ኦቲዝም፡ እንታይ እዩ? ብኸመይከ ንርድኦ?

በብዓመቱ 2 ሚያዝያ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ንቕሓት ኦቲዝም ይኽበር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, በብዓመቱ 2 ሚያዝያ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ንቕሓት ኦቲዝም ይኽበር

በብዓመቱ 2 ሚያዝያ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ንቕሓት ኦቲዝም ይኽበር።

ዕላማ እዛ ብሕቡራት ሃገራት ዝተወደበት መዓልቲ፡ ንቕሓት ብዛዕባ ኦቲዝም ንምዕባይን ምስ ኦቲዝም ዝነብሩ ሰባት ዝሓሸ ህይወት ንክህልዎም ንምሕጋዝን እዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ 100 ህጻናት እቲ ሓደ ምስ ኦቲዝም ከም ዝነብር ይግመት።

ምልክታት ኦቲዝም ኣብ ንእስነት ክረኣዩ ይኽእል እዮም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን እቲ ኵነታት ክሳብ ኣዝዩ ድሒሩ ኣይፍለጥን።

ዓቕምን ድሌታትን ናይቶም ምስ ኦቲዝም ዝነብሩ ሰባት ዝተፈላለየን ምስ ግዜ ዝምዕብል እዩ።

ገሊኦም ነጻ ኰይኖም ክነብሩ ክኽእሉ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ከቢድ ጸገም ኰይንዎም ናይ ምሉእ ዕድመ ክንክንን ደገፍን ከድልዮም ይኽእል።

ኦቲዝም እንታይ እዩ?

ኦቲዝም: ሕማም ዘይኰነስ ሓደ ሰብ ሒዝዎ ዝውለድን ንምሉእ ዕድመ ዝጸንሕን ኵነታት እዩ።

ሕክምናዊ መጸውዒኡ ‘ኦቲዝም ስፔክትረም ዲስኦርደር’ ወይ ኤኤስዲ ይበሃል፤ ገለ ሰባት ግን ኣብ ክንዲ ኤኤስዲ፡ 'ኣቲዝም ስፔክትረም ኮንዲሽን' ወይ ኤኤስሲ ዝብል መጸውዒ ይመርጹ።

ምኽንያቱ ዛጊት ብንጹር’ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ኦቲዝም መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ኣዋልድ ንላዕሊ ኣብ ኣወዳት’ዩ ዘጋጥም።

ምዝ’ዚ ኵነታት ዝነብሩ ሰባት ጸገም ምዕባለ ስለዝህልዎም፡ ምስ ካልኦት ዘለዎም ርክብ፡ ባህርያትን ማሕበራዊ ህይወቶምን ይጽለው እዩ።

ምልክታት ኦቲዝም ክሳዕ ደሓር ከይተረኣዩ ክጸንሑ ተኽእሎ ኣሎ። ብተወሳኺ ሓደ ሰብ ኦቲስቲክ ከምዝዀነ ወይ ኦቲዝም ከምዘለዎ ብምርኣይ ጥራይ ክፍለጥ ኣይኽእልን።

ስለዝዀነ ድማ ንገለ ወለዲ፡ እዚ ኵነታት ኣብ ደቆም ምህላዉ ንምልላይ በዳሂ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ይኹን እምበር፡ ኦቲዝም ዘለዎም ህጻናት ኣብ ምሉእ ዓቕሞም ንኽበጽሑ ኣብ ምሕጋዝ ብኣግኡ ኣቓልቦ ምርካቦም ወሳኒ እዩ።

ኦቲዝም ብቐንዱ ብተፈጥሮ ብጀነቲካዊ ጸገም ዝመጽእ’ኳ እንተዀነ፡ ጽንኩርነቱ ግን ብሕብሓብ ወይ ብከባብያዊ ረቛሒታት ክጽሎ ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።

ቅዲ ኣተዓባብያ ከምኡ’ውን ወለዲ፣ ኣሕዋት፣ መሓዙትን ብሓፈሻ ማሕበረሰብን ኣብ ኦቲዝም ዘለዎም ኣረኣእያ ኣገደስቲ ረቛሒታት እዮም።

ምልክታት ኦቲዝም ካብ ህጻን ናብ ህጻን ክፈላለዩ ይኽእሉ እዮም
መግለጺ ስእሊ, ምልክታት ኦቲዝም ካብ ህጻን ናብ ህጻን ክፈላለዩ ይኽእሉ እዮም

ምልክታት ኦቲዝም

መብዛሕትኡ ግዜ ምልክታት ኦቲዝም ኣብ 2ይ ወይ 3ይ ዓመት ዕድመ ይረኣዩ፤ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ኣብ ውሽጢ ቀዳሞት 6–12 ኣዋርሕ ከጋጥም ይኽእል።

