ኣብ መዘናግዒ ቦታታት ኣካላት ደቀንስትዮ ብሕቡእ ብምቕዳሕ ዝኸስቡ ዘለው ደቂ ተባዕትዮ

- Author, ዋንኪንግ ዣንግ
- ንባብ: 8 ደቓይቕ
ደቂ ተባዕትዮ፡ ምሸት ኣብ መዛነዪ ቦታታት ንዝወጽኣ ደቀንስትዮ ብሕቡእ ቪድዮ ብምስኣል ነቲ ቪድዮታት ኣብ ኢንተርነት ብምልጣፍ ገንዘብ ይረኽቡ ከም ዘለዉ መርመራ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
እቶም መብዛሕትኡ ግዜ "walking tours" ወይ "ናይ ለይቲ ህይወት" - "nightlife content"- ተባሂሎም ዝግለጹ ቪድዮታት፡ ኣብ ዩትዩብ፡ ቲክቶክ፡ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ይዝርግሑ።
ምሉእ ብምሉእ ኣብተን ቀምሽን ሓጺር ክዳንን ዝለበሳ ደቀንስትዮ እዮም ዘተኵሩ።
ብዙሓት ካብ ድሕሪት ወይ ብትሑት ኩርናዓት ዝተቐድሓ ኰይነን፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ብቐረባ ክፍሊ ኣካላተን የርእዩ።
ቢቢሲ፡ ኣስታት 50 ምስለን ዝተቐድሐ ደቀንስትዮ ኣለልዩ።
መብዛሕትአን ግን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገር ኣይፈልጣን ነይረን፤ እንታይ ከም ዘጋጠመ ምስ ተገንዘባ ግን ስምዒት ፍርሕን ሕንከትን ሓዲሩወን።
ሓንቲ ጓል 21 ዓመት ጓለንስተይቲ፡ ብትሕቲ ቀምሻ ተሳኢላ ምስላ ብዘይፍቓዳ ክስቀል ምርኣያ ኣዝዩ ከም ዝሃሰያ፡ ካብ ገዛኣ ኣብ እትወጽእሉ እዋን ወትሩ ስንባደ ከም ዝስምዓ ገሊጻ።
ቢቢሲ ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ዝልጥፋ ልዕሊ 65 ናይ ኦንላይን ቻነላት ኣለልዩ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፡ እቲ ቪድዮታት ብድምር ልዕሊ ሰለስተ ቢልዮን ግዜ ተራእዩ።
እቶም ቪድዮታት ኣብ ለንደን፡ ኦስሎ፡ ሚያሚን ባንኮክን ሓዊሱ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዓለም ኣብ ዝግበር ምሸታዊ ተልሂት ዘተኰሩ እዮም፤ ሓደ ካብቶም ዝበዝሑ ተፈተውቲ ቦታታት ማንቸስተር እዩ።
ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ ናብታ ከተማ ብሕቡእ ብምኻድ፡ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ምሸታዊ ምዝንጋዕ ደቀንስትዮ ብሕቡእ ክቐርጹ እንከለዉ ስኢሎምዎም።
በዚ፡ ንገለ ካብቶም ምስ 12 ኣካውንታት ዝተኣሳሰሩ ውልቀሰባት ኣቃሊዑ።
እዚ ድማ ሓደ ናይቲ ከባቢ መራሒ ታክሲን ካብ ሽወደን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ፊልም ክስእሉ ዝተጓዕዙ ክልተ ሰባትን ዘጠቓለለ እዩ።
ካልኦት ቻነላቶም ኣብ ኖርወይን ሞናኮን ከም ዝዀኑ ዝገልጹ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ፡ ቪድዮ ክስእሉ ተራእዮም እኳ እንተነበሩ መንነቶም ከነረጋግጽ ኣይከኣልናን።
መርመራና ካልእ ኣብነት ደቀንስትዮ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብደቂ ተባዕትዮ - መብዛሕትኡ ግዜ ንመኽሰብ - ብዘይ ፍቓደንን ኣፍልጦአንን ይስኣላ ምህላወን ዘርኢ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ፍሉይ መርመራ ቢቢሲ፡ ዝተፈላለዩ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ጸለውቲ ደቂ ተባዕትዮ 'ስማርት መነጽር' ተጠቒሞም ምስ ደቀንስትዮ ዝገብርዎ ዕላል ብምቕዳሕ ነቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ኢንተርነት ይዝርግሑዎ ምህላዎም ኣቃሊዑ'ዩ።
ጸሃፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጕዳያት ብሪጣንያ ሻባና ማሕሙድ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ፡ መንግስቲ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ኣዋልድን ዝያዳ ዓመጽን ምግፋዕን ንምፍጣር ክውዕል ከም ዘይጻወሮ ገሊጻ።
ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምቕራጽ ገበን ኣይኰነን።
ግን ክኢላ ሕጊ ኣብ ምስሊ ዝተመርኰሰ ምግሃስ፡ እዞም ዓይነት ቪድዮታት ብሕጋዊ መገዲ ክርኣዩ ዝኽእሉን -ካልኦት ዕርቃኖም ወጺኦም ወይ ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ ከለው ብምርኣይ ጾታዊ ዕግበት ምርካብ፡ ሕግታት ምግፋዕን ቮይዩሪዝምን ክጥሕሱ ከም ዝኽእሉን ገሊጹ።
ሓያሎ ካብቶም ዘለለናዮም ቪድዮታት ሕጂ'ዉን ኣይተኣለዩን ዘለው።
ዩትዩብ ቢቢሲ ኣብ ዙርያ እዞም ቪድዮታት መርመራ ከም ዘካየደ ሓበሬታ ምስ ሃበ ንኽልተ ካብቶም ገጻት ኣልዩ።
ቲክቶክ ኣርባዕተ ቻነላት ኣልዩ ኣሎ።
ኣብ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ዝተለጠፉ ቪድዮታት ግን ሕጂ'ውን ኣይተኣለዩን።
መወዳእታ ጥቅምቲ፡ ግሬስ -ሽማ ዝተቐየረ- ኣብ ማንቸስተር ኣብ ዝርከብ ክለብ ኰይና፡ መበል 21 ዓመት ልደት መሓዛኣ እናኽበረት ብተሌፎና ስእሊ ትስእል ነይራ።
እታ ስማ ቀይርናያ ዘለና ንእሽቶ ሓፍታ ሶፊ'ውን ምስአን እያ ነይራ። ሶፊ ገና ጓል 18 ዓመት እያ፤ ኣብታ ከተማ ድማ ንመጀመርታ ግዜ እያ ናብ ክለብ ኣትያ።
"ንቡር ምሸት'ዩ ነይሩ፡" ትብል ግሬስ።
"ምስልና ይስኣል ከም ዝነበረ ግን ዋላ ሓደ ኣይንፈልጥን ነይርና።"
ቢቢሲ ክሳብ ዝረኽባ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩትዩብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ኣይፈለጠትን ነይራ።
ሓጺር ቀምሻ ዘርኢ ቪድዮ፡ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ግዜ ብዘይትፈልጦም ሰባት ብኢንተርነት ተራእዩ ነይሩ።
"ኣከዳድናይ ብጥንቃቐ እየ መሪጸዮ ነይረ። ኵሉ ነብሰይ ተሸፊኑ እዩ ነይሩ። እቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝተወስደሉ ኵርናዕ ግን ትሑት እዩ ነይሩ። ክሳብ ክንደይ ናባና ዝቐረበ'ዩ ነይሩ ኢለ ክሓስብ ገይሩኒ፡" ትብል።
ሶፊ እውን ኣብተን ቪድዮታት ተራእያ እያ፤ ግን ትኹረት ኣይተገብረላን።
ንሳ - ከም ሓፍታ - ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመን ነገራት "ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ሰንቢደን" ከም ዘለዋ ትዛረብ።
"ፈሪሐ ጥራይ ስለ ዘለኹ ኣይወጻእኩን፣ እዚ ንቡር ኣይኰነን - ክኸውን ኣይነበሮን።"

ግሬስን ሶፊን ኣብ መስርሕ እዚ መርመራ ኣብ ኣማኢት ቪድዮታት ካብ ዝረኣናየን ኣሽሓት ደቂ ኣንስትዮ እየን።
ሓንቲ ሕቶ ኣላተን፤ መን እዩ ዝስእለን ነይሩ? ስለ ምንታይ?
