ተቓውሞ ኬንያ፡ 'ገበነኛታት ዝተሓወስዎ' እዩ ክብል ፕረዚደንት ሩቶ ተዛሪቡ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ እቲ ሎሚ ኣብ ናይሮቢ ክካየድ ዝወዓለ ጎነጽ ዝተሓወሶ ሓያል ተቓውሞታት "ገበነኛታት ዝተሓወስዎ'ዩ" ክብል ኣማሲኡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ተዛሪቡ።
ገለ ካብቶም ተቓወምቲ ንትካላት መንግስቲ ምዕናዎም "ክድዓት" ምዃኑን ዘድሊ ግብረመልሲ ከምዝወሃቦን ሩቶ ኣጠንቂቑ'ሎ።
ቅዋም እታ ሃገር ዝተዋህቦ ሓላፍነት መሰረት ነቲ መንግስቲ ምምራሕ ከምዝቕጽልን ሕጊን ስርዓትን ክሰፍን ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝወስድን ኣፍሊጡ።
"ነቲ ሎሚ ዝተፈጸመ ናይ ክድዓት ፍጻሜታት ህጹጽ ግብረመልሲ ክህበሉ ምዃኑ ንህዝቢ ኬንያ ከረጋግጸሉ እደሊ" ክብል እቲ ፕረዚደንት ብቑጠዐ ተዛሪቡ።
ሎሚ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ሓያል ተቓውሞ ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብሞያ ጥዕና ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ተዛሪቦም። ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ካልኦት'ውን ቆሲሎም ናብ ዓበይቲ ሆስፒታላት ተወሲዶም ኣለዉ።
ብዘይካ'ዚ፡ ገለ ካብቶም ተቓወምቲ ንገለ ክፋል ህንጻ ፓርላማ እታ ሃገር ከምዘዕነዉን ባርዕ ሓዊ ከምዝሰዓበን ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮታት'ውን፡ ገለ ካብቶም ተቓውሞታት ዘስምዑ ዘለዉ ሰባት ናብ ውሽጢ ህንጻ ባይቶ ብምእታው ንብረት ከዕንዉ ተራእዮም።
ኣባላት ባይቶ ካብቲ ኢድ ናዕበኛታት ንምድሓን በገለርያታት ተሓቢኦም ካብ ህንጻ ከምዝወጹ ተገይሩ።
ገለ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጹ ስእልታት ናብቲ ህንጻ ዝኣተዉ ናዕበኛታት ንኣባላት ባይቶ ከምዝተዳለወ ዝተገልጸ ምሳሕ ክበልዑ የርእዩ።
ብዛይካ'ዚ ኣብታ ከተማ ፍሉጥ ህንጻ ዝኾነ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኣመሓዳሪ ከተማ ናይሮቢ'ውን ተመሳሳሊ ዕንወት ወሪዱዎ'ሎ።
ገለ ካብቶም ተቓውሞታት ዘስምዑ ዝነበሩ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ምቕታሎም ኣብ ብጾቶም ሓያል ቁጠዐን ነድርን ኣስዒቡ'ሎ።
ብሰንኪ እቲ እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምርግጋእ ናይታ ከተማ ትካላት ንግዲ ተዓጽዮምን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ተዓናቒፉን ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብኻልእ ወገን፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዋ ዓበይቲ መደበራት ተለቪዢን ዝኾነት ከይ-ቲ-ኤን (KTN) ነቲ ተቓውሞታት ብምቅላሓ ካብ ሰብመዚ መንግስቲ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ክወስዱ ምዃኖም ዝገልጽ ምፍርራሕ ከምዝበሓ ኣፍሊጣ።
"ሰብመዚ ነቲ ምፍርራሕ ኣብ ግብሪ እንተኣውዒሎሞ፡ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታትና ብዛዕባ'ቲ ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለታት ክንሕብረኩም ኢና" ክትብል እታ መደበር ገሊጻ።
እቶም መናእሰይ፡ ኣባላት ባይቶ እዛ ሃገር ነቲ ወሰኽ ግብሪታት ሒዙ ዝመጽአ ውጥን ክነጽጕዎ ይጠልቡ።
መንግስቲ ንገለ ካብቶም ኣካታዕቲ እማመታት ከምዝሰሓበ እኳ እንተገለጸ፡ መደባት መንግስቲ ንምድጓምን ዕዳ እታ ሃገር ንምጉዳልን እቲ ወሰኽ ግብሪ ግብራዊ ክውሰድ ግድን ከም ዝዀነ ይምጉት።
መንግስቲ፡ ንባይቶ እታ ሃገር ሓዊሱ ቁልፊ (ኣገደስቲ) ትካላት መንግስቲ ዝሕልው ሓይልታት ጸጥታ ኣዋፊሩ ይርከብ።
ኣብቲ ሎሚ ንጉሆ ዝጀመረ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ምስ ፖሊስ ጐንጺ ከጋጥም እንከሎ፡ ፖሊስ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ጥይትን ዘንብዕ ትክን ከምዝተኮሱ ይግለጽ ኣሎ።
ኣብ ካልእ ብዙሕ ክፋላት እታ ሃገር’ውን ብርክት ዝበለ ህዝቢ ተቓውሞታቱ ዘካይድ ዘሎ ኰይኑ፡ ካብ 47 ምምሕዳራት እታ ሃገር ኣብ ኣስታት 30 ተቓውሞ ከም ዝተራእየ ኬንያዊት ጋዜጣ ዘ ደይሊ ኔሽን ጸብጺባ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ሰልፊታት ተቓውሞ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ሰብ ሞያ ሕግን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣቐዲሞም ኣብ ዝተኻየዱ ተቓውሞታት ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ምፍርራሕ ደለይቲ ፍትሕን ከም ዘጋጠመ ብምጥቃስ ስክፍታኦም ገሊጾም ነይሮም።
ሎሚ ኣጋ ወጋሕታ፡ ነቲ ሰልፊ ብማሕበራዊ መራኸቢታት የወሃህዱ ካብ ሞንጐ ዘለው ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝተጨወዩ ይግለጽ ኣሎ።
መንግስቲ ኬንያ፡ ዕዳ እታ ሃገር ንምጕዳል ተወሳኺ እቶት ምእካብ ኣድላዪ ምዃኑ ብምግላጽ ነቲ እማመ ኣብ ባይቶ ንክጸድቕ ጸቕጢ ክገብር ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብ ልዕሊ ባኒ፡ ዘይቲ ብልዕን ዋንነት ተሽከርከርትን ክኽፈል ዝቐረበ ግብሪ ሓዊሱ ንገለ ኣካታዒ እማመታት ክስርዝ ተገዲዱ'ሎ።
እቶም ሰልፈኛታት ግን እዚ እኹል ከም ዘይኰነ ብምግላጽ እቲ እማመ ሙሉእ ንሙሉእ ንክስሓብ እዮም ተቓውሞታት ዝገብሩ ዘለው።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ዝበዝሑ ኣባላት ፓርላማ ነቲ ኣካታዒ እማመ ከጽድቑዎ እንከለው፡ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ንገለ ካብቶም መንግስቲ ክኣልዮም ዝድለ ዘሎ ዓንቀጻት ዝምልከት ምምሕያሻት ክዘራረቡ ኣርፊዶም ኣለው።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት ኣማኢት ድማ ቈሲሎም።
ፕሬዝደንት ዊልያም ሩቶ ነቲ ተቓውሞ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ስክፍታታት እቶም መንእሰያት ንምፍታሕ ዝርርብ ከም ዘካይድ ቃል ኣትዩ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







