ኣመሪካ፡ ናብ ካሪብያን ዝኣተወ ኣሃዱ መጥቃዕቲ ሓይሊ ባሕሪ ከቢድ ስክፍታ ፈጢሩ

ዝዓበየት መርከብ ውግእ ዓለም- ዩኤስኤስ ጀራልድ ኣር ፎርድ- ዝተማእከለ፡ ሓይሊ መጥቃዕቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዝዓበየት መርከብ ውግእ ዓለም- ዩኤስኤስ ጀራልድ ኣር ፎርድ- ዝተማእከለ፡ ሓይሊ መጥቃዕቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡

በታ ዝዓበየት መርከብ ውግእ ዓለም - ዩኤስኤስ ጀራልድ ኣር ፎርድ - ዝተማእከለ፡ ኣሃዱ መጥቃዕቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ ናብ ካሪብያን ከምዝኣተወ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣረጋጊጹ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ትእዛዝ ናብቲ ዞባ ክዋፈር ዝተመደበ ጕጅለ መጥቃዕቲ ናብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ዘሎ፡ኣብ ልዕሊ ዕጸፋርስ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ብዝተኣሳሰር፡ ምስ ቬንዙዌላ ወጥሪ ኣብ ዝነገሰሉ እዋን እዩ።

ኣመሪካ ክሳብ ሕጂ ኣብ ካሪብያንን ምብራቓዊ ፓስፊክን፡ ኣብ ልዕሊ ጀላቡ ብውሕዱ 19 መጥቃዕቲ ብምክያዳ ብውሕዱ 76 ሰባት ቀቲላ ኣላ።

ፕረዚደንት ቬንዙዌላ ኒኮላስ ማዱሮን ካልኦት ሰበስልጣን እታ ሃገርን፡ ኣመሪካ ፡ በዚ ኣሳቢባ፡ ነቲ ጸጋማዊ ማሕበርነታዊ መንግስቲ እታ ሃገር ንምዕላው ትጽዕር ኣላ ክብሉ እዮም ዝኸሱ።

ኣብ መንጎ ምምሕዳር ትራምፕን መንግስቲ ኮሎምብያ ፕረዚደንት ጉስታቮ ፔትሮን ወጥሪ ዝነገሰ ዀይኑ፡ ትራምፕ 'ሕማቕ ሰብ' ከምኡ ድማ 'ገበነኛ' ክብል ፀሪፉዎ ነይሩ።

ፔትሮ፡ ኣብ ካሪብያን መጥቃዕቲ ጃልባ ክሳብ ዝቋረጽ፡ ሓይልታት ህዝባዊ ጸጥታ ሃገሩ፡ ምስ ትካላት ኣመሪካ ዝገብርዎ ምትሕብባር 'ስለያዊ ሓበሬታ' ደው ከብሉ ትማሊ ሰሉስ ኣዚዙ።

ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ቃሉ፡ ኣንጻር ሓሽሽ ዝግበር ቃልሲ፡ "ንሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ካሪብያን ክግዛእ ኣለዎ" ክብል'ውን ጽሒፉ።

ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ጕጅለ መጥቃዕቲ፡ ብ11 ሕዳር ናብቲ ንላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ዝከታተል ደቡባዊ እዚ ዘማእክለሉ ከባቢ ከምዝኣተወ ገሊጹ።

እቲ ጕጅለ እንታይ ዝሓዘ እዩ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እታ ናብቲ ከባቢ ካሪብያን ትንቀሳቐስ ዘላ ጕጅለ ሓይሊ ባሕሪ፡ ልዕሊ 4000 ባሕረኛታትን ዓሰርተታት ነፈርትን ዝሓዘት መርከብ ጽዕነት ነፈርቲ ዩኤስኤስ ጀራልድ ኣር ፎርድ ዘጠቓልል እዩ።

