ብኦቲዝምን ጸሊም ሕብሪ ቆርበቱን ከይተደረተ ታሪኽ ዝሰርሕ ዘሎ ኣትለት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትራያትሎን ምሕንባስ፡ ብሽክለታን ጉያን ዘጠቓልል ውድድር እዩ፤ ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ሰባት ድማ ትራያትለት ይበሃሉ።
ሓደ ካብዚኦም ወዲ 30 ዓመት ሳም ሆልነስ እዩ።
ሳም ግን ካብ ካልኦት ኣትለታት ዝፈልዮ ነገር ኣሎ፤ ንሱ ኦቲዝም ዝበሃል ኵነታት ኣለዎ።
ኦቲዝም ምዝንባዕ ምዕባለ ኰይኑ እዚ ኵነታት ዘለዎም ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማሕበራዊ ርክብን ምትእስሳርን ይጽገሙ። ብተወሳኺ ድሩት ወይ ተደጋጋሚ ባህርያት ወይ ድሌታትን ከምኡ’ውን ናይ ምምሃር፡ ምንቅስቓስ ወይ ኣቓልቦ ናይ ምሃብ ዝተፈልየ መንገዲ ክህልዎም ይኽእል።
ሳም ኣብ ኮና ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም ኣይሮንማን 2022 ዝተሳተፈ ምስ ኦቲዝም ዝነብር ፈላማይ ትራያትለት ብምዃን ኣብ ክብረወሰን ዓለም ጊነስ ክምዝገብ ክኢሉ’ዩ። ምስ ኦቲዝም ዝነብር ፕሮፌሽናል ትራያትለት ክኸውን፡ በዚ ኣቢሉ ድማ ከምኡ ንዝኣመሰሉ ናብ ስፖርት ንኽኣትዉ ንምልዕዓልን ብዛዕባ ኦቲዝም ርድኢት ንምብራኽን ይሕልን።
ሳም ካልእ ክርእዮ ዝደሊ ለውጢ’ውን ኣሎ። ንሱ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣብ ዝኸበዱ ጽኑዕ ውድድራት ዝወዳደሩ ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ጸለምቲ ኣትለታት እዩ።
"ካልኦት ጸለምቲ ኣትለታት ኣብ ምሕንባስ፡ ብሽክለታን ጉያን ብምስታፍ ሻምፕዮን ንምዃን ክሓልሙ ከተባብዕ እደሊ" ይብል።
ኣቦኡ ቶኒን ኣደኡ ማሪሊንን፡ ሳም ዕድመኡ 4 ዓመት ከይመልአ እንከሎ’ዮም ኦቲዝም ከም ዘለዎ ፈሊጦም።
ኣብ ዘይክእሎም ነገራት ዘይኰነስ ኣብቶም ክገብሮም ዝኽእሉ ነገራት ብምትኳር ኵሉ ዕድል ምእንቲ ክረክብ ጽዒሮም።
ስፖርት ድማ ጽቡቕ ኣማራጺ ኰይኑሎም።
"ብሓቂ ብኣጋኡ ምሕንባስ ተማሂሩ’ዩ፤ እዚ ድማ ካብኡ ክወስዶ ዝኽእል ሰብ የለን" ትብል ማሪሊን።
ሳም ትራምፖሊን፡ ቀስት፡ ሆኪን ጁዶን ፈቲኑ። ኣብ መወዳእታ ጽንዓት ዝሓቱ ስፖርትታት መሪጹ። ኣብ ዝወዳደረሉ እዋን "ኦቲዝም ልዕለ ሓይለይ እዩ" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ማልያ’ዩ ዝኽደን።
"ልዑል ትዅረት ክህልወንን ቆራጽን ክኸውን ይገብረኒ፤ ተስፋ ኣይቈርጽን እየ" ይብል።
"ምኽንያቱ ተደጋጋሚ ዕማማት ምስራሕ ስለ ዝፈቱ፡ ጽንዓት ኣብ ዝሓቱ ስፖርትታት ዝገብሮ ልምምድ ንዓይ ጽቡቕ'ዩ። ስፖርት፡ ህይወተይ ብዙሕ ክመሓየሽ ገይሩ'ዩ። ዕላማ ድማ ሂቡኒ።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ልምምድ ንዓይ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ ምኽንያቱ 24/7 ዝገብሮ ነገር ስለዝዀነ። ስርሐይ'ዩ። ብሽክለታ፡ ምሕንባስ፡ ጉያ ወይ ብቕዓት ንምሕላው ዝገብሮ ምንቅስቓስ ይዅን ብዘየገድስ፡ ኵሉ ግዜ ዝከኣለኒ እገብር። ፈጺመ ድማ ኣቋሪጸዮ ኣይፈልጥን። ምኽንያቱ ኣብ ዓለምና ኦቲዝም ዘለዎ ፈለማይ ብሉጽ ትራያትለት ስለዝደሊ'ዩ።"
