ቢቢሲ ኣብ ኬንያ ንሰልፈኛታት ብጥይት ዝቐተሉ ኣባላት ጸጥታ መንነቶም ኣለልዩ

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ ብድምር 39 ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጡ
መግለጺ ስእሊ, ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ ብድምር 39 ሰባት ከምዝተቐተሉ ይገልጽ

ቢቢሲ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር፡ ብመንግስቲ ንዝተወጠነ ወሰኽ ግብሪ ንዝተቓወሙ ሰልፈኛታት ብጥይት ዝቐተሉ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ኬንያ መነመን ምዃኖም ኣለልዩ።

ቢቢሲ ንልዕሊ 5 ሽሕ ኣሳእል ኣገናዚቡ ድሕሪ ዝሃቦ ትንተና፡ ኣብኡ ዝተቐትሉ ዕጥቂ ዘይሓዙን ሓደጋ ዘየስዕቡን ሰልፈኛታት ምንባሮም ይሕብር።

ሕገ መንግስቲ ኬንያ መሰል ሰላማዊ ተቓውሞ ዘውሕስ ኰይኑ፡ እቲ ቅትለት ግን ህዝባዊ ቁጥዐ ኣበጊሱ'ዩ።

ዋላ'ኳ ሓደ ኮሚተ ባይቶ ንነጻ በዓል መዚ ምክትታል ፖሊስ ኬንያ ኣብ ጐደናታት ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ዝሞቱ ሰባት መርሚሩ ርኽበታቱ ድማ ንህዝቢ ክገልጽ እንተኣዘዘ፡ ነቲ ኣብ ባይቶ ዝተፈጸመ ቅትለት ዝምልከት ጸብጻብ ክሳብ ሕጂ ኣይተዘርግሐን፣ ዝኾነ ሰብ'ውን ዝተሓተተ የለን።

ቢቢሲ ኣብቲ መዓልቲ ብሰልፈኛታትን ጋዜጠኛታትን ዝተሳእሉ ቪድዮታትን ኣሳእልን ተንቲኑ። ነፍሲ ወከፎም መዓስ ከምዝተወሰዱ ብካሜራ ሜታዳታ፣ ናይ ቀጥታዊ መስመር ግዜን ኣብቲ ኣሳእል ዝረኣዩ ሰዓታትን ተንቲኑ እዩ እብ መደምደምታ በጺሑ።

ሰለስተ ካብቶም ቅትለታት ኣብ 3D ዳግመ ህንጸት ባይቶ ኬንያ ክንረኽቦም ዝሓገዘና ኰይኑ እዚ ድማ ነቲ ዝቐተለ ኣባል ፖሊስን ወተሃደርን ክንከታተሎ ኣኽኢሉና።

ኣባላት ባይቶ ኬንያ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣካታዒ እማመ ፋይናንስ መንግስቲ ናይ መወዳእታ ድምጺ ንምሃብ ናብ ባይቶ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ሰልፈኛታት ድማ ብሰሉስ 25 ሰነ 2024 ኣብ ደገ፡ ኣብ ጐደናታት ተኣኪቦም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ 'ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ' ዝርዝር ፍጻመታት ከምዚ ዝስዕብ አቕሪብዎ'ሎ።

መጠንቀቕታ፤ እዚ ዛንታ ገለ ዝርብሽ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት 'ጀን ዚ' ዝብል ስያመ ሂቦም ንሓድሕዶም ተወዳዲቦም ዝነበሩ መንእሰያት ሰልፈኛታት፡ ንግሆ ንግሆ ናብ ማእከላይ ናይሮቢ ክውሕዙ ጀሚሮም - እዚ ድማ እቲ እማመ ፋይናንስ ብ9 ግንቦት ካብ ዝቐርብ ንደሓር ሳልሳይ ሰፊሕ ተቓውሞ ርእሰ ከተማ እታ ከተማ ኰይኑ።

"ጽቡቕ ምትእኽኻብ እዩ ነይሩ" ይብል ኣብኡ ዝነበረ ፍሉጥ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ቦኒፋስ ምዋንጊ። "ቈልዑ ብሉቱዝ ስፒከርን ዝሰትይዎ ማይን ሒዞም ወጺኦም ነይሮም፣ ካርኒቫል እዩ ነይሩ፡" ኢሉ።

