ኖርወይ፡ ዜግነት ንዝሃበቶም ገለ ኤርትራውያን 'ደገፍቲ መንግስቲ' ዜግነት ከተሕድጎም ምዃና ተገሊጹ

ባንዴራታት ኖርወይን ኤርትራን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክፍሊ ኢምግረይሽን መንግስቲ ኖርወይ (ዩዲቼ) ሕቶ ዕቝባኦም ተቐቢሉ ዜግነት ንዝሃቦም ኤርትራዊ ዝመበቈሎም ናብታ ሃገር ብስደት ዝኣተዉ ዜጋታት፡ ኣንጻር እቲ ዘቕረብዎ ሕቶ ዕቝባ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘለዎም ደገፍ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ክምርምር ድሕሪ ምጽናሕ ናይ ኖርወይ ዜግነቶም ከሕድጎም ይሸባሸብ ከም ዘሎ ተገሊጹ።

እታ ሓሙሽተ ዝኣባላታ መርማሪት ጕጅለ፡ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ጉዳይ ናይ 135 ዜግነት ኖርወይ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን ክትምርምር ከም ዝጸንሐት'ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

እታ ጕጅለ ናይቶም መርመራ ከተካይደሎም ዝጸንሐት 135 ኤርትራውያን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጽሕፍዎን ዝብለዎን ከምኡ ከኣ ካልኦት ብዛዕባኦም ዝብለዎ'ያ ክትምርምር ጸኒሓ።

ካብዚ ብምብጋስ፡ ካለ ካብቶም 135 ሰባት፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህቦም ዜግነት ክሕደጉ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ ኣሎ።

ኵሎም እዞም 135 ሕቶ ዕቝባኦም ተቐባልነት ረኺቡ ዜግነት ኖርወይ ዝተዋህቡ ኰይኖም፡ ብውሕዱ ንዝሓለፈ ሸውዓት ዓመታት ኣብ ኖርወይ ክነብሩ ዝጸንሑ'ዮም።

ክሳዕ ሕጂ ናይ 20 ሰባት መንበሪ ፍቓዶም ከም ዝተሓደጉን ጉዳይ ተወሰኽቲ 30 ሰባት ከኣ ይምርመር ከም ዘሎ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ክንደይ ዝዀኑ ሰባት'ዮም ዜግነቶም ክሕደጉ ዝኽእሉ ግን ብንጹር ኣይተቐመጠን።

ብመሰረት ሕጊ ኖርወይ፡ ሕቶ ዕቝባ ዘቕረበ ሰብ፡ ሕቶኡ ተቐባልነት ረኺቡ ዜግነት ዝተዋህቦ፡ እቲ ንክቕበሉዎ ምኽንያት ዝዀነ ጌጋ ምንባሩ እንተ ተረጋጊጹ መንበሪ ፍቓዱን ዜግነቱን ክሕደግ ይኽእል'ዩ።

መንግስቲ ኖርወይ መንበሪ ፍቓድ ኤርትራውያን ከሕድግ እዚ ናይ መጀመርታኡ ኰይኑ፡ እቲ ምኽንያት ከኣ እቶም ሕጂ መንበሪ ፍቓዶም ዝተሓደጉ ኤርትራውያን ናብ ኖርወይ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ግፍዒ፡ ማእሰርቲ፡ ግህሰትን ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣግልግሎትን ከም ዝበጸሖም'ኳ እንተ ሓበሩ፡ ድሒሮም ግን ነቲ መንግስቲ ዘለዎም ደገፍ ከርእዩ ስለ ዝጀመሩ'ዩ።

ካብዚ ብምባጋስ፡ እቲ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ማእሰርትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን በጺሕና ዝብል ጥርዓኖም ቅኑዕ ሓበሬታ ኣይኰነን ኢሉ ከም ዝኣምን ክፍሊ ኢምግረይሽን ኖርወይ ይሕብር።

