ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ዘሻቐለ ተቓውሞ 31 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብ ኬንያ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ኣንጻር መንግስቲ ብውሕዱ 11 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 567 ድማ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ፖሊስ ገሊጹ።
ኣብ ወሰናወሰን ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ካንጌሚ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ውልቀ ሆስፒታል ኤግል ዝሰርሕ ዶክተር ኣሮን ሲኩኩ፡ ሬሳ ክልተ ሰባት ናብቲ ሆስፒታል ከም ዝተወሰደን፡ ብዝተተኰሰ ጥይት ከም ዝሞቱን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
በዚ ዝተቘጥዑ ኣማኢት ሰልፈኛታት ኣብ ደጋዊ ቀጽሪ እቲ ሆስፒታል ብምእካብ ሬሳ እቶም ግዳያት ንምውሳድ ከም ዝጠለቡ ሓቢሩ።
እዚ ሰልፍታት ንመበል 35 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ብ7 ሓምለ 1990 ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ብዙሕነት ውድባዊ ዲሞክራሲ ክህሉ ዝጠልብ ናዕቢ ንምዝካር እዩ ተኻይዱ።
እዛ ታሪኻዊት መዓልቲ ሳባ ሳባ (ሸውዓተ ሸውዓተ) ተባሂላ ትፍለጥ።
ፖሊስ ትማሊ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣባላቱ "ኣብ'ቲ ዝቕጽል ዘሎ ዓመጽን ቁጥዐን ዘርኣይዎ ፍሉይ ምግታእን ሞያዊ ኣካይዳን" ንኢዱ።
ፖሊስ ኣብ ተመሳሳሊ መግለጺ 52 ኣባላት ፖሊስን 11 ሰለማውያን ሰባትን ከምዝቖሰሉ ሓቢሩ።
ብመንግስቲ ዝመሓደር ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝሞቱ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ፡ ፖሊስ ካብ መጠን ንላዕሊ ሓይሊ ተጠቒሙ ክብል'ዩ ከሲሱ።
ትማሊ ሶኑይ "ፖሊስ ብተራ ክዳውንትን ምልክት ዘይብለን መካይንን ይንቀሳቐሱ ነይሮም" ከምኡ'ውን "ምስ ኣብ ናይሮቢ፡ ካጂያዶ፡ ናኩሩ፡ ኪያምቡን ኤልዶሬትን ዝርከቡ ዕጡቓት ገበነኛታት ጉጅለታት ከምዝተሓባበሩን" ገሊጹ።
ይኹን እንበር ፖሊስ ቅድሚ ሕጂ ንከምዚ ዓይነት ክስታት ነጺጉዎ እዩ።
ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከምዝተጨውዩ ዘርኢ መርትዖ ከምዘሎዎም ዝገለጸ'ቲ ኮሚሽን፣ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት 29 ሰባት ከምዝቖሰሉን 37 ድማ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን እውን ገሊፁ።
ብዘይካዚ ዓበይቲ ፅርግያታትን መእታዊ ነቑጣታትን ብፖሊስ ከም ዝተዓፀዉ ዝሓበረ እቲ ኮሚሽን፡ እዚ ክርደና ብፍላይ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ንምንቅስቓስ ሰባት ከም ዝዘረጎ ገሊፁ።
ኣብ ኪያምቡ፣ ሜሩ፣ ኪሲ፣ ኒየሪ፣ ናኩሩን ኢምቡን እውን ዕፅዋ ከም ዝነበረ እቲ ኮምሽን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።
