ንዘመናት ዝጸንሐ ጽውጽዋይ ጾታዊ ርክብን ድንግልናን

ሃይመን ኣብ ብዙሓት ሰባት እፈላለ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Prashanti Aswani

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ብዙሕ ባህልታት ሃይመን፡ ከም ምልክት ድንግልና ተገይሩ ይህሰብ

ሃይመን (hymen) ንመኽፈቲ ርሕሚ ብኸፊል ዝዓጹ፡ ህላወኡ ብባህሊ ከም ምልክት ድንግልና ዝውሰድን ሽፋን እዩ።

ገለ ሰባት "ኣኽሊል ርሕሚ" ወይ "vaginal corona" ብዝብል ስም ክልወጥ ኣለዎ ዝብልዎ እዚ ሽፋን፡ ሰባት ንዘመናት ክመራመሩሉን ክጭነቑሉን ጸኒሖም እዮም።

እሞ ብዛዕባ'ዚ ሽፋን ዝንገሩ ጽውጽዋያት ከመይ መኽተምታ ክንገብረሎም ንኽእል?

"ድንግል ድየ?" ዝብል ሕቶን ናይ ርሕሚ ስዕሊን ዝተለኣኸላ ኣቢር ሳራስ እንታይ ምላሽ ከምትህብ ናብ ድንገርገር የእትዋ። "ናይ ርሕሚ ሰልፊ" [ሰልፊ - ባዕላዊ ስእሊ] ክለኣኸላ እዚ ንመጀመርታ ግዜ'ዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣቢር ሳራስ ርክባትን ጾታዊ ርክብን ዝምልከት ትምህርቲ ዘቕርብ ‘ላቭ ማተርስ ዓረቢክ’ ዝበሃል ናይ ፌስቡክ ገጽ ኣመሓዳሪት ነይራ።

ሳራስ ነቲ መልእኽቲ ዝለኣኸት "ዓርኪ ስለዝነበራን ሕጂ ግን ትሕጸ ስለዘላ ድንግል ምዃና ክተረጋግጽ" ስለዝደለየት እያ።

ነቲ ስእሊ ጥራይ ብምርኣይ ድንግልናኣ “ከምዘይኸደ” ንኽተረጋግጸላ ድማ እዩ ድልየታ።

እዚ ንኽትገበር መንቀሊኣ፡ "ጓል ኣንስተይቲ ድንግል ኾይና ሓዳር ክትገበር ኣለዋ፤ እቲ ሰብኣያ እውን ደም ከምዝፈሰሳ ርእዩ ድንግል ከምዝኾነት ከረጋግጽ ኣለዎ" ካብ ዝብል ፀቕጢ እምነት ማሕበረሰባ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ሃይመን ወይ ሽፋን፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ጾታዊ ርክብ ፈጺማ ከምዘይትፈልጥ ዘመልክት ኣካላዊ "መርትዖ" ዝህብ መርመራ ድንግልና እዩ።

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ 2018፡ መርመራ ድንግልና ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝኾነ ውሳነ ምሕላፉ ይፍለጥ።

መርመራ ድንግልና ብዝተፈላለየ መገዲ ክግበር ይኽእል። ንኣብነት ብዝተፈላለየ ሜላ ነቲ ሃይመን ወይ ሽፋን ዝዕቅኑ ኣለዉ።

ደም ዝፈሰሶ ኣንሶላ እውን ከም መረጋገጺ ድግልና ይውሰድ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ እቲ ደም ዝፈሰሶ ኣንሶላ ኣብ ቅድሚ ስድራቤትን ዕዱማትን ቀሪቡ ዝረኣየሉ ኹነታት ኣሎ።

እዚ ሳይንሳዊ መሰረት የብሉን። ድንግልና ንባዕሉ ስነ-ህይወታዊ ክውንነት ዘይብሉ ማሕበራዊ ስርሒት እዩ።

ይኹን እምበር ኣብ መላእ ዓለም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ታሪኽ ጾታዊ ርክብ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኣካላ ተጻሒፉ ከምዝርከብን ኹለን ተፈጥሮኣዊ ደቂ ኣንስትዮ ንፈለማ ግዜ ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ ከለዋ ደም ከምዝፈሰንን ይኣምኑ።

