'ኵሉ ስደተኛ ንኣስጋሪ ገንዘብ ይኸፍል... ደቀንስትዮ ግን ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ ይግደዳ'

ኢስተር፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ኤውሮጳ ስራሕን ገዛን ክህልወኪ'ዩ ዝብል ሓሳብ ሒዛ ክትቀርባ እንከላ፡ ኣብ ጐደናታት ሌጎስ ግዳም ሓደር እያ ነይራ።
ንሳ ድማ፡ ሓድሽ ህይወት ብፍላይ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክህልዋ ትሓልም ነይራ።
ካብ ዓመጽን ግህሰትን ዝመልኦ ህይወት ስለ ዝወጽአት፡ ብዙሕ እትብሎ ኣይነበራን።
ኣብ 2016 ድማ ካብ ሌጎስ ተበጊሳ፡ በረኻ ኣቋሪጻ ናብ ሊብያ ምስ ከደት ግን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድመኣ ዝነበረ ስንባደ ዝመልኦ ጕዕዞ ዝዀነ ግምት ኣይነበራን።
ኣብቲ እዋን ብኣስገዳድ ኣብ ጾታዊ ስራሕ ተዋፊራ፤ ኣብታ ዝኣተወትላ ሃገር ዕቝባ ክትረክብ ድማ ዓመታት ወሲዱ።
ብመሰረት ኤጀንሲ ዕቝባ ኤውሮጳ መብዛሕትኦም ዘይስሩዓት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ደቂ ተባዕትዮ እዮም - እዚኦም 70% ይሕዙ።
እንተዀነ ቍጽሪ ናይተን ከም በዓል ኢስተር ዝኣመሰላ፡ ዕቝባ ንምሕታት ናብ ኤውሮጳ ዝመጽኣ ደቀንስትዮ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
"ኣብ መስመራት ማእከላይ ባሕርን ባልካንን በይነን ዝጓዓዛ ደቀንስትዮ ክውስኽ ንርኢ ኣለና፡" ትብል ኣብ ኢጣልያ ሓላፊት ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ህይወት ኣድሕን ኢሪኒ ኮንቶጂያኒስ።
እቲ ኮሚቴ ኣብ 2024 ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ቍጽሪ ናይተን ብመስመር ባልካን ናብ ኢጣልያ ዝኣትዋ ጐራዙ ደቀንስትዮ ዓመታዊ ብ250% ክውስኽ እንከሎ፡ ስድራቤታት ድማ ብ52% ከም ዝዓበያ የርኢ።
መስመራት ስደተኛታት ኣዝዮም ሓደገኛታት እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) ኣብ ኤውሮጳ 3,419 ሞት ወይ ምጥፋእ ስደተኛታት መዝጊቡ፤ እዚ ድማ እቲ ዝኸፍአ ዓመት ይገብሮ።
ንደቀንስትዮ ግን እቲ ተወሳኺ ስግኣት ጾታዊ ዓመጽን ምዝመዛን ኣሎ፤ እዚ ድማ ኢስተር በታ ዝሓሸ ህይወት ክህልዋ ቃል ዝኣተወትላ ሰበይቲ ምስ ተጠልመት ዘጋጠማ እዩ።
"ኣብ ሓደ ክፍሊ ዓጽያ ወዲ ተባዕታይ ኣምጺኣ። ምሳይ ጾታዊ ርክብ ፈጺሙ፣ ብሓይሊ። ገና ድንግል እየ ነይረ፡" ትብል።
"እዚ እዮም ዝገብሩ...ንእሽቶ ኣዋልድ ንምምራጽ ናብ ዝተፈላለያ ዓድታት ናይጀርያ ይጓዓዙ፣ ናብ ሊብያ ድማ ኣምጺኦም ባሮት ጾታዊ ርክብ ይዀና።"
ምኽትል ዳይሬክተር ኦፕሬሽናት ትካል ስደተኛታት ኡጎቺ ዳኒኤልስ፡ ተመኵሮታት ስደተኛታት "ኣዝዩ ዝተፈላለየን መብዛሕትኡ ግዜ ዝያዳ ሓደጋ ዘለዎን'ዩ" ኢላ።