ካቢነ ሰክሬታሪ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጄፍሪ ሩኩ ትማሊ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ስራሕ ክርከቡ መምርሒ እኳ እንተውረደ፡ ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ስራሕ ቦትኦም ክርከቡ ከም ዘይከኣሉ ፀብፃብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ የመልክት።
ኣብ መላእ ኬንያ ትካላት ንግዲ ተዓፅዮም ዝወዓሉ እንትኾኑ፡ ኣብ ሽድሽተ ግዝኣታት ዝምታ ከም ዝተፈፀመ፡ ኣብ ኬሪጎያ ዝርከብ ሓደ መንግስታዊ ቢሮ'ውን ብሓዊ ከም ዝተሃሞኸ እቲ ኮምሽን ፀብፂቡ።
ኣብታ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተሰዲዶም ዝነብሩላ ኬንያ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፡ ኣንጻር መንግስቲ ዝቐንዐ ሓያል ተቓውሞታት ስግኣት እናፈጠረ ይመጽእ ኣሎ።
እታ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ምርግጋእ፡ ዘይከም መብዛሕትአን ሃገራት እቲ ዞባ ኲናት ሓድሕድ ዘይትፈልጥ፡ ጽቡቕ ቍጠባዊ ገስጋስን ደሞክራስያዊ ትካላትን ዝሃነጸት ምዃና ዝንገረላ ኬንያ፡ ብዙሓት ዜጋታት ጐረባብታ ኣዕቍባ ዘላ እያ።
ርእሰ ከተማ ናይሮቢ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብፍላይ ብዙሓት ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያን ሱዳናውያንን ይነብሩዋ።
እቶም ካብ ሃገሮም ወጺኦም ኣብ ኢትዮጵያንን ሱዳንን ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ኣብተን ሃገራት - ኣብ አእዋኑ ድሕሪ ዝነቶገ ኲናት ሓድሕድ ካብተን ሃገራት ወጺኦም ብብዝሒ ናብ ኬንያ ክግዕዙ ጸኒሖምን ኣለዉን።
ትማሊ ሰኑይ 7 ሓምለ እውን፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ 1990ታት ዝጀመረ 'ሳባ-ሳባ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ንደሞክራሲ ደገፍ ንምሃብን ትእምርቲ ህዝባዊ ኣብያን ተባሂሉ ዓመታዊ ዝካየድ ኣጋጣሚ፡ ናብ ናዕቢን ዕግርግርን ክቕየር ከም ዝኽእል ስግኣት ነይሩ።
ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ቅድሚ እቲ ዝተወጠነ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ናብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኵሎም መእተውን መውጽእን ቀንዲ ጽርግያታት ካብ ንጉሆ ጀሚሮም ዓጽዮም፡ ምንቅስቓስ ሰባትን ተሸክከርትን ደሪቶም ውዒሎም።
ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ ብፍላይ ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ሓያል ተቓውሞ፡ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናተወሰኹዎ እናጓሃረ ይመጽእ ኣሎ።