እቲ ጕጅለ መጥቃዕቲ፡ ብሚሳይል ዝተዓጀባ ነፈርትን ካልኦት ዝተፈላለያ መራኽብን እውን የጠቓልል።

ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ሾን ፓርነል፡ እቲ ሓይሊ ኣመሪካ "ንድሕነትን ብልጽግናን ዝዘርጉ ዘይሕጋውያን ተዋሳእትን ንጥፈታትን ንምልላይ፡ ንምክትታልን ንምዕጋትን፡ ዓቕሚ ዘደልድል'ዩ" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ "ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ" ንምቅላስን፡ ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ገበነኛታት ጕጅለታትን ንምምካትን ክሕግዝ'ዩ እውን ኢሉ።

እዚ ጕጅለ መራኽብ ጽዕነት፡ ምስቲ ኣብቲ ዞባ ተዋፊሩ ዘሎ ብርክት ዝበለ ወተሃደራዊ ሓይልታት ይጽንበር ዘሎ ዀይኑ፡ እዚ ድማ ኣሽሓት ወተሃደራት፡ ብኑክሊየር ዝሰርሕ ሳብማሪንን ወተሃደራዊ ነፈርትን ይርከብዎም።

ተደሚሩ ድማ ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ከባቢኣን ዝተዋፈረ ዝዓበየ ህላወ ወተሃደራዊ ኣመሪካ ይገብሮ።

ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ጀላቡ ዕጸፋርስ መጥቃዕቲታት ቀጺላ ኣላ፤ ምምሕዳር ትራምፕ፡ እቲ መጥቃዕቲ ናብ ኣመሪካ ዝውሕዝ ዘሎ ዕጸፋርስ ንምዕጋት ግድን ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ኣመሪካ ኣብ ፓስፊክ ክልተ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከምዘካየደትን ሽዱሽተ ሰባት ከምዝቐተለትን ኣፍሊጣ ነይራ።

እቲ ስጕምቲ፡ ምስ መንግስታት ኮሎምብያን ቬንዙዌላን ዝነበረ ወጥሪ ካብ ምግዳድ ብተወሳኺ፡ ካብ ገለ ተዓዘብቲ ሕቶ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣስዒቡ'ሎ።

ፕረዚደንት ኮሎምብያ ፔትሮ እውን፡ኣብ ልዕሊ ጕጅለታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ስጕምቲ ዘይወሰደ ተባሂሉ ዝንቀፍ ኰይኑ፡ ካብ ኣመሪካ ድማ እገዳ ተነቢሩዎ ይርከብ።

ብሰሉስ ወተሃደራዊ መኮንናት ኮሎምብያ፡ ኣብ ዞባ ኣማዞን ኣብ ልዕሊ ሓደ ዕጸ-ፋርስ ዝሓዘ ጕጅለ ጐረባብቲ፡ ባዕሎም ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘካየዱን 19 ሰባት ከምዝቐተሉን ኣቃሊዖም ክብል ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ትራምፕ፡ ቅድም ክብል ኣብ ሕዳር፡ ንመንግስቲ ቬንዙዌላ ክዓልው ወይ ኲናት ክጅምር መደብ ከምዘለዎ ንዝቐረበሉ ክሲ፡ ነፂጉዎ ነይሩ።

ትራምፕ ምስ ሲቢኤስ - ኣብ ኣመሪካ መሻርኽቲ ቢቢሲ - ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ "ነፍሲ ወከፍ ትርእይዋ ዘለኹም ጃልባ፡ 25 ሽሕ ሰባት ብሓሽሽ ትቐትልን፡ ኣብ መላእ ሃገርና ንዝርከቡ ስድራቤታት ተዕኑን" ኢሉ።

ኣመሪካ፡ ኣብ መሬት ዝዀነ ዓይነት መጥቃዕቲ ክትፍጽም ትሓስብ ድያ ብዝብል ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ትራምፕ፡ "ከምኡ ክገብር እየ ዝብል ዝንባለ የብለይን፤ ምስ ቬነዝዌላ፡ ክገብሮ ድየ ኣይገብሮን ሕጂ ኣይክነግረኩምን" ኢሉ።