ቢቢሲ ነዚ መርመራ ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ብዙሓት ኣካውንትታት ዝጠቅዑዎም ከምዚኦም ዝበሉ ቪድዮታት ንሰዓታት ተኸታቲሉ እዩ።
ገለ ካብተን ኣዝየን ህቡባት ቻነላት፡ ልዕሊ 200 ሚልዮን ረኣይቲ ረኺበን እየን።
ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝተጠቅዐ ቪድዮ ዘሎ ንእሽቶ ስእሊ፡ ኣብተን ሓጺር ወይ ነዊሕ ቀምሽ ዝተኸደና፡ ከምኡ'ውን ብርኽ ዝበለ ጫማ [ሂል] ዝወደያ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ትዅረት ዝገበሩ እዮም።
ብዙሓት ካብቶም ኣብ ማንቸስተር ዝተቐድሑ ቪድዮታት፡ ደቀንስትዮ ናብ ክለባት እናተጓዕዛን ኣብ ጽርግያታት ኮፍ ኢለንን ዘርእዩ ኰይኖም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ክዳውንተን ከዐርያ ወይ ቀምሸን ንታሕቲ ክስሕባ እንከለዋ ዝተቐድሑ እዮም።
ዳርጋ ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ቪድዮ ኸኣ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ንደቀንስትዮ ዘስተናዕቝ ርእይቶታት ይቐርቡ።
"ከመይ ከም ዝተኸደና ርኣወዩን፤ መጥቃዕቲ እንተወረደን ዝገርም ኣይኮነን" ክብል ሓደ ሰብ ብሰሓቕ ኢሞጂ ጽሒፉ።
"ኣብ ጐደና ክወጽኣ'ዩ ዝግብአን።"
"ኣብ ኵሉ ቦታታት ዝርከባ ንኣሽቱ ሓሰማታት" ዝብሉን ካልኦትን ኣብ ትሕቲ እቶም ቪድዮታት ዝተዋህቡ ርእይቶታት እዮም።
ብዙሓት ካብተን ኣብተን ቪድዮታት ዝነበራ ደቀንስትዮ ንምልላይ ብተዛማዲ ቀሊል ኰይኑ ረኺብናዮ።
እቶም ነተን ቻነላት ዘካይዱ ደቂ ተባዕትዮ ግን ንምክትታል ዝኸበደ እዩ ነይሩ።
እቶም ደቂ ተባዕትዮ ትኽክለኛ ስሞም ኣብ ኢንተርነት ኣይጥቀሙን እዮም።
እንተዀነ ሓያሎ ካብኣቶም ምልላይ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ቪድዮ ግሬስን ሶፊን ዝተጠቅዓሉ ቻነል፡ ብፍሎርጃን ረካ ዝተባህለ ኣብ ሽወደን ዝነብር ወዲ 35 ዓመት መንእሰይ ይመሓደር።
ንሱ ሓደ ካብቶም ብዓይነቶም ዝበዝሑ ቻነላት ዩቱብ ዘካይድ ኰይኑ፡ ኣስታት 200 ሚልዮን ንቪድዮታቱ ዝርእዩን 399 ሽሕ ሳብስክራይበርን ኣለዎ።
ልዕሊ 600 ሽሕ ተኸታተልቲ ዘለዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ እውን ኣለዎ።
ቢቢሲ፡ እቲ ቻነል ኣብ ሽወደን ከም ሓደ ቢዝነስ ከም ዘመዝገቦ ክርዳእ ክኢሉ።
ኣብኡ ድማ "ናይ ጸለውቲ ንጥፈታት፡ ዕዳጋን መወዓውዒን፡ እየ ዘመሓላልፍ ዘለኹ" ይብል።
ከመይ ከም ዝሰርሕ ክንርኢ ስለ ዝደለና፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ሃሎዊን ኣብ ማእከል ከተማ ማንቸስተር ብሕቡእ ኣቲና።
ኣብታ ቀዳመይቲ ለይቲ፡ ንሰዓታት ድሕሪ ምጽባይ፡ ሬካ ቅድሚ ሰዓት 02፡00 ናይ ለይቲ ምስ ካልእ ሰብኣይ (ድሒሩ ሓዉ - ሮላንድ ምዃኑ ኣለሊናዮ) ብቕልጡፍ ክኸይድ ርኢናዮ።
