ፖሊስ ጀርመን፡ ኣብ ፈለግ ዝተረኽበ ሬሳ ደሃዩ ጠፊኡ ዝጸንሐ ጳውሎስ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ነቲ ሬሳ እናኣውጽኡ

ምንጪ ስእሊ, bild

ኣብ ጀርመን ከባቢ ዋይልበርግ ኣብ ዝርከብ ፈለግ ላህን ሓደ ዝሞተ ቈልዓ ድሕሪ ምርካቡ፡ ፖሊስ እቲ ንሰሙናት ዝጠፍአ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ጳውሎስ ክኸውን፡ "ልዑል ተኽእሎ፡" ከም ዘሎ ገሊጹ።

ወሃቢት-ቃል ፖሊስ ብሰንበት ኣብ ሰዓታት ኣጋምሸት ምስ ከንቲባ ዋይልበርግ ዮሃንስ ሃኒሽ ብምዃን ንመራኸቢታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ካብ 25 መጋቢት ጀሚሩ ደሃዩ ዝጠፍአ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ጳውሎስ ሎሚ ሞይቱ ከም ዝተረኽበ ክንሕብር ከለና ኣዝዩ ሓዘን እስምዓና፡" ኢላ።

ፖሊስ ከም ዝሓበሮ፡ ትማሊ ከባቢ ሰዓት 6፡00 ኣጋምሸት፡ ሓደ ስፖርተኛ ኣብ ጥቓ ልዕሊ ላህን ዝርከብ B456 ዝበሃል መሳግሮ ኣብቲ ሩባ ዝሞተ ሰብ ከም ዝረኣየ ንፖሊስ ሓቢሩ። መጥፋእቲ ሓዊ፡ ኣገልግሎት ህይወት ኣድሕንን ፖሊስን ድማ ንእለቱ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም።

ሞት ናይቲ ኣብቲ ሩባ ዝተረኽበ ቈልዓ፡ ክኢላ ሓኪም ጥራሕ ከረጋግጽ ከም ዝኽእል እኳ እንተ ተፈልጠ፡ እቲ ንሰሙናት ደሃዩ ዝጠፍአ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ጳውሎስ ክኸውን፡ "ልዑል ተኽእሎ፡" ከም ዘሎ ተገሊጹ ነይሩ።

ፖሊስ፡ እቲ ቈልዓ ብኸመይ ከም ዝሞተ ንምርዳእ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ዝያዳ መርመራ ከም ዝገብር 'ሄሰንቻው' ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ሓቢሩ።

ከንቲባ ዋይልበርግ ዮሃንስ ሃኒሽ፡ "ሎሚ ንጳውሎስ ሓዘንና ንገልጸሉን እንፋነወሉን መዓልቲ እዩ፡" ኢሉ፣ "ንጳውሎስ ከም ዝረኸብናዮ ርግጸኛታት ኢና፣ እቲ ምድላይ ሕጂ ተወዲኡ'ዩ፡" ክብል'ውን ሓቢሩ።

እቲ ከንቲባ ወሲኹ፡ "ኣብዚ ጽንኩር እዋንን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታትን፡ ብዛዕባ ስድራኡ፡ መቕርቡን ዝፈትውዎ ሰባትን ኢና ንሓስብ ዘለና፣ ድንጋጸናን ደገፍናን ከኣ ንሰደሎም፡" ኢሉ።

ካብ ኤርትራውያን ስድራቤት ዝተወልደ ጳውሎስ ዳዊት ብ25 መጋቢት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ምሳሕ ካብ ቤት-ትምህርቲ ወጺኡ ምስ ተሰወረ፡ ልዕሊ 600 ኣባላት ፖሊስ ምስ ዕሉማት ኣኽላባቶም፡ ፈረሰኛታት፡ ጀላቡ፡ ክኢላታት ናይ ምንቋት ሓምበስትን ሄሊፕተራትን እዮም ለይትን ቀትርን ንምርካቡ ተዋፊሮም ጸኒሖም።

'ኦቲስቲክ ስፔክቱረም' ከም ዘለዎ ዝተገልጸ ጳውሎስ፡ ኣብ ሓደ ጐደና ደው ኢሉ ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ምውጻኡ ካልእ ፍንጪ ኣይተረኽበን ጸኒሑ።

ኣብቲ ቪድዮ፡ ሓደ ዝሓልፍ ዝነበረ መራሒ መኪና ንድሕነት እቲ ቈልዓ ክብል መንገዲ ክመርሖ ከም ዝርአ፡ 'ዘ ሙኒ ኣይ' ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ገሊጻ ነይራ። እቲ መራሒ መኪና ንፖሊስ እኳ እንተ ሓበረ፡ ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ምስ ተረኽቡ ጳውሎስ ከም ዘይጸንሖም እዩ ተገሊጹ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብኣካል፡ ኣብ ሓያሎ ክፋል ዓለም ዝርከቡ ድማ ብመራኸቢ ብዙሓን ንስድራቤት ጳውሎስ ናይ ተስፋን ምጽንናዕ መልእኽቲ ክልእክሎም ከም ዝጸንሑ ድማ ይፍለጥ።