ዓድዋ ክሳብ ኪጋሊ - ዕዉት ጕዕዞ ትምህርቲ ኣደነትን ሞያን ዶክተር ሄለን ይፍጠር

ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዓለም ግዒዞም ብሞያኦም ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን ክኢላታት ሒደት ኣይኰኑን።
ብፍላይ ኣብ ርዋንዳ ብዙሓት ሰብ ሞያ ጥዕና ልዑል ኣገልግሎት እናበርከቱ ይርከቡ።
ሓንቲ ካብዚኦም ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ዶክተር ሄለን ይፍጠር እያ።
ዶክተር ሄለን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ርዋንዳ፡ ናይ ኢንዶክሪኖሎጂ፡ ሜታቦሊዝም፡ ናይ ሽኮር፡ ሆርሞን ጸገም ሳብስፔሻላይዜሽን ዳይሬክተር እያ።
ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ተምሃሮ ቅድመ ምረቓን ድሕረ ምረቓን እውን ትምህር።
ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ኪጋሊ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኪንግ ፋይሰል ኢንዶክሪኖሎጂስት - ከም ሕዱር ሕማማት፡ ሽኮርያ፡ ታይሮይድ፡ መኻንነት፡ ጉዳያት ዕብየት፡ ጸገማት ምምሕያሽ መግቢ ዝኣመሰሉ ሕማማት እትሕክም ክኢላ እያ።
"መብዛሕትኡ ሰብ ተውህቦይ እንታይ እዩ ኢሉ ክፈልጥ ኣለዎ፡" ትብል።
ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት፡ ዶክተር ሄለን ብዛዕባ ዕብየታ፡ ሞያኣን ትጽቢታት ማሕበረሰብ ዘሕድሮ ጽልዋን ብዝምልከት ተመኵሮኣ ኣካፊላትና ኣላ።
'ገዛና ዳርጋ ሆስፒታል'ዩ ነይሩ'
ዶክተር ሄለን ኣብ ዓድዋ ትግራይ እያ ተወሊዳ።
ካብ ሽዱሽተ ኣሕዋት፡ በዅሪ ገዛ ንሳ እያ።
ኣብቲ እዋን ህወሓት ኣንጻር ስርዓት ደርጊ ኣብ ዘካየዶ ኲናት፡ ንዝተወሰነ ግዜ ናብ መቐለን ደሴን ተሰዲዳ'ኳ እንተነበረት፡ ኣብዝሓ ናይ ትምህርቲ ግዜ ግን ኣብ ዓድዋ እያ ኣሕሊፋ።
ካብ ቀዳማይ ደረጃ ጀሚሩ ተሸላሚት ተምሃሪት ከምዝነበረት ብዙሓት ይምስክሩ።
ንሳ'ውን ትምህርቲ ኣዝያ ትፈቱ ከምዝነበረት ትዛረብ። "12 ክፍሊ ክንውድእ እንከለና 8 ዓይነት ትምህርቲ ኢና ተፈቲንና። 7 'A' እየ ረኺበ" ክትብል ብቋንቋ ኣምሓርኛ ጥራይ 'B' ከምዝረኸበት ትዝክር።
ካልኣይ ብርኪ ብልዑል ውጽኢት ድሕሪ ምዝዛማ ኣብ ጎንደር ብሕክምና ናይ መጀመርያ ዲግሪ ተማሂራ።
ዶክተር ሄለን ኣብ ዩኒቨርሲቲ እውን እንተዀነ ተሸላሚት ሜዳልያ ወርቂ እያ ነይራ።
ስለምንታይ ሕክምና ክትመሃር ከምዝመረጸት ክትዛረብ እንከላ፡ "ንሕክምና ቀረባ እየ ነይረ" ትብል።
ክልቲኦም ወለዳ ነርስ ስለዝነበሩ "ገዛና ዳርጋ ከም ሆስፒታል" ብምባል'ያ ትዝክር። "ሕክምና ኣብ ስድራይ እናረኣኽዎ ዝዓበኹ ነገር ስለዝዀነ፡ ንዕኡ ይመስለኒ ሕክምና መሪጸ" ትብል።
'ሕክምና ከቢድ ሓላፍነት'ዩ'
