ኬንያ፡ ጠፊኦም ዝቐነዩ ኤርትራዊ ኣቦ ተረኺቦም

ኣቶ ተስፋይ ሞባእ

ምንጪ ስእሊ, Family

ኣቶ ተስፋይ ሞባእ ዝተባህሉ ኤርትራዊ ኣቦ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ 18 ሚያዝያ፡ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ጠፊኦም ድሕሪ ምቕናይ ኣብ ሻውዓይ መዓልቶም፡ ሓሙስ 24 ሚያዝያ ከም ዝተረኽቡን፡ እንተዀነ ገና ኣብ ሆስፒታል ከምዘለዉን ቤተሰብ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቶም ኣቦ፡ ዓርቢ ስቕለት መዓልቲ ካብ ንግሆ ሰዓት 9:00 ክሳብ ከባቢ ሰዓት 5:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከባቢ ያያ-ሰንተር ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን መድሃኔኣለም ክሳብ ምዝዛም ስርዓተ ስግዳን ከምዝጸንሑ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።

ኣቐዲሙ ከምዝተሓበረ፡ ስርዓተ ስግዳን ድሕሪ ምዝዛሙ ኣቶ ተስፋይ ብዳሕረዋይ ማዕጾ ናይቲ ቤተክርስትያን ወጺኦም ድሕሪ ምኻዶም እዩ ደሃዮም ጠፊኡ ቀንዩ።

ስድራቤት፡ ፈተውትን ኣብ ናይሮቢ ዝነብሩ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ መደበራት ፖሊስን ሆስፒታልን ሓቲቶም ደሃዮም ተሳኢኑ ከምዝቐነየ ይፍለጥ።

ካብቲ ቦታ ኣዝዩ ርሑቕ ናብ ዝዀነ "ጆጐ-ሮድ" ዝተባህለ ከባቢ ከምዝኸዱን፡ ኣብቲ ዕለት ድማ ኣብኡ ወዲቘም ከምዝተረኽቡን ቤተሰብ ብተወሳኺ ይሕብሩ።

ክሳብ ከባቢ ጆጐ-ሮድ ብኸመይ ክኸዱ ከምዝኸኣሉ ዛጊት ዝተነጸረ ነገር'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ብቀንዲ ጽርግያ ከባቢ እቲ ቤተክርስትያን ክትሓልፍ ብዝተጓነፈቶም ኣውቶቡስ ተሰቒሎም ከይዶም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣባላት ቤተሰብ ይገልጹ።

ኣብታ ዕለት ወዲቘም ዝረኸብዎም ሰባት ድማ ብኡንብኡ 'ማማ ሉሲ' ናብ መንግስታዊ ሆስፒታል ከምዝወሰድዎምን ንዝሓለፈ ሸውዓተ መዓልታት ኣብቲ ሆስፒታል ክእለዩ ከምዝጸንሑን ድማ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ከይዳ ካብ ዝረኸበቶም ናይ ቀረባ ዘመዶም ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ምስኦም ዝዀነ ንመንነቶም ዝገልጽ ሰነድ ስለዘይጸንሐ ብኣጋ ክልለዩ ከምዘይተኻእለን፡ እንተዀነ ኵነታት ጥዕናኦም ኣብ ደሓን ኵነታት ከምዘሎ ብተወሳኺ ተፈሊጡ።

እቶም 80 ዝዕድመኦም ኣቦ ናይ ጥዕናን ዓይኒን ጸገማት ዘለዎም ኰይኑ፡ ኣብ ኣሜሪካ ናብ ዝነብሩ ደቈም ንምኻድ መስርሕ ቪዛ ንምስላጥ እዮም ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ ኣቢሎም ምስ በዓልቲ ቤቶም ናብ ኬንያ ዝገሹ።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ ዕቝባ ንምሕታትን ከምኡ'ውን ናብ ካልኦት ሃገራት ንምጋሽ መስርሒ ቪዛ ንምክትታልን ናብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ከምዝውሕዙ ይፍለጥ እዩ።

ኣቶ ተስፋይ ሞባእ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ማይተመናይ ዝነብሩ ኰይኖም፣ ኣብ ኣስመራ ፍሉጥ ትካል 'ኣንዳ እኽሊ' ከምዘለዎም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይነግር።