ፋና ሓረጐት፡ 'ምህዞይ ዝሓለፍክዎ ቃንዛ ዘንቀሎ እዩ'

ፋና ሓረጐት
መግለጺ ስእሊ, ክኢላ ኬሚካል ምህንድስና፡ ማርኬቲን መሃዚት ስራሕን ዝዀነት ፋና፡ መስራቲትን ኣካያዲት ስራሕን 'ፋና ኬሚካልስ'

ሰባት፡ ውጽኢት እንርእዮም ነገራት ኢና እትብል መንእሰይ መሃዚት ስራሕ ፋና ሓረጐት፡ ኣተዓባብያኣን ከባቢኣን ብዙሕ ከም ዝቐረጻ ትዛረብ።

ኣብ ውሽጢ ብዙሕ ፋይናንሳዊ ጸገማትን ሕጽረታትን ዘለዎ ስድራን ማሕበረሰብን እያ ዓብያ።

እዅል ቀረብ ማይን ናውቲ ጽርየትን ጥራይ ብምርካብ ብቐሊሉ ክትከላኸሎም ብእትኽእል ሕማማት፡ ሓዋ ብተደጋጋሚ ጥዕና ክስእን ርእያቶ'ያ።

ብንእሽቶ ኣታዊ ገዛኣ ከተቕንዕ ላዕልን-ታሕትን እትብል ዝነበረት ወላዲት ኣደኣ ድማ፡ "ካብ ድኽነት ዘናግፈካ ትምህርቲ'ዩ፡" ዝብል ጽኑዕ እምነት ስለ ዝነበራ፡ ዝርካባ ኣታዊ ኣብ ትምህርቲ ፋና ተውዕሎ ምንባራ ትዝክር።

"ምስኣን ወይ ገለ ነገራት ምጕዳል ዝብሉ ክድርቱኒ ከም ዘይብሎም፡ ኒሕ፡ ተስፋን ክእለትን ከም ዝህልወኒ ገይራ'ያ ኣዕቢያትኒ፡" ትብል።

ክኢላ ኬሚካል ምህንድስና፡ ማርኬቲን መሃዚት ስራሕን ዝዀነት ፋና፡ መስራቲትን ኣካያዲት ስራሕን 'ፋና ኬሚካልስ' ዝተባህለ ትካል መፍረ ናውቲ ጽርየት ውልቀን ከባቢን እያ።

እታ መሃዚት ስራሕ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ኣብ መቐለ ኣመሪካን ኮርነር ኣብ ዝዳሎ መድረኻት፡ ካልኦት መንእሰያትን ደቀንስትዮን ናይ ባዕሎም ናይ ቢዝነስ ሓሳባት ዘዕብይሉን ተመኵሮ ዝረኽብሉን ስልጠናታት'ውን ትህብ።

እዚ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዝጀመረቶ ስራሕ ውጽኢት ሕጽረት መሰረታዊ ነገራትን ይክኣል'ዩ ዝብል ኣተሓሳስባኣን ከም ዝዀነ ትዛረብ።

"ዓለባ 'ንሓጽበሉ ዝነበርና ሕሩጽ ሳሙና ካብ ጅቡቲ ዝመጽእ ከም ዝነበረ ይዝከረኒ፤ እዚ'ውን ካብ ሰብ ለሚንካ ኢኻ ትረኽቦ፡" ብምባል ውልቃዊ ጽርየት ንምሕላው መሰረታዊ ዝዀነ ነገር ክሓጽር ከሎ እስኪ ሕስብ ኣብሉዎ ትብል።

ካብዚ ብዝሰገረ ግን ምንኣስ ሓዋ ዘጋጥሞ ዝነበረ ተደጋጋሚ ጥዕናዊ ጸገማት ኣብ መጻኢ ሓሳባታ መሰረት ዘንጸንፈ ነይሩ።

"ብተደጋጋሚ ብባክቴሪያ ይሓምም ነይሩ፤ ናብ ሕክምና ክኸድ ከሎ 'ቀሊል ነገር እዩ፤ ጽርየት ብምሕላው ክትከላኸልዎ ትኽእሉ ኢኹም' ይብሉና። ጽርየት ግን ብቐሊሉ እንረኽቦ ስለ ዘይነበረ፡ ኣብ ውሽጠይ ነዚ ከመይ ጌርና ነወግዶ ዝብል ሕቶ ይመላለስ ነይሩ፡" ትብል።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ጽሬትን ውልቃዊ ጽሬትን (WASH) ሰብኣዊ መሰልን ቅድመ ኵነት ጥዕናን እዩ ይብል።

