ግብረ-ወሲብ እናፈጸመ ብሕቡእ ዝቐረጸን ሩስያዊ ክሲ ክምስረቶ እዩ

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኮምፕዩተር እናጸሓፈ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ጋና፡ ምስ ሓያሎ ደቀንስትዮ ዝፈጸሞ ጾታዊ ርክብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝቐድሐን ኣብ ኢንተርነት ብዘይፍቓደን ዘካፈለን ሩስያዊ ተመሓላሊፉ ክወሃባ ክትሓትት ትሓስብ ከም ዘላ ተገሊጹ።

እቲ ማዕከናት ዜና ኣፍሪቃን ሩስያን ንገዛእ-ርእሱ ክኢላ ምኵሻም (ፒክ-ኣፕ ኣርቲስት) ኢሉ ከም ዝጸርሓ ዝገልጽኦ ኣብ ሰላሳታት ዕድመ ዝርከብ ሰብኣይ፡ ብሎገር ምዃኑን ምስ ደቀንስትዮ ዝገብሮ ርክብ ብሕቡእ ንምቕራጽ ናብ ጋና ከም ዝተጓዓዘን ይሕብራ።

መራኸቢ ብዙሓን፡ ንገለ ካብ ዝፈጸሞ ርክባት ንምቕራጽ ካሜራ ዝተገጥሞ መነጽር ከም ዝተጠቕመን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝዘርግሖን እኳ እንተ ገለጻ፡ ሰበስልጣን ግን ነዚ ኣየረጋገጹዎን ዘለዉ።

ምኒስተር ቴክኖሎጂ ጋና ሳም ጆርጅ ትማሊ ሰንበት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ንምዝርራብ ንኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ጋና ከም ዝዓደሞ ገሊጹ።

ኣቐዲሙ፡ ምኒስትሪ ጾታ፡ ቈልዑን ማሕበራዊ ሓለዋን ጋና፡ እቲ ጥርጡር ካብታ ሃገር ወጺኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገበሮ ፈላማይ መርመራ ከም ዘረጋገጸ ገሊጹ።

"ክብደት ናይቲ ዝተባህለ ተግባር ኮነ መንግስቲ ተሓታትነት ንምስዓብ ዘለዎ ሓላፍነት ከም ዘይጐደለ፡" ወሲኹ ይገልጽ።

ጆርጅ፡ ነቲ ኣብ ኣክራ ዝርከብ ኣምባሳደር ሩስያ፡ ሞስኮ ዝተጐድኡ ሰባት ፍትሒ ኣብ ምርካብ ክትተሓበበሮ ከም ዝሓተቶ ገሊጹ።

እንተዀነ፡ ሩስያ ኣብ ፍሉይ ኵነታት እንተ ዘይኰይኑ ዜጋታታ ኣሕሊፋ ኣይትህብን እያ።

እቲ ምኒስተር ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ንኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ጋና ንልዝብ ዓዲመዮ ኣለኹ፡" ኢሉ።

"ተግባራት ናይቲ ሩስያዊ ዜጋ ንሕግታት ድሕነት ሳይበርና ዝጥሕስ እዩ። መርገጺና ንኣምባሳደር ብወግዒ ከመልክት እየ።"

ኣቐዲሙ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ሰብ ክድለ እዩ፣ ምስ ኢንተርፖል እናሰራሕና ዘለና ኵሉ ዓቕሚ ክንጥቀም ኢና፡" ኢሉ።

"ንሰበስልጣን ሩስያ ክንሓትት ኢና። ስለዚ ድማ እየ ምስ ኣኽበርቲ ሕግና ሓቢሮም ክሰርሑ ንኣምባሳደር ሩስያ ዓዲመዮ ዘለኹ፡" ድሕሪ ምባል፡ "እቲ ሰብ ናብ ጋና ኣሕሊፉ ተዋሂቡ፡ ንጽኑዕ ሕግና ክገጥሞ ንደሊ፡" ክብል ኣብሪሁ።

ጆርጅ፡ እቲ ጥርጡር ናብ ጋና ክምለስ እንተ ዘይክኢሉ፡ ኣብ ዘይተረኽቦ መጋባኣያ ክፈርድዎ ምዃኖም ገሊጹ።

ማዕከናት ዜና ኬንያ፡ እቲ ሰብ ኣብ ኬንያ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ ዘይሕጋዊ ተግባራት ከም ዝተሳተፈ ይሕብራ።

ብመሰረት ሕጊ ሳይበር ሴኲሪቲ ጋና 2020፡ ዝዀነ ሰብ ብዘይምሉእ ፍቓድ ግሉጽ ምስሊ ህጻናትን ቈልዑን ወይ ዓበይቲ ዝዘርግሐ ክሳዕ 25 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ይኽእል።

ሰበመዚ ጋና፡ ከም ጾታዊ በደልን ፍቕራዊ ምትላልን (romance scams) ንዝኣመሰሉ ጾታዊ ግህሰታት ዝያዳ ኣቓልቦ ክህቡዎ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ በዚ ገበናት'ዚ ዝፍጸም ማእሰርቲ እናወሰኸ መጺኡ።

ኣብ 2022፡ ሓደ ቤትፍርዲ ሰሎሞን ዶጋ ንዝተባህለ ወዲ 22 ዓመት ክኢላ ጽገና ተለፎን፡ ምስሊ ዕርቃን ናይ ሓንቲ ሊባኖሳዊት ጓለንስተይቲ ብምክፋሉ፡ ን14 ዓመታት ማእሰርቲ ፈሪዱዎ።

ንሱ ብጾታዊ ምጭብርባርን ብዘይፍቓዳ ምስልታት ከም ዘካፈለን ተኣሚኑ።

ጋና ብተወሳኺ ብመሰረት ሕጊ ድሕነት ሳይበር 2020፡ ነቶም ዕርቃኖም ንዝወጽኡ ኣሳእል ወይ ቪድዮታት ብኢንተርነት ዝዝርግሑ - ብሕልፊ ናይ ደቀንስትዮን ቈልዑን - ሓደስቲ ሕግታት ኣተኣታትያ እያ።