ካብ ዩኒቨርሲቲ ምስ ተመረቐት መጀመርያ ኣብ ሆስፒታል ዓዲ ግራት ሓፈሻዊ ሓኪም ኰይና ከተገልግል ጀሚራ። ካብኡ ኣብ ትሕቲ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኮለጅ ጥዕና ሳይንስ ዓይደር ክጅመር እንከሎ፡ ካብ መንጎ ንስራሕ ዘመልከቱ ተሓርያ ኣብኡ ክትሰርሕ ቀጺላ።
"እቲ ኮለጅ ጥዕና ሳይንስ ክምስረት እንከሎ ካብ ዝነበሩ ሓካይም ሓንቲ እየ።"
ሕክምና ገና ኣይተጀመረን ስለዝነበረ ኣብ ክፍሊ ባዮ-ኬሚስትሪ ተቘጺራ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ንክልተ ዓመት ምስ ኣገልገለት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣባባ ብሕዱር ሕማም ስፔሻላይዝ ገይራ። እዚ ሰለስተ ዓመት ዝወስድ ትምህርቲ ብዓወት ድሕሪ ምዝዛማ ናብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተመሊሳ፡ ኣብ ክፍሊ ሕክምና ሕዱር ሕማማት ክትሕክምን ከምኡ'ውን ከተምህር ቀጺላ።
ኣብ ጥቁር ኣንበሳ (ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣባባ) ብፍሉይ ውሽጣዊ ሕክምና ተማሂራ። ድሕሪኡ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣባባን ኣብ ወጻኢን ብኢንዶክሪኖሎጂ ሳብስፔሻሊቲ ስልጠና ወሲዳ።
ብፍላይ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣባባ ንኣስታት 10 ዓመታት ድማ ዘገልገለት ኰይና፡ ኣብ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ንነዊሕ ዓመታት ዳይረክተር (ዲን) ኣካዳሚያዊ ጉዳያት ኮይና ሰሪሓ እያ።
ብድሕሪ'ዚ ብመሰረት ሕጊ'ቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ሄለን ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣገልግሎት ዕረፍቲ ክትወጽእ ነይርዋ።
ኣብቲ እዋን እቲ ግን፡ ደማዊ ኲናት ትግራይ ተወሊዑ ስለዝነበረ ናብ ትግራይ ክትከይድ ኣይከኣለትን። ኣብዚ ኣጋጣሚ እንከላ እዩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ርዋንዳ ናይ ስራሕ ዕድል ረኺባ።
ዩኒቨርሲቲ ርዋንዳ ብስፔሻላይዜሽንን ሳብስፔሻላይዜሽንን ፕሮግራም ክኸፍት መደብ ስለዝነበረ፡ እዛ ክኢላ እውን ነዚ ዕድል ተጠቒማ፡ ተወዳዲራ ሓሊፋ።
ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ድማ ኣብ ርዋንዳ ክትሰርሕ ጸኒሓ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ርዋንዳ፡ ናይ ኢንዶክሪኖሎጂ፡ ሜታቦሊዝም፡ ናይ ሽኮር፡ ሆርሞን ጸገም ሳብስፔሻላይዜሽን ዳይሬክተር ክትከውን ክኢላ። ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ እውን ኣብ መርሃግብሪ ቅድመ ምረቓን ድሕረ ምረቓን ትምህር ኣላ።