ኣብዚ፡ ብደረጃ ዓለም ገለ ምምሕያሻት እንተሃለዉ'ውን፡ ገና ጸገማት ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይን ሕጽረት ውልቃዊ ጽርየትን ዝሽገር ክፋል ዓለም ውሑድ ኣይኰነን።

ኣብ 2023 ጥራይ፡ ክልተ ቢልዮን ሰባት ብግቡእ ዝመሓደር ቀረብ ዝስተ ማይ ከም ዘይብሎም፡ 3.5 ቢልዮን ሰባት ንሕጽረት ብውሑስ መገዲ ዝመሓደር ኣገልግሎት ጽርየት ከም ዘይብሎም፡ ካልኦት 2.3 ቢልዮን ሰባት ድማ መሰረታዊ ሕጽረት ናይ ኢድ ጽርየት ከም ዘለዎም ጸብጻብ እቲ ትካል ኣረጋጊጹ።

እዞም ክፍተታት፡ ኣብ ዓመት ብማእከላይ ገምጋም ሞት 1.4 ሚልዮን ክትከላኸሎም እትኽእል ሕማማት የስዕቡ።

ኣብ ትግራይ፡ ብፍላይ ድሕሪ'ቲ ቅድሚ ኣስታት ሰለስተ ዓመታት ደው ዝበለ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዙርያ ውልቃዊን ከባቢያዊን ጽርየት ዝነበሩ ናይ ባህሪ ለውጢታት ንድሕሪት ይምለሱ ከምኡ'ውን ሕጽረት ቀረባት ማይን መሐለዊ ጽርየትን ብምህላዎምን፡ ብጕድለት ጽርየት ዝመጽኡ ሕማማት ክበራኸቱ ይርኣይ ከም ዘሎ ካብ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ፍርያት ፋና ኬሚካልስ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ዕዳጋ ማእከል ዝገበሩ'ዮም

ምንጪ ስእሊ, FANA CHEMICALS

መግለጺ ስእሊ, ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝዳለው ፍርያት ፋና ኬሚካልስ

ቃንዛን ሕጽረትን ዘንቀሎ ምህዞ ስራሕ

ፋና፡ ኣብ ጕዕዞ ህይወታ ነዞም ውልቃዊን ማሕበራዊን ጸገማት ንምፍታሕ ሞያዊ ፍልጠት የዕጥቐኒ'ዩ ዝበለቶ ኬሚካል ምህንድስና (Chemical Engineering) ኣብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣጽኒዓ።

ካብ ትምህርታ ብዝለዓለ ነጥቢ ምስ ተመቐረት ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ብሞያ መምህርነት ክትሰርሕ ዕድል'ኳ እንተረኸበት፡ ንኽልተ ወርሒ ምስ ሰርሐት፡ ካብ ክልሰ-ሓሳብ ወጻእ ግብራዊ ተመኵሮ ምውህሃድን ምፍራይን ቀረባት መሐለዊ ጽርየት ውልቀን ከባቢን ንምርካብ ብዝብል ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ለቒቓ ስራሕ ክትእልሽ ጀሚራ።

ድሕሪ ሒደት ፈተነታት ድማ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ሳመኑና ረጲ ድማ፡ ክኢላ መጽናዕትን ልምዓትን ኰይና ተቘጺራ።

