'ኣእጋረይ 'ምበር ሕልናይ ኣይተጐድአን' ጕድእቲ ኲናት ምፅላል ኣሰፋ

ምጽላል ኣሰፋ ምስ ኣዋልድ ኣሸንዳ

ኣብ ማእከላይ መሬት ትግራይ ታሕታይ ማይጨው ኣብ ዝበሃል ከባቢ ተወሊዳን ዓብያን። ወለዳ ጓል 6 ዓመት እንከላ ስለ ዝተፋትሑ፡ ኣብ ሕቝፊ ኣደኣ ብጭውነት ተሓብሒባ ዓብያ።

ነተን ክንዲ ኣቦን ኣደን ኰይነን ዘዕበያኣ ኣደኣ ፍሉይ ቦታ ኣለዋ። ምስቲ ሕሳስልደ ምዃና ከኣ ምእዝዝቲ ኰይና ንኣደኣ ትሕግዝ ነይራ። ጥሪት ትሕሉ፣ ወላዲታ ንምሕጓስ ኣበርቲዓ ትሰርሕ። ካብ ምሒር ዕዮ ገዛን ሓገዝ ንወላዲታን ሻሙናይ ክፍሊ ምስ በፀሐት ኣይቀፀለትን።

ጓል 14 ምስ ኣኸለት፡ ካብቲ ተወሊዳ ዝዓበየትሉ ከባቢ ጠፊኣ ሽረ ኣተወት። እቲ ኣብ ገጠር እንከላ ትፈልጦ ዝነበረት ፀወታ ኣሸንዳ፡ ደሓር ኣብ ሽረ ጓል 16 ምስኮነት ቀፂላቶ።

ቈልዑ ኣሸንዳ ሻቡ ዝጥቀማሉ ዝነበራ መመላኽዒ ትዝክር። ከም ሎሚ ከይኰነ፡ ብጽጕረን እየን ዝቝነና። ገና ኣብ ድሮ ኣሸንዳ ተቘኒነን ምድላወን ይውግና። ኣብቲ መዓልቱ ምስ መዛኑኣ ትዘልልን ትውድስን ምንባራ ብምግላፅ ነቲ ጥዑም ግዜ ነይሩ ዝበለቶ ትዝክር።

ገና ኣብ ዕድመ ንእስነታ ካብ ገዛኣ ዝወፀት ምፅላል ካብ ከተማ ሽረ ናብ ምዕራብ ትግራይ ከደት። ኣብ ከተማ ዓዲ ጎሹ ኣብ ስራሕ ሓደ ቤት ምግቢ ኣተወት።

ኵነታት ተቐይሩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ትግራይ ተጓኒፆም ኲናት ተወልዐ። ምፅላል ኣብ ጥቓኣ ዝነበሩ ሰባት ክቕተሉን ደቀንስትዮ ብዕጡቓት ክድፈራን ምስ ተዓዘበት ዓሚቝ ጓሂ ስለ ዝተሰምዓ ናብ ገድሊ ከም ዝተፀንበረትን ትገልፅ።

ኣብ ዝተሳተፈቶ ውግእ ኢዳ ተወቕዐት፣ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልቲ ተሓኪማ ድማ ሓወየት'ሞ ተመሊሳ ናብ ኣሃዱኣ ተፀንበረት።

ሓይሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሩባ ተከዘ ሰጊሩ ናብ ኣድያቦ ኣተወ። ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ክፍረም መዓልታት ክተርፎ ምፅላል ዝባን ገደና ኣብ ዝበሃል ቦታ ዝኸፍአ መውጋእቲ ኣጓነፋ። ብሰንኩ ድማ ክልቲአን ኣእጋራ ተሰሊዐን።

ምፅላል ሎሚ፡ ኣብ ዝባን ተሽከርካሪ መንበር ኰይና ሕሉፍን መፃኢን ህይወታ ተዘንቱ።

ንሳ፡ ኣብ ዝባን ገደና ኣብ ድፋዕ ኣትኪላ ትዋግኣሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ብፆታ ኣብ ቅድሚ ዓይና ተወቒዖም ርእያ ብህይወት ከተትርፎም ተቓሊሳ። ኰይኑ ግን ንሳቶም ተሰዊኦም፡ ንሳ ብሞርታር ክልተ እግራ ሰኣነት።