ኽልቲኡ እዚ እምነት ሓቂ እንተዘይኮነ እኳ ከምዚ ዓይነት እምነታት ዘለዎም ቋንቋታት፣ ሃይማኖታትን ማሕበረሰባትን ኣለዉ።

‘ሉዚንግ ኢት’ ኣብ ዝብል መጽሓፈይ፡ እዞም ጽውጽዋያት ኣበይን ብመንን ይድገፉ? እዞም ጽውጽዋያት ክሳብ ሕጂ ዝእመነሎም ብሰንኪ ሕጽረት ሳይንሳዊ ምርምር ክኸውን ይኽእል’ዶ? ንዝብሉ ሕቶታት ምላሽ ክረክብ ፈተነ ገይረ።

ኮይኑ ግን እቲ ጽውጽዋይ ሓቂ ከምዘይኮነ ዘረጋገጹ ብዙሓት ሳይንሳዊ መጽናዕቲታት ረኺበ።

ብተወሳኺ እውን ነቲ ጽውጽዋይ ዝድግፉ ሓኻይም፣ ሓገግቲ ኣካላት ከምኡ’ውን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ትምህርቲ ጾታዊ ርክብ ብዛዕባ ድንግልና ቕኑዕ ሓበሬታ ምሉእ ብምሉእ ዕሽሽ ዝብሃለሎም ኹነታት ከምዘለዉ ፈሊጠ።

ረብሓ ሃይመን እንታይ እዩ?

ሃይመን ኣብ ጥቓ መኽፈቲ ርሕሚ ዝርከብ ንእሽቶን መምብራናዊ ኣካሊት ወይ ዓለባ (membranous tissue) እዩ። እዚ ዕላማ ዘይብሉ ዝመስል ንእሽቶ ኣካል ክንድዚ ዝኣክል ዘይጭቡጥ ዕላማ ክወሃቦ ኸሎ ብሓቂ ንምእማን ዘጸግም እዩ።

ፈለማ እቲ ሽፋን ስለምንታይ ኣብ ኣካል ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ክርከብ ኪኢሉ? ዝብል ተመራመርቲ 'ውን ዝካትዕሉ ጉዳይ እዩ።

ካብ ማይ ወጺኦም ኣብ መሬት ክነብሩ ካብ ዝጀመሩ ኣብ ቅድመ-ታሪኽ ካብ ዝነበሩ መጥበውቲ ፍጥረታት ዝተረፈ ድዩ? (ኣብ እዋናዊ ኣካል ወዲ ሰብ ዝፍለጥ ጠቓሚ ስራሕ ስለዘይብሎም ከም ኣፐንዲክስ (appendix)፡ ሓናት /tonsils/፡ ታሕተዋይ ክፋል ዓንዲ ሕቖ ዝርከብ ንእሽቶ ዓጽሚ /tailbone/ ዝኣመሰሉ ኣብ ከይዲ ፍልቀት (evolution) ተሰኪምናዮም ከምዝተረፍና ዝእመነሎም ኣካላት እዮም።) ወይስ ኣብ እዋን ውልዶነት፡ ባክተርያ ካብ ቀልቀል ናብ ርሕሚ ከይኣቱ ዝከላኸል ድዩ? ብሓቂ ዝፈልጥ ሰብ የለን።

ኣብ ገለ ካልኦት ፍጥረታት ዕላማ ዘለዎ ይመስል፤ ንኣብነት እቲ ሃይመን፡ ኣብ ጊሐ (guinea pig) ንምርባሕ ድልው ኽትኮን ከላ ይፈስስ ድሕሪኡ ምስ ወድአት ድማ ተመሊሱ ዳግማይ ይዓቢ። ኣብ ደቂ ሰባት ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመ የብሉን።

ብዙሓት ሰባት ብጌጋ፡ ሃይመን ንርሕሚ ጓል ኣንስተይቲ ዝሽፍን መዓጾ ከምዝኾነ ይኣምኑ። እዚ ማለት ግን እታ ጓል ኣንስተይቲ ወርሓዊ ጽግያት ኽፈሳ ኣይኽእልን ማለት ከም ዝኾነ ኣይግንዘቡን።

