ልዮነል መሲ፡ ብ8 'ባሎን ዲ ኦር' ዝደመቐ ኮኾብ ኩዕሶ እግሪ

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ድሮ ኣብ መላእ ዓለም ግኑን ሽም ክውንን ዝኸኣለ ኣርጀንቲናዊ ኣጥቃዓይ ሊዮነል መሲ ደጊሙ ብሉጽ ተጻዋታይ ዓለም ናይዚ ዓመት ብምዃን ን8ይ ግዜ 'ባሎን ዲ ኦር' ተሸሊሙ ኣሎ።
እቲ ወዲ 36 ዓመት ኣብ ዝሓለፈ ዋንጫ ዓለም ቐጠር ንሃገሩ ዋንጫ ስለዘዕተራ'ዩ ነቲ ዝኸበረ ሽልማት በቒዑ ዘሎ።
መሲ፡ ነቲ ኣብ ፈረንሳዊት ክለብ ፒ-ኤስ-ጂ ወዲ ጋንትኡ ዝነበረ ክሊያን ምባፐን፡ መትሓዚ ተሳኢንሉ ዘሎ ኣጥቃይ እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ኢርሊን ሃላንድን ጸብለልል ብምባል'ዩ ነቲ ሓድሽ ዓወት ተጓናጺፉ ዘሎ።
“ነዚ ዓወተይ ብሽም ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ክቕበሎ ደስ ይብለኒ፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታይ ኮይነ ዝበጻሕክዎ ዓወት’ዩ፡ ንኹሎም ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ፡ ኣሰልጠንትን ኩሎም ኣባላትን ከመስግን እፈቱ፡
"ንክልያን ምባፐ ንሃላንድን ካልኦትን ከኣ ንኣሽቱ ኢኹም ዘለኹም ብሕጂ ዝመጽእ ግዜ ይበዝሕ ይብሎም፡ ዋንጫ ዓለም ምዕዋት ናይ ወትሩ ሕልመይ’ዩ ነይሩ፡ እዚ ዓወት እዚ ምስ ተወሰኾ ከኣ ኣዝየ ተሓጕሰ ኣለኹ” ክብል ነቲ ሽልማት ኣብ ዝተቐበለሉ ኣጋጣሚ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ትማሊ ምሸት ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ጽንብል፡ እንግሊዛዊ ኣባል ስጳኛዊት ክለብ ሪያል ማድሪድ ጁድ በሊንግሃም'ውን ዝበለጸ ተጻዋታይ ትሕቲ 21 ዓመት ብምዃን ሽልማት 'ኮፓ ትሮፊ" ዓቲሩ'ሎ።
ጓል 25 ዓመት ስጳኛዊት ኣባል ክለብ ባርሰሎና ኣይታና ቦንማቲ'ውን ብልጽቲ ተጻዋቲት ብምዃን 'ባሎን ዲ ኦር' ደቂኣንስትዮ ተሸሊማ። ንሳ ንኣባል ቸልሲ ኣውስትራልያዊት ሳም ኬርን ስዊድናዊት ኣባል ባርሰሎና ፍሪዶሊና ሮልፎን ብምቕዳም'ያ ነቲ ሽልማት ተዓዊታ ዘላ።
ባሎን ዲ ኦር ንብሉጻት ተጻወቲ ዝወሃብ ዓመታዊ ሽልማት ኮይኑ፡ 100 ጋዜጠኛታት ዓለም ብድምጺ ዝውስንዎ እዩ።
እቲ ፈለማ ኣብ ባርሰሎና ዝደመቐ ኣርጀንቲናዊ ኮኾብ፡ ናብ ፒ-ኤስ-ጂ ድሕሪ ምስግጋሩ፡ ናብ ኣመሪካ ብምምራሕ ምስታ ብኸፊል ብእንግሊዛዊ ተጻዋታይ ነበር ዴቪድ በክሃም እትውነን ክለብ ኢንተር-ማያሚ ተጸንበሩ። ድሮ ኣብ 14 ግጥማት 11 ሸቶታት ብምምዝጋብ ከኣ ዋንጫ ሊግ ናይታ ሃገር ተዓዊቱ።
መሲ፡ ዝበዝሐ ባሎን ዲ ኦር ብምዕዋት ክብረወሰን ሒዙ ይርከብ፡ እቲ ብኻልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ድማ እቲ 5 ባሎን ዲ ኦር ዝወሰደ ክሪስትያኖ ሮናልዶ እዩ።
ዝበለጸ ኣመዝጋቢ ሸቶ ብምዃን 'ሽልማት ገርድ ሙለር' ዝተዓወተ ኖርወያዊ ሃላንድ ብወገኑ፡ "ንማንቸስተር ሲቲን ስድራቤተይን አመስግን" ክብል ሓጎሱ ገሊጹ"።
ሃላንድ ኣብ 35 ግጥማት ፕሪሜርሊግ 36 ሸቶታት ብምምዝጋብ ክብረወሰን ከመዝግብ እንከሎ፡ ብሓፈሻ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመተ-ውድድር ኣብ ኩሉ ግጥማት ናይታ ጋንታ 52 ሸቶታት ኣመዝጊቡ።

ኣርጀንቲናዊ ሓላው ልዳት ኢሚልያኖ ማርቲነዝ ብወገኑ ዝበለጸ ሓላው ልዳት ብምዃን ሽልማት 'ያሺን ትሮፊ' ተቐቢሉ። ኣብቲ ሃገሩ ዝተዓወተትሉ ዋንጫ ዓለም 2022 ቐጠር'ውን ወርቃዊ ጓንቲ ተዓዊቱ ነይሩ።
ኣብቲ ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ጽንብል ማንቸስተር ሲ ዝበለጸት ጋንታ ናይቲ ዓመት ብምዃን ተሸሊማ።
ተጻዋታይ ክንፊ ሪያል ማድሪድ ዝኾነ ብራዚላዊ ቪኒሺየስ ጁንየር ድማ ኣንጻር ዓሌትነት ኣብ ዝግበር ጎስጓስ ብዝገበሮ ኣበርክቶ ሽልማት ሶቊራጦስ ተዋሂቡ።
"ኣብቲ ኣንጻር ዓሌትነት ዝካየድ ቃልሲ ጸኒዐ ክቕጽል'የ" ክብል እቲ ብራዚላዊ ደጊሙ ቃል ኣትዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







