ውን ዓለማዊ ዋጋታት ንብረት ክውስኽን ከም ዝኽእል ተንተንቲ የኣንፍቱ።

ኣመሪካ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቬንዙወላ ንሓንቲ ናይ ነዳዲ ጽዕነት መርከብ ምቍጽጻራ ስዒቡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን'ዩ ትራምፕ ትእዛዝ ከም ዝህብ ገሊጹ ዘሎ። እዚ ድማ ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኒኮላስ ማዱሮ እትገብሮ ዘላ ናይ ጸቕጢ ጐስጓስ ይሕይል ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

እታ ዝተታሕዘት መርከብ ኣካል ናይተን "መናፍስቲ (ሕቡኣት) መራኽብ" ዝበሃላ ቬንዙወላ እትጥቀመለን ታንከራት ነዳዲ እያ። እታ ሃገር፡ ነዘን መራኽብ ካብ እገዳ ነዳዲ ኣመሪካ ንምህዳም ከም እትጥቀመለን ይእመን።

እዘን መራኽብ ብኸመይ ይነጥፋ? ብዛዕብአንከ እንታይ ንፈልጥ?

ብሕቡእ ካብ እገዳ ምምላጥ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ ኣብ 2019 ኣብ ልዕሊ ኢንዱስትሪ ነዳዲ ቬንዙወላ እገዳ ድሕሪ ምንባሩ፡ ሰደድ ዘይተጻረየ ነዳዲ ቬንዙወላ ኣብ ጥሪ ናይቲ ዓመት ካብ ዝነበረ ኣስታት 1.1 ሚልዮን በርሚል፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት ኣብ መዓልቲ ናብ ኣስታት 495,000 በርሚል ዓመት ከም ዝወረደ ምምሕዳር ሓበሬታ ጸዓት ኣመሪካ ይሕብር።

እቲ ሽዑ ዝተነብረ እገዳ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት እውን ኣብ ቦትኡ ኣሎ፤ እንተዀነ ግን ሰደድ ነዳዲ ቬንዙወላ ክሳብ ሕዳር መሊሱ ናብ ኣስታት 920,000 በርሚል ኣብ መዓልቲ ከም ዝበረኸ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ይሕብር።

እዚ ካብቲ ኣብ 1998 ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሚልዮን በርሚል ዝነበረ ሰደድ ነዳዲ እታ ሃገር፡ ኣዝዩ ዝወሓደ እኳ እንተዀነ፡ እዚ ከፊላዊ ምምሕያሽ ግን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቬንዙወላ ዘንበረቶ እገዳ ከምቲ ተስፋ ዝገበረቶ ውጽኢታዊ ከም ዘይኰነ ዘመልክት እዩ።

ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብተን ኣብ ማያት ቬንዙወላ ዝርከባ ወይ ናብታ ሃገር ዝቐረባ 80 መራኽብ፡ ልዕሊ 30 እገዳ ኣመሪካ ዝተነብረለን ከም ዝነበራ ታንከርትራከርስ ዝተበሃለ መርበብ ሓበሬታ የመልክት።

ዋላ እኳ እቲ እገዳ ከም ዘሎዎ እንተሃለወ፡ ማዱሮ ግን መንግስቲ ቬንዙወላ ነዳዲ ሃገሩ ዝሸጠሉ ሓደስቲ ሜላታተት ረኺቡ ኣሎ።

ሓደ ወሳኒ ኣካል ናይዚ ድማ "መናፍስቲ (ሕቡኣት) መራኽብ" እየን። እዚአን ንጥፈታተን ብሕቡእ ንምክያድ ዝተፈላለየ ሜላታት ዝጥቀማ ጕጅለ መራኽብ ነዳዲ እየን።

ክስተት ሕቡኣት መራኽብ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ተርእዮ'ዩ። ቬንዙወላ ጥራይ ዘይኰነትስ እገዳ ምዕራባውያን ዝተነብረለን ኣፍረይቲ ነዳዲ ዝዀና ሩስያን ኢራንን እውን ዝጥቀማሉ ኣገባብ እዩ።