"ካብ መጀመርያ ካሪክለም ኣዳሊና፡ ብዩኒቨርሲትን ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ርዋንዳን ክጸድቕ ገይርና፣ ተምሃሮ ተቐቢልና ሓደ ዙር ኣመሪቕና ኢና። ሕጂ ክልተ ዙር ኣለውና" ትብል።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሆስፒታል ኪንግ ፋይሰል ሕዱር ሕማማት፡ ሽኮርያ፡ ታይሮይድ፡ መኻንነት፡ ጉዳያት ዕብየት፡ ጸገማት ምምሕያሽ መግቢ ዝኣመሰሉ ሕማምት ትሕክም።
"ሕክምና ከቢድ ሓላፍነት እዩ ምኽንያቱ ኵሉ ነገር ገይርካ ዘይክሳኻዓልካ ይኽእል እዩ። ሰብ ሓጊዝካዮ ጥዕንኡ ተመሊሱ ካብ ሞት ተሪፉ ክትርእዮ ከለኻ ዘሐጕሰካ ነገር እዩ" ብምባል ካብ ሞያኣ ዕግበት ከምእትረከብ ትጠቅስ።
'ቈልዓ ምውላደይ ንድሕሪት ኣይመለሰንን'
"ክልተ ቈልዑ ኣለውኒ" ትብል ዶክተር ሄለን።
"ናይ መጀመርያ ወድና ማስተርስ ዲግሪ ይሰርሕ ኣሎ። ካልኣይ ብርኪ ክውድእ እንከሎ 'ቶፕ ስኮረር' ስለዝነበረ ቢቢሲ ቃለ መሕትት ገይሩሉ ነይሩ። ካልአይቲ ጓልና ታሽዓይ ክፍሊ ትምሃር ኣላ።"
ምስ በዓል ቤታ ድሮ ሕክምና እናተማህረት እንከላ እዮም ተራኺቦም።
"ተምሃሪት እናሃለኹ ኣቦይ ትምህርቲ ከምዝፈቱ ስለዝፈልጥ፡ 'እዛ ጓላይ ትምህርቲ ትምህርቲ እናበልኪ. . . ህይወት ብዙሕ ዓይነት እዩ' እናበለ ይመኽረኒ ነይሩ።"
ግን ገና ከይተመረቕት እንከላ እዮም ቈልዓ ወሊዶም።
"ካብኡ ኣቦይ ካብ ትምህርቲ ዝተርፍ ስለዝመሰሎ፡ 'እዛ ጓለይ ሓዳር ሓዳር ኢለክስ . . . ከምዚ'ኮ ኣይነበረን ሓሳባይ' ኢሉኒ። ኣይትስጋእ ትምህርቲ ክቕጽል ኢለዮ" ትብል።
ከምዝበለቶ ድማ ቈልዓ ምውላዳ ካብ ስራሕን ካብ ትምህርትን ኣየብኮራን።
ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ሓዳር ምስ መስረታ ትምህርቲ ናይ ምቕጻል ዕድለን እናጸበበ ከምዝኸይድ ዘካትዕ ኣይኰነን።
ዶክተር፡ "ኰነ ኢለ ዝገበርክዎ ነገር ኣይኰነን፡ ግን ከኣ ቀዲሙ ስለዝመጸ ካብቲ ክገብሮ ዝሓሰብክዎ ነገር ንድሕሪት ኣይመለሰንን" ብምባል ቈልዓ ብምውላዳ ከይተዘናግዐት፡ ትምህርታ ንምቕጻል እውን ግዜ ከምዘመቻቸአት ትዛረብ።
ድጋፍ ብዓል ቤትን ስድራቤትን እንተሃልዩ "ግዜ ብምምችቻው ትምህርቲ ምክትታል ይከኣል እዩ እየ ዝብል" ትብል።
ካብኣ ዝድለ ስድራቤታዊ ሓላፍነት ብዝግባእ ፈጺማ ድማ፡ ብትምህርታን ብሞያኣን ክትምዕብል ክኢላ እያ።
ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ግን ካብ ቀዳማይ ደረጃ ጀሚሩ ብዙሕ ብድሆታት ከምዘጋጥመን ህያው ምስክር እያ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓገዝ ምሕታት ሓጥያት ኣይኰነን
ኣሽንኳይ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ሕጂ'ውን እንተዀነ ደቂ ኣንስትዮ ንትምህርቲ እዅል ግዜ ኣይረኽባን። እቲ ማሕበረሰብ እውን ካብኣተን ዝጽበዮም ሓለፍነታት ኣለዉ። ዶክተር'ከ እንታይ ትብል?
