ሱዳን፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህጻናት ንጥሜት ተቓሊዖም- ዩኒሴፍ

ህፃናት ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓላፊት ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት - ዩኒሴፍ፡ ሱዳን ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ንህጻናት ዝኸፍኣ ቦታታት ኰይና ከምዘላ ገሊጻ።

ካትሪን ራስል፡ እታ ሃገር ኣብዚ እዋን ካብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ዝበዝሐ ምምዝባል ህጻናት ከም ዘለዋ፤ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሕጽረት መግቢ ከምዘጋጥሞምን መብዛሕትኦም ድማ ካብ ትምህርቲ ከምዝቦኸሩ ትዛረብ።

ንሳ፡ ጥሜት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ እታ ሃገር በቲ ደማዊ ኲናት ናብ ምብትታን ገፃ ተምርሕ ከምዝላ ኣጠንቂቓ።

ዓንድታት ቁጠባ መግቢ ሱዳን ኣብ ዝፈረሱሉ እዚ እዋን ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ማለት ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF)፡ ንቐረብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ሰብኣዊ ሓገዝ ይድርቱ ኣለዉ።

ራስል ብኬንያ ናይሮቢ ኣቢላ ናብ ሱዳን ትገይሽ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ህጻናት ኣብ ጫፍ ቅልውላው ጥሜት ምውዳቖም፤ ኣስታት ትሽዓተ ሚልዮን ህጻናት ብስሩዕ እኹል መግቢ ከም ዘይረኽቡን ዳርጋ ኣርባዕተ ሚልዮን ድማ ሓደጋ ሕጽረት መግቢ ከም ዘንጸላለዎምን ተዛሪባ።

“ክንረባረበሉ ዝግባኣና ግዜ ሓሊፍናዮ ኢና። ሕጂ ክንሰርሕ ኣለና እንተዘይኰይኑ ክገድድ’ዩ” ኢላ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ቢቢሲ ንክኢላ ውሕስነት መግቢ ዘዘራረቦ ኰይኑ፡ ክሳብ ወርሒ መስከረም 70 ሚኢታዊት ካብ ህዝቢ ሱዳን ንጥሜት ክቃላዕ ምዃኑ ኣተንቢሁ ነይሩ።

"እዚ ድማ፡ ሞት ኣስታት 2.5 ሚልዮን ሰባት ከስዕብ ይኽእል'ዩ። ክሳብ ኣርባዕተ ሚልዮን'ውን ክኸውን ይኽእል'ዩ። እኹል መግቢ የለን" ይብል ቲሞ ጋስቢክ።

እቶም ተፃባእቲ ሓይልታት፣ ነታ ሃገር ኣብ ክልተ ዝመቐልዋ ኰይኖም ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ዕንወት ኣጥሒሎምዋ ኣለዉ።

ሰራዊት እታ ሃገር ናብቶም ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ - ‘ኤርኤስኤፍ’ - ዝቆጻጸሮም ናይ ግጭት ከባቢታት ሰብኣዊ መግቢ ከይበጽሕ ገዲቡ ኣሎ።

ተዋጋእቲ ‘ኣር ኤስ ኤፍ’ ድማ ብሰፊሑ ጸጋታት ብምዝማት ይኽሰሱ። ነታ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ኤል ፋሸር ከኣ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ከበባ ኣእቲዮምዋ ኣለዉ።

ሓላፊት ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት - ዩኒሴፍ - ካትሪን ራስል ንጥሜት ከም ኣጽዋር ኲናት ይጥቀሙሉ ድዮም ዘለዉ ኣይኰኑን ኣብ ዝብል ክትዛረብ ከም ዘይትኽእል ብምግላጽ፡ እቲ ቅልውላው ግን “ሚኢታዊት ሰብ ዝሰርሖ እዩ” ኢላ።

ሓላፊት ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት - ዩኒሴፍ - ካትሪን

“እቲ ንዓና ብድሆ ኰይኑና ዘሎ መግቢ ስለ ዘይብልና ዘይኰነስ፡ ናብቲ ዘድልዮም ሰባት ከነብጽሖ ዘይምኽኣልና’ዩ። እዚ ድማ ብሓቂ ቅልውላው እዩ” ኢላ።

ንሳ ኣብ መገሻኣ ኣብቲ ውግእ ደው ንክብል ዝቐርብ ፃውዒት ድምጻ ክተስምዓሉ ትፅቢት ይግበር። ኣብዚ ቀረባ እዋን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤልፋሸር ህድኣት ንኽህሉ ዘቕረቦ ጻውዒት ዕሽሽ ተባሂሉ’ዩ።

ኣመሪካ ዳግማይ ዝርርብ ሰላም ንምጅማር ዝገበረቶ ጻዕሪ’ውን ክሳብ ሕጂ ኣይሰመረን።

ኣብ ጉዳይ ሱዳን ቀጻሊ ዓለምለኻዊ ቈላሕታ ብዛዕባ ዘይምህላዉ ምስ ተሓተተት እኹል ኣቓልቦ ከም ዘይተወሃቦ ተዛሪባ።

“እቲ ዝኸደሉ ዘለኹ ምኽንያት ንሱ እዩ። ገለ ኣቓልቦ ንምስሓብን ኣብዚ ሕጂ እዋን ትኹረት ክንገብረሉ ከም ዝግባእ ንምዝራብን። እዚ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ” ኢላ።

ኣስዒባ "ሓደ ነገር እንተዘይገይርና ግን ክሳብ ክንደይ ዝሓሰመ ከም ዝኸውን ምግማት ኣጸጋሚ'ዩ" ክትብል ስግኣታ ገሊጻ።