ኤርትራ፡ ልዕሊ 40 ስደተኛታት ብፖሊስ ኬንያ ተታሒዞም

ኣብ ናይሮቦ ከባቢ ጊጊሪ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ኬንያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ናይሮቦ ከባቢ ጊጊሪ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ኬንያ

44 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምዕራብ ኬንያ ቡንጎማ ኣብ ዘተብሃለ ግዝኣት ትማሊ ከም ዝተረኸቡን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ፖሊስ ኬንያ ኣፍሊጡ።

እዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ 44 ኤርትራውያን ኣብ ሚቲ ምብሊ ዝተብሃለት ቍሸት ኣብ መንበሪ ሓደ ውልቀ ሰብ ተዳጒኖም'ዮም ጸኒሖም።

እቲ መስመር፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ዩጋንዳ ከምኡ ከኣ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ናይሮቢ ንምእታው ዝጥቀምሉ መስመር ኰይኑ፡ እዞም ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ድዮም ካብ ዩጋንዳ ተበጊሶም ዝተሓበረ ነገር የለን።

ስሞም ዘይተጠቐሰ መስኻኽር ዓይኒ፡ እቶም ስደተኛታት ብሓንቲ ወተሃደራዊት መኪና እትመስል ተሽከርካሪት ናብቲ ቦታ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ድሕሪ ምእታዎም፡ ፖሊስ ካብ ነበርቲ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ክረኽቦም ከምዝኽኣለን፡ ጉዳያቶም ክሳብ ዝጻረ ኣብ ብሪጋደር ዝተብሃለ መደበር ፖሊስ ተሓይሮም ከምዘለዉ ፖሊስ እታ ግዝኣት ኣፍሊጡ።

ብዙሓት ካብቶም ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኵነታትን ከምኡ ከኣ ናብ ካልእ ሃገር ንምስጋርን ካብ ኤርትራ ዝወጽኡ ኤርትራውያን፡ ክሳብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዝልዓል፡ ንሱዳን'ዮም ከም ቀንዲ መሰጋገሪት ዝጥቀሙላ ነይሮም።

ኣብ ሱዳን ኲናት ሓድሕድ ምስ ጀመረ ከኣ እቶም ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ናብ ደቡብ ሱዳንን ናብ ኢትዮጵያ'ዮም ሰጊሮም።

ኣብዚ እዋን ከኣ ንኢትዮጵያ ከም ቀንዲ መዕረፊት እግሮም ይጥቀሙላ፡ ካብ ኢትዮጵያ ከኣ ናብ ከም ዩጋንዳን ኬንያን ይሰግሩ።

ካብ 2020 ክሳብ 2022 ኣብ ዝነበረ ኲናት ትግራይ ግን፡ ጥቡቕ ርክብን ሽርክናን መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኤርትራን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ስግኣት ስለዝፈጠረሎም ናብ ኬንያን ዩጋንዳን ክሰግሩ ተገዲዶም፣ ብቐንዱ ከኣ ናብ ዩጋንዳ።

ድሕሪ 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ ወጥሪ መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘንቀሎ ስግኣታት ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ዝበዝሑ ስደተኛታት ናብ ዩጋንዳ ክሰግሩ ከምዝተገደዱ ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ስደተኛታት ብምዝርራብ ሰኒድዎ'ዩ።

እታ ካብ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ብዝመጽኡ ስደተኛታት ኣዕለቕሊቓ እትርከብ ዩጋንዳ'ውን ካብ ጥሪ 2025 ጀሚራ ሓደስቲ ስደተኛታት ምቕባልን ምምዝጋብን ደው ከምዘበለቶ ብወግዒ ስለዝሓበረት፡ እቶም ኣብ ዩጋንዳ ዝነበሩ ኤርትራንን ኢትዮጵያውያንን ብብዝሒ ናብ ኬንያ ክሰግሩ ተራእዮም።

ከም ውጽኢቱ ኬንያ'ውን ቀንዲ ማእከል ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትከውን ግዜ ኣይወሰደን።

መንግስቲ ኬንያ'ውን ብግደኡ ካብ መወዳእታ ሰነ ጀሚሩ ሓደሽቲ ስደተኛታት ምምዝጋብ ደው ምስ ኣበለ፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ኬንያን ዩጋንዳን ተበጊሶም ናብ ሊብያ ይኸዱ ከምዘለዉ ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ'ሎ።

ሓደ ስምኦን ዝተብሃለ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ኣብ ኬንያ ንኣስታት ክልተ ዓመት ብመንገዲ ኤምባሲ ፖላንድ፡ ናብታ ሃገር ንምእታው ዝገበሮ ፈተነ ስለዝተነጸጎ፡ ናብ ሊብያ ከምዝኸደ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ንሱ "ብመርዓ ናብ ፖላንድ ንምእታው ፈቲነ፡ ወረቐተይ ተነጺጉ፡ ይግባይ ኢለ'ውን ደጊሙ ተነጺጉ፡ ምስ ዘሎ ብዝሒ ስደተኛ ከኣ ኬንያ ወረቐት ምሕዳስ'ውን ኣብያትና፣ ኣማራጺ ስለዘይነበረ'የ ናብ ሊብያ ከይደ" ብምባል ኣብ ሊብያ ንዝኸፍአ ጸገማት ተቓሊዑ ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምስቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓርፈፈ ዝኸይድ ዘሎ ርክብ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኤርትራውያን ተደጋጋሚ ማእሰርትን ምክልባትን የጋጥሞም ከምዘሎ'ዮም ዝገልጹ።

እቲ ከም ፍታሕ ዝሓስብዎ ከኣ ካብታ ሃገር ምውጻእ'ዩ።

ቅድሚ ሕጂ ናብታ ብተዛማዲ ኣብ ኣተሓሕዛ ስደተኛታትን ንኽትሰርሕ ዘለዋ ነጻነትን እትንኣድ ዝነበረት ዩጋንዳ'ዮም ዝኸዱ ነይሮም። እታ ሃገር ሓደስቲ ስደተኛታት ምቕባል ደው ምስ ኣበለት ከኣ ናብ ኬንያ'ዮም ብብዝሒ ክውሕዙ ተራእዮም።

ቅድሚ ሕጂ'ውን ብተመሳሳሊ ናብ ኬንያ ክኣትዉ ዝተተሓዙ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ መደበራት ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፡ ሕቶ ዑቕባኦም ብቤት ፍርዲ ተሰሚዑ ከምዝተፈትሑ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ኬንያ ንስደተኛታት ምቕባል ደው ምባላ ብምቕዋም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቤት ፍርዲ ኬንያ ክሲ ድሕሪ ምቕራቦም፡ ቤት ፍርዲ፡ መንግስቲ ኬንያ ስደተኛታት ምቕባል ዳግማይ ክጅምሮ ውሳነ ድሕሪ ምሃቡ፡ መዓልታዊ ብኣዝዩ ውሑድ ቍጽሪ ስደተኛታት ምምዝጋብ ጀሚራ ምህላዋ ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።