ኣብዚ ትካል፡ ደረቕን ፈሳሲን ሳሙናን ካልኦትን ብኸመይ ኣገባብ ይስርሑ ዝብል ሞያዊ ልምድን ሳይንስን ተማሂራቶ።

"እዚ ንዓይ ጽቡቕ ነይሩ፤ ነቶም ክፈትሖም ዝደልዮም ነገራት ክእለት እናዕበኹ መጺአ፡" ኢላ።

ፋና፡ ኣብ መቐለ ኣመሪካን ኮርነር ንመንእሰያት ስልጠናታት ምህዞ ስራሕ ትህብ

ምንጪ ስእሊ, Fana

መግለጺ ስእሊ, ፋና፡ ኣብ መቐለ ኣመሪካን ኮርነር ንመንእሰያት ስልጠናታት ምህዞ ስራሕ ትህብ

ኣብኡ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ምስ ሰርሐት ናብ ትግራይ ተመሊሳ፤ ብዙሓት ጸገማት ሓለዋ ጽርየትን ቀረብን ገና ኣይተፈትሑን ኢላ ትኣምን።

"ሽዑ፡ ኣስታት 40 ሚእታዊት ፍርያት ረጲ ናብ ትግራይ'ዩ ዝመጽእ ነይሩ፤ እዚ ብዙሕ ተጠቃሚ ኣሎ ዝብል ነገር ክርኢ ገይሩኒ። ክረምቲ ንዕረፍቲ ምስ መጻእኩ ጸገማት ከም ዘለው ርእየ፤ ዓርሰይ ክኢለ ስራሕ ንኽጅምር ድማ ፍልጠትን ድልየትን ነይሩኒ፡" ብምባል እዚ ስራሕ፡ ካብ ድልየት፡ ሕጽረትን ዝሓለፈቶ ቃንዛን ዝነቐለ ምዃኑ ተረድእ።

ካብዚ ብምብጋስ፡ ምስ ማይ እቲ ከባቢ ዝሰማማዕ፡ ዝበዝሐ ክፋል ሕብረተሰብ ክጠልቦ ዝኽእልን ኣብ ቀረባኡ ዝረኽቦን ፍርያት'ዩ ዝበለቶም ምህርቲታት ዝብል እዩ ኣለዓዒሉኒ።

"ዝዀነ ህጻን ንእሽቶ ሓወይ ዝሓልፎ ዝነበረ ክሓልፍ የብሉን ኢለ። ብቐሊሉ ኣቕሓ ብጽሬት ብምሓዝ፡ ኢድ ብምሕጻብ፡ ክዳን ብምሕጻብ ሓደ ቈልዓ ካብ ሕማም ነትርፎ ኣለና ማለት'ዩ፡" ብምባል፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ዘሎ ትሑት ባህሊ ምሕጻብ ኢድ ኣብ ምቕያር ክቕየር ኣብ ምግባር ኣበርክቶ ክትገብር ትሕልን።

ፋና ካልኦት መንእሰያት'ውን ስራሕ ብምምሃዝ ንነብሶም ክኽእሉ ተተባብዕ

ምንጪ ስእሊ, Fana

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

'ፋና ኬሚካልስ' ኣብ 2019 ካብ ዝምስረት ንደሓር፡ ውልቃዊ ጽርየት ንምሕላው እንጥቀመሎም [ከም ናይ ላውንደሪ ሳሙና፡ ናይ ኢድ መሕጸቢ፡ በረኪና፡ ሻምፑ ዝኣመሰሉ] ከምኡ'ውን ከም ተከዘ ማይ ኳዕቲ፡ ኢንተርፕራይዝ ማይ ትግራይ ዝበሉ ትካላት ፡ዓሞቕቲ ጐዳጕዲ ንምዅዓት ዝጥቀምሉ እቲ መስርሕ ቀሊል ዝገብሮ 'ድሪሊን ፎም' ዝበሃል የፍሪ።

"ክሳብ ሕዚ ብዛዕባ እዞም ምህርታተይ ይድነቕ'የ፤ ክድቅስ ከለኹ ብዛዕባ ዝሰርሖም 'ዲተርጀንት' እየ ዝሓልም። ዝዀነ ሰብ ናይ ሳሙና ፋብሪካ ክኸፍት ይኽእል'ዩ፤ ካብኡ ንላዕሊ ግን እቲ ተስፋ፡ ሕልሚ'ዩ ይክኣል እዩ ዝብል ምሕሳብ'ዩ፡" ኢላ።

ኣብ ስራሕኻ እንታይ ዓይነት ክእለትን ሰባትን ኣለው ዝብል ብደቂቕ ዘይምርዳእ፡ ሓደ ተበግሶ ወይ ስራሕ ንኽዕወትን ዘይክዕወትን ልዑል እጃም ከም ዘለዎ ትዛረብ።

