ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓተትቲ ዕቝባ ዝእግድ መምርሒ ኬንያ ደው ኢሉ፡ ኡጓንዳኸ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ላዕላዋይ ቤትፍርዲ ኬንያ፡ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመጽኡ ሓተትቲ ዕቝባ ስደተኛታት ኣገልግሎት ምዝገባ ደው ንዘብል መምርሒ ካብ ምትግባር ዓጊቱዎ።
ዳኛ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ጃስቲስ ቻቻ ምዊታ፡ ብሓሙሽተ ኣካላት ሰብኣዊ መሰላትን ተጣበቕቲ ስደተኛታትን ዝቕረበ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር መሰረት ዝገበረ ጥርዓን ክሳዕ ዝስማዕን ዝውሰንን፡ ነቲ ብ31 ሓምለ 2025 ብኮምሽነር ጉዳያት ስደተኛታት ዝወጽአ መምርሒ ከይትግበር ዝኽልክል ትእዛዝ ከም ዘውጽአ ማዕከናት ዜና ኬንያ ገሊጸን።
ዳኛ፡ እቲ ንምዝገባ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ዝድርት ፖሊሲ፡ ንቕዋም ሃገረ ኬንያን ኣህጉራዊ ሕጊ ስደተኛታትን ናይ ምጥሓስ ሓደጋ ከም ዘስዕብ ብምግላጽ እዩ ንግዜኡ ደው ክብል ወሲኑ።
እቲ መምርሒ፡ ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ወጻኢ ክነብሩ ዘኽእሎም ምቕያር ኣድራሻን ምትሕልላፍ ሰነድን እውን ደው ኣቢሉዎ ጸኒሑ እዩ።
ነቲ ስጕምቲ ደው ንምባል፡ ብመርበባት ሕጊ ስደተኛታት፡ ሃገራዊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ፡ ኮንሶርትየም ስደተኛታት ኬንያ፡ ኪቱኦ ቻ ሸርያን ሳንክቸሪ ፋውንደይሽንን ጥርዓን ቀሪቡ።
እቲ መምርሒ ዘይፍትሓዊ፡ ንሕጊ ዝጻረር ምዃኑ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ክእሰሩ፡ ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሑ፡ ክጥረዙ፡ ወይ ድማ ብዘይ ግቡእ ምኽንያት ናብቲ ዝሃደምሉ ክምለሱ ዘኽእል ምዃኑ ይዛረቡ።
እቶም ነቲ ጥርዓን ዘቕረቡ ሰባት፡ እቲ ዝወጽአ መምርሒ፡ ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታት ሓተትቲ ዕቝባ፡ ብሰንኪ ዓሌቶም ብኢፍታሓዊ ኣገባብ ከም ዝሕዞምን ወረቐቶም ከሐድሱ ከቢድ ምዃኑን ብምግላጽ፡ ሕጊ ስደተኛታት ኬንያን ኣህጉራዊ ሕግን ዝህቦም መሰላት ንምርካብ ብዝያዳ ከም ዘጸግሞም ንቤትፍርዲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ ሓቢሮም።
እቲ ምቕባል ዕቝባ ድው ዘብል መምርሒ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ዝኽእል ኰይኑ፡ እቲ ስጕምቲ ኣብ ሕጊ ስደተኛታት ኮነ ካልእ ተዛማዲ ሕግታት ዝተመርኰሰ ከም ዘይኰነ ተማጒቶም።
ብተወሳኺ፡ እቶም ስደተኛታት ኮነ ኢልካ ወይ ብጌጋ ናብተን ካብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝሃደሙለን ሃገራቶም ምምላስ ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ይዛረቡ።
መንግስቲ ብመንገዲ መዋሳሩ መርሲ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንስርዓት መስርሕ ምቕባል ስደተኛታት ብኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ዝግበር ካብ ቅጥዒ ወጻኢ ዝዀነ ተግባራት ንምክልኻል ዘኽእል ሕጋዊ ምምሕዳራዊ ስጕምቲ ምዃኑ ገሊጹ።
መንግስቲ፡ እቲ ምልክታ ኣብ ዓንቀጽ 7ን 8ን ሕጊ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ስልጣን ኮምሽነራት ዝተዋህበ ኰይኑ፡ ምስ ኣህጉራዊ ስምምዓት፡ ዞባዊ ኣሰራርሓ፡ ከምኡ'ውን ግዴታታት ኬንያ ዝሰማማዕ ምዃኑ ተማጒቱ። ተሳትፎ ህዝቢ ከም ዘይሓትት'ውን ገሊጹ።
ወኪል መንግስቲ፡ እቲ ስጕምቲ ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓተትቲ ዕቕባ ካብ ምምዝጋብ ንምእጋድ ዝዓለመ ከም ዘይኰነ ብኣጽንዖት ገሊጹ።
እቲ መምርሒ፡ ሓደ ጉዳይ ኣብ ሓደ ግዜ ዝርኢ ኰይኑ፡ ካብዘን ክልተ ሃገራት ንዝመጽኡ ሓቀኛታት ሓተትቲ ዕቝባ ዘግልል ከም ዘይኰነ ምዋሳሩ ንዳኛ ሓቢሩ።