ምስ ኦቲዝም ዝነብሩ ንኣሽቱ ህጻናት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 12 ክሳብ 24 ኣዋርሕ ዕድሚኦም ዕብየቶም ደው ይብል፤ እዚ ብፍላይ ንቋንቋን ምላሽ ምሃብን ክእለቶም ዝምልከት እዩ።

ምልክታት ኦቲዝም ካብ ህጻን ናብ ህጻን ክፈላለዩ ይኽእሉ እዮም፤ ካብቶም ብኣግኡ ዝረኣዩ ምልክታት ድማ እዞም ዝስዕቡ ይርከቡ።

ጸገም ማሕበራዊ ርክብ፡ ምስ ኦቲዝም ዝነብሩ ህጻናት ምስ ካልኦት ኣብ ምርድዳእ፡ ዓይኒ ንዓይኒ ምርእኣይ፡ ስምዒቶም ኣብ ገጾም ምግላጽ፡ ናይ ሰብ ስምዒት ምርዳእ፡ ስሞም ክጽዋዕ ከሎ ምላሽ ኣብ ምሃብ ዝኣመሰሉ ተግባራት ክጽገሙ ይኽእሉ።

ጸገም ምዕባለ ክእለት ዘረባን ቋንቋን፡ ምስ ኦቲዝም ዝነብሩ ህጻናት ክእለት ዘረባን ቋንቋን ኣብ ምምዕባል ክድንጉዩ ወይ ድማ ፈጺሞም ዘይዛረቡ ክኾኑ ይኽእሉ።

ተደጋጋሚ ባህርያት፡ እዙ ኵነታት ዘለዎም ህጻናት ከም ምውዝዋዝ፡ ኣዳዎም ምንግብጋብ ወይ ምሽክርካር ዝኣመሰሉ ተደጋጋሚ ባህርያት ከርእዩ ይኽእሉ።

ኣብ ስሩዕ ልምዶም ዝመጽእ ለውጢ፡ ብተወሳኺ ኣብ ስሩዕ ልምዶም ወይ ከባቢኦም ዝመጽእ ለውጢ ኣብ ምቕባል ክጽገሙ፡ ክበሳጨዉ ወይ ክጭነቑ ይኽእሉ።

ህዋሳዊ ጉዳያት፡ ከም ድምጺ፣ ትርኢት፣ መቐረት ወይ መብራህቲ ንዝኣመሰሉ ድፍኢታት ወይ ድራኸታት ካብ መጠን ንላዕሊ ወይ ካብ መጠን ንታሕቲ ተሃዋሲ ክዀኑ ይኽእሉ።

ፅልዋ ኦቲዝም እንታይ እዩ?

ምስ ኦቲዝም ዝተወልዱ ህጻናት ምስ ካልኦት ሰባት ዝረዳድእሉ ኣገባብ ስለ ዝጽለው፡ ኣብ ክንዲ ምስ ካልኦት ሰባት ወይ ህጻናት ብጉጅለ ምጽዋት ንበይኖም ክጻወቱ ክመርጹ ይኽእሉ።

ኦቲስቲክ ዘለዎም ሰባት ናይ ብሓቂ ነገራት ኣብ ምዝካር ንፉዓት ክኾኑ ወይ እውን ብዛዕባ ሓደ ፍሉይ ኣርእስቲ ብዙሕ ፍልጠት ክህልዎም ተኽእሎ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ሰባት ተገዳስነት ዘይብሎም ክመስሉ ስለ ዝኽእሉ፡ ዓርኪ ክረኽቡ ወይ ምስ ሓደስቲ ሰባት ክላለዩ ይጽገሙ እዮም።

ብዙሓት ኦቲስቲክ ሰባት ኣብ መዓልታዊ ልምድታቶም ምጽንናዕ ስለ ዝረኽቡ፡ እዚ እንተተዛቢዑ ዓርሶም ንምቁጽጻር ክጽገሙ ይኽእሉ። ንኣብነት ኣብ ዝተወሰነ ሰዓት ጸባ ናይ ምስታይ ልማድ እንተማዕቢሎም፡ ኣብታ ሰዓት ንሳ ጸባኦም ክረኽቡ ኣለዎም። ስለዚ እዞም ዝተለምዱ ተግባረት ብሰዓቶም ክፍጸሙ ኣለዎም።

ኦቲዝም ዘለዎም ህጻናት ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ጉጅለ ጸወታታት ምስታፍ ክኸብዶም ይኽእል እዩ
መግለጺ ስእሊ, ኦቲዝም ዘለዎም ህጻናት ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ጉጅለ ጸወታታት ምስታፍ ክኸብዶም ይኽእል እዩ