ብዘይካ'ዚ፡ መንግስቲ ኖርወይ ነዚ ነገር ዓቲቡ ክምርምሮ ዝተደረኸ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ በርገን ኣብ ሞንጎ ደገፍቲ መንግስትን ተቓውምትን ዝነበረ ዕግርግርን ባእስን'ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ ካብቶም ናይ ኖርወይ ዜግነቶም ዝተሓደጉ፡ ኣብ 2013 ኣብ ኖርወይ ሕቶ ዕቝባ ዘቕረበ ዜግነት ተዋሂቡዎ ኣብ ኖርወይ ኣቦወንበር መንእሰያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ዜግነት ኖርወይ ዝተዋህቦም ክንሶም ንመንግስቲ ኤርትራ ከም ዝድግፉ ዝተገለጹ ሰባት ኣመልኪቱ ዝግበር ዝነበረ መርመራ ደው ኢሉ'ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ 2024 ዳግማይ ከም ዝጀመረ'ዩ ተገሊጹ።

እቶም ናይ ኖርወይ ዜግነቶም ዝተሓደጉ ኤርትራውያን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ካብ መንግስቲ ኖርወይ ሓበሬታ ተዋሂብዎም ከም ዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናይቶም ይግባይ ዝሓተቱ ከኣ ጉዳዮም ድሕሪ ሓድሽ ዓመት ክረአ ምዃኑ ክፍሊ ኢምግረይሽን ኖርወይ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ እስራኤል 14 ዓመታት ክቕመጥ ዝጸንሐ "ደጋፊ መንግስቲ" ምዃኑ ዝተነግረሉ ሰብ፡ ብ3 ሕዳር 2025 ናብ ኤርትራ ከም ዝተሰጐገ ኢዮሩሳሌም ፖስት ሓቢራ ምንባራ ይዝከር።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ እስራኤል ዝቕመጡ ኤርትራውያን ድጋፍ እናተገብረሎም ናብ ሩዋንዳ ተመሊሶም እኳ እንተ ነበሩ፡ ናብ ኤርትራ ምስጓግ ግና እዚ ናይ ፈለማ ምዃኑ እዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ።

ኣብ 2 መስከረም 2023 ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ተቓወምትን ኣብ ተልኣቪቭ ብዝተላዕለ ግጭት፡ ኣባላት ፖሊስ እስራኤል ዝርከቡዎም ብውሕዱ 150 ሰባት ከም ዝቘሰሉን 11 ሰባት ብጥይት ከም ዝተሃርሙን ማዕከናት ዜና እስራኤል ኣቃሊሐን ነይረን።

ብተወሳኺ፡ ኣብ 24 ነሓሰ 2024 ክልተኦም ኣካላት ኣብ ሓድሕዶም ብዝተፈጥረ ዕግርግር ክልተ ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ሸሞንተ ድማ ብኸቢድ ከም ዝተሃርሙ ተገሊጹ ነይሩ።

እዚ ሓድሕዳዊ ግጭት፡ ነቶም ብዘየተኣማምን ወግዓዊ ፍቓድ ኣብታ ሃገር ክቕመጡ ዝጸንሑ ኤርትራውያን፡ ኵነታቶም ክብእስ ከም ዝገበሮ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

እዚ ኣብ ነሓሰ 2011 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ድሕሪ ምእታው ኣብታ ሃገር ክቕመጥ ዝጸንሐ ስሙ ዘይተጠቕሰ ኤርትራዊ፡ ኣብ ሚያዝያ 2025 ጎዞሞ ኣብ ኢዱ ሒዙ እንከሎ ብፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ፡ ብተቘጻጻሪ ሓለዋ ዶብ ጉዳዩ ክስማዕ ተገይሩ። ንስድራኡ ብምፍርራሕ'ውን ተጠርጢሩ ከም ዝነበረ እቲ ሓበሬታ ይገልጽ።

ድሕሪ መስርሕ ፍርዲ ድማ ኣብ ራምለ ናብ ዝርከብ መዳጐኒ ጊቮን ተሰጋጊሩ።

ኣብ ጊቮን ኣብ ዝጸንሓሉ ደጋፊ ስርዓት ኣስመራ ምዃኑ ስለ ዝተረጋገጸ፡ ንጉዳዩ ኣመልኪቱ ብዝቐረበ ርእይቶ መሰረት ድማ ክስጐግ ከም ዝተኣዘዘ ማዕከናት ዜና እስራኤል ገሊጸን ነይረን።

እንተዀነ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዜጋታቱ ክቕበል ፍቓደኛ ከም ዘይኰነ ክንገረሉ ዝጸንሐ መንግስቲ ኤርትራ ክህቦ ዝኽእል ግብረ-መልሲ ኣይተፈልጠን ዘሎ።