ኬንያ፡ ንሓተትቲ ዕቝባ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝምልከት ኣገዳሲ ውሳነ

ፖሊስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኬንያ፡ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ሕቶ ዕቝባኦም ዘቕርቡለንን ናብ ሃገራት ምዕራብ ዝሰግሩልንን ኰይና፡ ነዞም ስደተኛታት ዝምልከት ሓደ ኣገዳሲ ውሳነ ኣመሓላሊፋ ኣላ።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ውሳነ፡ መንግስቲ ኬንያ ንዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ሓተትቲ ዕቝባ ምቕባልን ምምዝጋብን ጠጠው ኣቢሉ ኣሎ።

ኣብ ትሕቲ ቤትፅሕፈት ፕረዚደንት፡ ብኮሚሽነር ጉዳያት ስደተኛታት ምዋሳሩ ምረቼ ተፈሪሙ ዕላዊ ዝዀነ ደብዳበ፡ "ሓተትቲ ዕቝባ ዜጋታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንግዚኡ ከም ስደተኛታት ምምዝጋብ [ምቕባል] ጠጠው ኣቢልና ከም ዘለና ነፍልጥ፡" ይብል።

እቲ ብ31 ሓምለ 2025 ዝወፅአ ውሳነ፡ እንታይ ከም ዝደረኾን መንቀሊኡን እኳ እንተ ዘይተገልፀ፡ ምስቲ ኮሚሽነር ክፍሊ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ዝነበረ ጆን ቡሩጉ ካብ ሓላፍነቱ ምውራድ ገጢሙ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ውሳነ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ስደተኛታት ክልቲአን ሃገራት ካብቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ጀሚሩ፡ ካብ ዝተፈቕዶም ማእከላት [መዕቘቢ ስደተኛታት] ወፃኢ ክንቀሳቐሱን፡ እንታይነቶምን መንነቶምን ዝገልፅ ሓበሬታ ናብ ካልእ ማእከል ክዛወርን ክልኩል እዩ።

ኣብታ ሃገር፡ ካኩማን ዳደብን ዝተብሃሉ ክልተ ቀንዲ ዓበይቲ መዓስክር ስደተኛታት ዝርከቡ ኰይኖም፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝኰነ ይዅን ሕቶ ዕቝባ ኣብ ርእሰ ከተማ'ታ ሃገር- ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ቤትፅሕፈት ጥራይ ከም ዝካየድ እቲ ውሳነ ይግልፅ።

ዝበዝሑ ዕቝባ ሓተትቲ ስደተኛታት ክልቲአን ሃገራት፡ ናብተን ዝኸዱለን ሃገራት ክሳብ ዝቐንዖም፡ ብፍላይ ኣብ ናይሮቢ ብናፅነት ተንቀሳቒሶም ይፀንሑ ነይሮም።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብፍላይ ኣብ ዩጋንዳ ዝነበሩ ዝነበሩ ዜጋታት ናይተን ሃገራት ብብዝሒ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ዝተራእዩ ኰይኖም፡ እዚ ኣብዚ ግዜ`ዚ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረሎም ንቢቢሲ ትግርኛ ገሊፆም።

ስደተኛታት ናብ ኬንያ ክውሕዙ ዘገደደ ክስተተት፡ ዩጋንዳ ካብ ዝሓለፈ ጥሪ ጀሚራ ሓደሽቲ ስደተኛታት ምቕባል ደው ስለ ዘበለትን፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ህለው ኵነታትን ዝደረኾን እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣማኢቲ ኤርትራውያን ተገፊፎም ብዓሰብ ኣቢሎም ከም ዝተጠረዙ ብምግላፅ፡ ሻቕሎቱ ገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤርትራውያን ተገፊፎም ገንዘብ ክኸፍሉ ይሕተቱ ምንባሮም ኣመልኪቱ ሰፊሕ ፀብፃብ ምስርሑ ይዝከር።

እቲ ውሳነ ብምቕፃል፡ ኣብ ካልእ ሃገር ሕቶ ዕቝባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ደጊሞም ኣብ ሃገረ ኬንያ ከይምዝገቡ ድማ ብትሪ ከም ዝተኸልከለ ይገልፅ።

እዚ ውሳነ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሸሓት ስደተኛታት ሻቕሎት ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ብሰንኪ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘይምርግጋእን ኵነታት ኣታሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ብዙሓት ዜጋታት ክስደዱ ይገብር ከም ዘሎ ፀብፃባት ይሕብሩ።