ኣብ መጀመርታ እቲ ሰሙን ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ኣባላት ባይቶ ኣብ ባኒ፡ ዘይቲ ብልዒ፡ ናይ ሞባይል ገንዘብን ሞተር ብሽክለታን ዝግበር ወሰኽ ግብሪ፡ ከምኡ'ውን ከም ናይ ሳኒታይዘር ዋጋ ዝኣመሰሉ ሃለኽቲ ኣቑሑት ዝውስኽ ውሳነ መንግስቲ ክሓድግዎ ገይርዎም'ዩ።

መንግስቲ ኣብ ግዳማዊ ልቓሕ ዘለዎ ጽግዕተኛነት "ከጉድለለይ የኽእል'ዩ" ኢሉ ዝገለጾም ኣብነት ከም ልዑል ግብሪ ኣታዊን ካልእ ኣብ ፍሉያት ሆስፒታላትን ዝኣመሰሉ ስጕምትታት ተሪፎም ኣለዉ።

"ንመጀመርታ ግዜ ህዝቢ ኬንያ - ደርቢ ሸቃሎ፡ ማእከላይ ደርብን ታሕተዋይ ደርብን - ኣንጻር ገዛኢ ደርቢ ዝተሰለፈሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ" ይብል ምዋንጊ።

እቶም ሰልፈኛታት ሓደ ዕላማ ነይርዎም፣ ንሱ'ውን ናይ መወዳእታ ድምጺ ኣብ ዝወሃበሉ ባይቶ እታ ሃገር'ዩ ነይሩ።

ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር፡ ሰዓት 09፡30፡ እቶም ናይ መወዳእታ ኣባላት ባይቶ ናብቲ ኣዳራሽ ባይቶ ኣትዮም። ኣብ ደገ ድማ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ካብ ምብራቕ፡ ሰሜንን ምዕራብን ከተማ ናይሮቢ ናብ መንገዲ ባይቶ ገጾም ኣቕኒዖም።

"ንዓይ ንቡር መዓልቲ እዩ ነይሩ፡" ይብል ወዲ 26 ዓመት ተመሃራይ ጋዜጠኛ ኣደምባ ኣላንስ።

ሰባት ኣብ ቲክቶክን ኢንስታግራምን ቀጥታዊ ፈነወ ከመሓላለፉ እንከለዉ፡ ፍጻመታት ድማ ብቐጥታ ብሃገራዊ ቲቪ ይመሓላለፉ ከምዝነበሩ ይውስኽ።

ፈለማ ሰልፈኛታት ጽርግያታት ክዓጽዉ ምስጀመሩ ብዘንብዕ ጋዝ ተዓጊቶም፡ ድሕሪኡ ፖሊስ ማይን ጠያይት ጐማን ክጥቀሙ ጀሚሮም።

ኣብ ኬንያ ንመንግስቲ ዘዋጠረ ሓያሎ ተቓውሞ ክሳዕ ምስራዝ ኣዋጅ መንግስቲ ኣገዲዱ

ክሳብ ሰዓት 13:00 ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ኣብ ጐደናታት ናይሮቢ ነይሮም። "እቲ ቍጽሪ ክዓቢ እናወሰኸ ምስከደ ሰባት ክእሰሩ ይጅምሩ" ይብል ኣላንስ። "ፖሊስ ኣብ ኵሉ ቦታ ኣለዉ። ሰባት ንድሕሪት ክደፍኡ ይፍትኑ ኣለዉ። ሰባት ኣብ ልዕሊ እተን ማይ ዝተሰከማ ወተሃደራውያን መካይን ከይተረፈ ይድይቡ ኣለዉ፡" ኢሉ።

ኣብ ደገ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ህውከት እኳ እንተነበረ፡ ኣባላት ባይቶ ኣብቲ ባይቶ ጸኒሖም ድምጺ ምሃብ ተጀሚሩ። ክሳብ ሰዓት 14፡00 ሰልፈኛታት ንፖሊስ ክሳብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኩርናዕ እቲ ባይቶ ደፊኦምዎም።

ኣብ ውሽጢ ሰዓት 14፡14፡ እማመ ፋይናንስ 2024 ድምጺ ተዋሂብዎ፣ 195 ደጊፎም፡ 106 ድማ ተቓዊምዎ። ኣባላት ባይቶ ተቓወምቲ ናብቶም ሰልፈኛታት ስለዝተጸምበሩ እቲ ውሳነ ብቕጽበት ናብቲ ኣብ ደገ ዝነበረ ሓፋሽ በጺሑ።