ቆራጽነቱ ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝካየዱ ውድድራት ይወስዶ ኣሎ፤ እንተዀነ እቶም መዓርፎታት ክለዋወጡ እንከለዉ ሓደ ነገር ቀዋሚ ኰይኑ ይቕጽል።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቶም ዝሳተፈሎም ውድድራት፡ ንባዕሉ ሓዊሱ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ጸለምቲ ትራያትለታት ጥራይ ከም ዝህልዉ ቶኒ ይገልጽ።
ሓደ ሓደ ግዜ ሳም "ኣነ ጥራይ እየ ጸሊም" ከም ዝብል ትውስኽ ማሪሊን።
"ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ክረኽቡና ከለዉ፡ ዳርጋ ኣብ ገጾም ትርእዮ፡ 'እዋይ ጸሊም ኢኻ ኢልና ኣይሓሰብናን'።"
"ደው ኢሎም ክሓስቡ ዝገብሮም እመስለኒ - ምኽንያቱ ከምቲ ትፈልጥዎ መብዛሕትኦም ትራያትለታት፡ እቲ ውዳበን እቲ ምድላዋት ብጸዓዱ ዝተዓብለለሉ ኵነታት እዩ ዘሎ" ትብል።
"ስለዚ ዕላል ይጅመር እሞ ማዕጾ ይኸፈት፡ ምናልባት እቲ ማዕጾ እንተተኸፊቱ ድማ ገለ ሰባት ክኣትዉ እዮም።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ዝዀነ ሰብ እቲ ሳም ዝገብሮ ዘሎ ርእዩ 'ኣምላኽ ሳም ከምኡ ክገብር እንተኽኢሉ፡ የተባብዓኒ'ዩ' ክብል ጥራይ'የ ዝደሊ" ክትብል ትውስኽ።
ቶኒ ኣቦ ሳም ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ንወዱ ንምሕጋዝ ኣብ ባንክን ኣይቲን ዝነበሮ ሞያ ገዲፉ ኣሰልጣኒኡ ኰይኑ’ዩ።
ሳም ኣብ ትሕቲ ኣቦኡ ጽቡቕ ምዕባለ ኣርእዩ። ንኻልኣይ ግዜ ዝተሳተፈሉ ውድድር ማራቶን ንምዝዛም፡ ትሕቲ ሰለስተ ሰዓታት’ዩ ወሲዱሉ።
"ኣብ ዓለም 4 ሚእታዊት ሰባት ጥራይ እዮም ትሕቲ ሰለስተ [ሰዓታት] ዝዛዝሙ፡ ንሱ ድማ ብ2፡30 ክዛዝሞ’ዩ" ይብል ቶኒ።
ነዚ ቀንዲ ባእታ ድማ ናይ ሓባር ስራሖም እዩ።
"ኵሉ ግዜ ንበኣስ ኢና" ይብል ሳም። "እንተተባእስና እውን ኵሉ ግዜ ንተዓረቕ ኢና።"
"ኣቦይ ንዓይ እቲ ብሉጽ ኣሰልጣኒ ይመስለኒ ምኽንያቱ ምሳይ ከመይ ገይሩ ከም ዝረዳዳእ ይፈልጥ’ዩ፡ ብዙሕ ግዜ ኣይጭድርን።"
ኣብዚ እዋን ኣብ መንጐ ሳምን ኣዝዮም ብሉጻት ትራያትለታት ዘሎ ፍልልይ ርኡይ ይዅን’ምበር፡ ግዜ ግን ኣብ ጐድኑ’ዩ ዘሎ። መብዛሕትኦም ትራያትለታት፡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዝ ብቕዓቶም ዝበጽሑ ካብ 35 ክሳብ 40 ኣብ ዘሎ ዕድመኦም’ዮም - ሓደሓደ ግዜ ድማ ድሕሪ 40’ውን የጋጥም’ዩ።
"ኣብቲ ዝኸበደ ውድድር ኣይሮንማን ክወዳደር ከም ዝኽእልን፡ ሓደ መዓልቲ ድማ ጸሊምን ብሉጽ ኦቲዝም ዘለዎ ትራያትለት ናይ ምዃን ሕልመይ ከግህድ ዝኽእል ተማሂረ" ይብል ሳም።
"ኣነ ፈላማይ ኦቲዝም ዘለዎ ፕሮፌሽናል ትራያትለት ክኸውንን ካልኦት ምዝንባዕ መትኒ ዘለዎምን ንዓይ ዝመስሉን ድማ ኣብ ስፖርት ክሳተፉ ክድርኽን እደሊ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







