ኬንያ፡ ፕረዚደንት ሩቶ ሓያል ናዕቢ ንዘስዓበ ሓድሽ ሕጊ ክስሕቦ ተገዲዱ

ሰልፈኛታት ኣብ ማእኸል ጽርግያ

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ነቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናዕቢን ሞትን ዘስዓበ ሓድሽ ሕጊ ክፍሊት ግብሪ ከምዝሰሓቦ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ክካየድ ዝቐነየ ጎነጽ ዝተሓወሶ ሓያል ተቓውሞታት፡ ብውሕዱ 22 ሰባት ከምዝሞቱ ሓካይም ኣረጋጊጾም ኣለው።

ሎሚ ረቡዕ ንህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ህዝቢ ነቲ ብፓርላማ ዝጸደቐ ሕጊ ከምዘይቅበሎ ብምእማን "ሕደገት ገይረ ኣለኹ" ክብል ተዛሪቡ።

በዚ መሰረት ነቲ ሕጊ ክታሙ ከምዘይንበረሉ ብምግላጽ፡ ነቲ ክካየድ ዝጸንሐ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ዘውረደ ናዕቢ ከህድኦ ፈቲኑ'ሎ።

ትማሊ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ገለ ኽፋል ሃገራዊ ባይቶን ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ናይሮቢን ብሓዊ ተቓጺሎም እዮም።

እቲ ፕረዚደንት ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ተቓውሞታት "ገበነኛታት ዝተሓወስዎ'ዩ" ብምባል ተሪር ግብረመልሲ ከምዝህብ ኣጠንቂቑ ነይሩ'ዩ።

እቶም ነዚ ውጥን ዝቃወሙ ዘለው መናእሰያት፡ እቲ እማመ ተራ ዜጋታት ክኸፍሉዎ ዘይኽእሉ ወሰኽ ዝሓዘን ነቲ ድሮ ብልዑል ዝቕባበ ዋጋ ዝተጸልወ ቁጠባ ዝሃስን’ዩ ይብሉ።

መንግስቲ፡ ንገለ ካብቶም ኣካታዕቲ እማመታት ግብሪ’ኳ እንተኣልገሰ፡ እቶም ሰልፈኛታት ግን እቲ እማመ ብምልኡ ክድርበ ይጠልቡ ኣለው።

እቲ እማመ ግብሪ እንታይ’ዩ ዝብል?

  • ኣብ ልዕሊ ሃለኽቲ ነገራት ዝግበር ወሰኽ

መጀመርያ፡ እቲ እማመ ግብሪ ፡ ኣብ ልዕሊ ባኒ 16 ሚእታዊት፡ ኣብ ናይ መግቢ-ዘይቲ ድማ 25 ሚእታዊት ወሰኽ ክግበር ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ ነይሩ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ንፋይናንሳዊ ልውዋጥ ኣብ ዝኽፈል ክፍሊት ወሰኽ ክግበር ከምኡ’ውን ኣብ ዋንነት ተሽከርከርቲ ድማ ዓመታዊ 2.5 ሚኢታዊት ግብሪ ዋጋ እቲ ተሽከርካሪ ክኽፈል ዝጠልብ እማመታት ቐሪቡ እዩ።

ድሕሪ እቲ ተቓውሞታት፡ መንግስቲ ነዚኦም ከም ዝገድፎም ኣፍሊጡ።

  • ‘ኢኮ ሌቪ’

ኣብ ልዕሊ ከባቢ ጕድኣትን ብከላን የስዕቡ’ዮም ኣብ ዝተባህሉ ምህርቲታት ወሰኽ ግብሪ ክግበር እዩ ተባሂሉ፤ መንግስቲ ነዚ’ውን ምምሕያሽ ክግበረሉ እዩ ይብል።

ነቐፍቲ፡ እዚ ሓሳብ ኣብ ከም መንዲል ንጽህና ደቂ ኣንስትዮ ዝበሉ ኣገደስቲ ምህርቲታት ወሰኽ ዋጋ ከስዕብ’ዩ ይብል።

ድሮ ብዙሓት ዓቕሚ ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ትምህርቲ ይቦኽራ ከም ዘለዋ እውን የልዕሉ።