መብዛሕትኦም ሽፋናት ቀለቤታዊ ወይ ፍርቂ ወርሒ ዝመስል ቅርጺ ኣለዎም። ዝተፈላለየ ቅጥኒን ርጉድን እውን ክህልዎም ይኽእል።

ምስ ዕድመ ክቕየር ከም ዝኽእል፡ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ብዘይ ብኡ ከምዝውለዳ፡ ወይ ስርጸት ዘለዎ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ቅድሚ ምጅማርና ብዝኾነ ምኽንያት ክጠፍእ ከም ዝኽእል ንፈልጥ ሰባት ውሑዳት ኢና።

እቲ ሃይመን ወይ ሽፋን፡ ምውስዋስ ኣካላት፣ ስጡም ጾታዊ ርክብ ወይ ካልኦት ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኣብ ንፍጽመሉ እዋን ክዝርጋሕ ወይ ክቕደድ ይኽእል እዩ።

እዚ ማለት ግን ጾታዊ ንጥፈታት ብመርመራ ሃይመን ምርግጋጽ ይካኣል እዩ ዝብል ሓሳብ ቅኑዕነት ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ 2004 ዝተሓትመ ሓደ ንእሽቶ መጽናዕቲ፡ ካብ 36 ነፍሰጾራት ሰራሕተኛታት ሕክምና ኣብ እተን ክልተ ጥራይ "ውዱእ ርኽበታት ስርጸት" ከረጋግጹ ከምዝኸኣሉ ይሕብር።

ካልእ ኣብ 2004 ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ቃለ መሕትት ካብ ዝተገብረለን ጾታዊ ርክብ ዝፍጽማ ኣዋልድ፡ እተን 52 ምኢታዊት "ኣብቲ ሃይመን ወይ ሽፋን ዝኾነ ይኹን ምልክት ለውጢ ከምዘይብለን" የመልክት።

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ጾታዊ ርክብ ትፍጽም እንተኾይና ሃይመን የብላን ወይ ድማ ጾታዊ ርክብ ዘይትፍጽም እንተኾይና ሃይመን ኣለዋ ዝብል ሓሳብ ቅኑዕ ኣይኮነን።

ኣብ ብዙሓት ባህልታት፡ ኣብ ኣንሶላ ዝፈሰሰ ደም ምልክት ምኻድ ድንግልና ይርአ፡ ሓደ መጽናዕቲ ግን ካብ 10 ደቂ ኣንስትዮ ኣብተን ሽዱሽተ ደም ዘይክፈሰን ከምዝኽእል የረጋግጽ

ምንጪ ስእሊ, Prashanti Aswani

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ብዙሓት ባህልታት፡ ኣብ ኣንሶላ ዝፈሰሰ ደም ከም ምልክት ምኻድ ድንግልና ተገይሩ ይእመን

ደም ዝፈሰሶ ኣንሶላ

ደም ዝፈሰሶ ኣንሶላ፡ ሰባት ኣብ መላእ ዓለም ዝጥቀሙሉ ዓይነት መርመራ ድንግልና’ውን ኣብ ሓሶት ዝተመርኮሰ ይኸውን።

ገለ ሃይመን፡ እቲ ተግባር ምርመራ ሃንደበታዊ እንተኾይኑ ወይ እታ ጓል ኣንስተይቲ እንተዘይተዛንያ ንመጀመርታ ግዜ ክዝርጋሕ ከሎ ደም ክፈስስ ይኽእል።

ብሓቂ ግን ዝኾነ ደም፡ ብሰንኪ ብሓይሊ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ወይ ሰንኪ ዋሕዲ ፈሳሲ ብዝህሉ ምፍሕፋሕ ብዝፍጠር ቁስሊ፡ ናብ ርሕሚ ናይ ምፍሳስ ተኽእሎኡ ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ።

ንመጀመርታ ግዜ ብዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ደም ክፈስስ ወይ ዘይክፈስስ ይኽእል። ልክዕ ከምቲ ካብ ዝኾነ ግዜ ጾታዊ ርክብ ዝፈስስ ደም ክኸውን ወይ ዘይክኸውን ይኽእል።

ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ምፍሳስ ደም ካብ ዘስዕቡ ምኽንያታት፡ ጭንቀት ስምዒት፣ ምሉእ ብምሉእ ዘይምልዕዓል ወይ ረኽሲ ዝኣመሰሉ ይርከብዎም።

ሓንቲ ሓኪም ማህጸን፡ ንመጀመርታ ግዜጾታዊ ርክብ ኣብ ዝፈጸማሉ እዋን ደም ፈሲስወን ድዩ ኣይፈሰሰንን ኢላ ካብ ዝሓተተተን ን41 መሳርሕታ እተን 63 ሚእታዊት ከምዘይፈሰሰን ገሊጸን እየን።

ኣብ ቱርኪ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲክለ ኣብ 2011 ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ልዕሊ 72 ደቂ ኣንስትዮን 74.2 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮን፡ ሃይመን ምልክት ድንግልና ምዃኑ ይኣምኑ። 30.1 ሚኢታዊት ካብቶም ደቂ ተባዕትዮ "ደም ዝፈሰሶ ኣንሶላ" ድሕሪ መርዓ ብስድራቤት ክረኣይ ከምዘለዎ ገሊጾም።

እዚ ድማ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኣወንታዊ ጾታዊ ጥዕና ንምርካብ ዓሚቝ ጽልዋ ከሕድር፣ ጾታዊ መንነተን ከይድህስሳን ኣብ ዙርያ ጾታዊ ርክብ ክጭነቓን ክገብረን ይኽእል።

ኣብ ግብጺ ከተማ ጊዛ ዝተኻየደ ማሕበራዊ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ መብዛሕትአን ቃለ መሕትት ዝተገብረለን ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ምሸት መርዓአን ጭንቀትን ፍርሕን፡ ከምኡ’ውን ኣብ እዋን መርዓአን ቃንዛን ስንባደን ከም ዘጋጠመን የረጋግጽ።

ካብ 2013 ጀሚሩ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ዳርጋ 43 ሚኢታዊት ካብተን ቃለ መሕትት ዝተገብረለን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ምሸት መርዓአን ደም ከይፈሰሰ ከይቐርይ ብምፍራሕ፡ ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ከምዘይፍጽማ ገሊጸን።

ካልእ ካብ ሊባኖስ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ካብተን ቃለ መሕትት ዝተገብረለን 416 ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣስታት 40 ሚኢታዊት ዝኾና ድንግልናአን ንምዕቃብ ክብላ ብመሃንቱስ ወይ ብኣፍ ጾታዊ ርክብ ከም ዝፍጽማ ሓቢረን።

ኣብ መጽናዕተይ፡ ደቂ ኣንስትዮ ግብረ-ሕቡእ ['ማስተርቤሽን']፡ ሃይመነን ክኸይድ ገይሩ ከይኾን ዝፈርሓ ወይ ድማ ብሰንኪ እዚ ሕርመን ንምትንካፍ ኣዝየን ዝፈርሓ ደቂ ኣንስትዮ ብኢንተርነት ዝዘርግሖኦ ማእለያ ዘይብሉ ሓበሬታ ረኺበ እየ።

እቲ ጽውጽዋይ ሃይመን፡ ንጾታዊ ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኮነስ ንማዕርነተን እውን ዝጸሉ እዩ፤ ፍትሒ ንኸይረኽባ ክዕንቅፍ ይኽእል።

ፓኪስታን፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ንግህሰት ዝተፈጸመን ደቂ ኣንስትዮ ትገብሮ መርመራ ድንግልና ኣብ ቀረባ እዋን እያ ኣጊዳቶ።

ብፍላይ ኣብ ኤስያ፣ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜናውን ደቡባውን ኣፍሪቃን ሓያሎ ሃገራት ክሳብ ሕጂ ምርመራ ድንግልና ይፍጽማ እየን።