"ዋላ'ውን ብጕጅለ ዝጓዓዛ ደቀንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ቀጻሊ መከላኸሊ ስለ ዘይብለን፡ ብኣሰጋገርቲ ወይ ካልኦት ስደተኛታት ንዝፍጸም ግህሰት ይቃልዓ።"
ብዙሓት ደቀንስትዮ ነቲ ሓደጋታት ይፈልጣ እየን፤ ግን ብዝዀነ መገዲ ይኸዳ፣ ኮንዶም ይሕዛ ወይ ድማ ኣብ መገዲ እንተ ተዓሚጸን መከላኸሊ ጥንሲ ዝዀኑ ኣብ ሰብነተን የእትዋ።
ኣብ መርበብ ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ስቴላ ፖላረ እትሰርሕ ሄርሚን ግቤዶ "ኵሎም ስደተኛታት ንሓደ ኣሰጋጋሪ ክኸፍሉ ኣለዎም፤ ደቀንስትዮ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ከም ኣካል ናይቲ ክፍሊት ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ ትጽቢት ይግበር፡" ትብል።
ሄርሚን ግቤዶ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ትሪስተ ካብ ባልካን ንዝሰግሩ ስደተኛታት ትሕግዝ።
እታ ከተማ ቀንዲ መእተዊት ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ኰይና እተገልግልን እያ። ካብዚ ተበጊሶም ድማ ናብ ከም በዓል ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣመሰላ ሃገራት ይቕጽሉ።
ኢስተር ኣብ ሊብያ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ክትምዝመዝ ድሕሪ ምጽናሕ ሃዲማ ብናይ ጎማ ጃልባ ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊራ ካብኡ ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ድሒና ናብ ደሴት ላምፔዱሳ ተወሲዳ።
ሕቶ ዕቝባኣ ቅቡል ቅድሚ ምዃኑ፡ ሰለስተ ግዜ ዕቝባ ሓቲታ።
ካብ ውሑሳት ተባሂለን ዝረኣያ ሃገራት ዝመጽኡ ሓተትቲ ዕቝባ መብዛሕትኡ ግዜ ይንጸጉ።
ኣብቲ እዋን ኢጣልያ ንናይጀርያ ውሕስነት ከም ዘይብላ ሃገር እያ ትርእያ ነይራ፤ ቅድሚ ክልተ ዓመት ግን ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝርከባ መንግስታት ነቲ ኣብ 2015-16 ናብ ኤውሮጳ ዝነበረ ዓቢ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ሕግታተን ከጽንዓ ምስ ጀመራ ነቲ ዝነበራ ገምጋም ቀይራቶ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ሕቶታት ዕቝባ ተወሳኺ ገደብ ክግበር ዝጽውዕ ድምጽታት ይውስኽ እዩ ዘሎ።
"ጃምላዊ ስደት ክቕጽል ኣይክእልን - መገዲ የለን፡" ትብል ኣባል ባይቶ የማናይ መንግስቲ ጆርጅያ ሜሎኒ ዝዀነት ኒኮላ ፕሮካቺኒ።
"ነተን ብሓቂ ኣብ ሓደጋ ዝርከባ ደቀንስትዮ ውሑስ ህይወት ክንህበን ንኽእል ኢና፣ ንዅለን ግን ኣይኰነን።"
"ምስ ግሃዳዊ ኵነታት ክንራጸም የብልናን፤ ኣብ ውሽጢ ብግጭት ዝተሃስዩ ግዝኣታት፡ ዓመጽ ከም ኣጽዋር ኲናት ኣብ ዝጥቀማ ሃገራት፡ ንሓደጋ ተቓላዕቲ ንዝዀና ደቀንስትዮን ኣዋልድን ቀዳምነት ክንህበን ኣለና፡" ይብል ኣብ ዓቃባዊ ትካል ፖሊሲ ኤክስቸንጅ ኣማኻሪ ዝዀነ ራኪብ ኤህሳን።