ዮርዳኖስ ተወልደ ናይ 11 ክፍሊ ትምህርታ ኣቋሪጻ ካብ ኤርትራ ካብ እትወጽእ ዓመት ኣይገበረትን። 5,000 ዶላር ከፊላ ናብ ኣዲስ ኣበባ - ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታዋ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝካየድ ግፋ ክትቀስን ስለ ዘይከኣለት 2,000 ዶላር ከፊላ ናብ ካምፓላ - ኡጓንዳ ኣትያ።
"ናብ ሳዋ ከይከይድ ኢለ እየ ወጺአ። እንታይ ምዃኑ ግን ኣብ ዘዝኸድኩዎ መኻልፍ ጸኒሑኒ፡" ትብል።
እታ ስደተኛታት ብምቕባል ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ እትስራዕ ኡጓንዳ፡ መስርሕ ዕቝባ ኤርትራውያን "ንዘይተፈልጠ ግዜ" ጠጠው ስለ ዘበለቶ፡ ዮርዳኖስ ካብ ካምፓላ እውን ናብ ኬንያ ክትቅጽል ከም ዝተገደደት ትገልጽ።
"ጽባሕ ናብ ናይሮቢ ኣብ ዝኣተኽሉ 'ዕግርግር' ኣሎ ስለ ዝበሉና [25 ሰነ] ከይወጻእና ውዒልና። ናበይ ድየ መጺአ ኢለ ሰንቢደ። ድሕሪ ክንደይ ትማሊ ንዓይ ትዀነኒ ክራይ ገዛ ረኺበ ኣቝሑት ክገዛዝእ እናሓሰብኩ ሎሚ'ውን ኣሎ ሰሚዐ ከይወጻእኩ ኣብ ገዛ ኣለኹ፡" ትብል።
እዚ በቶም ብጀን-ዚ ዝፍለጡ ሓድሽ ወለዶ ዝቕለስ ተቓውሞ ኣንጻር መንግስቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ነቲ ብመንግስቲ ክተኣታቶ ዝተፈተነ ስርዓተ ግብሪን ቀረጽን ብምቅዋም ዝተባርዐ እዩ።
ኣብቲ ኣብ ሰነ 2024፡ ኣብ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ከተማታት ኬንያ ዝተኻየደ ሞትን መጕዳእትን፡ ኣብ ንብረት ድማ ከቢድ ዘረፋን ዕንወትን ዘስዓበ ናዕቢ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ቅድሚ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ቀሪቡ ነቲ ጠንቂ ዕግርግር ዝዀነ ሕጊ ክፍሊት ግብሪ ከምዝሰሓቦ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ሽዑ ዝተኻየደ ጐነጽ ዝተሓወሶ ሓያል ተቓውሞታት፡ ኣብታ መዓልቲ ጥራይ ብውሕዱ 22 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።
እቲ ፕረዚደንት ድማ ህዝቢ ነቲ ብፓርላማ ዝጸደቐ ሕጊ ከምዘይተቐበሉ ከም ዝኣመነ ብምግላጽ "ሕደገት ገይረ ኣለኹ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
እቶም ነቲ ውጥን ዝቃወሙ ዘለው መንእሰያት፡ እቲ እማመ ተራ ዜጋታት ክኸፍሉዎ ዘይክእሉ ወሰኽ ዝሓዘን ነቲ ድሮ ብልዑል ዝቕባበ ዋጋ ዝተጸልወ ቍጠባ ዝሃስን'ዩ ይብሉ።

መንግስቲ፡ ንገለ ካብቶም ኣካታዕቲ እማመታት ግብሪ'ኳ እንተኣልገሰ፡ እቶም ሰልፈኛታት ግን እቲ እማመ ብምልኡ ክድርበ ይጠልቡ ክጠልቡ ጸኒሖም እዮም።
ነዚ ተቓውሞ'ዚ ስዒቡ ብዙሓት ነጠፍቲ፡ ኣነቓቓሕትን ጐስጐስትን ተባሂሎም ዝተጨውዩ ዜግታታት፡ ተሰዊሮም ኢደወናናዊ ስጕምቲ ክውሰድ ብምጅማሩ ድማ መሊሱ ነቲ ኵነታት ኣጋዲድዎ።
በዚ ድማ መዓልታት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣንጻር እቲ ኣካታዒ ሕጊ ፋይናንስ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ መሪሖም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኣስታት 35 ሰባት ብፖሊስ ብዝተዋደደ ፍተሻ ጭውያ ከምዝተኻየደሎም ይንገር።