ቅድሚ'ቲ ኲናት ክልተ እግሪ ሒዛ ግን ድማ እንዳ ሰብ ተቘፂራ ትሰርሕ ነይራ። ፀዓርዓር ኢላ ኣብ ዓዲ ጎሹ ናይ ባዕላ ንእሽቶ እንዳ መግቢ ከፊታ ስራሕ ጀሚራ እያ። ብዙሕ ከይጸንሐ ኲናት ስለ ዝተጀመረ ግን ኣቋሪፃቶ ኣብቲ ኲናት ተፀንቢራ። ሕሉፋ ምስቲ ሕጂ ዘላቶ ከተነፃፅሮ እንከላ፡ "ተመስገን ፈጣሪ" ትብል።

"ርእሰይ ስለ ዝሰርሕ፡ ሰሪሐ ናይ ባዕለይ ህይወት ክመርሕ እየ ዝብል ዕላማ ሒዘ ኣለኹ፡" ብምባል ዘለዋ ሓቦን ኒሕን ትገልፅ።

ምፅላል ክልቲኡ ኣእጋራ ኣብቲ ኲናት ምስ ሰኣነት ጐድኒ ጐድኒ ሕክምናኣ ስራሕ ጀሚራ ኣላ። ኣብ መቐለ ምድረገነት ጥቓ ሕክምና ኣዋሽ "ምፅላል ቤት ምግብን መስተን" ከፊታ ገፅ ሰብ ካብ ምርኣይ ዘድሕን ንግዲ ካብ ትጅምራ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ገይራ።

ዊልቸር (ተሽከርካሪ መንበር) ተጠቒማ ፀብሒ ትሰርሕ፡ ቡን ተፍልሕ፡ መናብር ኣመዓራርያ ኣጋይሻ ተሳሲ። ሓንቲ ዝቘፀረታ ሓጋዚት ኣለታ፣ ኰይኑ ግን ስራሕ ባዕልኻ ኢድካ ኣእቲኻ እንተ ዘይሰሪካዮ ኣይሰልጥን በሃሊት እያ።

"ኣብዚ ሕዚ እዋን ንእሽተይ እንዳ መግብን መስተን ከፊተ ኣለኹ፣ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ድማ ከብፅሖ እየ።" ዓቐብ ናብራ ደይባ ህይወታ ከተመሓይሽ ሃቂና ትሰርሕ እምበር ኣእጋረይ ተቘሪፁ ኢላ ትቝዝም ጓል ሄዋን ኣይኰነትን።

ምጽላል ኣሰፋ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዝዀነ ይዅን ሰብ ርእሱ እንተ ዘይተጐዲኡ እሞ ክሰርሕ ኣለኒ ኢሉ እንተ ሃቂኑ ዝኣብዮ ስራሕ ኣይህሉን ዝብል ሓያል እምነት ኣለዋ። ንኻልኦት ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ተበግሶ ወሲዳ ኣላ።

"ኣእጋረይ ስለ ዝተቘረፀ ርእሰይ ኣይሰርሕን ማለት ኣይኰነን። ኣእጋረይ እዩ ተቘሪፁ እምበር ርእሰይ ኣይሞተን፡" ትብል ምፅላል።

ብኣንጻሩ ካልኦት ካብኣ ተማሂረን ክሰርሓ ትምዕድ፤ "ሰብ ይዕበ ይንኣስ ናብ ስራሕ ክወፍር ኣለዎ" ብምባል ደጋጊማ ትመክር።

ዓሚ ገለ ግዱሳት ገንዘብ ኣዋጺኦም ንዝገበሩላ ዝተወሰነ ሓገዝ ኣመስጊና። ዋላ'ኳ እኹል ኣይዅን ንሓገዝ ንእሽቶን ዓቢን የብሉን እሞ ኣቃሊላ ኣይረአየቶን። ነተን ዝተሓገዘተን ምስተን መፋነዊ (DDR) ዝተወሃባ ሓዊሳ ኣብ ቅዉምነገር ክትወፍር መዲባ ስራሕ ጀሚራ።

እቲ ጀሚራቶ ዘላ ንግዲ መግብን መስተን ብዙሕ ዘድሊ ከም ዝጐደሎ ትኣምን'ኳ እንተዀነት፡ "ዝጐደለ እናተመልአ እዩ ስራሕ ክጅመር ዘለዎ፡" ዝብል ትስፍው ወኒ ሒዛ እያ ትጓዓዝ ዘላ።