"እዚ ዅሉ ሰብ 'ዝዀነ ክኸውን፡ ናብ ባይቶ ኣቲና እቲ ንቃለሰሉ ዘለና ዕላማ ከምእንኣምነሉ ነቶም ኣባላት ባይቶ ከነርእዮም ኢና' ክብል ከሎ'ዩ" ይብል ኣላንስ።

ኣብ መወዳእታ ሰዓት 14፡20 ሰልፈኛታት ነቲ ናይ ፖሊስ ዕጽዋ ሰይሮም ኣብ ጥቓቲ ባይቶ ዘሎ ጽርግያ በጺሖም።

ኣብ ደገ ዓሪዳ ዝነበረት መኪና ፖሊስ ብሓዊ ተቓጺላ። ሓጹር ፈሪሱ፡ ሰልፈኛታት ኣብ ቀጽሪ ባይቶ ኣትዮም። እቲ ወራር ንሓጺር እዋን እዩ ነይሩ። ሓይልታት ጸጥታ ባይቶ ቀልጢፎም ኣውጺኦምዎም።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ኣባላት ፖሊስ ነቶም ሰልፈኛታት ንምምላስ ብሓይሊ ናብ መንገዲ ባይቶ ተመሊሶም።

እዚ እናተፈጸመ እንከሎ፡ ጋዜጠኛታት ስእሊ ይስንዱ ነይሮም። ካብ ብዙሕ ኩርናዓት ደቒቕ ብደቒቕ ዝቐርብ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ይስእሉ ነበሩ።

ሓደ ካብቶም ቪድዮታት፡ ሓደ ስሩዕ ክዳን ፖሊስ ዝለበሰ ወተሃደር ብቋንቋ ስዋሂሊ "ኡኣኣ!" ኢሉ ትእዛዝ ክህብ ይስማዕ። እቲ ቃል "ቅተል" ዝብል ኰይኑ ብዓውታ ዝተዛረቦ ዘረባ ተቐዲሑ። ድሕሪ ካልኢታት ሓደ ኣባል ፖሊስ ተንበርኪኹ፡ ተዅሲ ተሰሚዑ። ደሓር ካብቶም ሰልፈኛታት ሸውዓተ ሰባት ወዲቘም።

ወዲ 39 ዓመት መሃንድስን መምህር ትምህርቲ ሰንበትን ዴቪድ ቸገን ወዲ 25 ዓመት ሸያጢ ስጋ ኤሪክሰን ሙቲስያን ብጥይት ተቐቲሎም። ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ድማ ቈሲሎም፡ ሓደ ካብኣቶም ካብ ሕቘኡ ንታሕቲ ለሚሱ ተሪፉ።

ኣላንስ ዝተባህለ ተመሃራይ ጋዜጠኛ፡ ናብ ቸገ ክበጽሕ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ባንዴራ ኬንያ ዘልዓለ ኰይኑ፡ ድሕሪ እቲ ተዅሲ ካልእ ጉድኣት ዝፈጸመ ሰብ ድማ ደሚዩ ክወጽእ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ስኢሉ።

ንኣባላት ጸጥታ ኬንያ 'ቅተሉ' እናበለ መምርሒ ዘውርድ ዝነበረ ጆን ካቦይ
መግለጺ ስእሊ, ንኣባላት ጸጥታ ኬንያ 'ቅተሉ' እናበለ መምርሒ ዘውርድ ዝነበረ ጆን ካቦይ

ግን መን እዩ ነተን ጠያይት ተኲሱወን?

እቲ ቅተሉ እናበለ መምርሒ ዝሃበ ሰብ ዝባኑ ጥራይ እዩ ዝርአ ነይሩ። ቢቢሲ ግን ዕጥቂ ኣካላቱ፡ መከላኸሊ ዋልታኡን መሸፈኒ ርእሱን ምስ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ኣባል ፖሊስ ኣነጻጺሩዎ።

ንላዕሊ ሀጹ ዝተገልበጠ መሸፈኒ ክሳድ ነይርዎ። ድሕሪ ካልኢታት ኣብ ዝተቐድሐ ቪድዮ ነቲ ፍሉይ ዩኒፎርሙ ምስ ሓደ መኮነን ኣነጻጺርናዮ። ቅድሚ ናብ ህዝቢ ምትኳሱ ገጹ ክሓብእ ኣረጋገጸ። ስሙ ኣይንፈልጦን ኢና።