"ናተይ ጥንካረ ኣበይ ምዃኑ ይፈልጥ'የ - ኣብ ፍርያት፡ ማርኬቲን መንፋዕቲ ከም ዘለኒ ይፈልጥ'የ፤ ካብዚ ወጻእ ዘለው ግን ካልኦት ሰባት ክሰርሑዎም ኣለዎም። ክብርታትካን ዕላማኻን ዝካፈል ጕጅለ እንተሃኒጽካ ጥራይ ኢኻ ክትዕወት እትኽእል፡" ብምባል ኣብ ስርሓ ንኡዳት ሰራሕተኛታት ከም ዘለውዋ ገሊጻ።

ፋና፡ እዚ ስራሕ ካብ እትጅምሮ ንደሓር ሓደ ካብቶም በዳህቲ ግዜያት ህይወተይን ስርሐን ነይሩ እትብሎ፡ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ኰይኑ፡ ሓደ መሃዚ ስራሕ ኣብ ዝዀነ እዋን ንዘጋጥሙ ጸገማት ከም ዕድላት ዝርኢ ክኸውን ከም ዘለዎ ትኣምን።

ኣብ ግዜ እቲ ኲናት፡ "ከመይ ስርሐይ ከዕቢ፡ ክንደይ ሰራሕተኛ ክውስኽ፡ ከመይ ዕድጋ ከስፍሕ ዝብል ዝነበረ ሓሳብ ምሉእ ንምሉእ ደው ኢሉ። ክነብር ድየ፡ ቤተሰበይ ከመይ'ዮም ክዀኑ ናብ ዝብል ጭንቂ ዝኣተናሉ'ዩ።"

እቲ ኲናት፡ ብ2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶሪያ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ማእከላይ መንግስቲን መራሕቲ ትግራይ ደው ከም ዝበለ ይፍለጥ።

ምሕጻብ ኢድን ውልቃዊ ጽርየትን ኣብ ምንታይ ደረጃ ኣሎ?

ኢዳ ብሳሙና ትሕጸብ ዘላ ነርስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ስኣን ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ጽሬትን ውልቃዊ ጽሬትን (WASH) ዝመጽኡ ሕማማት ሕጂ'ውን ዓለምለኻዊ ስግኣታት ጥዕና ዓለም ኰይኖም፡ እዞም ጸገማት ብግጭትን ኲናትን ኣብ ዝተሃሰየ ከባቢታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከም ዝወርዱ ይእመን።

እዚ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓትን ቀረባትን ዝፍጠር ምስንኻል ስዒቡ ዝመጽእ ኰይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ጽሬትን ውልቃዊ ጽሬትን ዝርአ ዝነበረ ምምሕያሽ ብዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ኵነታት -ማለት'ውን ሰፊሕ ዘቤታዊ ምምዝባል፡ ፖለቲካዊ ወጥሪ፡ ጐንጺን ቀረብን ከም ዝተሰናኸለ ጸብጻባት ኤጀንሲ መድሕን ህጻናት ሕቡራት ሃገራት [ዩኒሴፍ] የረድእ።

ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ኲናት ክውላዕ እንከሎ፡ ኣብ መጀመርታ ሸሞንተ ኣዋርሕ እቲ ኲናት ቀረባት ማይን ጽርየትን ምጕዳልን ምስንኻልን ተራእዩ። እቲ ኲናት ኣብ ዝተናውሓሉ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ዝበጽሕ ዝነበረ ዕንወትን ምምዝባላትን ክሳራታት ተራእዩ'ዩ።

ኣብዚ እዋን፡ ብርክት ዝበሉ ኣብ ግዝያዊ ማእከላት ተመዛበልቲን ገጠራትን ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ፡ እዅል ቀረብ ማይን ሳሙናን ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ሓመድን ሓሙኽሽቲን ክጥቀሙ ከም ዝጀመሩ ሓበሬታ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል የመልክት።

ከተማ መቐለ ካብተን ልዑል ሕጽረት ቀረብ ማይ ዝርኣየለን ዓበይቲ ከተማታት እቲ ክልል ሓንቲ ኰይና፡ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት እታ ከተማ ብውሑድ ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ጥራይ'ዩ ማይ ዝርከብ።

ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ፡ መራሒ ፕሮግራም ዝተዋደደ ደረጃ ውሕስነት መግቢን ከባቢያዊ ጥዕናን ዝዀነ ኣቶ ሙሉጌታ ቸርነት፡ ኣብ ዙርያ ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ጽሬትን ውልቃዊ ጽሬትን (WASH)፡ ብፍላይ ምስ ናይ ባህሪ ለውጢ ዝርኣይ ዝነበረ ምምሕያሽ ኣብ ሓደጋ ይርከብ ይብል።

"ቅድም ክብል ኣስታት 55 ሚእታዊት ቀረብ ጽሩይ ማይ በጺሑ ነይሩ፤ ሕዚ ልዕሊ 25 ሚእታዊት ኣይኰነን፡" መሰረታዊ ናይ ማይ፡ ሳሙናን ኣመለኻኽታን ጸገም ኣሎ ኢሉ።

እዚ ድማ፡ ሰባት ከባቢያዊን ውልቃዊን ጽርየት ብምሕላው ክከላኸልዎም ዝኽእሉ ከም ውጽኣትን ተምላስን፡ ሓሳኹ መዓንጣ ሕማም ቈርበት [ዓበቕ] ብብዝሒ ንክርኣዩ ምኽንያት ኰይኑ ይርከብ።

"ንሕና ጽርየት ከም ፓኬጅ ኢና ንርእዮ፤ እዚ ማለት ውልቃዊ፡ ከባቢያዊን ናይ ዓይነ ምድሪ ጽርየትን። ሕዚ ግን፡ ዝብላዕ ነገር ዘየለ ምሕጻብ እንታይ ክገብረለይ ዝብሉ ኣጸገምቲ ኣኣተሓሳስባታት'ዮም ዘለዉ፡" ብምባል ሰባት ጥዕናኦምን ጽርየቶምን ንምሕላው ኣገደስቲ ዝዀኑ ማይን ከም ሳሙና ዝበሉ መሐለዊ ጽርየት ቀረባትን ብዝተዋደደ መልክዑ ይረኽቡ ከም ዘየለው ኣብሪሁ።

ኣብቲ ክልል፡ ዓሰርተ ቀዳሞት ዝርኣዩ ሕማማት ካብ ዝበሃሉ ቀዳሞት ኣርባዕተ ጕድለት ጽርየት ሓደ እዩ።

ከም ኮሌራ ከምኡ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘሎ ሕማም በዲዶ ህበይ [ኤምፖክስ] ዝበሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ብቐሊሉ ኢድካ ብማይን ሳሙናን ብምሕጻብ ክትከላኸሎም እትኽእል ከም ዝዀኑ ሰብ ሞያ የገንዝቡ።

እዞም ጸገማት ንምፍታሕን ተመጣጣኒ ቀረባት ንምድልላድን፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ዕዳጋ ማእከል ዝገበረ ጽርየት -Market based sanitation - ዝብል ኣሰራርሓ ግብራዊ ክገብር ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ጽሬትን ውልቃዊ ጽሬትን (WASH) ርኡይ ለዉጢታት ከም ዝመጽኡ ይግለጽ።

እንተዀነ፡ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ሕጂ'ዉን ብድሆታት ኣለው።

እታ ሃገር ኣብ ቀረብ ማይ ምምሕያሽ'ኳ እንተገበረት፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ገና ዝተመሓየሸ ምንጪ ማይን ትካላት ጽሬትን ከም ዘይረክብ ጸብጻባት የመልክቱ።

ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ሽቓቕን ምጕዳል ውልቃዊ ጽርየትን ሞት ህጻናትን ትሑት ኣመጋግባን ሓዊሱ ንብርክት ዝበሉ ጸገማት ጥዕና ኣበርክቶ ይገብር።

ከም መሃዚት ስራሕ ፋና ሓረጐት ዝበሉ መንእሰያት ዝሰርሑዎም ስራሕቲን ቀረባትን ድማ ኣብዚ ሓጋዚ ተራ ክህልዎም ከም ዝኽእል ይእመን።