ድሕሪኡ መንግስቲ፡ ሌቪ ኣብ ልዕሊ ኣታዊ ዝግበሩ ምህርቲታት ጥራይ ተግባራዊ ከም ዝኸውን ገሊጹ።

'ኢኮ ሌቪ'፡ ንሞባይል፣ ካሜራታትን ናውቲታት መቕድሒ ድምጺን ሓዊሱ ንዲጂታላዊ ፍርያት ዒላማ ክገብር እዩ።

ብዙሓት ኬንያውያን ግን፡ ህይወቶም ኣብዞም ምህርቲታት ምርኵስ ዝገበረ ምዃኑ ብምግላጽ ንዲጂታላዊ ቁጠባ እታ ሃገር ኣገዳሲ ከም ዝዀኑ ይምጕቱ።

ዊልያም ሩቶ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዊልያም ሩቶ

ካልኦት ዘይተተንከፉ እማመታት ኣለው’ዶ?

  • ግብሪ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታላት

እቲ ሓዱሽ እማመ ግብሪ፡ ኣብ ህንጸትን ምምላእ ናውቲታትን ቀጥታውን ፍሉይን ኣገልግሎት ዝህቡ ፍሉያት ሆስፒታላት ዝህቡ [ብውሑድ 50 ዓራት ዝሕዙ] 16% ግብሪ ክተኣታቶ ዝገብር እዩ።

ብዙሓት ኬንያውያን እዚ ማለት ልዑል ወጻኢታት ጥዕና ከምዘስዕብ ይጭነቑ።

ኣቦ መንበር ኮሚተ ፋይናንስ ባይቶ ኩርያ ኪማኒ፡ እቲ እማመ ሕሙማት መንሽሮ ግብሪ ክኸፍሉ ምኽንያት ክኸውን’ዩ ዝብል ክሲ "ሓሶት" እዩ ክብል ነጺጊዎ።

  • ዝለዓለ ክፍሊት ኣታዊት ዝግበሩ ኣቑሑ

እቲ እማመ፡ መጠን ግብሪ ኣታዊ ዝግበሩ ኣቑሑ ካብ 2.5% ናብ 3% ካብ ዋጋ ናይቲ ኣቕሓ ክብ ክብል ዝብል ሓሳብ ሒዙ ኣሎ፤ እዚ ድማ በቶም ኣታዊ ዝገብሩ ትካላትን ውልቀሰባትን ዝኽፈል’ዩ።

እዚ ወሰኽ፡ እቲ መጠን ካብ 3.5% ናብ 2.5% ምስ ወረደ ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝመጽእ ኰይኑ፡ ተቓወምቲ እቲ እማመ፡ እቲ ለውጢ ዋጋ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ፍርያት ክውስኽ ዝድርኽ ምዃኑ ይገልጹ።

እቲ ተቓውሞ መናእሰይ ኬንያ ዝመርሑዎ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እቲ ተቓውሞታት ስለ ምንታይ ዓሪጕ?

ትማሊ ሰሉስ፡ ኣባላት ባይቶ ነቲ ኣካታዒ እማመ ዝዀነ ናይ ምምሕያሽ ስጉምቲ ከይገበሩ ኣጽዲቘምዎ።

ነዚ ዝቃወሙ ዝነበሩ ሰባት ድማ፡ ናብ ህንጻ እቲ ባይቶ ብምእታው ገለ ኽፋሉ ብሓዊ ክቃጸል ገይሮም።

ፖሊስ ብዝተኰሱዎም ጠያይቲ ድማ ብውሑድ ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም፤ ሃገራት ምዕራብ ድሮ እቲ ኵነታት ከም ዘተሓሳሰበን ብምግላጽ ምርግጋእ ክመጽእ ሓቲተን።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ስክፍታ እቶም ሰልፈኛታት መልሲ ክረክብ ከም ዝገብር ገሊጹ ነይሩ።

ድሕሪ ሕጂ እንታይ’ዩ ክመጽእ?

ሕጂ እቲ እማመ ጸዲቑ ኣሎ፤ ሕጊ ኰይኑ ንክጸድቕ ድማ እቲ ፕረዝደንት ኣብ ውሽጢ 14 መዓልቲታት ክፍርመሉ ወይ ድማ እቲ እማመ ተወሳኺ ምምሕያሽ ንክግበረሉ ናብቲ ባይቶ ክመልሶ ይኸውን።

መንግስቲ፡ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝመጽእ ዘሎ ጸቕጢ ንምህዳእ ንገሊኦም ስጉምቲታት ክገድፎም ይኽእል፤ ግን ድማ እዚ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ትሑት’ዩ።