ካልኦት ሰባት እቶም እዚ ኵነታት ዘለዎም ህጻናት ዝነብሩሉ ዓለምን ድሌታቶምን፡ ንምርዳእ ስለ ዘጸግሞም፡ እቶም ህጻናት ዝህልዎም ማሕበራዊ ርክብን ምትእስሳርን ድሩት ክኸወን ይኽእል እዩ።

እዚ ድማ ትሑት ርእሰ-ምትእምማን ከስዕበሎም ተኽእሎ ስለ ዘሎ፡ ብፍላይ ካብ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ ዘሎ መብዛሕትኡ ግዜ ንበይኖም እዮም ዘሕልፍዎ።

ቤት ትምህርቲ ንኦቲስቲክ ህጻናት በዳሂ ክኸውን ይኽእል እዩ።

መጀመርታ እዞም ህጻናት ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ምስ ዓቕሞምን ብድሆታቶምን ዘይሰማማዕ ሃዋህው ከመይ ገይሮም ከምዝጻወሩ ንምርዳእ ብዙሕ ግዜ እዩ ዝወስደሎም።

ኦቲስቲክ ህጻናት ኣብ ዝዀነ ከባቢ ዘለዎም ህዋሳዊ ተነቃፍነት ኣዝዩ ልዑል ወይ ኣዝዩ ትሑት ክኸውን ተኽእሎ’ኳ እንተሃለዎ፡ እዚ ግን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝያዳ በዳሂ ዝዀነሉ ኣጋጣሚ ኣሎ።

ድምጺ ደወል፡ መብራህቲ፣ ጫው ጫው ዝብል ድምጺ ተማሃሮን ካልኦትን፡ ዝተፈላለየ ጨና፡ ድምጺ ሙዚቃን ካልኦት ህዋሳዊ እታወታትን ኣብቶም ህጻናት ልዑል ጭንቀት፡ እንተላይ ከም ሕማም ርእሲ ዝኣመሰሉ ስምዒታት ከበግሱ ይኽእሉ እዮም።

ምስ ኦቲዝም ዝነብሩ ሰባት ስለምንታይ በዳሂ ባህርያት ይህልዎም?

ኦቲስቲክ ህጻናት ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከቡ ካልኦት ሰባትን ኣሉታዊ ጽልዋ ዘለዎም በዳሂ ባህርያት የርእዩ እዮም።

ንኣብነት፡ ዝወሃቦም መምርሒ ዘይክቕበሉ ወይ ዕሽሽ ክብሉ ይኽእሉ፣ እዚ ድማ ስድራ ቤቶም ነገራት ኣብ ምፍጻም ክጸገሙ ዝገብር እዩ።

ካብ ክፍሊ ክወጹ፡ ኣብ ትሕቲ ጠረጴዛ ክሕባኡ፡ ዝዀነ ዝርብሽ ተደጋጋሚ ድምጺ ከስዕቡ ተኽእሎ ኣሎ፤ እዚ ድማ ንዓኣቶምን ንኻልኦትን በዳሂ ስለዝኸውን ኣብ ትምህርቶም ጽልዋ ከሕድር ይኽእል።

ይኹን’ምበር ስድራቤታትን ካልኦት ሰባትን ስለምንታይ እቲ በዳሂ ባህሪ የጋጥም ከምዘሎ ክርድኡ ኣገዳሲ’ዩ። ጠንቂ’ቲ ባህሪ እንተተረዲኦም ድማ፡ ከመይ ገይሮም ክፈትሕዎ ከምዝኽእሉ ንክርድኡ ዝቐለለ ይኸውን።

እቶም ህጻናት በዳሂ ባህሪ ካብ ዘርእይሉ ምኽንያታት፤

  • ማሕበራዊ ምልክታት ወይ ትጽቢታት ካልኦት ሰባት ስለ ዘይርድኡ፡
  • ኣብ መስርሕ ትምህርቲ ክፍሊ ስለ ዝጽገሙ፡
  • ብህዋሳዊ እታወታት ስለ ዝጽለዉ፡
  • ኣብ መዓልታዊ ልምድታቶም ዘጋጠሞም ለውጢ ስለ ዝርብሾም፡
  • ብዛዕባ ስምዒታቶም ንምርዳእ ወይ እውን ንምግላጽ ስለ ዝኸብዶም፡
  • ኣብ ከባቢኦም ንዝፍጸሙ ነገራት ዝህብዎ ግብረ መልሲ ንምቁጽጻር ስለ ዝጽገሙ፡ ወይውን
  • ስለ ዝደኸሙ ወይ ጽቡቕ ስምዒት ስለዘይተሰምዖም ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ምስ ኦቲዝም ዝነብሩ ህጻናትን ዓበይትን ሰባት፡ ካብ ካልኦት ሰባት ቁሩብ ዝተፈላለየ ባህሪ ክህልዎም ከምዝኽእል ኣይንረስዕ
መግለጺ ስእሊ, ምስ ኦቲዝም ዝነብሩ ህጻናትን ዓበይትን ሰባት፡ ካብ ካልኦት ሰባት ቁሩብ ዝተፈላለየ ባህሪ ክህልዎም ከምዝኽእል ኣይንረስዕ

