ኢትዮጵያ፡ ኲናትን ሰላማዊ ዘተን ብማዕረ ይከኣል ድዩ?

ደንጎላት፡ ትግራይ 26 ለካቲት 2021

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብቐጥታ ዘካይድዎ ዘተ ሰላም ካብ ብሰሉስ ጀሚሩ ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ይካየድ ኣሎ።

እንተዀነ፡ ኣብታ ብኲናት ዳርጋ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ቅልውላው እትርከብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ከቢድ ውግእ ይቕጽል ከም ዘሎ ይግለጽ።

ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ትማሊ ረቡዕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ከባቢ ዓድዋ ከቢድ ብረትን ታንክታትን ዘሳተፈ ኲናት ይካየድ ኣሎ፡ ኢሉ።

ብዘይካ’ዚ ምስ ክልል ዓፋር ኣብ ዘዋስን ከባቢ፡ ሓይልታት ኤርትራ ዝተሳተፉሉ ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ጸብጻባት ይገልጹ።

እናተዛተኻ ምውጋእ ይከኣል ድዩ? በዓልሞያ ዓለምለኻዊ ሕጊ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ባይሳ ዋቅዋያ ርእይቶኡ ገሊጹልና ኣሎ።

“ከም ኣህጉራዊ መትከል፡ ኲናትን ሰላማዊ ዘተን ጐድኒ ጐድኒ ኽካየድ ይኽእል እዩ” ዝብል ኣቶ ባይሳ፡ እቲ ኣብቲ ኲናት ዝደፍእ ዘሎ ወገን፡ ኣብቲ ዘተ ሰላም’ውን ጽልዋኡ ልዑል ከምዝኸውን ይዛረብ።

“እቲ ኣብ ኲናት ላዕለዋይ ኢድ ክሕዝ ዝኸኣለ ኣካል፡ ነቲ ኣብ ዓውደ ውግእ ዝረኽቦ ዓወት ተጠቂሙ ነቲ ኣንጻሩ ዝቃለስ ኣካል ኣገዲዱ፡ ዝደለዮ ከመዝግብ ይኽእል’ዩ።”

እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተተግቢሩ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ምቍራጽ ተዅሲ ተጣሒሱ ኣብ መወዳእታ ነሓሰ ኲናት ዳግማይ ካብ ዝውላዕ ንደሓር ተጓሃሂሩ ይቕጽል ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብሓይልታት ኤርትራን ሚሊሻታት ፋኖ - ኣምሓራን ዝድገፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሽረን ኣገደስቲ ከተማታት ክቈጻጸር እንከሎ፡ ኣብታ ክልል ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርትታትን ካልእ ኣገዳሲ ትሕተ-ቕርጽን ንምቍጽጻር፡ ኲናት ከቕጽል ምዃኑን ገሊጹ ነይሩ።

ኣገልግሎት ርክባት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ17 ጥቅምቲ 2022 ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ልዕልናን ግዝኣታዊ ሓድነትን እታ ሃገር ንምውሓስ ኣብቲ ክልል ዘርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ካልእ መሳለጥያታት ፌደራልን ምቍጽጻር ኣገዳሲ እዩ” ኢሉ።

መንግስቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ንመቐለ ክቈጻጸር ከምዝኽእል እዩ ዝገልጽ ዘሎ፡ ዝብል ኣቶ ባይሳ፡ እዚ ነቲ ዘተ ሰላም ኣዝዩ ክጸልዎ ከምዝኽእል ይዛረብ።

“ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ [እቶም ካብ ትግራይ ዝኸዱ ተዛተይቲ] ክምለሱ ከለዉ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ ተታሒዙ እንተዀይኑ ኣበይ እዮም ክዓልቡ? ኢዶም ንመንግስቲ ክህቡ ዶ ወይስ ናበይ ክኸዱ?” ዝበል ሕቶ የልዕል።

ቀጺሉ’ውን፡ “መንግስቲ ንመቐለ እንተሒዝዋ ክገብሮ ዝኽእል ነገር እንተሃለወ ኣዋጅ ህጹፅ እዋን ምእዋጅ እዩ። መሰጋገሪ መሪሕነት ክመርጽ ይኽእል እዩ። ብቐጥታ’ውን ባዕሉ ከመሓድር ይኽእል። ብናተይ ኣረኣእያ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ዘሎ ጸገም ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን እዩ። እዚ ሕቶ ዲሞክራሲ ስለዝዀነ ካብ መጀመርታኡ ጠበንጃ ምልዓል ኣይመድለየን ነይሩ፡” ይብል።

እቲ ካብ ሰሉስ 25 ጥቅምቲ ጀሚሩ ብመንጐኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ሳልሳይ መዓልቱ'ኳ ኣቝጺሩ እንተሎ፡ ዛጊት ብዛዕባ ዘሎ ምዕባለታት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ኣብቲ ዘተ ሰላም ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ደመቀ መኮነን ዝምራሕ፡ ሸውዓተ ዝኣባላቱ ጕጅለ ይሳተፍ ኣሎ።