ዶክተር ሄለን እቲ ጽልዋ ኣብ ኵሉ ዘሎ ነገር ከምዝዀነ እያ ትገልጽ።
ገና ካብ ትምህርቲ ቀዳማይ ደረጃ ጀሚሩ ድማ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ነይርዋ።
"ኣነን ምንኣስ ሓፍተይን ዕድመና ተቐራራቢ እዩ። ኣብ ገዛ ቀዳሞት ኣዋልድ ስለዝነበርና ናይ ገዛ ስራሕ ንሰርሕ ነይርና። ምንኣስ ኣሕዋትና ናይ ምሕብሓብ ሓላፍነት እውን ናትና እዩ ነይሩና። ኣቦይን ኣደይን ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ነርስታት እዮም ነይሮም። ስለዚ ክልቴና ናይ ገዛ ሓላፍነት ተኻፊልና ንስርሕ ነይርና።"
ግን ድማ ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ዶክተር ሄለን ኣብ ትምህርታ ይዅን ኣብ ካልእ ማሕበራዊ መዳያት ሓገዝ ክትሓትት ኣይትጽገምን።
"ጎረባብትና ይሕግዛና ነይረን። 'እንጀራ ሰንክታለይ፡ ወይ ዝተሰጥሐ ክዳን ኣእትዋለይ፡ ቤት ትምህርቲ ክኸድ እየ እሞ ኣሕዋተይ ኣጽናሓለይ' ኢልና ንሓትት ነይርና" ብምባል ኣብ ንእስነታ ዝጋጠምዋ ብድሆታት ተቓሊሳ ናብ ቤት ትምህርቲ፡ ቤተ መጻሕፍቲ ትኸይድ ወይ ዕዮ ገዛ ትሰርሕ ከምዝነበረት ተዘንትው።
"መጀመርያ ክንፈልጦ ዘለና ብተፈጥሮ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝዛየድ ናይ ማሕበረሰብ ሓላፍነት ኣለና" እትብል እዛ ዶክተር ወለዲ እቲ ሓላፍነት ምስ ደቂ ተባዕትዮ ከመጣጥንዎ ከምዝግባእ ተተሓሳስብ።
"ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መጽናዕቲ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ጽቡቕ እየን፤ ካውኡ ግን ክባጽሓ እንከለዋ ናብ ካልኣይ ብርኪ ክኣትዋ እንከለዋ እየን ንድሕሪት ዝተርፋ። መብዛሕትኡ ብርግጽ ናይ ማሕበረሰብ ጸገም እዩ፤ በተለይ ጾታዊ ዝዀነ ነገር ብዙሕ ግዜ ንስድራና ኣይንዛረብን። እዚ ከኣ ዓቕሚ እናሃለወን ከይሰርሓ ንድሕሪት ዘትርፈን ነገር እዩ። ስለዚ ጸገም እንተሃልዩ ምስ ስድራቤት ምፍታሕ፡ ምምኽኻር" ኣገዳሲ ከምዝዀነ ዘለዋ እምነት ተካፍል።
"ንሱ ምስ ሓለፍናዮ ግን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካልኣይ ብርኪ ብጽቡቕ እንተወዲኣ፡ በቃ ዓርሰ-እምነት ክህልዋ ኣለዎ። ዓቕሚ ኣለኒ ኢላ ክትሓስብ ኣለዋ። ዓቕሚ እንድሕር ሃልይዋ፡ ከመይ ገይረ እየ ዝገብሮ ዝብል ሓገዝ ምሕታት እውን ዘይምፍራሕ፡ ጽቡቕ እዩ። ትደልዮ ነገር ምፍላጥ፡ እትደልዮ ነገር ካብ ምግባር ንድሕሪት ዘይምባል ማለት እዩ" ክትብል ተብርህ።
ካብዚ ሓሊፉ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ሓዳር ምስ መስረተትን ቈልዑ ምስ ወለደትን እውን ዝመጽእ ብድሆ ኣሎ። ግዜኣ ኣብ መንጎ ስድራኣን ስራሓን ወይ ትምህርታን ይመቓቐል።
