ሕብረት ኣፍሪቃኸ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ደው ከብል ይኽእል ዶ?

ኦባሳንጆ ናብ ኣዳራሽ ዘተ ሰላም እናኣተወ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝወከሉ ልኡኻት ንዝርርብ ሰላም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣቕኒዖም ይላዘቡ ኣለዉ።

ዕላማ እዚ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተጸውዐ ዘተ ሰላም፡ እቲ ክልተ ዓመቱ ዘቝጸረን ህይወት ኣሸሓት ዝበልዐን ኲናት ትግራይ መፍትሒ ንምርካብ እዩ።

እዚ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ብሰላማዊ መገዲ ንኸብቅዕ፡ እዚ ጻዕሪ ናይ መጀመርታ'ኳ እንተዘይኰነ፡ ወከልቲ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ኣብ ሓደ መኣዲ ብወግዒ ክራኸቡ ግን ንፈለማ ግዜ እዩ።

ቅድም ክብል፡ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ንመራኸቢ ብዙሃን ክፉት ኣብ ዘይኰኑ መድረኻት፡ ሓደ-ክልተ ግዜ ተራኺቦም ከምዝነበሩ'ኳ እንተተገልጸ፡ ክልቲኦም ብወግዒ ብዛዕባኡ ዝተዛረብዎ ነገር የለን። እንተዀነ መራሕቲ ትግራይ ኣብ ሓደ-ሓደ መግለጺታቶም ጠቒሶምዎ ነይሮም።

እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት፡ ኣብ መንጐ ፌደራላዊ መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን 'ሰብኣዊ' ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ምስተበጽሐ፡ ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣንጻራዊ ሰላም ዓሲሉ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ግን፡ እቲ ውዕል ምቍራጽ ተጻብኦታት ፈሪሱ፡ ክልቲኦም ሓይልታት መሊሶም ንኣብ ሳልሳይ ዙር ኲናት ጥሒሎም ይርከቡ።

ኣብ ቀረባ ሰሙናት፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈላለያ ከተማታት ከምዝተቘጻጸሩን፡ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ነቶም 'ወረርቲ' ዝብልዎም ሓይልታት፡ ገቲኦምዎም ከምዘለዉን ይገልጹ።

ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝወሃቡ መግለጺታት ግን ዘዕግቡ ኣይኰኑን፤ ኣዝዩ ገዚፍ ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራ ይበጽሕ ከምዘሎን ሚልዮናት ንዘስክፍ ሓደጋ ተሳጢሖም ከምዘለውን ጸብጻባት ይሕብሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ እዩ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዘተ ሰላም ገጽ-ንገጽ ተራኺቦም ዝቐነዩ።

እዚ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምእዘን ዘተ ሰላም፡ ብብዙሕ ዘይተመለሱ ሕቶታት ዝተኸበበ ኰይኑ፡ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ኣሜሪካ ብቐረባ ትከታተሎ ከምዝዀነ ይእመን።

ልዝብ ሰላም እንታይ ክመስል ኣለዎ? ናይ ምዕዋት ተኽእሎ ኣሎ ዶ? ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ጐንጺ ንምፍታሕ ዘለዎ ዓቕሚ እንታይ ይመስል? እዞም ሕቶታት ብዝምልከት፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተንተንቲ ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለው።

ሓደ ዘተ ሰላም እንታይ ክመስል ኣለዎ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ያሬድ ሃይለማርያም ሓላፊ ማሕበር ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እዩ።

እዚ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል ዝርከቦም፡ ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ቅድሚ ምፍጻሙ፡ እቲ ገንጺ ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።

ያሬድ፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ እንተሃልዩ ወይ ድማ ብሰንኪ ምንኣስ ዓቕምን ካልእ ናብ ድርድር ንምእታው ዝደፍኡ ምኽንያታትን ዝግበር እንተዀይኑ ግን፡ "እዚ ዘተ ሰላም መሳርሒ እምበር ዕላማ ኣይኰነን" ይብል።

"እቲ ቀንዲ ነገር ኣብቲ ድርድር ካብ ልቢ ዝምንጩ ድሌት ሰላም ክህሉ ኣሎዎ" ኢሉ።

ተንታኒ ፖለቲካን ምሁር ሕግን፡ መሓሪ ታደለ ማሩ[ዶ/ር] ዳርጋ ተመሳሳሊ ሓሳብ ኣለዎ።

ንሱ፡ ውጽኢት ዘተ ሰላም ብዓቢኡ፡ ኣብ ባይታ ብዘሎ ወተሃደራዊ ክውንነት፡ ኣብ ፖለቲካዊ ድሌት ናይቶም ዝዋግኡ ውድባትን ተወፋይነት ማሕበረሰብ ዓለምን ዝምርኮስ ምዃኑ ይዛረብ።

እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ያሬድ፡ ኣብ ዝዀነ ዘተ ሰላም ልዕሊ ዅሉ 'ህላወ ቅንዕና' እዩ ዘቐድም።

"ሰባት ይውድኡ ኣለዉ። እታ ሃገር ትሳቐ ኣላ። ምእንቲ ረብሓ ሃገር እቲ ኲናት ጠጠው ክብል ኣለዎ ካብ ዝብል እንተዀይኑ፡ እቲ ዘተ ቀሊል ኣይከውንን እምበር፡ ነዊሕ ክጓዓዝ ይኽእል እዩ።”

ያሬድ ከም ዝብሎ፡ ድርድር ኣብ እንካን-ሃባን ዝምርኮስ ስለዝዀነ፡ ተዛተይቲ ነዚ ክዳለዉ ይግባእ።

"እቲ ልዝብ ግዜ ንምዕዳግ ዝግበር ስትራተጂ እንተዀይኑ ግን፡ እቲ ኲናት ደው ኣይብልን እዩ። ብሃብትን ግዜን ሰባት ምልጋጽ እዩ ዝኸውን” ኢሉ።

"ግርጭት 'ተፈጥሮኣዊ' እዩ። ቅንዕና ምስ ዝህሉ ግን ዕርቂ ኣሎ። ንህዝቢ ዝጠቅም እንታይ ምዃኑ ግልጺ እዩ፤ ሰላም ጥራይ እዩ።"

ያሬድ ከምዝብሎ፡ ዘተ ሰላም ኣብ ካልኦት ክፍላተ ዓለማት’ውን ይካየድ እዩ፣ እንተዀነ፡ ካብ ተላዘብቲ 'ቅንዕና' ስለዝጐድልን፡ 'ሕቡእ ኣጀንዳ' ሒዞም ናብ መኣዲ ዘተ ስለዝመጽኡን ይፈሽል።

'መስፍናዊ ሓቦ'፡ ክልቲኦም ሓይልታት ብሰናይ ድሌት ናብ ሜዳ ልዝብ ከይመጹ ይዓግቶም እዩ ኢሉ'ውን ይምጕት።

"ብዙሕ ግዜ ጸገም ሃገርና ኲናት ክሳብ መወዳእታ ምኻድ እዩ። ህዝቢ ተወዲኡ፡ ንብረት ሃገር ምስ ሃለቐ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ምስ ጠፍኡን ተዋጋእቲ ሓይልታት ምስ ወድኡ እዩ ናብ ሰላም ዝምጻእ።

እዚ ምስ ባህሊ'ታ ሃገር ዘራኽብ ነገር ከምዘለዎ ይዛረብ። እቶም ብፖለቲከኛታት ኣብ ዓውደ ውግእ ዝተሰለፉ መናእሰይ፡ ጥይትን ዓቕምን ክሳብ ዝውድኡን ይጽበዩ ኣለዉ፡ ዝብል እምነት ኣለዎ።

ንያሬድ ካልኦት ብዙሓትን፡ ኲናት ምስ ተጀመረ ብውልቈምን ብውዳበታቶምን ኣቢሎም ሰላም ክጽውዑ ከለዉ ነቐፌታ ኣጋጢምዎም እዩ።

"ሕጂ፡ ህዝቢ ምስ ጠፍአ፡ ሰባት ምስተጐድኡን ቁጠባ እታ ሃገር ምስ ዓነወን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ምስተዓመጻን ናብ ዘተ ሰላም ይምጻእ ኣሎ። ታሪኽ ባዕሉ ይደጋገም ኣሎ። እዚ ምስ ‘መስፈናዊ ሓቦ’ ዝተኣሳሰርን፡ ፖለቲካዊ ፍልልያት ብስልጡን መገዲ ናይ ዘይ ምፍታሕን ድሕረትን መርኣያ እዩ።

“ስልጡን መገዲ እንታይ ማለት እዩ?” ንዝብል እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብቲ ንሱ ዝነብረሉ ክፋል ኣውሮጳ እንታይ ከም ዘጋጠመ ንቤልጂም ከም ኣብነት ብምቕራብ ከረድእ ይፍትን።