'ኤስ ኤንድ ፒ ግሎባል' ዝተበሃለ ትካል ሓበሬታ ፋይናንስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ሓንቲ ካብ ሓሙሽተ መራኽብ ነዳዲ፡ እገዳ ናብ ዝተነበረለን ሃገራት ነዳዲ ንምስግጋር ከም እትውዕል ይግምት።

ካብዚአን እተን 10 ሚእታዊት ነዳዲ ቬንዙወላ ጥራይ ዝጽዕና እየን። 20 ሚእታዊት ነዳዲ ኢራን፡ 50 ሚእታዊት ነዳዲ ሩስያ ክጽዕና እንከለዋ፡ እተን ዝተረፉ 20 ሚእታዊት ድማ ምስ ዝዀነት ፍልይቲ ሃገር ዘይተኣሳሰራን ናብ ልዕሊ ሓንቲ ሃገር ነዳዲ ዘጓዓዕዛን እየን።

ዕላማ እገዳ ነዳዲ፡ ካብ እገዳ ዝተገብረለን ሃገራት ዘይተጻረየ ነዳዲ ምዕዳግ ንምግታእ እዩ።

ከም ብዓል ቬንዙወላ ካብ ዝኣመሰላ እገዳ ዝተገብረለን ሃገራት ነዳዲ ክገዝኣ ዝተታሕዛ ኩባንያታትን ሃገራትን ባዕለን ብኣመሪካ እገዳ ከይንበረለን ሓደጋ ኣሎ።

እገዳ ዝተገብረለን ሃገራት፡ መበቈሉ እቲ ነዳዲ ንምሕባእ ዝተፈላለዩ መስርሓት ይጥቀማ። ነዳዲ ብቕናስ ዋጋ ብምቕራብ ኩባንያታት ወይ ሃገራት ብፍቓደኛታት ነዳዲ ክዕድጋ እናገበራ ይርከባ።

ሓደ ካብቲ እተን ሕቡኣት መራኽብ ነዳዲ ዝጥቀማሉ ልሙድ ኣገባብ፡ ብተደጋጋሚ ኣስማተን ወይ ባንዴራአን ምቕያር እዩ፤ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ወርሒ ብዙሕ ግዜ ኣስማተን ይቐያይራ።

ንኣብነት፡ እታ ብረቡዕ ዝተታሕዘት መርከብ ነዳዲ 'ዘ ስኪፐር' ከም እትበሃል፡ ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ፡ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ'ዩ።

እታ መርከብ ንሓለዋ ሰውራ ኢራንን ንሚሊሻ ሊባኖስ ሕዝቦላህን ንምምዋል ኣብ ዝሕግዝ መርበብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ነዳዲ ተሳቲፋ ብዝብል ክሲ፡ ካብ 2022 ጀሚራ ብቤትጽሕፈት ገንዘብ ኣመሪካ እገዳ ከም ዝተገብረላ ሲቢኤስ የመልክት።

ኣብቲ እዋን፡ እታ መርከብ ኣዲሳ ብዝብል ትጽዋዕ ነይራ። ፈለማ ግን ስማ፡ ቶዮ ዝብል እዩ ነይሩ። ምስ ሩስያዊ ዕሱብ ነዳዲ ቪክቶር ኣርተሞቭ ምትእስሳር ካብ ዘለወን መራኽብ ሓንቲ እያ።

እታ ስኪፐር ዝስማ 20 ዓመት ዘገልገለት መርከብ፡ ኣብ መንጎ ሕቡኣት መራኽብ ካብ ዘጋጥም ዘሎ ልሙድ ስግኣታት ሓንቲ እያ። ዓበይቲ ኩባንያታት መራኽብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ 15 ዓመት ዘገልገላ መራኽብ ይጕሕፋ እየን፤ ድሕሪ 25 ዓመት ድማ ጠቕሊለን ካብ ኣገልግሎት ይወጽኣ።