"ደቂ ኣንስትዮ ጽቡቕ ነጥቢ ሒዘን ምስ ተመረቓ ደሓር ግን ሓዳር፡ ቈልዓ ምስ መጸ፡ መብዛሕትኡ ግዜአን ናብ ሓዳር ናብ ቈልዓ ይኸውን። እቲ ስራሕ፡ እቲ ትምህርቲ ምቕጻል ዝብል ገዲፍካ ናብ ሓደ ወገን ምግባር ማለት እዩ። ግን ውሽጥና እንተሃልዩ፡ ግዜ ኣመጣጢንና፡ ቀዲምና ግዜን ቦታን ተሊምና፡ ኵሉ ነገር ክግበር፡ ክትበጽሖ ይከኣል እዩ" ትብል ዶክተር ሄለን።
"ይዅን'ምበር" ትብል ዶክተር ወሲኻ፡ "ጓል ኣንስተይቲ ካብ በዓል ገዛኣ ሓገዝ የድልያ እዩ። ካብ መሳርሕታ፡ ቈልዓ ዘለኒ እንተዀይነ ምስቶም ምሳይ ዝሰርሑ ሰባት ተረዳዲእና 'ኣነ እዚ ክሽፍን፡ ንስኻ እዚ ሸፍን' ተባሃሊልና . . . ቀንዲ ግን ናይ ባዕልና ድሌት ክኸውን ኣለዎ። እዚስ ክገብሮ ኣለኒ ኢልና ክንሓስብ ኣለና። ካውኡ ከኣ ንኽእል ኢና።"
ደቂ ኣንስትዮ ካብ ስድራቤትን ስራሕን ሓሊፉ፡ ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታት እውን ክሳተፈ ትጽቢት ይግበር።
"ሓደ ሓደ ዘምልጡ ነገራት ኣለዉ።ሓደ ካብ ዘምልጡና ነገራት ማሕበራዊ ናብራ እዩ። ክትከዶ ዘለካ መርዓ ዘይክትኸድ ትኽእል ኢኻ፡ ሓዘን ዘይክትከድ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ክንቅበሎ ኣለና። ኣብ ኵሉ ክትከውን ኣይትኽእልን። እተቐይሞ ሰብ ክህሉ እዩ። ካብኡ ግን ህይወት ከምኡ እዩ።"
"ምስ ማሕበረሰብ ክትነብር እንከለኻ ሓገዝ ምሕታትን ንስኻ እውን ነዘድለዮ ምሃብን ኣገዳሲ እዩ። ግን ውሽጥኻ እንተሃልዩ፡ ግዜ ኣመጣጢንካ፡ ቀዲምካ ግዜን ቦታን ገይርካሉ ማለት እዩ፡ ኵሉ ነገር ክግበር፡ ክትበጽሖ ይከኣል እዩ" ክትብል ትውስኽ።
ስለዚ ደቂ ኣንስትዮ "ዝተፈላለየ ክእለትን ተውህቦን" ከምዘለወን ተዘኻኽር።
"ናተይ ሞያ ሕክምና እዩ፡ ግን ኵሉ ሓኪም ክኸውን ኣይኽእልን። ሕክምና ድሌት እንተዘይሃልዩና፡ ድሌትና ካልእ ክኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኡ መምህር ክኸውን ይኽእል፡ ወይ ሙዚቃ፡ ወይ ኣርት ክኸውን ይኽእል።"
"መብዛሕትኡ ሰብ ተውህቦይ እንታይ እዩ ኢሉ ክፈልጥ ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ዘይተውህቦኻ እትደሊ እንተዀይንካ፡ ከይሳኸዐልካ ስለዝኽእል። እዚ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘይክኸውን ይኽእል፤ ደቂ ተባዕትዮ እውን ተውህቦና እንታይ እዩ፡ ክእለትና እንታይ እዩ ክንፈልጥ ኣለና። ብእኡ ተደሪኽና ኢና ስራሕ ክንሰርሕ፡ ወይ ክንስጉም ዘለና" ዝብል ማዕዳ ተካፍል።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