ዶክተር ጌድዮን ጢሞቲዎስ፡ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ሌተናል ጀነራል ብርሃኑ በቀለ፡ ኣምባሳደር ሓሰን ዓብዱልቃድር ከምኡ’ውን ዶክተር ጌታቸው ጀምበር ኣባላት እቲ ልኡኽ ኢትዮጵያ እዮም።

ብወገን ሓይልታት ትግራይ’ውን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው፡ ኰለኔል ተወልደ ገብረትንሳኤ፡ ዶክተር ፍስሃ ሃብተጽዮን፡ ኣቶ ካሳ ገብረዮሃንስን ኣቶ ኣሰፋ ኣብርሃን ኣብቲ ክሳዕ ሰንበት 30 ጥቅምቲ ክቕጽል ምዃኑ ዝተገለጸ ዘተ ሰላም ይሳተፉ ኣለው።

በቲ ክልተ ዓመት ክመልእ ሒደት መዓልታት ተሪፍዎ ዘሎ ኲናት፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከምእተቐትሉ ክግለጽ እንከሎ ክሳብ 150 ሽሕ ዝኸውን ህዝቢ ብጥሜት ከምዝሞተ ይግመት።

'ኲናት ሓድሕድ ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ'

ዝሓለፈ ሓሊፉ’ሎ፡ ስለዚ መንግስቲ ሕጂ ምእንቲ ሲቪላውያን ዜጋታት ሰላም ክሰብኽ የድሊ፡ ዝብል ኣቶ ባይሳ፡ ኲናት ሕድሕድ ዝህልዎ ሳዕቤን ከቢድ ከምዝኸውን የረድእ።

ኲናት ሓድሕድ፡ ምስቲ ምስ ካልእ ሃገር ዝግበር ኲናት ብምውድዳር ሃስያኡ ከቢድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ኲናት ኣብዚ ከብቅዕ ኣለዎ ይብል።

“ኲናት ሓድሕድ ሕሱም ዝዀነሉ ምኽንያት ንኣቦኻ፡ ሓውኻ ወይ ኣዝማድካ ምስ ዝቐተለ ኣካል ኣብ ሓደ ከተማ ወይ ኣብ ሓደ ከባቢ ትነብር ምዃንካ እዩ። ክትኣቱን ክትወጽእን ከለኻ ስለትረአአ እቲ ቂም ኣይጠፍእን። ስለዚ መንግስቲ ንህወሓት ‘ጁንታ! ሰራቒ! እናበለ ካብ ምግላጽ ተቘጢቡ ናብ ሰላም እንተዝመጽእ እዩ ዝሓይሽ።

“እንተዘይኰይኑ እቲ መኽሰብ ቂም እዩ ዝኸውን። መንግስቲ ሕጂ’ውን ንህወሓት ከጥፍእ እየ ብዝብል ንመቐለ ክቈጻጸር እየ እናበለ ይጅሃር እንተሃልዩ፡ ኣብታ ሃገር ሰላም ናይ ምምጻእ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ።”

እቲ ኲናት ናብ መፈጸምታ ንምብጻሕ ተራ ሃገራት ምዕራብ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኣቶ ባይሳ፡ መንግስቲ ኣብ ሲቪላውያን ግህሰት ክሳዕ ዘይፈጸመ፡ ንዝኾነ ክፋል እታ ሃገር ክቈጻጸር ከምዝኽእል የረድእ።

“መንግስቲ ንጹሃን ዜጋታት እንተዘይቀቲሉ፡ ወተሃደራቱ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እንተዘይፈጺሞም፡ ንመቐለ ምቍጽጻሩ ገበን ኣይኰነን፤ ምኽንያቱ መንግስቲ ስለዝዀነ።

“ሚዛን ሓይሊ ተቐይሩ ኰይኑ’ምበር ህወሓት’ኮ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ክቈጻጸር እዩ ድልየት ነይርዎ። ስለዚ ማሕበረሰብ ዓለም ንመቐለ ተቘጻጺርካ ኢሉ ንመንግስቲ ክዅንኖ ኣይክእልን። ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ብግቡእ ክበጽሕ እንተዘይገይሩ እዮም ንመንግስቲ ክሓትዎ ዝኽእሉ።

“ምናልባት ማሕበረሰብ ዓለም ወይ ምዕራባውያን ክገብርዎ ዝኽእሉ ንኢትዮጵያ ልቓሕ ምኽልካል ጥራይ እዩ። በዚ ምኽንያት ዕጫኣ ኣብ ድኽነት ምንባር’ዩ ዝኸውን፡” ይብል በዓል ሞያ ሕጊ ሕቡራት ሃገራትን ዲፕሎማትን ነበር ኢትዮጵያዊ ባይሳ ዋቅዋያ።