'ዕዙማት መራኽብ'

እተን እገዳ ዝተነብረለን መራኽብ ካብ ዝጥቀማሉ ካልእ ብልሓት ሓደ፡ ናይ ዝተጓሓፋ መራኽብ ብዓለምለኻዊ ውድብ ባሕሪ ዝተመደበ ፍሉይ ቍጽሪ ምዝገባ ሰሪቐን ምጥቃም'ዩ። እዚ ድማ ምስቲ መንነት ዝሞተ ሰብ ዝጥቀሙ ገበነኛታት ዝመሳሰል እዩ።

እዚአን "ዕዙማት መራኽብ" ወይ 'ዞምቢ መራኽብ' ብዝብል ይፍለጣ።

ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ቫራዳ ዝተባህለት መርከብ ካብ ቬንዙወላ ድሕሪ ናይ ክልተ ወርሒ ጕዕዞ ናብ ማያት ማሌዥያ ኣትያ።

እታ መርከብ ዕድሚኣ 32 ዓመት ስለ ዝነበረን ባንዴራ ናይታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ደሴታዊት ሃገር ኮሞሮስ ስለ ዝዘርግሐትን ጥርጣረታት ክለዓል ክኢሉ። ከምዚ ዓይነት ኵነታት ኣብተን ክሕባኣ ዝደልያ መራኽብ ህቡብ ምርጫ እዩ።

ብመሰረት መርመራ ብሉምበርግ፡ እታ መርከብ ዕዝምቲ እያ ነይራ፤ ምኽንያቱ እታ ሓቀኛ ቫራዳ ኣብ 2017 ኣብ ባንግላድሽ ዝተጐሓፈት እያ።

ብሉምበርግ፡ ብሳተላይት ዝተሳእሉ ኣሳእል ምስ ታሪኻዊ ስእልታት ብምንጽጻር፡ ዘይተጻረየ ነዳዲ ቬንዙወላ ዝጸዓና ኣርባዕተ ዕዙማት መራኽብ ኣለልዩ።

ካልኦት ልሙዳት ሜላታት ድማ፡ መበቈል ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣብ ዓለምለኻዊ ማያት ናብተን ሕጊ ዝኽተላን ባንዴራታት ካልኦት ሃገራት ዝዘርግሓ መራኽብ ምስግጋር የጠቓልል።

እዘን ሕጊ ዝኽተላ መራኽብ ድማ ብድሕሪኡ ነቲ ነዳዲ፡ ካብ እገዳ ዘይተገብረላ ሃገር ከም ዝመጽአ ገይረን ናብ ዝተሓሰበሉ ሃገር የብጽሓ።

እዚ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣን ትራምፕ፡ እገዳ ኣብ ዝጸንከረሉ እዋን ቬንዙወላ ናብ ቻይና ነዳዲ እትሰደሉ ኣገባብ እዩ።

ስም፡ ባንዴራ፡ ኣቀማምጣ፡ ፍጥነት ወይ መስመር እታ መርከብ ሓዊሱ ሓበሬታ ዘመሓላልፍ ኣውቶማቲክ መለለዪ ስርዓት ምዕጻው እውን ካልእ ኣብ መንጎ እዘን መራኽብ ዝዝውተር ብልሓት እዩ።

እዚ ድማ መራኽብ መንነተንን ኣቀማምጣአንን ክሓብኣ የኽእለን።

ብ18 ሕዳር ኣብ ገማግም ማያት ቬንዙዌላ ዝተላዕለ ምስሊ ሳተላይት፡ ዘ ስኪፐር፡ ብየማን፡ ኣብ ጐድኒ ካልእ መርከብ የርኢ

ምንጪ ስእሊ, Planet Labs PBC / Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብ18 ሕዳር ኣብ ገማግም ማያት ቬንዙዌላ ዝተላዕለ ምስሊ ሳተላይት፡ ዘ ስኪፐር፡ ብየማን፡ ኣብ ጐድኒ ካልእ መርከብ የርኢ