ጽገና ድንግልና

ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽማ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ እዋን መርዓ ድንግል ኣይኮንክንን ከይበሃላ ኣዝየን ይፈርሓ እየን።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ንኸምዚአን ዝኣመሰላ ደቂ ኣንስትዮ መጥባሕቲ ጽገና ሃይመን ወይ ‘ድንግልና’ ብምሃብ ዝኸስቡ ብዙሓት ሓኻይም ኣለዉ። መጽሓፈይ ኣብ ዝጽሕፈሉ እዋን፡ ንሓደ ኣብ ለንደን መጥባሕቲ ዝገብር ሓኪም ብዛዕባ መርመራ ድንግልና ኢመይል ሰዲደሉ ነይረ።

እቲ ተሓባባሪኡ፡ 390 ዶላር ከፊለ ሃይመን ከምዘይኸደኒ መረጋገጺ ክረክብ ከምዝኽእል ኣረጋጊጹለይ።

ሃይመን ከይዱ እንተኾይኑ ድማ ብ7,000 ዶላር መጥባሕቲ ጽገና ክግበረለይ ከምዝኽእልን ብድሕሪኡ ድማ ሃይመነይ ከምዘሎ ዘረጋግጽ ጸብጻብ ሕክምና ክወሃበኒ ከምዝኽእል ሓቢሩኒ።

ኣብ ጥሪ 2022 ፖሊቲከኛታት ብሪጣንያ፡ መጥባሕቲ ጽገና ሃይመን ወይ ‘ድንግልና' ዘይሕጋዊ ንክኾን ወሲኖም ኣለዉ። ይኹን እምበር ገለ ሓካይም መጥባሕቲ ክሳብ መወዳእታ ከምዝቃለሱ ዝገለፁ ኮይኖም፡ ኣገልግሎት ይህቡ ከምዘለዉ'ውን ንጹር እዩ።

ኣብ ኢንተርነት፡ ሓደ ናይ ለንደን መጥባሕቲ ሓኪም፡ ጽገና ሃይመን "ብሰንኪ ጾታዊ ርክብ ወይ ኣድካሚ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ርሕሚ ጉድኣት ንዘጋጥመን ደቂኣንስትዮ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል።

(ብርግጽ፡ ሃይመን ዝኾነ ስነ-ህይወታዊ ዕላማ ዘይብሉ እንተኾይኑ፡ ከምዚ ዓይነት ተጻባኢ መጥባሕቲ እንታይ ረብሓ ይህልዎ?)

ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ መርበብ ሓበሬታታት ክሊኒካት እውን ሓሶታት እናተዘርግሐ ይርከብ። ሓደ ሊባኖሳዊ ሓኪም መጥባሕቲ፡ "ጽገና ሃይመን ዝግበር፡ ድንግልናኣ ንምምላስ'ዩ" ይብል።

ካልእ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ሓኪም እውን፡ "ጽገና ሃይመን፡ ንርሕሚ ናብቲ ፈለማ ዝነበረሉ 'ድንግል' ኩነታት ምምላስ'ዩ" ክብል ይገልፅ።

ስለዚ ጽውጽዋይ ሃይመን ብኸመይ የኸትም? ንገለ ካብዚ መጽናዕቲ ኣቓልቦ ምሃብ፡ ከምኡ’ውን መርመራ ድንግልና ዝምልከት ሕጋዊ መስርሕ ምምሕያሽ፡ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ንሰባት ከይደናገሩ ምክልኻልን ከም መበገሲ ክኸውን ይኽእል።

እቲ ጸገም፡ ብዙሓት ካብዞም ሓሳባት ኣብ ወለዶታት ዝሰረቱ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ሳይንስ ኣፍልጦ ዘይህቦ ሓሳባት ዝድግፉ እዮም።

ብባህላዊ ሓሳብ ድንግልና ትኣምኑ ከምኡ’ውን ንጾታዊ ዘይምዕሩይነት ትድግፉ እንተደኣ ኾይንኩም፡ ካብኡ ወጻኢ ንኽትሓስቡ መሬት ዘንቀጥቅጥ ማሕበረሰባዊ ለውጢ ክመጽእ ከድሊ ክኾን ይኽእል እዩ።

ገለ ሰባት፡ ነቲ ጽውጽዋይ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምኽታም ዝሕግዝ ሓደ መገዲ፡ ስም ናይቲ ሃይመን ምሉእ ብምሉእ ምቕያር ምዃኑ ይኣምኑ።