እንተዀነ፡ መብዛሕትኦም ካብቶም ዝተጨውዩ ክፍትሑ እንከለዉ፡ ዝተወሰኑ ብፍሉይ ዝጥመቱ ግን ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከምዝተገብረሎም፡ ንኵነታቶም ዝምልከት ሓበሬታ ከምዘይተዋህበን ተጣበቕቲ መሰላት እታ ሃገር ክገልጹ ጀሚሮም።
መብዛሕቶም እቶም ግዳያት ትሕቲ 30 ዓመት ዝዕድመኦም ኰይኖም፡ ብኣባላት ጸጥታ፡ ካብ ገዛኦም ወይ ካብ ጎደናታት ተጨውዮም ዝተወስዱ እዮም።
መንግስቲ እቲ ዝተኻየደ ኣገባብ ሰልፊ፡ ቅጥዒን ስርዓትን ዘይነበሮ፡ ኣብ መንጐ'ውን ገበነኛታት [ኣብ ስርቂን ዕንወት ንብረትን ዝተሳተፉ] ዝነበርዎ ዘይቅኑዕ ምንባሩ ይኸስስ።
ኣብቲ እዋን ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢሳቕ ምዋራ "ዕልዋ መንግስቲ ከካይዱ ዝደልዩ ገበነኛታት" ክብል ገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ብሓፈሻ ኣብቲ ኣብ 2024 ዝተኻደ ተቓውሞ፡ ብውሕዱ 60 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ፡ ነቶም ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰልፊ ተቓውሞ ዝሞቱን ዝተወሰሩን ሰባት ንምዝካር ተባሂሉ ኣብ ዝበዝሓ ከተማታት እታ ሃገር ዓቢይ ሰልፊታት ተኻይዱ፤ ምስ ኣኽበርቲ ጸጥታ ብዝተፈጥረ ጐንጺ ድማ ሕጂ'ውን ብዙሓት ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።
እዚ ሰልፊታት ግን ሕጂ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዊልያም ሩቶ ካብ ስልጣን ክእለ ዝጽውዕ 'ሩቶ ማስት ጎ!' (ሩቶ ክወርድ ኣለዎ!) ዝብል ጭርሖታት ዝዓብለሎ እዩ።
ዝተወሰነን ንጹርን ሕቶ ምልዓል ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ፕረዚደንት ስልጣኑ ክለቅቕ ዝጽውዕ ኰይኑ'ሎ። እቲ ፕረዚደንት ብመረጻ ህዝቢ ናብ ስልጣን ከምዝመጸ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ግዜ ስልጣኑ ብውሕዱ ክልተ ዓመት ይተርፎ።
እዚ ሕቶ'ዚ ቅቡል ከምዘይኰነ ዝነጽግ እቲ ፕረዚደንት፡ "ብኸመይ እየ'ሞ ክኸይድ?" ብዝብል ባጫ ዝመስል ምላሽ፡ ንኸምኡ ዝኸውን ኣገባብ ከምዘየለ ይምጕት። ተመሪጹ ስልጣን ንዝሓዘ ፕረዚደንት ድማ ኣብ ጽርግያ ወጺእካ ስልጣን ልቐቕ ምባል ቅንዕና ዘይብሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣንጻሩ ዘይሕጋዊ ዕልዋ ይፍተን ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ "ዝስማዕ ኣቕርቡ" ይብል።
ዕግርግርን ስርዓት ኣልቦነትን ፈጢርካ መንግስትነት ንምልማስ ብዝግበር ፈተነ፡ ከምኡ'ውን ብዝምታን ስርቅን ተመሳሰልቲ ገበናትን'ውን ተቓወምቲ ይኸስስ።
እቶም ኣወሃሃድቲ እዚ ተቓውሞታት ግን፡ እቶም ሰረቕትን ገበነኛታትን፡ ነቲ ሓቀኛ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምብራዝን ዘይመልክዑ ንምሃብን ኮነ ተባሂሉ መንግስቲ ብመሓውራቱ ዝመልመሎም እዮም፡ "ካባና ኣይኰኑን" ብምባል ይከላኸሉ።
እዚ እናዀነ ግን እቲ ተቓውሞታት ናህሩን መልክዑን እናቐያየረ ሓዪሉ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ወጻእተኛታትን ጸቕጢ ይፈጥር ኣሎ።
