ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ናይጀርያ ትዊተር ንዝኣገደ ፕረዚደንት ቡሃሪ ንኢዱ

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ትዊተር ኣብ ናይጀርያ ንዝኣገደ ፕረዚደንት ሙሓማዱ ቡሃሪ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።

ትዊተር ‘ንመምርሕታተይ ኣየኽበረን’ ብዝብል ብፕረዚደንት ቡሃሪ ንዝተጠቅዐ መልእኽቲ ስለዝኣለየ እዩ ኣብ ሞንጎ እቲ ማሕበራዊ መራኽብን መንግስቲ ናይጀርያን ዘይምቅዳው ዝተፈጠረ።

“ንነብሶም እከያት ኮይኖም ሰናይ ካብ እከይ ክንፈልይ ኢና ዝብሎ መን ስለዝኾኑ’ዮም?” ኢሉ ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ።

ካልኦት ሃገራት እውን ትዊተርን ፌስቡክን “ነጻን ግልጽን ሓሳብ” ብዘይምፍቃዶም ናይ እገዳ ስጉምቲ ክወስዳ ጸቂዑ’ሎ።

ትራምፕ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ህንጻ ካፒቶል [ህንጻ ኮንግረስ ኣመሪካ] ንዝተወለዐ ዓመጽ ስዒቡ ካብ ክልቲኦም ማሕበራዊ መራኸብታት ከምዝተኣገደ ይዝከር።

ቅድሚን ድሕሪን እቲ ዓመጽ ዝጠቅዖም መልእኽታት ነቲ ወጥሪ ዘጓሃሃሩ ምንባሮም’ዩ ዝግለጽ።

ትዊትር ንትራምፕ ብቐዋምነት ከምዝኣገዱ ወግዓዊ ክገብር ከሎ፤ ፌስቡክ ብወገኑ ንኢንስታግራም እቲ ፕረዚደንት ሓዊሱ ንኽልተ ዓመት ከምዝኣገደ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ ናይጀርያ እንታይ በለ?

“ሃገረ ናይጀርያ ፕረዚደንታ ንዝኣገደ ትዊተር ብምእጋዳ እንኳዕ ሓጎሰኪ ክብል እፈቱ” ይብል ትማሊ ዝተፈነወ መግለጺ ዶናልድ ትራምፕ።

ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንፌስቡክ ክእግዶ ከምዝነበሮ ዝሓበረ ትራምፕ ግን ከኣ ሓለቓ እቲ ኩባንያ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝኾነ ማርክ ዙከርበርግ “ብተደጋጋሚ እናደወለን ናብ ዋይት ሃውስ ንድራር እናመጽአን ከመይ ጽቡቕ ከምዝነበርኩ ይነግረኒ ነይሩ” ኢሉ።

መበል 45 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኮይኑ ዘገልገለ ትራምፕ ካብ ትዊተርን ፌስቡክን ካብ ዝተኣገደሉ እዋን ጀሚሩ ብዙሕ ቆልሕታ ክረክብ ኣይከኣለን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መልእኽቲታቱ ከሕልፈሉ ብምሕሳብ ዘኽፈቶ ዌብሳይት እውን ብዙሕ ተጠቃሚ ብዘይምርካቡ ተዓጽዩ’ሎ።

ናይጀርያ ስለምንታይ ንትዊተር ኣጊዳ?

ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ “ዝተዛብዑ ሓበሬታታትን ስኑዓት ዜናታትን ክዝርግሑ ብምፍቃድ ንሓድነት ናይጀርያ ተፈታቲኑ ይብሉ።

ብፕረዚደንት ቡሃሪ ንዝተጠቅዐ መልእኽቲ ምእላዩ ስዒቡ ድማ ኣብታ ሃገር ተኣጊዱ። ቅድሚ 40 ዓመታት ኣቢሉ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ንዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ብምጥቃስ ነቲ ኣብ ደቡብ-ምብራቕ ናይጀርያ ዝስጉም ናይ ምንጻል [ምግንጻል] ምንቅስቓስ ከፈርርሕ ፈቲኑ ብዝብል’ዩ መልእኽቲ እቲ ፕረዚደንት ካብ ትዊተር ዝተኣለየ።

ብተግባር ትዊተር “ከምዘቖጥዖ” ዝገለጸ መንግስቲ እታ ሃገር ናብዚ ናይ እግድ ውሳነ ዝበጽሐ ግን በዚ ምኽንያት ጥራይ ከምዘይኮነ ኣዘኻኺሩ።

ሚንስተር ሓበሬታ ሊያ ሞሓመድ ንቢቢሲ መደብ ‘ፎካስ ኦን ኣፍሪቃ’ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፤ መራሒ ነጻሊ ጉጅለ ኢፖብ ዝኾነ ኛማዲ ካኑ ነቲ ማሓበራዊ ሚድያ ተጠቒሙ ኣንጻር መንግስቲ ግዝኣት ደቡብ-ምብራቕ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከምዘለዓዕል ኣረዲኣ።

ኣብዚ እዋን ጉጅለ ተጣበቕቲ መሰላት፡ እታ ሃገር ንትዊተር ምዕጻዋ ብምቅዋም ነቲ ጉዳይ ናብ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ምዕራብ ኣፍሪቃ ከምዝወድዎ ተፈሊጡ’ሎ።

ምዕራባውያን ሃገራትን ተወከልቲ ጠበቓታት ናይጀርያን እውን ነቲ ተግባር ኮኒኖም።

ትዊተር ብወገኑ “በቲ እግድ ኣዝየ ተሻቒለ ኣለኹ” ኢሉ።