ትራምፕ፡ ንምንታይ'ዩ 'ኣብ ናይጀርያ ሰራዊት ከዋፍር እየ' ዝብል ዘሎ?

ዝዀነ ናብታ ሃገር ዝግበር ሓገዝ ጠጠው ከምዝብሎ'ውን ኣጠንቂቝ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዝዀነ ናብ ናይጀርያ ዝግበር ሓገዝ ጠጠው ከምዘብሎ'ውን ኣጠንቂቝ ኣሎ

ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓንቲ ሃገር፡ መንግስቲ ምስ ካልእ መንግስቲ መሓዛ ሃገር፡ ልዕሊ ዓቕሚ ኣብ ዝዀነ ቅልውላው፡ ክተሓባበሩ ምርኣይ ዘይንቡር ኣይኰነን።

ትራምፕ ብዛዕባ ናብ ናይጀርያ ሰራዊት ምውፋር ኣመልኪቱ ዝዛረቦ ዘሎ ግን ካብዚ ዝተፈለየ ይምስል።

ኣብ ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትያን 'ምጽናት ዓሌት' ከምዝተፈጸመ ዝገልፅ ክሲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናትን ኣዋርሕን ካብ ገለ ሕሉፋት የማናውያን ኣመሪካ ክዝርጋሕ ቀንዩ ኣሎ።

ትራምፕ ክወስዶ እየ ዝብሎ ዘሎ ስጉምቲ ካብዚ ዝነቅል ኰይኑ፡ ዛጊድ ብልክዕ ከምዚ ዓይነት ኣብ ልዕሊ ሓደ ሃይማኖት ዘተኰረ መጥቃዕቲ ተፈፂሙ ድዩ ኣይተፈፀመን ግን ዝተረጋገፀ ነገር የለን።

ከምኡ ጥራይ ዘይኰነ፡ ዘይከምቲ ኣብ መንጐ ልኡላዊ ሃገር ዝመርሑ መንግስታት ዝግበር ምትሕብባር፡ ትራምፕ 'ናብታ ሃገር ሰራዊት ከዋፍር እየ' ዝብል መግለፂ ዘውፀአ፤ ብኢደ ወነኑ ድዩ ዋላ ዝተኸተሎ ሕጋዊ መስርሕ ኣሎ'ዩ ዝብል ሕቶ የልዕል ኣሎ።

ቅድም ቀዳድም፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ መንግስቲ ነቶም ክርስትያን ክከላኸለሎም ኣይከኣለን ብምባል እዩ ዝኸስስ።

ስለዝዀነ ድማ፡ 'ኣብ ናይጀርያ ንእስላማውያን ዕጡቓት ጉጅለታት ንምምካት ሰራዊቱ፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣድላይ ምድላዋት' ክገብሩ ኣዚዙ ኣሎ።

ንሱ፡ ብልክዕ ብዛዕባ ኣየናይን መዓስ ዝተፈፀመ ቅትለትን ይጠቅስ ከምዘሎ ንፁር'ኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትና ብፍሉይ መጥቃዕቲ ይፍፀሞም ከምዘሎ እዩ ዝዛረብ።

ዓመፅን ግጭተታትን ዝከታተሉ ጉጅለታት፡ ኣብታ ዳርጋ ማዕረ ብዝሒ ሰዓብቲ ክልቲአን ሃይማኖታት ከምዘለዋ ዝንገረላ ሃገር፡ 'ልዕሊ ኣስለም ክርስትያን ይቕተሉ ከምዘለዉ ዝሕብር ዝኰነ መርትዖ ከምዘየለ' እዮም ዝገልፁ።

ሓደ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ናይጀርያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዝኾነ ይኹን ኣንጻር እቶም ጅሃዳውያን ጉጅለታት ዝውሰድ ወተሃደራዊ ስጉምቲ 'ብሓባር' ክፍጸም ከምዘለዎ ይሕብር።

ዳኒኤል ብዋላ፡ ናይጀርያ ነቶም እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ምምካት ኣመሪካ ሓገዝ ክትገብር ንቡር ምዃኑ'ኳ እንተገለፀ፡ "ልኡላዊት" ሃገር ምዃና ግን ኣዘኻኺሩ።

ብተወሳኺ እቶም ጅሃዳውያን ንኣባላት ሓደ ፍሉይ ሃይማኖት ዒላማ ከምዘይገብሩን፡ ካብ ኩሉ እምነታት ንዝዀኑ ሰባት ከምዝቐተሉን እዩ ዝገልፅ።

ፕረዚደንት ናይጀርያ ቦላ ቲኑቡ ብወገኑ፡ ኣብታ ሃገር ሃይማኖታዊ ምክብባር ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ጸጥታዊ ብድሆታት ግን "ኣብ ኩለን እምነታትን ግዝኣታትን" ንዝርከቡ ሰባት ይጸልዎም ከምዘሎ ገሊጹ።

ትራምፕ ብቀዳም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ንምኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ "ክውሰድ ንዝኽእል ስጉምቲ" ክዳሎ መምርሒ ከምዝሃበ ኣስፊሩ ኣሎ።

መንግስቲ ናይጀርያ ጣልቃ እንተዘይኣትዩ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ናብ ናይጀርያ ከዋፍር ከምዝኽእል ብምጥንቃቕ፡ ናብታ 'መሕፈሪት ኰይና ኣላ' ዝበላ ሃገር፡ ዝግበር ዝዀነ ዓይነት ረድኤት'ውን ክቋረፅ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ትራምፕ ብምስዓብ፡ "እንተድኣ ኣጥቂዕና፡ ልክዕ ከምቲ እቶም ግብረሽበራውያን ሸፋቱ ነቶም ክርስትያን ወገናትና ዘህልቑዎም ዘለዉ፡ ቅልጡፉን በርቃውን ክኸውን እዩ!" ኢሉ።

ምኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት፡ ነቲ ጽሑፍ "እወ ሓለቓ!" ብምባል መልሲ ሂቡ።

"ምኒስትሪ ኵናት [The Department of War ] ስጉምቲ ክወስድ ይሸባሸብ እዩ ዘሎ። መንግስቲ ናይጀርያ ንሰዓብቲ ክርስትና ይከላኸል፡ ወይ ድማ ነቶም ነዚ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ዝፍጽሙ ዘለዉ እስላማውያን ኣሸበርቲ ክንቀትሎም ኢና።"

መጠንቀቕታ ትራምፕ ኣብ መላእ ናይጀርያ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ መንግስቲ ወተሃደራት ወጻኢ ናብታ ሃገር ከይኣትዉ፡ ኣንጻር እስላማውያን ጉጅለታት ዝገብሮ ቃልሲ ከሐይል ይሓቱ ኣለዉ።

'ክርስትያናዊ ፓስተር' ምንባሩ ዝገለጸ ፕረዚደንት ብዋላ ቲኒቡ ግን፡ ኣብ መደብ ቢቢሲ ኒውስሃውር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ትራምፕ "ናይ ባዕሉ ዝዀነ ዝተፈለየ ኣገላልፃ" ከም ዘለዎን፡ ናይጀርያ ነቲ መግለፂኡ፡ ቃል ብቓሉ ከም ዘይትወስዶን ተዛሪቡ።

"ልብን ዕላማን ትራምፕ፡ ስግኣት ንምምካት ክሕግዘና ምዃኑ ንፈልጥ ኢና" ዝበለ ንሱ፡ ትራምፕ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ምስኡ ተራኺቡ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ክዘራረቡ ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ካብ ምንታይ ዝነቐለ መጠንቀቕታ እዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትራምፕ ቅድም ክብል፡ ንናይጀርያ "ፍሉይ ስክፍታ ዘለዋ ሃገር" ኢሉ ገሊፍዋ ነይሩ'ዩ።

ንሱ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናዊ ህዝባ ዝበፅሕ ዘሎ ዝበሎ "ስግኣት ህልውና"፡ ዝኾነ መርትዖ ከየቕረበ፡ 'ኣሽሓት' ከምዝተቐትሉ ገሊጹ ነይሩ።

እዚ፡ "ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ከቢድ ግህሰት ዝፍፅማ" ዝብል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝጥቀመሉ ብያነ፡ ኣብ ከምዚ ዝርዝር ዝኣተዋ ሃገራት፡ እገዳ ንምንባር ዝድንግግ እዩ።

ነዚ ብያነ ስዒቡ፡ ፕረዚደንት ትኒቡ፡ መንግስቱ ምስ ኣመሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን ብምትሕብባር ኩለን እምነታት ናፅነተን ክሕሎ ንምግባር ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዩ ነይሩ እዩ።

እቲ መራሒ ናይጀርያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ናይጀርያ ሃይማኖታዊ ምክብባር ዝተረጋገፀላ ሃገር ስለዝዀነት፡ ከምዚ ዓይነት ብያነ ግን ወድዓዊ ኩነታትና ዘንጸባርቕ ኣይኮነን" ኢሉ።

ከም በዓል ቦኮ ሓራምን 'እስላማዊ መንግስቲ- ምዕራብ ኣፍሪቃ' ዝኣመሰሉ ጅሃዳውያን ጉጅለታት፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ፡ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣሽሓት ሰባት ከምዝቐተሉ ፀብፃበት ይሕብሩ።

እንተዀነ፡ መብዛሕትኦም ካብቶም ግዳያት፡ ኣስላም ከምዝኾኑ፡ ' ዓለማዊ ፖለቲካዊ ዓመፃት' ዝትንትን 'ኣክለድ' ዝተብሃለ ጉጅለ ይሕብር።

ከምኡ ኰይኑ'ውን ፡ ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ናይጀርያ፡ ኣብ መንጎ መብዛሕትኦም ኣስላም ዝኾኑ ጓሶትን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ክርስትያን ዝኾኑ ሓረስቶትን፡ ብሰንኪ ቀረባት ማይን መግሃጫን ሰውሕን፡ ተደጋጋሚ ግጭታት ከምዝጋጥም ይንገር።

ኣብዚ ተኸታታሊ መጥቃዕቲታት'ውን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክቕተሉ እኳ እንተጸንሑ፡ ብኽልቲኡ ወገን ግፍዕታት ከምዝተፈጸመን፡ ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ክርስትያናት ብፍሉይ ዒላማ ከምዝኰኑ ዘርኢ መርትዖ ከምዘየለ ይገልጹ።

ትራምፕ ኣብ እዋን መንበረ-ስልጣኑ፡ ንኣመሪካ ናብ ዝዀነ ኲናት ከምዘይሰኸተታ'ዩ ዝጀሃር፡ ንነብሱ ድማ ከም 'ገባሪ-ሰላም' ፕረዚደንት ገይሩ ይቘፅራ።

እቲ መራሒ ሪፓብሊካን ግን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብፍላይ ካብ ገለ ፖለቲካዊ ፀግዕታት ዝነቅል፡ ድምጽታት ተቓውሞ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።