ክልቲኦም ኣሕዋት ንሞባይሎም ኣብ ከባቢ ሽምጦም ገይሮም ዝርእዩ ዘለው ይመስሉ ነይሮም።
ብግብሪ ግን፡ ዝተፈላለያ ካሜራታት ሒዞም ደቂ ኣንስትዮ ብቐጥታ ብጐድኖም ክሓልፋ ከለዋ ይስእሉወን ነይሮም።
እቶም ኣሕዋት፡ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ይዕዘቡዎም ከም ዘለዉ ኣይፈለጡን።
ክልቲኦም፡ ኣብ ኣፍ ደገ ዝተፈላለያ ክለባት ኰይኖም፡ ምሉእ ለይቲ ክስእሉ ተዓዚብና። ኣብቲ ሰሙን መወዳእታ ኣብታ ካልአይቲ ምሸት፡ ጸሊም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ተኸዲኖም፡ ምስቶም ንሃሎዊን ዝተኸደኑ ሰባት ተሓዋዊሶም።
ኣብ ዝቐጸሉ ሒደት መዓልታት፡ ካብ ጐደናታት ማንቸስተር ዝመጽኡ ሓደስቲ ቪድዮታት ኣብቶም ምስ ፍሎርጃን ረካ ምትእስሳር ከም ዘለዎም ኣብ ዝተዓዘብናዮም ብዙሓት ማሕበራዊ መራኸቢታት ክቐርቡ ጀሚሮም።
ኣብዚ፡ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ቀምሻ ንላዕሊ ክትስሕቦ ክትፍትን ከላ ትረአ።
ኣብ ካልእ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ደቀንስትዮ ይሓልፋ ነይረን፤ እቲ ካሜራ ግን ብትሑት ኩርናዕ ንመቐመጭአን ኣቃሊዑ ከም ዝቐድሐ ይርአ።
ኣብ ገጽ ፌስቡክ ፍሎርጃን ሬካ ዝተጠቅዐ ሓደ ቪድዮ፡ ኣብ ኣፍ-ልቢ ሓንቲ ክሊቫጅ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ንላዕለዋይ ክፋል ዳግማይ ክተዕርዮ ከላ የርኢ።
ኣብ ኩለን እተን ቪድዮታት፡ ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ዋላ ሓደ እውን ይቕረጻ ከም ዘለዋ ዝፈልጣ ኣይመስልን።
ድሕሪ ሃሎዊን ኣብ ዝነበሩ ኣዋርሕ ርእይቶ ንምርካብ ንፍሎርጃን ሬካ ክንረኽቦ ፈቲንና።
ምምላስ ምስ ኣበየ ናብ ሽወደን ተጓዒዝና።
ክልተ ግዜ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ዕሽሽ ብምባል፡ ብድምጺ ንዝገደፍናሉ መልእኽቲ'ዉን መልሲ ኣይሃበን።

ኣብ ማንቸስተር ኣብ ዝተኻየደ ሃሎዊን ካልኦት ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮ እውን ንደቀንስትዮ ክስእሉ ተዓዚብናዮም።
ንሓድሕዶም ዝፋለጡ ይመስሉ - ኣሕዋት ረካ ድማ - ኵሎም ለይቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ደው ኢሎም ይዘራረቡ።
ሓደ ካብኣቶም ዲን ሂል ዝተባህለ ወዲ 36 ዓመት መራሒ ታክሲ ኰይኑ ኣብቲ ከባቢ ዝሰርሕ እዩ።
ኣብ ኣፍልቡ ዝተጸግዐት ንእሽቶ ካሜራ ሒዙ ክስእል ርኢናዮ።
ቢቢሲ ድማ ንኣማኢት ሰዓታት ዝጠቅዖም ቪድዮታት ተዓዚቡ።
ኣብ ገለ ካብቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ - ምስ ጽሑፋት ኣሕዋት ረካ ዝመሳሰል - ደቀንስትዮ ቀምሸን ንታሕቲ ክስሕባ ወይ ክዳውንተን ከስተኻኽላ ኣብ ዝፍትናሉ እዋን ዝቐድሐን ይመስል።