ቫንጋርድ ቴክ ዝተበሃለ ትካል ስግኣት ሓደጋ ባሕሪ፡ እታ ዘ ስኪፐር ዝተበሃለት መርከብ፡ "ንነዊሕ እዋን መርገጺኣ ትሓብእ ከም ዝነበረት፡" ከም ዝኣምን ይገልጽ። እዚ ድማ ናይ ሓሶት ምልክት ብምትሕልላፍ፡ ኣብ ካልእ ቦታ ከም ዘላ ክትመስል ምግባር የጠቓልል።

ጸረ-ብልሽውና ዘይመንግስታዊ ትካል ትራንስፓረንሲያ ቬንዙወላ ኣብ ጥቅምቲ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ኣብ ወደባት ናይቲ ቬንዙወላዊ መንግስታዊ ኩባንያ ነዳዲ ፒዲቪኤስኤ፡ 71 ናይ ወጻኢ ሃገራት መራኽብ ነይረን። ካብዚአን እተን 15 እገዳ ዝተነብረለን ኰይነን፡ እተን ትሽዓተ ድማ ምስ ሕቡኣት መራኽብ ዝተኣሳሰራ እየን።

ብተወሳኺ፡ 24 መራኽብ ተሓቢአን ክነጥፋ ከም ዘለዋን እቲ ቦታአን ዝሕብር ግዴታዊ መመልከቲ ድማ ከም ዝተዓጽወን ረኺቡ።

ኣብ ምዕራባዊ ቬንዙወላ ኣብ ዝርከብ ማያት ሽዱሽተ ካብ መራኽብ ናብ መራኽብ ዝግበር ምስግጋር ጽዕነት ከም ዘርኣየ እቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ይገልጽ።

መብዛሕትአን እተን መራኽብ ባንዴራታት ንእገዳታት ልሕሉሕ ክትትል ዘለወን ከም መዕቆቢ ቍጽጽር ዝቝጸራ ሃገራት ተጠቒመን - እዚ ድማ ባንዴራታት ፓናማ፡ ኮሞሮስን ማልታን የጠቓልል።

መብዛሕትዘን ኣብቲ ወደብ መራኽብ ነዳዲ ከይዓረፋ፡ ልዕሊ 20 መዓልታት ኣሕሊፈን፤ እተን ኣመሪካ ኣብ ቬንዙወላ ፍቓድ ዝሃበተን መራኽብ ግን ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልታት እየን ጸዕዒነን ዝብገሳ።

ትራንስፓረንሲያ ቬንዙወላ ኣብ ጸብጻቡ፡ "ኣብ ከባቢታት ወደባት ብቐጥታ ናብ መራገፊ መራኽብ ነዳዲ ከይበጽሐ ዝተናውሐ ጻንሒት ዘለወን እዘን መራኽብ ዘካይዳኦ ዘለዋ ዓይነት ስርሒታት ከቢድ ጥርጣረታት፡" ከም ዘልዕል የመልክት።

እቲ ብረቡዕ ነታ መርከብ ንምቍጽጻር ዝተኻየደ ስርሒት ካብታ ሕጂ ኣካል ናይቲ ኣብ ማያት ካሪብያን ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምውፋር ኣመሪካ ዝዀነት ጀራልድ ፎርድ ዝተበሃለት ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየት ተሰካሚት ነፈርቲ ከም ዝዀነ ኣብ ግምት ብምእታው፡ መራሒ መንግስቲ ቬንዙወላ ኒኮላስ ማዱሮ ኣብቲ ሕቡኣት መራኽብ ናይ ምምርኳስ ዓቕሙ ብዓቢዩ ክንኪ ተኽእሎ ኣሎ።