ምፅላል ኣሰፋ ኣብ ኲናት ክልቲኡ ኣእጋራ እሞ ድማ ካብ ብርካ ንላዕሊ ተጐኒኡ፡ ሰብ ዝሰርሖ እግሪ ተገጢሙላ። ገና ዘይወፀ ሓፃውን ኣብ ስጋኣ ተሰግሲጉ ስለ ዘቐንዝዋ፡ ነቲ ሰብ ዝሰርሖ እግሪ ኣይትረግፀሉን። ብሰብ ተደፊኣ ዊልቸር ትጥቀም። በታ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተወሃበታ ብኤለክትሪክ ትሰርሕ ሞተር ባዕላ ትዝውር። ከምኡ ኢላ እንከላ ግን ትሰርሕ ኣላ።

"ተፀባይት ሰብ ምዃን ፀሊአዮ። ኣይኰነንዶ ኢድ ሰብ ክትፅበስ ኣቕሓ ኣቐብለኒ ኢልካዮ እኳስ ዘደርዐካ ሰብ ኣሎ፣ ኣጋጢሙኒ እውን ነይሩ እዩ፡" ብምባል፡ ንዘለዋ ሓያል ናይ ክሰርሕ እየ በሃልነት መንፈስ ተረድእ።

ገና ካብ ሰናይ ጊሓቱ ቅድሚ እቲ ዘጋጠማ መጕዳእቲ እውን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክበፅሕ እየ ዝብል ሕልሚ ስለ ዝነበራ፡ ድሕሪ መጕዳእታ እውን እንተዀነ ሕልማ ከተግህድ ትቕፅል ኣላ። ናይ ባዕላ ህይወት ኣመሓዲራ ንሰብ መርኣያ ክኸውን እየ ዝብል እምነት ኣለዋ።

"ስራሕ ክትጅምር እንከለኻ ብዙሕ ተጓንፎ ከጋጥመካ ከም ዝኽእል ፈሊጥካ ክትኣትዎ ኣለካ። ፅቡቕ የጋጥም፣ ሕማቕ እውን የጋጥም። ኣብቲ ሕዚ ዝሰርሖ ዘለኹ ብዙሕ ሰብ 'ንፍዕቲ ቀፅልሉ' ዝብል ኣሎ።

"ገሊኡ ከዓ ብሓዘን ርእሱ ዘድንን ኣሎ። ግን ኣነ ሓዚኑ ርእሱ ከድንነለይ ኣይደልን። ምኽንያቱ፡ ኵሉ ሰብ ብስነልቦና ክሕግዘኒ ኣለዎ እየ ዝብል። ኣጆኺ ምባል ንባዕሉ ዓቢይ ሞራል እዩ። ኣጆኺ ምባል ንባዕሉ ምሳሕን ድራርን እዩ፡" ብምባል ትምሕፀን።

ምፅላል ኣካለይ ጐዲሉ ከይበለት ስራሕ ክትሰርሕ ብምኽኣላ ሕልናዊ ዕረፍቲ ረኺባ ሕጕስቲ ምዃና ትገልፅ። ዝዀነ ይዅን ስራሕ ከም ዘይንዓቕን ገንዘብ ድማ በብቝሩብ ተዋህላላይ ምዃኑን እያ ተዘኻኽር።

ኣብዚ እዋን መንእሰያት ኰይኖም ኣብ ስርቂ ዝወፈሩ ኣለዉ። ዝጨነቖም ድማ እግሮም ናብ ዝመረሖም ባሕርን በረኻን ሰጊሮም ናብ ስደት የምርሑ።

ነዚ ዘሎ ተርእዮታት ኣመልኪታ፡ "እቶም ናብ ስደት ክኸዱ ድራርን ዓሳ ዝዀኑ ዘለዉ ብሓደ ገፁ ሓቆም እዮም። ምኽንያቱ፡ ኣብ ዓዶም ሰሪሖም ክልወጡ ስለ ዘይከኣሉ እዮም። ስርዓት እንተ ሃልዩ እዩ ኣብ ስራሕ ወፊርካ ትዕወት። ግን ከዓ ናብ ስደት ክትከይድ እንከለኻ ህይወትካ ኢኻ ተወፊ። ብፆትና ዝነበሩ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ዝተረፉ ኣለዉ፡" ብምባል ስደት መፍትሒ ፀገም ክኸውን ከም ዘይክእል ትገልፅ።

ምፅላል ግን ንቕድሚት ኣንዊሓ ትሓልም ኣላ። ብስራሕ ካብቲ ዘላቶ ዝያዳ ክትልወጥ፣ ብስራሕ ጥራይ ዘይኰነ እውን ሓዳር ገይራ ቈልዑ ወሊዳ ኣብ ፅቡቕ ደረጃ ክትበፅሕ ንቕድሚት ተማዕዱ።