ኣብዚ እዋን እዚ ብቐጻሊ ዝርአ ከም ዘይኰነ ይምጕት፤ ነቲ ናብ ኤውሮጳ ዘእቱ ሓደገኛ መገድታት ዝጥቀማ ደቀንስትዮ ዘጋጥመን ጸገም ክድንግጸሉ እንከሎ "እቲ ቀንዲ ርህራሀ'ዩ፡" ይብል።
ይዅን እምበር፡ ብዙሓት ካብ ውሑስ ተባሂለን ዝሕሰባ ሃገራት ዝመጽኣ ደቀንስትዮ፡ ብሰንኪ ጓለንስተይቲ ብምዃነን ዘጋጠመን ግህሰት፡ ኣብ ሃገረን ምንባር ኣጸጋሚ ምዃኑ ይገልጻ።
እዚ ጓል 28 ዓመት ኒና ዝተዛረበቶ'ዩ፤ ንሳ ካብ ኮሶቮ እያ መጺኣ።
"ሰባት ኣብ ኮሶቮ ኵሉ ጽቡቕ ዘሎ ይመስሎም፤ ግን ኣይኰነን። ነገራት ንደቀንስትዮ ኣዝዮም ዘስካሕክሑ እዮም።"
ኒና፡ ንሳን ሓፍታን ብኣፍቀርተን ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝበጽሐን እዚ ድማ ብኣስገዳድ ናብ ስራሕ ጾታዊ ርክብ ከም ዘእተወን ትዛረብ።
ኣብ 2019 ትካል ጸጥታ ኤውሮጳ OSCE ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ 54% ካብ ደቀንስትዮ ኮሶቮ ካብ ጓል 15 ዓመት ጀሚረን ካብ ናይ ቀረባ መጻምድቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ኣካላዊ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዘጋጠመን ይሕብር።
ብሰንኪ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ፡ ስደት ዘጋጥመን ደቀንስትዮ ብመሰረት ውዕል ኢስታንቡል ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ዕቝባ ክረኽባ መሰል ኣለወን።
እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕብረት ኤውሮጳ ብዝተዋህበ ፍሉይ ውሳነ ዝተደገፈ እዩ።
እቲ ውዕል ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ከም ስነኣእምሮኣዊ፡ ኣካላውን ጾታውን ከምኡ'ውን ምኽንሻብ (FGM) ዘጠቓልል እዩ ይብል።
ይዅን እምበር፡ እዚ ገና ኣብ ግብሪ ከም ዘይወዓለ ጕጅለታት ግብረ ሰናይ ይገልጹ።
"ብዙሓት ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ሓለፍቲ ዕቝባ፡ ንኸምዚ ዝበለ ረቂቕ ጉዳይ [ከም ምኽንሻብ] - ብሕክምናውን ስነ-ኣእምሮኣውን መዳይ - ንምግጣም እኹል ስልጠና ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮ እዮም፡" ትብል ዳይረክተር ኤንድ ፍጂኤም ዩሮፒያን ኔትዎርክ ማርያነ ንጉኤና ካና።
ብዙሓት ደቀንስትዮ ስለ ዝተኸንሸባ ጥራይ ተወሳኺ ሓደጋ ኣየጋጥመንን ብዝብል ግጕይ ግምት፡ ሕቶ ዕቝባአን ከም ዝተነጽገን ትዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Barbara Zanon/Getty Image
ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ ክለዓል ከሎ፡ ልክዕ ከም ኣካላዊ ስቅያት ተመሳሳሊ በሰላ ስለ ዘይገድፍ፡ መብዛሕትኡ ግዜ መረጋገጺ ከተቕርበሉ በዳሂ ከም ዝዀነ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ትካል ግብረ ሰናይ ንደቀንስትዮ ስደተኛታት እትሰርሕ ካረንዛ ኣርኖልድ ትገልጽ።
