ንክንክን ቈርበት ገጽ ዝንገረና ሜላታት ማዕረ ክንደይ ቅኑዕ እዩ?

ፊጣ ዝተኸደነት ገቫ ኣብ መስተዋት እትርኢ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ክፋል ገጽካ በረድ ኣብ ዝመልአ ጐማ ምጥሓል፡ ክሳብ ምዕጉርትኻ ብዝሑል ነገራት ምጥቕላል ዝብሉ ዝርከቡዎም፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት 'ኣብ ደቓይቕ ገጽካ ልምጽምጽ ዘብሉ መፍትሒታት' ዝብሉ ጐፍ ኢሎምና ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

እዞም ሜላታት ቅኑዓት ክመስሉ እንከለዉ፡ ሓካይም ቆርበት ግን ብዙሓት ካብኣቶም ጌጋ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝተወዓውዑን ዝበዝሕ ግዝያዊ ውጽኢት ዝህቡ ምዃኖምን ይዛረቡ።

ኣማኻሪት ሓክምና ቆርበት ዶክተር ኣይዛ ጃሚል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ገጽ ዝረአ ሕበጥ፡ ብሰንኪ ምዕቃብ ፈሳሲ ዝመጽእ ኰይኑ፡ ቀንዲ መበገሲታት ድማ ልዑል መጠን ጨው፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ኣለርጂን ሕጽረት ድቃስን ምዃኖም ትዛረብ።

ክኢላ ሕክምና ቆርበት - ዶክተር ቲና ቲያን ብወገና፡ መብዛሕትኦም እዞም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርግሑ ሜላታት፡ ኣብ ሰለስተ ከም ዝምደቡ ትገልጽ - ኣብ በረድ ምእላኽ፡ ማሳጅ ምግባርን ምዕብዓብን።

"ንግዚኡ ሕበጥ ገጽ ከጕድሉን እፎይታ ክህቡን ይኽእሉ እዮም፤ እቲ ፍታሕ ግን ግዝያዊ ጥራይ እዩ - ንሓዋሩ ኣቃውማ ገጽ ኣይቅይሩን እዮም።"

ስለዚ ብሓቂ ንሕበጥ [ምዕዝዓዝ] ገጽ ዝሕግዝ እንታይ እዩ፣ ብዛዕባ ሰለስተ ልሙዳት ሕክምናዊ ፍታሓት እንሆ።

1. ዝሑል ማይ

ብወረዳኢ ማይ ገቫ እትሕፀብ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ ገጽካ ኣብ በረድ ምቕባር፡ ዝብል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርጋሕ ዘሎ ኣበሃላታት፡ ፍርቁ ቅኑዕ ፍርቁ ድማ ምጽማም ዘመልክት እዩ።

ቲና እቲ ሜላ፡ "ንዝሑል ነገር ምቅላዕ ሰራውር ደም ክጸብብ ብምግባር፡ እዚ ድማ ርጕዲ ከጕድል ከም ዝኽእል" ካብ ዝብል ዝመጽአ ምዃኑ ትገልጽ።

ድሕሪ እቲ ሜላ ዘሎ ስነመጎት፡ እዚ እዩ።

ቲና ብዝዘሓለ ፎጣ ወይ ሽጐማኖ ምድራዝ እቲ ዝሑል ማይ ነቲ ስራሕ ክሰርሖ ስለ ዝኽእል፡ ናብ በረድ ምጥሓል ኣየድልን እዩ ትብል።

ንሳ ወሲኻ፡ "ብፍላይ ንግሆ መልክዕ" ክፈጥረልካ ከምዝኽእል፡ ውጽኢቱ ግን ግዝያዊ "ንልዕሊ ሰዓታት ዘይፀንሕ" ምዃኑን ትዛረብ።

ቲና፡ "ብዙሕ ናብ በረድ ምቅላዕ ብፍላይ ንተሃዋሲ ቆርበት ከቖጥዕ ወይ ነድሪ ከበግስ ስለ ዝኽእል፡ ብመጠኑ ይዅን" ብምባል ኣብ ዓቐን ጥንቃቐ ከግበር ከምዘለዎ ትዛረብ።

2. ገጽ ምድራዝ

ገጻ ብመሳርሒ እትደርዝ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ገለ ካብዞም መሳርሒታት፡ ቅርጺ ኣብ ምፍጣር ጽቡቕ ዝና ሃኒጾም'ኳ እንተኾኑ፡ ኣይዛ ግን "ንቆርበት ንሓዋሩ ኣይሕክሙን፡ ኣቃውማ ቆርበት ድማ ኣይቅይሩን ወይ ስብሒ ኣየጕድሉን" ትብል።