ምስ ኦቲዝም ዝነብሩ ሰባት ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምስ ኦቲዝም ዝነብሩ ህጻናትን ዓበይቲ ሰባትን ዘርእዩዎ በዳሂ ባህርያት ምስ እንርዳእ፡ ብኸመይ ክንሕግዝ ከምንኽእል ምግንዛብ ዝቐለለ ይኸውን።

ነስተውዕል፡ ዝዀነ ኦቲስቲክ ሰብ ከዛርበና ወይ ምሳና ክጻወት ድሌት ዘይብሉ ኰይኑ ክስማዓና ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ እዚ ግን ናቶም ጌጋ ኣይኰነን። ባዕሎም እውን ከይተረፈ ብዛዕባ’ዚ ክሓርቁ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ እዚ ውልቂዊ እዩ ኢልና ከይሓሰብና ዓቕሊ ክንገብር የድሊ። ምስ ኦቲዝም ዝነብር ዝዀነ ሰብ፡ ከምዘይእሩም ወይ ገታር ዝቐረበና እንተመሲሉና፡ ብሓቂ ከምኡ ክኸውን ድሌት ከምዘይብሉ ኣይንረስዕ። ብዝዀነ ነገር እንተተረቢሽና ድማ፡ ብዛዕባኡ ምስ እንኣምኖ ዓቢ ሰብ ወይ ወለዱ ንዘራረብ።

ተቐበልቲ ንኹን፡ ዓለም ንኣውቲስቲክ ህጻናትን ዓበይትን ምድንጋር እትፈጥር ቦታ ክትከውን ትኽእል እያ፡ ባህርያቶም ድማ ቁሩብ ከገርመና ይኽእሉ። ንኣብነት ተደጋጋሚ ድምጺ ከስምዑ ወይ ዝዀነ ነገር ክቕጥቅጡ እንከለዉ፡ ኣብ ክንዲ ምንጻግ ተግባሮም ምቕባል ዝሓሸ ይኸውን። ሕያዎት ኰይና ብዝምችዎም ኣገባብ ክዋስኡ ንፍቀደሎም። ሓደ ሰብ ዝተፈልየ ባህሪ ስለ ዘለዎ ጥራይ ኣተኲሪና ምጥማት ኣግባብ ኣይኰነን።

ኣይንገምት፡ ምስ ኦቲዝም ዝነብሩ ሰባት ብዝምልከት ዝዀነ ግምት ኣይንሕሰብ። እቲ ኵነታት ንዝተፈላለዩ ሰባት ብዝተፈላለየ መንገዲ እዩ ዝጸልዎም። ንኣብነት ገሊኦም ምስ ሰብ ንምርድዳእ ክቃለሱ ይኽእሉ እዮም፡ ኣብ ከባቢኦም ዝዝረብ ዘሎ ነገር ንምርዳእ ግን ግድን ይቃለሱ እዮም ማለት ኣይኰነን።

ንሕተት፡ ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ፈጺምና ርግጸኛ እንተዘይኰይንና፡ ምስ እንኣምኖ ዓቢ ሰብ ንዘራረብ። ብዛዕባ ነቲ ምስ ኦቲዝም ዝነብር ዓርክና ይኹን ተማሃሪና ብዝግባእ ክንሕግዝ እንኽእለሉ መገድታት ብዝምልከት ምስ ወለዱ ወይ ምስ ኣለይቱ ምዝርራብ መፍትሒ እዩ።

ኵሎም ሰባት፡ እንተላይ ምስ ኦቲዝም ዝነብሩ፡ እቲ ዝለዓለ ክብጻሕ ዝኽእል ደረጃ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም።

ይኹን’ምበር፡ ኦቲስቲክ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ንጸለመን ኣድልዎን ዝተቓልዑ እዮም፤ ገለ ካብዚኦም ክንክን ጥዕና፡ ትምህርትን ኣብ ማሕበረሰቦም ናይ ምውፋርን ምስታፍን ዝኣመሰሉ ዕድላት ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ዘይክረኽቡ ይኽእሉ።

እንተዀነ ግን ከም ካልእ ህዝቢ ሓፈሻዊ ክንክን ጥዕና ይኹን ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክረኽቡ መሰል ኣለዎም።