ድሕሪ እቲ ቀታሊ ተኹሲ'ውን እንተኾነ፡ እቲ ስሩዕ ክዳን ዝለበሰ መኮነን፡ ንመሳርሕቱ "ክቐትሉ" ክምሕጸኖም ይስማዕ ነይሩ።

መንነቱ ኣብ ምሕባእ ክንድዚ ጥንቁቕ ኣይነበረን: ስሙ ጆን ካቦይ ይበሃል።ኣብ መደበር ፖሊስ ማእከላይ ናይሮቢ ከም ዝመደበሩ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ቢቢሲ ክስታቱ ናብ ኣገልግሎት ፖሊስ ኬንያ ዘቕረበ ኮይኑ፡ እቲ ሓይሊ ባዕሉ ክምርምር ከምዘይክእል ዝገለጸ ኣገልግሎት ፖሊስ ኬንያ፡ IPOA ነቲ ግጉይ ስጉምትታት ናይ ምጽራይ ሓላፍነት ከምዘለዎ ገሊጹ።

ካቦይ ርእይቶ ክህበሉ'ኳ ተሓቲቱ እንተነበረ መልሲ ኣይሃበን።ብሞት ቸገ ይኹን ሙቲስያ ተሓታቲ ዝኾነ ሰብ የለን። ቢቢሲ ክልቲኦም ዕጡቓት ከምዘይነበሩ ኣረጋጊጹ'ዩ።

ህይወቶም ዝስኣኑ ሰልፈኛታት ግን እዞም ክልተ ጥራሕ ኣይኮኑን። እቲ ቅትለት ነቶም ሰልፈኛታት ኣብ ክንዲ ዘሰንብዶም፡ ኣነቓቒሑዎምን ዳግማይ ንባይቶ ክኣትዉ ፈቲኖምን።

ሰዓት 14፡57 ድማ ተመሊሶም ኣትዮም።

ነቲ ሓጹር ኣፍሪሶም ኣብ ቀጽሪ ባይቶ እናተጓዕዙ ከለዉ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብዙሓት ኣእዳዎም ንላዕሊ ኣልዒሎም ነበሩ። ካልኦት ድማ ባንዴራ ኬንያ ሒዞም ነይሮም።

ናይ መጠንቀቕታ ተኹሲ ተተኲሱ። እቶም ሰልፈኛታት ንቑልቁል ወሪዶም፡ ድሕሪኡ ናብቲ ህንጻ ገጾም ቀጸሉ፡ ናብቲ ባይቶ ክኣትዉ እንከለዉ ግን ብሞባይሎም ገይሮም ቪድዮ ይስእሉ ነበሩ።

ኣብ ውሽጢ ምስ ኣተዉ፡ ናብ ዕግርግር ተቐየረ። ማዕጾታት ረጊጾም ኣትዮም፡ ገለ ክፋል ናይቲ ባይቶ ተቓጺሉ፡ እቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ኣባላት ባይቶ ድማ ካብቲ ህንጻ ሃዲሞም።

እቲ ዕንወት ከቢድ እኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ደቓይቕ ግን፡ በቲ ዝኣተውሉ መንገዲ ክወጹ ከለዉ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ የርኢ።

ሰዓት 15፡04 መሊሱ ተኹሲ ተሰምዐ፡ ሰልፈኛታት ድማ ነቲ ጸፍሒ ሓጹር ሰጊሮም ተሃሪሞም። እቲ ትኪ እናጸረየ ምስ ከደ፡ ብካሜራ ዝተቐድሐ ስእሊ ሰለስተ ሬሳታት ኣብ መሬት ተደፊኦም ከምዘለዉ ኣርእዩ። ክልተ ቆሲሎም - ሓደ ኢዱ ኣልዒሉ ግን ክትንስእ ኣይከኣለን።