ኣብቲ ተቓውሞ ዝካየደሉ መዓልቲታት፡ ኵሉ መንግስታዊን ህዝባውን ትካላት፡ ኣብያተ ትምህርቲን ዝተፈላለያ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ካልእን ዕጹው ኰይኑ ስለዝውዕል፡ ቍጠባዊ ምንቅስቓስ ይዝሕትል ይህሰን።
እዚ ብቐጻልነት ምስ ዝካየድ ድማ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣጸጋሚ ኰይኑ ዘሎ መነባብሮ ዝበዝሕ ሓፋሽ ተወሳኺ ጸገማት ከም ዝፈጥር ንምርድኡ ኣየጸግምን።
እዚ ኵነታት ብፍሉይን ኣብቲ ስደተኛ ማሕበረሰብ ዘነጸጸረን ናብኡ ዝቐንዐን ምንቅስቓሳት የሎን። እቲ ክሳብ ሕጂ ከም ጸገም ዝርአ ግን፡ በቲ ተቓውሞ ዝድረት ምንቅስቓስ ንግድን ስራሕን፣ ካብ ስራሕ በዂርካ ምውዓል፡ ከምኡ ኢሉ እንተ ቀጺሉ ድማ ጸገማት መነባብሮ ምዃኑ ገለ ኤርትራውያን ነበርቲ ናይሮቢ ይገልጹ።
ኣብቲ ዓዲ ርኡይ ቍጠባዊ ጸገማት ናህሪ ዋጋታት ምህላው ዘይከሓድን ተቓውሞ ምልዓልን ግቡእ ይዅን እምበር፡ ኣገባቡን ንዕኡ ምኽንያት ገይርካ ዝግበር ዝምታን ካልእ ዘየድሊ ነገራትን ክእረም ጻውዒቶም የስምዑ።
መንግስቲ ነቲ ኣጓኒፍዎ ዘሎ ከቢድ ጸቕጢ እንታይ ግብራዊ ምላሽ ክህበሉ እዩ ድማ ክርአ እዩ።

ብዘይካኦም ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሑ ብብዝሒ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።
እዞም ስደተኛታት፡ መብዛሕትኦም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድን ወረቐት ስደተኛን ዘይሓዙን ብምዃኖም ከምዚ ዓይነት ናዕብን ዕግርግርን ክለዓል እንከሎ ኣመና ከም ዘሻቕሎም ንቢቢሲ ይገልጹ።
እቲ ተቓውሞታት ናብቲ መንግስታዊ ትካላት ዘነጻጸረ ይዅን እምበር፡ ኣብቲ ዕግርግር ብዝፍጠር ባዶሽ ተበሊጾም ናብ ስርቅን ዘረፋን ክትራንን ዘድህቡ ገበነኛታት ስለ ዝህልዉ እቲ ኵነታት ኣስካፊ ይገብሮ።
ኣብቲ ብብዝሒ ሓበሻ ከም ዝነብርሉ ዝፍለጥ ጃምሁሪ ዝተባህለ ከባቢ፡ ወናኒት ትካል ኮስመቲክስ ዝዀነት ኤርትራዊት ዛጊት ኣብዚ ከባቢና ርኡይ ጸገም የሎን ብምባል፡ እንተዀነ ነቲ ኵነታት ተባሊጾም ክሰርቁ ዝደልዩ ሰባት ከም ዝዋፈሩን ከም ዘሰክፋን ትገልጽ።
"ትካልና ዓጺና ኣብ ገዛና ኢና ንውዕል፡" እትብል እታ ኤርትራዊት፡ "እቲ ዘካይድዎ ተቓውሞ ነቲ መንግስትን ኣካይዳኡን እዩ። ንዓና ነቶም ስደተኛታት ብፍሉይ ዝጥምትዎ ነገር የሎን። እንተዀነ፡ ከም ዝዀነ ኣለዎ ኢሎም ዝሓስብዎ'ሞ ሰይሮም ዝኣትዉዎ ትካል ከይዘምቱና፤ ብፍላይ ኣጋ ምሸት ንፈርሕ ኢና፡" ትብል።
ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኢትዮጵያዊት ነባሪት ከተማ ናይሮቢ፡ ብሰንኪ እቲ ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ክልተ ደቃ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትልእኽ ከም ዘይከኣለት ትዛረብ።
ንሳ ከም እትብሎ፡ ዓበይቲ ጐደናታት ታዓጽዮም ብምንባሮምን እንታይ ከም ዝፍጠር ስለ ዘይፈለጠትን እያ፡ ደቃ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትልእኽ ዘይደፈረትን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







