ዕሉል ኣስጋሪ ኤርትራዊ ተወልደ ጐይትኦም [ወሊድ] መስርሕ ፍርዱ 3 ሕዳር ክጅምር'ዩ

ወሊድ

ምንጪ ስእሊ, IDN

ምስማዕ ተወሰኽቲ መሰኻኽርን መስርሕ ፍርድን ዕሉል ኣሰጋጋሪ ሰባት ኤርትራዊ ዝመበቈሉ ብወሊድ ዝፍለጥ ተወልደ ጐይትኦም ካብ 3 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ሆላንድ ከተማ ዝዎለ ክጅመር ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቲ ምስማዕ መሰኻኽር ኣዝዩ ብዙሕ ስለዝዀነ ወርሒ ክወስድ ከምዝኽእል'ዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ተወልደ ጐይትኦም ወይ ወሊድ ኣብ ሊብያ ንሓደ ዓለምለኻዊ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብምምራሕ፡ ሰባት ብምእሳር፡ ብምስቓይን ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻምን'ዩ ዝኽሰስ።

እቲ ንሱ ዝመርሖ ጕጅለ ኣብ ሊብያ በኒ ዋሊድ ዝብሃል መዳጐኒ ስደተኛታት ዘለዎ ኰይኑ፡ ወሊድን መሳርሕቱን ነቶም ካብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ዘስገርዎም ሰባት ኣብዚ መዓስከር እዚ ዳጒኖም እናኣሳቐዩ ካብ ስድራኦም ኣሽሓት ዶላራት ከምዝቕበሉ ይግለጽ።

ተወልደ ጐይትኦም ከኣ ቀንዲ ኣሳቓዪ ኰይኑ ኣሽሓት ምናልባት'ውን ዓሰርተታት ኣሽሓት መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝዀኑ ስደተኛታት ብመንገዲ ወሊድ ብዘይሓጋዊ ኣገባብ ይዘዋወሩ ምንባሮም'ዩም ዝገልጹ።

መንግስቲ ሆላንድ፡ ብመንገዲ ተወልደ ጐይትኦም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት ብተወልደ ዝበጽሖም ዝነበረ ግፍዒታት ምስ መስከሩ'ዩ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ኣምሪሕዎ፣ ክሳብ ሕጂ ከኣ 191 ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ነቲ ብተወልደ ዝበጽሖም ግፍዒታት ምስክርነት ሂቦምሉ ኣለዉ።

ወሊድ፡ ኣብ መጋቢት 2020'ዩ ምስ ካልእ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ዝብሃል ኤርትራዊ መሳርሕቱ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

ወሊድ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ከኣ ን18 ዓመታት ክእሰር ብይን ተዋሂብዎ ነይሩ'ዩ።

ኣብ ሊብያ ብዝፈጸሞ ገበናት ብሓሙሽተ ዝቐረበሉ ክስታት ገበነኛ ኰይኑ ስለዝተረኸበ ከኣ፡ ካብ ኢትዮጵያ ብጠለብ ኢንተርፖል ናብ ሆላንድ ተረኪቡ

ንሱ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምስግጋር ዘይሕጋዊ ገንዘብ ክሲ ቀሪብሉ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ፤ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከኣ ነታ ድሮ ክሲ መስሪታትሉ ዝነበረት ሆላንድ ኣረኪባቶ። ኣብ ሆላንድ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቀይዲ ይርከብ።

ንወሊድ ዝቐርበ ክስታት ንምርጓድ ኣንጻሩ ዝቐንዐ ክስታትን ንመሰኻኸር ምስማዕን ካብ ጥሪ 2023 ጀሚሩ ክካየድ ጸኒሑ'ዩ።

ወሊድ ብተወሳኺ ስኑዕ መንነት ወረቐት ብምሓዝን ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ክምስክሩ ዝፈተኑ ብተዘዋዋሪ ክሓባብሎምን ከፈራርሖምን ብምፍታን'ውን ተወሳኺ ክሲ ተዳልዩሉ ኣሎ።

ኣብ ሕቆኦም ዝመኸኸ ጎማታት ብምንጣብ የሳቕይዎም ነይሮም
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሕቘኦም ዝመኸኸ ጎማታት ብምንጣብ የሳቕይዎም ነይሮም

ብወሊድ ግፍዕታት ዝበጽሖም ሓያለ ኤርትራውያን ምስክርነቶም ንኽህቡ ናብ ቤት ፍርዲ መጺኦም ነይሮም'ዮም።

ብ5 ሓምለ 2024'ውን ሓያለ ኤርትራውያን ኣብ ኣፍደገ እቲ ንናይ ወሊድ ጉዳይ ሒዙ ዘሎ ቤት ፍርዲ ዝዎለ ተኣኻኺቦም ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራን ዘለዎም ተቓውሞን ኣስሚዖም ምንባሮም ይዝከር።

ብተወሳኺ ነቶም ምስክርነቶም ዝሃቡ ዝያዳ ውሕስነት ጸጥታ ክውሃቦም'ውን እቶም ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት ፍርዲ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ሰልፈኛታት ጸዊዖም።

ኣይኦኤም ኣብዚ እዋን ኣስታት 900 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከምዘለዉ ብምሕባር ሕጂ'ውን እንተዀነ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ንግህሰት መሰላት ተቓሊዖም ምህላዎም ይግለጽ።

እቶም ስደተኛታት ውሕስነት ብዘይብለን ጀላቡ'ዮም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝግደዱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እቶም ስደተኛታት ውሕስነት ብዘይብለን ጀላቡ'ዮም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝግደዱ

ወሊድን ካብ 2014 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ እዋን'ዩ ናይቲ ንመብዛሕትኦም ኤርትራውያን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ሊብያ ካብኡ ከኣ ናብ ኣውሮጳ ዘሰጋግር ጕጅለ ቀንዲ መራሒ ነይሩ።

እቶም ስደተኛታት ሊብያ ምስ በጽሑ፡ ኣብ መዳጐኒ ኣትዮም እናተቐጥቀጡን እናተሳቐዩን ናብ ስድራኦም ከምዝድውሉ ብምግባር፡ ሰልዲ ከምዝኸፍሉ [ከምዝሕውሉ] ይግበሩ።

እቲ ምስቓይ ከኣ ምህራም፡ ምቅጻል፡ ዝመኸኸ ጎማ ኣብ ሕቆኦም ብምንጣብ፡ ብተሪር ገመድ ተኣሲሮም ኣብ ገረብ ጥልጥል ከምዝብሉ ምግባር፡ ኤለትሪክ ምትሓዝ፡ ኣብ ሓደ ገዛ ኣሽሓት ብሓባር ኣሲርካ ውሑድ መግቢ ብምሃብ ከምዝጠምዩ ብምግባር'ዩ ዝፍጸም ነይሩ።

ካብ 2016 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ እዋን ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ከምዝኣተዉ ብምግላጽ፡ እዞም ሰባት ብድምር ልዕሊ 1 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ከምዝኸፈሉ ኣብዚ ጉዳይ መጽናዕቲ ዘካይዱ ጕጅለታት ይሕብሩ።

ወሊድን ኪዳነን ኣብቲ ኣብ ሊብያ ዝነበሩሉ እዋን ብዘይካ ንኤርትራውያን ንኢትዮጵያውያን ሱዳናውያንን'ውን የሰጋግሩ ከምዝነበሩ'ዩ ዝግለጽ።