ኣብ ሓንቲ፡ እታ ካሜራ ንኣስታት ክልተ ደቓይቕ ብድሕሪ ሓንቲ ናይ ሃሎዊን ክዳን ዝለበሰት ጓለንስተይቲ ትከታተላ።
ሂል፡ ዝዀነ በደል ከም ዘይፈጸመ ብምግላጽ፡ ንውልቀሰባት ወይ ናይ ቀረባ ክፍሊ ኣካላት ከም ዘይስእልን፡ ካሜራኡ ድማ ኵሉ ግዜ ከም ዝርአን ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ኣነ ቀምሽ ንዝተኸደና ኣይስእልን፡ ናይ ቀረባ ክፍሊ ኣካላት፡ ወይ ዝዀነ ዓይነት ዕርቃን ኣይስእልን እየ። ቪድዮታተይ ድማ ዕርቃን ዘርእዩ ኣይኰኑን፡" ክብል ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ገሊጹ።
"እቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ንዝዀነ ኣካል ብፍሉይ ዒላማ ዝገበረ ኣይኰነን። ኣብ እዋን ቀረጻ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ብኣጋጣሚ ዝተረኽበ መን ምዃኑ ዘንጸባርቕ'ዩ።"
"ገለ ፈጠርቲ ትሕዝቶታት ኦንላይን ኣብ ዘይግቡእ ተግባራት ክዋፈሩ ከም ዝኽእሉ እፈልጥ እየ፤ ይዅን እምበር፡ ቻነለይ ከምኡ ኣይገብርን እዩ። ዝዀነ ብኣንጻሩ ዝቐርብ ሓሳብ ንባህሪ ወይ ዕላማ ትሕዝቶይ ዘንጸባርቕ ኣይኰነን።"
ካልእ ብሚድያ ቻነላቱ ዝረኸብናዮ ግን ከኣ መንነቱ ክንፈልጦ ዘይከኣልና ሰብ'ውን ዝዀነ ጌጋ ከም ዘይገበረ ወይ ዝዀነ ሕጊ ከም ዘይጠሓሰ ክሒዱ።
ንሱ፡ ናይ ለይቲ ህይወትን ናይ እግሪ ጉዕዞን ቪድዮታት ጥራይ ከም ዝቐረጸን፡ ብርክት ዝበሉ ጽሑፋቱ ከም ዘጥፍኦምን ገሊጹ።
ፖሊስ ንዝዀነ ካብቶም ዝመርመርናዮም ውልቀሰባት ብዝዀነ ገበናዊ ንጥፈታት ኣይከሰሶምን።
ፖሊስ ዓባይ ማንቸስተር፡ ኣብ 2024 ሓደ ውልቀሰብ ብስለያን -stalking- ምግፋዕን ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ገሊጹ።
እዚ ድማ፡ ደቀንስትዮ ኣብ ለይቲ ኣብ ዝወጽኣሉ እዋን ቪድዮ ብምቕራጽ ዝቐረቡ ሓበሬታታት ስዒቡ ምዃኑ ሓቢሩ።
ፖሊስ፡ እዚ ኣብታ ሃገር ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ማእሰርቲ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብዚ ወርሒ ግን "ኣብ ውሽጢ እቲ ሕጂ ዘሎ ሕጊ ድሩትነት" ስለ ዘሎ፡ ኣብ ልዕሊ ጥርጡራት ተወሳኺ ስጕምቲ ከም ዘይወስድ ገሊጹ።
ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ "ሲቪላዊ መገድታት" ይርኢ ከም ዘሎ ድማ ሓቢሩ።
ደቀንስትዮ፡ ምሸት ንምዝንጋዕ ኣብ ዝወጽኣሉ ብሕቡእ ቪድዮ ብምስኣል ሰፊሕ ምንቅስቓስ ዝግበረሉ ዘሎ ኢንዱስትሪ "ብዙሕ ሚልዮናት ፓውንድ ዝግመት ኣታዊታት ክርከቦ ይኽእል'ዩ" ትብል ዳይረክተር ማእከል ዲጂታዊ ቍጠባ ዩኒቨርሲቲ ሳሪ ፕሮፌሰር ኣናቤል ጋወር።
"ኣብ መላእ እዚ ምሉእ ስነ-ህይወት ብዛዕባ ቢልዮናት ዝቑጸሩ ውህሉል ርእይቶታት ኢና ንዛረብ ዘለና" ትብል።