"ንልዕሊ ሓሙሽተ ሽድሽተ ዓመታት ቤልጅም መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን ነይራ። እቶም ውድባት ፖለቲካ እውን ብዓሌት ተኸፋፊሎም ነበሩ። ደሓር ግን ኮፍ ኢሎም ተዘራሪቦም። መንበርን መነጽርን ምድርባይ ኣይነበረን። ንሽግራቶም ድማ ግዜ ሂቦሞ እሂን ምሂን ኢሎም። ምስ ኵሉ መኺሮም። ኣብ መወዳእታ ተመሊሶም ማእከላይ መንግስቲ መስሪቶም። ስልጡንነት ማለት እዚ እዩ።"

ሕቶ 'ዘይሻራዊነት' ሕብረት ኣፍሪቃ

ተንታኒ ፖለቲካ ዶ/ር መሓሪ፡ ዕዉትነት ሽምግልና ብኣውራኡ ኣብ ዘይሻራዊነት ሸምገልትን ስትራተጂታቶምን ከም ዝምርኮስ ይገልጽ።

እቲ መስርሕ ልዝብ፡ መሓውርን ኣጀንዳን፡ ኣካታዒ ጉዳያት ብኸመይ ቀዳምነት ከም ዝወሃቦምን ካልኦት ወሰንቲ ጉዳያት ኣለልዩ ዘተ ከም ዝውስንን ይዛረቡ።

"ሕብረት ኣፍሪቃ ከም ቀንዲ ሽማግለ፡ ንጹር ስትራተጂ ሒዙ ኣይቀረበን" ኢሉ ይነቅፍ እቲ ምሁር።

"እዚ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ዝብል ዶ/ር መሓሪ፡ "ግልጽነት ዝጐደሎ ሽምግልና ምድንጋር ይፈጥር እዩ። እዚ ድማ ንድርድር ሰላም ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ምትእምማ የስእን" ይብል።

ድሕሪ ምቍራጽ ተጻብኦታት መጋቢት 2014፡ ምስ ክልቲኦም ሓይልታት ናብ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ዝተራእየ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ፡ ነቲ ሽምግልና ኣየዐወተን ተባሂሉ እዩ ዝንቀፍ።

መራሕቲ ትግራይ ብዛዕባ ዘይሻራዊነት ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ተወካሊኡ ኦባሳንጆን፡ ሕቶታት ዘይሻራዊነት ከልዕሉ ይስምዑ እዮም።

"እቲ ትካል፡ ካልኦት ብኽልቲኦም ወገናት ቅቡላት ዝዀኑ መንጐኛታት ክሸይም ነይርዎ" ይብል ተንታኒ ፖለቲካ ዶ/ር መሓሪ።

"ምኽንያቱ ዘይሻራዊነት እምነ ኵርናዕ ሽምግልና ስለዝዀነ" ክብል የስምረሉ።

ሕብረት ኣፍሪቃን ጽልዋ ምዕራባውያንን

እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሓይልታት ወጻኢ፡ እቲ ድርድር ዕዉት ክኸውን ወይ ክወድቕ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ይብል።

ብዙሓት፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ ዘርእይዎ ዘለዉ ደገፍ ዝነኣድ'ኳ እንተዀነ፡ 'ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም እንተሃልዩ ረብሓና ክንስእን ኢና' ዝብሉ ክህልዉ ከምዝኽእሉ'ውን ይግምት።

ያሬድ፡ "ህላወ ህወሓት ኵሉ ግዜ ንመንግስቲ ኤርትራ ስግኣት'ዩ። ልዝብ ማለት ህወሓት ክቕጽል ይኽእል ማለት እዩ። ስለዚ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ዘተ ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል እዩ” ዝብል ስግኣት ኣለዎ።

እንተዀነ፡ ኤርትራ ኣብቲ ልዝባት ክትሳተፍ እትኽእለሉ መስርሕ ከምዘየለ ዶ/ር መሓሪ ይዛረብ።

“እዚ ውሽጣዊ ጉዳይ እዩ። ንኤርትራ ናብቲ ዘተ ምምጻእ፡ ዓለምለኻዊ ጉዳይ እዩ ክኸውን፡ ነቲ ዝርርብ ሰላም ዝበኣሰ ከተሓላልኾ ይኽእል እዩ፤ ከምኡ ንምግባር ዘኽእል መስርሕ ኣህጉራዊ ሕጊ'ውን የለን” ይብል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ልዝብ ብሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ክምእዘን ድሌት ከምዘለዎ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ኣብ ልዕሊ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ቅረታ ከንጸባርቑ ጸኒሖም።

መንግስቲ ፌደራል፡ 'ጸገማት ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን' ብዝብል መትከል፡ እቲ ልዝብ በቲ ሕብረት ክምራሕን ካብዚ ወጻኢ ዝግበር ዘተ ከምዘይቅበልን እዩ ዝኣምን።