ዓረብን ቸክን ሓዊሱ ብዙሓት ቋንቋታት ቃል ብቓሉ "ሽፋን ድንግልና" ኢሎም ዝሰምይዎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ጽቡቕ ሓሳብ ይመስል።

ከም "ኣኽሊል ሕርሚ" ወይ "vaginal corona" ዝኣመሰለ ኣማራጺ ስም ምጥቃም ምስ ምቕያር ግጉይ ኣረኣእያታት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ይኸየድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Prashanti Aswani

መግለጺ ስእሊ, ከም "ኣኽሊል ሕርሚ" ዝኣመሰለ ኣማራጺ ምጥቃም ምስ ምቕያር ግጉይ ኣረኣእያታት ይተሓሓዝ

ብርግጽ፡ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ንሃይመን ሓዱሽ መጸውዒ ስም ምሃብ፡ ብሓቂ ኣብ ምቕያር ኣረኣእያታት ክሰርሕ ይኽእል እዩ።

ኣብ 2009 ማሕበር ትምህርቲ ጾታዊ ርክብ ሽወደን፡ ነቲ "ሽፋን ድንግልና" ዝብል ትርጉም ዝህብ ‘mödomshinna’ ዝብል ቃል ብ"ኣኽሊል ርሕሚ" ‘slidkrans’ ክቕይሮ ወሲኑ።

ኣብ በረርቲ ፅሑፋት ኣገልግሎት ጾታዊ ጥዕና፣ ጋዜጣታት፣ ወግዓዊ ኣካል ውጥን ቋንቋ ሽወደንን ኣብ ኩሉ መጻኢ ርክባት ናይቲ ማሕበርን ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ቦታ ክጥቀሙሉ ጀሚሮም።

ዳርጋ ድሕሪ 10 ዓመታት፡ ተመራማሪት ካሪን ሚልስ፡ 86 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ስርሖም "ኣኽሊል ርሕሚ" ዝብል ቃል ከምዝተጠቕሙ ትገልጽ።

ቁጽሪ እቶም ከምቲ እቲ ቅድም ክብል ዝነበረ ኣረኣእያ ሃይመን ዝኣምኑ ሰባት ኣዝዩ እናውሓደ እዩ ኸይዱ።

መብዛሕትኦም ን‘mödomshinna’ "ጽውጽዋይ" ኢሎም ገሊጾሞ። ካልኦት ድማ "ከምኡ ዝበሃል ነገር የለን" ክብሉ ምላሽ ሂቦም።

ለውጢ ቋንቋ ብሓደ ለይቲ ኣይፍጸምን፡ ግን ከኣ ጅማሮ እዩ። ንሕና እውን "ኣኽሊል ርሕሚ" ክነተኣታቱ ኣለና ዝብሉ ብዙሓት ናይ ጾታዊ ርክብ መምህራን ኣለዉ።

ሽወደናውያን ዓብዪ ዓወት ዝረኸቡሉ ምኽንያት ቃል ምቕያሮም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንምንታይ ከምዝቐየሩ እውን መንእሰያትን ሰብሞያ ሕክምናን ክርድኡ ስለዝገበሩ እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መንግስታት ከም መርመራ ድንግልናን ጽገና ሃይመንን ዝኣመሰሉ ተግባራት ንምእጋድ ዝያዳ ተገዳስነት ኣብ ዘርእይሉ እዋን እቲ ድሕሪ እገዳ ዘሎ ምኽንያታትእውን ናብ ክፍልታት ቤት ትምህርቲን ኣዳራሻት ኣስተምህሮን ክኣቱ ኽገብሩ ኣለዎም።

በዚ ኸምዚ፡ እዞም ሓደገኛታት ጽውጽዋያት እዚኣቶም ድሕሪ ደጊም ንኸይስምዖም ክንገብር ንኽእል ንኸውን።

[* እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ካብታ ‘ሎዚንግ ኢት፡ ሴክስ ኢጁኬሽን ፎር ዘ 21ስት ሴንቹሪ’ ትብል መጽሓፍ ዝተወስደ እዩ።]