እቲ ሳልሳይ ወዲ 27 ዓመት ተማሃራይ ፋይናንስ ኤሪክ ሺኒ ዝሞተ ኮይኑ ካብቲ ቀጽሪ ክወጽእ ከሎ ብድሕሪት ኣብ ርእሱ ብጥይት ተሃሪሙ። ቢቢሲ ከምቲ ኣብ ጉዳይ ቸገን ሙቲስያን ዝረኣዮ ዘይተዓጠቐ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ፡ ሽየኒ ቅድመን ድሕረን ምስኣሉ ኣብ ዝነበሩ ደቓይቕ ዝተሳእሉ ልዕሊ 150 ምስልታት ኣገናዚቡ። ነቲ ካብ 25 ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ድሕሪት ርእሱ ዝተኮሰ ወተሃደር ክንፈልጦ'ኳ እንተኸኣልና ሽሙ ግን ክንፈልጦ ኣይከኣልናን።

ፕረዚደንት ማሕበር ሰብ ሞያ ሕጊ ኬንያ ፌይዝ ኦድያምቦ "እቲ ቪድዮ ኣዝዩ ንጹር'ዩ" ትብል።

ንሳ ኣስዒባ "እቲ ዕላማ ነቶም ሰልፈኛታት ንምቕታል እዩ ነይሩ። ክኣስርዎ ይኽእሉ ነይሮም'ዮም። ርእሱ ብጥይት ምቕታል ግን ንምቕታል ዝተሓሰበ ምዃኑ ንጹር እዩ ነይሩ" ኢላ።

ሓይልታት ምክልኻል ኬንያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ [ኣይፒኦኤ] ፓርላማ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒታት ካብ ዝተሳተፉ ኣባላቱ ንዝኾነ ይኹን ንምርመራ ዝኾነ ይኹን ሕቶ ከምዘይኣቕረበ ሓቢሩ።

ኣባላት ጀን ዜድ ኣብ ጎደናታት ናይሮቢ

ወሲኹ ድማ፡ "ሓይልታት ምክልኻል ኬንያ ልዕልና ሕጊ ንምኽባር ምሉእ ተወፋይነት ከምዘለዎን ኣብ ውሽጢ ሕገ መንግስታዊ ስልጣኑ ብጥብቂ ይሰርሕን ኣሎ" ኢሉ።

ድሕሪ እቲ ተኹሲ ኣላንስ ዳግማይ ሰባት ንኽወጽኡ እናመርሐ ይርአ። ኣብ እግሩ ደም ዝፈሰሶ ሰብኣይ ተሰኪሙ ክኸይድ እንከሎ ኣብ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ይርአ።

"ንህይወተይ ፈሪሐ ነይረ፡ ወለደይ ዳግማይ ዘይክርእዩኒ ይኽእሉ'ዮም ኢለ ሰጊኤ ነይረ" ይብል።

"ግን ድማ ክሕግዝ ኣብ ዝኸኣልኩሉ እዋን ካልኦት ሰባት ክሞቱ ምፍቃድ'ውን ኣይተበራሃንን" ይብል ኣላንስ።

25 ሰነ ጸሓይ ክትዓርብ ከላ፡ እታ ሃገር ተንቀጥቂጣ ነበረት። ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን ተቓውሞ ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ ኣብ መላእ ሃገር 39 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 361 ድማ ቆሲሎም ክብል ኣዊጁ።

ሽዑ ምሸት ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ንሓለፍቲ ጸጥታኡ፡ ኣንጻር እቶም ነቲ ተቓውሞታት "ዝጨወዩ ዝተወደቡ ገበነኛታት" ኢሉ ዝጸውዖም ዓጊቶም ልኡላውነት ሃገር ንምክልኻል ንዝወሰድዎ ስጉምቲ ኣመስጊኑ።

ንጽባሒቱ ድማ እቲ ክጸድቕ ተባሂሉ ዝነበረ ናይ ፋይናንስ ኣዋጅ ተገዲፉ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ "ነቲ ምስዚ እማመ ፋይናንስ 2024 ዝኾነ ርክብ ከምዘይብሉ ዓው ኢሉ ዝገለጸ ህዝቢ ኬንያ ብጥንቃቐ ሰሚዔዮ ኣለኹ" ድሕሪ ምባል ሕጊ ኮይኑ ከምዘይጸድቕ ብዕሊ ተዛሪቡ።

ይኹን እምበር ክሳብ ሎሚ ብዛዕባ እቶም ዝተቐተሉ ሰልፈኛታት ዝተሓተተ ሓላፊ ኮነ ኣባል ጸጥታ የለን። ወግዓዊ መርመራ'ውን ኣይተዘርግሐን'ሎ።