ወሲኻ፡ "ከም ዘህድእ ሜላ" ጌርካ ምርኣይ ዝበለጸ ምዃኑ ትዛረብ።

ንግዚኡ ሕበጥ ገጽ ኣብ ምንካይ ግን ክሕግዙ ይኽእሉ።

ነዞም ፍርያት ኣብ ቆርበት ክትደርዞም ከለኻ፡ እቲ ዝተዋህለለ ፈሳሲ ክንቀሳቐስን፡ ናብቲ ብተፈጥሮ ዘምክኽ ጽክታት ክኸይድ ትሕግዞ ኣለኻ ማለት እዩ።

ቲና ወሲኻ፡ ነቶም መሳርሒታት ምዝሓል ድማ ውጽኢታዊነቶም ሓፍ ስለዘብሎ፡ ገለ ሰባት ኣብ ፍሪጅ ከእትውዎም ከም ዝመርጹ ትዛረብ።

ብግቡእ እንተ ተገይሩ፡ ዝዀነ ጉድኣት ከውርደልካ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ'ዩ፡ ቲና ግን "ብዙሕ ጸቕጢ ምብስባስ ወይ ምብታኽ መትኒታት ደም ከስዕብ ስለዝኽእል፡ ቀስ ኣቢልካ ይዅን" ትብል።

3. ክሬም ገጽ

ክሬም ኣብ ገፃ እትገብር ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኵሉ ቦታታት ካፈይን ዓይኒ ክሬምን ርኢኹም ትኾኑ።

እዚ ሜላ፡ ብብዙሃት ጸለውቲ ዝምከር ኰይኑ፡ ኣብ ክንክን ቆርበት፡ ድሙቕ ዓይኒ ንምፍጣር ተስፋ ዝህብ እዩ።

ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ሸፋሽፍቲ ዓይኒ ዘሎ ቆርበት ንሕበጥ ዝቃላዕ እዩ፤ ምኽንያቱ ፈሳሲ ብቐሊሉ ኣብኡ ክእከብ ስለ ዝኽእል እዩ።

ቲና፡ ዘይከም ብዙሓት መመላኻዒ፡ እዚኣ ገለ መርትዖታት ከምዘለዋ ትዛረብ።

"ካፈይን [ንሰራውር ደም ዘጽብብ] ዝሓዙ ክሬማት ሕበጥ ዓይኒንን ነድርን ከጕድሉ ይኽእሉ" ትብል።

ካፈይን ንግዚኡ ንሰራውር ደም የጕድሎ እሞ ነቲ ሕበጥ ይዘልቕ ማለት እዩ።

ዶክተር ኣይዛ፡ እቲ ክሬም ኣብ ፍሪጅ ክትሕዞ ወይ'ውን "ብድሕሪ ዝሑል ማንካ ክትለኽዮ" ከም እትኽእል'ውን ትዛረብ።

ቲና ምስዚ ትሰማማዕ፣ እዞም ኣገባባት ተመሳሳሊ መስርሕ ዝኽተሉ "ግን ትሑት ውጽኢት ክህቡ ይኽእሉ" ትብል።

ካፈይን ዘለዎ ክሬም ርጕዲ ቆርበት ንምንካይ ክሕግዝ እንከሎ፡ ቲና ግን ኣብቲ ጠንቂ ምትኳር ዝያዳ ኣገዳሲ ምዃኑ ትዛረብ።

"ጨውን ኣልኮላዊ መስተን ምጕዳል፣ ኣለርጂ ብግቡእ ምሕካም፡ ንድቃስ ቀዳምነት ምሃብ፡ ለይቲ ድማ ርእስኻ ቅሩብ ልዕል ኣቢልካ ምድቃስ።"

መብዛሕትኡ እዚ ዓይነት ኣብ ገጽ ዝረአ ሕበጥ ሻቕሎት ዝፈጥር ሕክምናዊ ጉዳይ ኣይኮነን።

ቲና ግን "ቀጻሊ፡ ቃንዛ ዘለዎ ወይ ከም ምትንፋስ ምቍራጽ ወይ ሕበጥ ኣብ ካልእ ቦታ ኣካላት ዝኣመሰሉ ምስ ካልእ ምልክታት ዝተኣሳሰር እንተዀይኑ ብሕክምናዊ ኣገባብ ክረአ ኣለዎ" ትብል።