ኬንያ፡ ሓደ ኤርትራዊ ኣቦ ደሃዮም ጠፊኡ

ኣቶ ተስፋይ ሞባእ

ምንጪ ስእሊ, Family

ኣቶ ተስፋይ ሞባእ ዝተባህሉ ኤርትራዊ ኣቦ፡ ብዓርቢ 18 ምያዝያ - [ዓርቢ ስቕለት] ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኬንያ ጠፊኦም ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ከምዘይተረኽበ ስድራቤቶም ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ኣቶ ተስፋይ፡ ሰዓት 9:00 ንግሆ ኣቢሉ ኣብ ከባቢ ክሊማኒ ናብ ዝርከብ ቤተክርስትያን መድሃኔኣለም ከምዝኸዱን ኣብኡ ክሳብ ሰዓት 5:00 ድሕሪ ቐትሪ ከምዝጸንሑን ተፈሊጡ።

እቶም 80 ዝዕድመኦም ኣቦ ናይ ጥዕናን ዓይኒን ጸገማት ዝነበሮም ኰይኑ፡ ንግሆ ምስ በዓልቲ ቤቶም እዮም ናብቲ ቤተክርስትያን ከይዶም።

እንተዀነ ስርዓተ ቅዳሰ ክሳብ ዝዛዘም ክጸንሑ ስለዝደለዩ፡ ነዊሕ ኣብኡ ጸኒሖም ኣብ መወዳእታ ክወጽኡ እንከለዉ በይኖም እዮም ነይሮም።

ደሓር ግን፡ "በቲ ቀንዲ ኣፍደገ ዘይኰነስ ብዳሕረዋይ ማዕጾ ወጺኦም" ናበይ ከምዘበሉ ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ኣሰር ከምዘይተረኽበ በዓልቲ ቤቶም ይሕብራ።

ስድራቤት፡ ፈተውትን ኣብ ናይሮቢ ዝነብሩ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ መደበራት ፖሊስን ሆስፒታልን ሓቲቶም ዛጊት ደሃዮም ኣይተረኽበን።

ኣቶ ተስፋይ ሞባእ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ማይተመናይ ዝነብሩ ኰይኖም፡ ኣብ ኣሜሪካ ናብ ዝነብሩ ደቈም ንምጋሽ መስርሕ ቪዛ ንምስላጥ ቅድሚ ኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣቢሎም እዮም ናብ ኬንያ ከይዶም።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ ዕቑባ ንምሕታትን ከምኡ'ውን ናብ ካልኦት ሃገራት ንምጋሽ መስርሒ ቪዛ ንምክትታልን ናብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ከምዝውሕዙ ይፍለጥ እዩ።