ሓደ ሚልዮን ርእይቶታት ዘለዎ ቪድዮ ዝረኽቦ ገንዘብ ክሳብ 5 ሽሕ ፓውንድ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ትዛረብ።
ብመሰረት ሕጊ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምቕራጽ ዘይሕጋዊ ኰይኑ፡ ንብዙሓት ካብተን ዘዘራረብናየን ደቀንስትዮ ግን፡ እዞም ቪድዮታት ገንዘብ ይረኽቡሎም ምህላዎም ሕርቃንን ተስፋ ምቑራጽን ክስምዐን ከም ዝገበሩ ይገልጻ።
ጠበቓ ኣብ ምስሊ ዝተመርኮሰ ጾታዊ ዓመጽ ዝነጥፍ ትካል ማካሊስተር ኦሊቫሪየስ ዝዀነ ሆንዛ ሰርቨንካ፡ "ኣብ ዙርያ ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ዘሎ ሕጊ ግልጺ ኣይኰነን" ኢሉ።
ንገበን ምግፋዕ፡ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ናይ ምግፋዕ ፍጻመታት ክህሉ ኣለዎ፡ እዚ ድማ "ኣብ ጽርግያ ሓዊሱ ብኢንተርነት ዝበጽሕ ምግፋዕ'ዩ። ስለዚ እዚ ነቲ ቪድዮ ምልጣፍ ወይ ምክፋል" ከጠቓልል ይኽእል'ዩ፡" ይብል ሰርቨንካ።
ቪድዮ ምልጣፍ፡ ድሕሪኡ ምስሊ ጓለንስተይቲ ከም ንእሽቶ ስእሊ ኣብ ካልኦት ቪድዮታት ምጥቃም፡ ምግፋዕ ክኸውን ከም ዝኽእል ወሲኹ ገሊጹ።
ዩትዩብ፡ ድሕሪ እቲ ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ ምስ ፍሎርጃን ሬካ ዝተኣሳሰሩ ክልተ ኣካውንታት ኣጥፊኡ ኣሎ።
ፍሎርጃን ሬካ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ናይ ህዝቢ ናይ እግሪ ዑደት ቪድዮታት" ጥራይ ከም ዘሕትም ብምግላጽ፡ እቲ ውሳነ ክግምገም ንዩትዩብ ሓቲቱ።
ሓያሎ ካብቶም ምስ ዩትዩብ ዘካፈልናዮም ቪድዮታት ግን ሕጂ'ዉን ኣብ ኢንተርነት ይርከቡ።
እቲ ትካል፡ ንመምርሒታት ማሕበረሰብ "ብጥብቂ ከም ዘተግብር" ይገልጽ።
ወሲኹ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ 2025፡ ንናይ ምግፋዕ ፖሊሲታቱ ብምጥሓስ 1.8 ሚልዮን ቪድዮታት ከም ዝኣለየ ገሊጹ።
እቶም ካልኦት ኣካውንታት ኣብ ኢንተርነት ይርከቡ። ሓደ ናይቲ ቻነል ስም ዝቐየረ ይመስል፤ ካልእ ድማ ኵሉ ትሕዝቶኡ ኣልዩዎም።
ቲክቶክ ኣርባዕተ ዘካፈልናዮ ቻነላት ኣልዩ ኣሎ።
ናብ ዋና ፌስቡክን ኢንስታግራምን ሜታ ዝለኣኽናዮም ቻነላት ግን ሕጂ'ውን ኣይተዓጽውን።
እቲ ትካል ንፖሊሲታቱ ዝጥሕስ ትሕዝቶ ከም ዘወገደ ሓቢሩና።
ቪድዮ ግሬስን ሶፊን ካብቶም ብዙሓት ተኣልዮም ዘለዉ ሓደ እዩ።
እተን ኣሓት ንዓአን ንእሽቶ ዓወት ምዃኑ ይዛረባ፤ ግሬስ ግን ለውጢ ከምጽእ ድዩ ኣይመጽእን ርግጸኛ ኣይኰነትን።
"እቲ ናተይ ቪድዮ ኣብ ቴለፎኑ ወይ ኣብ ኮምፒዩተሩ ኣሎ። ዳግማይ ንከይጥቅዖ እንታይ ዝዓግቶ ነገር ኣሎ?" ትብል።
"ምናልባት ጠቕሊልካ ክትዓጽዎ ዘይክኣል'ዩ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