"ደቀንስትዮ ብተደጋጋሚ በቲ መስርሕ ክሓልፋ እንከለዋ፡ ነቲ ዘጋጠመን ጾታዊ ዓመጽ ንሓደ ቅድሚ ሕጂ ረኺበንኦ ዘይፈልጣ ሓላፊ ኢሚግሬሽን ኣግሂደን ዘይክነግርኦ ይኽእላ እየን፡" ትብል።
መብዛሕትኡ ደቀንስትዮ ዘጋጥመን ዓመጽ ኣብ ጕዕዞአን ከም ዝፍጸም ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"መብዛሕትኡ ግዜ ደቀንስትዮ ኣብ ዓደን ብመጻምደን ካብ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ይሃድማ፤ ድሕሪኡ ኣብ እዋን ጕዕዞ ድማ መሊሰን ተመሳሳሊ ነገር የጋጥመን፡" ትብል ኡጎቺ ዳኒለስ።
እዚ ንኒናን ሓፍታን ካብቶም ኣብ ኮሶቮ ካብ መጻምደን ዝበጽሐን ዝነበረ በደል ርሒቐን ኣብ ኢጣልያ ሓድሽ ህይወት ንምጅማር ኣብ ዝገበርኦ ጕዕዞ ዘጋጠመን ነገር እዩ።
ካብ ሰበስልጣን ዶባት ንምኽዋል፡ ምስ ካልኦት ደቀንስትዮ ብጫካታት ምብራቕ ኤውሮጳ ይጓዓዛ ነይረን። ኣብኡ ድማ ብደቂ ተባዕትዮ ስደተኛታትን ኣሰጋገርትን መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሐን ገሊጸን።
"ዋላ'ኳ ኣብ ላዕሊ ኣብ ጐቦታት፡ ኣብ ጸልማት እንተነበርና እቲ ኣውያት ይስማዕ እዩ፤ እቶም ሰብኡት መብራህቲ ሒዞም ናባና ይመጹ። ናብ ገጽና የብርሁዎ እሞ ንዝደለዩወን መሪጾም፡ ዝያዳ ናብ ጫካ ይወስድወን ነይሮም። ለይቲ፡ ሓፍተይ ሓገዝ ክትልምን ክትበኪ ይሰምዓ ነይረ።"
ኒናን ሓፍታን ንሰበስልጣን ኢጣልያ ኣብ ዝሃብኦ ቃል፡ ናብ ዓደን እንተተመሊሰን ብኣፍቀርተን ነበር ከም ዝቕተላ ሓቢረን። ኣብ መወዳእታ ድማ ዕቝባ ተዋሂቡወን።
ኢስተር ዕቝባ ክትረክብ ዝገበረቶ ቃልሲ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ወሲዱላ።
ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ኢጣልያ ኣብ 2016 ሓቲታ፤ ኣብኡ ድሕሪ ነዊሕ ምጽባይ ግን ናብ ፈረንሳ፡ ቀጺላ ናብ ጀርመን ግዒዛ።
ግን ድማ፡ ብመሰረት ሕጊ ዳብሊን ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሓደ ሓታቲ ዕቝባ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብታ ዝኣትዋ ቀዳመይቲ ሃገር ሕብረት ኤውሮጳ ዕቝባ ክሓትት ትጽቢት ስለ ዝግበረሉ፡ ሕቶኣ ተነጺጉ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ 2019 ኣብ ኢጣልያ ዕቑባ ረኺባ።
ካብ ናይጀርያ ካብ እትወጽእ ዳርጋ ዓሰርተ ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ኢጣልያ ዘለዋ ኵነታት እዚ ዅሉ ዋጋ ክኽፈሎ ዶ ይግባእ ነይሩ ኢላ ንነብሳ ትሓትት።
"ናብዚ ቦታ ዝመጻእኩሉ ምኽንያት'ውን ኣይፈልጥን እየ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