ዳኛ፡ ኣብዚ ደረጃ'ዚ፡ ቤትፍርዲ እቲ መምርሒ ሕጋዊ ድዩ ኣይኰነን ከም ዘይውስን፣ እቲ ዝቐረበ ጥርዓን ዓበይቲ ቅዋማዊ ሕቶታት ዘልዕል ድዩ ኣይኰነን ጥራሕ ከም ዝውስን ኣስሚርሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኡጓንዳ ንኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ሶማላውያንን ስደተኛታት ዕቝባ ምሃብ ደው ከም ዘበለት፡ ምኒስተር ረድኤት፡ ምድላው ሓደጋን ስደተኛታት ናይታ ሃገር ሂላሪ ኦነክ ከም ዝገለጸ ኤንቲቪ ኬንያ ጸብጺባ።
"ብፍላይ ኣብ ከም ኤርትራ፡ ኢትዮጵያንን ሶማልያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኲናት ስለ ዘየሎ፡ ካብአን ዝመጽኡ ስደተኛታት መሰል ዕቝባ ከይወሃቦም ንቤትጽሕፈታትና መምርሒ ሂበዮም ኣለኹ፡" ኢሉ።
እዚ ውሳነ ዝተዋህበ፡ ናብታ ሃገር ስደተኛታት እኳ እንተ ወሓዙ፡ ደገፍ ለገስቲ ሃገራት ግን ብኣንጻሩ እናነከየ ድሕሪ ምምጽኡ እዩ።
እቲ ምኒስተር፡ ነቶም ድሮ መሰል ዕቝባ ዝተዋህቡ ስደተኛታት ዘይጸልዎም ኰይኑ፡ ካብዘን ዝተጠቕሳ ዝመጽኡ ሓደስቲ ሓተትቲ ዕቝባ ግን ከም ዘይወሃቦም ኣፍሊጡ።
ምኒስተር ኦነክ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ኮርያ ንፕሮግራም መግቢ ዓለም ዋጋ 2.9 ሚልዮን ዶላር ዝግመት 2,544 ሜትሪክ ቶን ሩዝ ኣብ ጉሉ ንዝርከብ መኽዘን ኣብ ዘረከበሉ ኣጋጣሚ እዩ።
እቲ ሩስ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ 13 መዕቈቢ ስደተኛታት ንዝርከቡ 600,000 ስደተኛታት፡ ከምኡ'ውን ሕጽረት መግቢ ኣብ ዝርከቦ ዞባ ካራሞጃ ንዝርከቡ 200,000 ቈልዑ ንሓደ ዓመት ኣብ ቤት ትምህርቲ ከመግቦም ክኽእል እዩ።
እቲ ምኒስተር ብተወሳኺ፡ ምስተን ስደተኛታት ዝመጽኡለን ሃገራት፡ ኲናት ደው ኣቢለን ሰላም ከንግሳን ዝተሰዱ ዜጋታተን ክመልሳን ይዘራረቡ ምህላዎም ገሊጹ።
"ምስቶም መንግስታት ኣብ ዘተ ኣለና - ዋላ'ኳ እተን ሃገራት ኡጓንዳ ጣልቃ ትኣትወን ከም ዘላ ዝሓስባ እንተዀና። ንሕና ግን ገና ተስፋ ኣይቈረጽናን ኣለና፣ ምኽንያቱ፡ ናብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሑ ኣለዎም - ተጻዋርነት ክህልዎምን ዜጋታቶም ከም ዝምለሱ ክገብሩን ይግባእ።"
ቀጺሉ፡ "ብዝሒ ስደተኛታት ናብ ክልተ ሚልዮን ገጹ ይኸይድ ኣሎ፣ መዓልታዊ'ውን እናወሰኸ እዩ። ካብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ መዓልታዊ ካብ 100 ክሳብ 200 ስደተኛታት ክንቅበል ጸኒሕና ኢና። ካብታ ኣብ ሰላም ዘላ ኢልና እንሓስባ ደቡብ ሱዳን ከይተረፈ ስደተኛታት ይውሕዙ ኣለዉ። ስለዚ፡ ኣብኡ ዘለዉ መንግስታት ንፖለቲካዊ ተቓውሞታቶም ተጻዋርነት ክህልዎም፡ ሓቢሮም ክሰርሑን ዜጋታቶም ናብ ዓዶም ክመልሱን ክሰማምዑ ተስፋ እገብር፡" ኢሉ።
ናይ ኡጓንዳ ፖሊሲ ስደተኛታት ሓቛፊ፣ ከምኡ'ውን እቶም ሰባት ክሰርሑ፡ ክነግዱ፡ ናይ ምንቅስቓስ ናጽነቶምን ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክረኽቡን ምቹእ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ምኒስተር፡ ሕጂ ግን ብቝጠባ ጾር ይዀኖም ከም ዘሎን ሃገሩ ኣስታት 2 ቢልዮን ኡጓንዳ ሽልን ንስደተኛታት ከም እተውጽእን ኣብሪሁ።
ኡጓንዳ ካብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) 240 ሚልዮን ዶላር ንዓመት ትረክብ ከም ዝነበረት ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብዚ ዋሕዚ ስደተኛታት ወሲኹ ኣስታት 2 ሚልዮን በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን ግን ዝወሃብ ዘሎ ሓገዝ ትሕቲ 100 ሚልዮን ዶላር ምዃኑ ተዛሪቡ።
ኣብዚ ዓመት፡ 18 ሚልዮን ዶላር ጥራሕ ከም ዝተቐበሉ ዝገለጸ እቲ ምኒስተር፡ እቲ ጾር ኣብ እንግድዓ ህዝቦም ብምውራዱ እቲ ኵነታት ኣሰካፊ ምዃኑን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጉዳይ መፍትሒ ክደልየሉ ተላብዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