ያሬድ፡ እዚ መትከል ‘ኣብ ኣፍሪቃ ንዘጋጥሙ ጸገማት ብኣፍሪቃውያን ምፍታሕ’ ምስ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ኲናት [ICC] ተኣሳሲሩ ዝመጽአ ምዃኑ የዘኻኽር።

ኣፍሪቃውያን ጥርጡራት ዓለምለኸ ገበናት፡ ብዙሕ ግዜ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ስለ ዝቐርቡ፡ 'ምዕራባውያን ነዚ ኣህጉራዊ ትካል ተጠቒሞም ንኣፍሪቃውያን ይቐጽዑ ኣለዉ' ካብ ዝብል ሓሳብ ዝመንጨወ እዩ።

"ብሓደ ወገን፡ ምዕራባውያን ነዚ ትካል ስለዝጥቀምሉ፡ እቲ መትከል ቅኑዕ ኣረኣእያ እዩ ኢልካ ክትሓስብ ትኽእል ኢኻ። ብኻልእ ገጽ ድማ ውልቀመለኽቲ ኣፍሪቃ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ከም ስትራተጂ ዝጥቀሙሉ ሜላ ክበሃል ይከኣል እዩ።"

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ሓምለ ናብ መቐለን ዑደት ዝገበሩ ማይክ ሃመር ወኪል ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝርከቡ ካልኦት ዓለምለኻውያን ወከልቲ ኣብ ክልል ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎት ብቕልጡፍ ክጅመር ከምዝሓተቱ ዝዝከር እዩ።

ተንታኒ ፖለቲካ መሓሪ ታደለ [ዶር/]፡ ነዚ ብምኽንያት ከረድእ እንከሎ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኦባሳንጆ "ካልእስ ይትረፍ ነዚ ጉዳይ [ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት] ከም ኣጀንዳ'ኳ ከልዕሎ ኣይከኣለን" ክብል ይነቅፍ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ንሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ክስሕብ ዘይምሕታቱ ናይ ተኣማንነት ሕቶ የልዕል እዩ፡ ይብል እቲ ምሁር።

ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብቕልጡፍ ክወጽኡ እዩ ብቐጻሊ ይሓትት ኣሎ።

ሰላም ኣምጺኡ ይፈልጥ ዶ?

ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ናብቲ ዘተ ምምጽኡ፡ ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለምለኸ ትካላትን ደገፎም ገሊጾም እዮም። ተስፋ ድማ ዝገበርሉ ይመስሉ።

ያሬድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዓንኬል እቲ ልዝብ ኣሎ'ኳ እንተተባህለ፡ "ኣብ ምቕራጽን ደገፍ ምሃብን ዝዓበየ ተራ ዝጻወቱ ዘለዉ ምዕራባውያንን ኣሜሪካን እዮም" ዝብል እምነት ኣለዎ።

"ሓቂ ንምዝራብ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ሰላም ኣብ ምፍጣር ዝፈሸለ ትካል እዩ። ምዕራባውያን፡ ኣብ ኮንጐ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ዳርፉር፡ ሶማልያ፡ ሴራልዮን ኢዶም ኣእትዮም ክሑምዙቑ እንከለዉ፡ ግደ እዚ ሕብረት ድኹም እዩ ነይሩ" ብምባል፡ ዓቕምን ተኽእሎን እቲ ሕብረት ትሑት ምዃኑ ይዛረብ።

ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዀነ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ ከብቅዕ፡ ክሽምግል ይኽእል ድዩ ዝብል ሕቶ ቀጻሊ እዩ ዝለዓል ዘሎ።

"ነናይ ባዕሎም ጸገማት ናይ ዘለዎም መንግስታት ሕብረት ስለዝዀነ ሰላም ናይ ምምጻእ ወይ ዲሞክራሲ ናይ ምምስራት ታሪኽ ዘለዎ ትካል ኣይኰነን። እዚ ድርድር እንተተዓዊቱ ግን ዓቢ ነገር ክኸውን'ዩ" ይብል እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ያሬድ።

ዝዀነ ኰይኑ፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት፡ ኣብታ ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ርእሰ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዀነት ፕሪቶርያ፡ ዝርርብ የካይዱ ኣለዉ።

ዋላ’ኳ እቲ ልዝብ ገና ኣብ ምጅማሩ እንተሃለወ፡ ብዙሓት ግን ብኣጋኡ ተስፋ ሰኒቘም ኣለዉ።