ትግራይ፡ ንልዕሊ 2.2 ሚልዮን ሰባት ረድኤት ከምዝዓደለ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ካብ ሕዳር 2022 ጀሚሩ ኣብ ክልል ትግራይ ንልዕሊ 2.2 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ረድኤት ከብጽሕ ከምዝኸኣለ ገሊጹ።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ካብ ዝግበር ንደሓር፡ ረድኤት ናብ ትግራይ ይኣቱ ከምዘሎን ካብ መፋርቕ ሕዳር ክሳዕ መወዳእታ ታሕሳስ፡ ልዕሊ 3,000፡ ምግቢ፡ መድሃኒት፡ መጽለሊ፡ ማይን ካልእን ዝጸዓና መካይን ብኣርባዕተ መገዲ ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ኦቻ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ገለ ቀረባት ጥዕናን መኣዛዊ ምግብን ከኣ ብኣየር’ውን ከምዝተልኣኸ ገሊጹ።
ናብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ሰሜን ትግራይን ካብ ቀንዲ መስመር ጽርጊያ ርሕቕ ዝበሉ ከባቢታትን ንምብጻሕ ግና ሕጂ’ውን ፈታኒ ምዃኑ ጠቒሱ።
“መኣዛዊ ምግቢ ሕጂ’ውን ኣስጋኢ ኮይኑ ቀጺሉ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ መርመራ ካብ ዝተገበረሎም ህጻናት፡ ሓደ ሲሶ፡ ሕጽረት መኣዛዊ ምግቢ ከምዘለዎምን ካብ መንጎኦም እቶም 4 ሚእታዊት ኣዝዮም ዝማሰኑ እዮም” ይብል።
ኣብ ትግራይ ኣብ መዳይ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዳግም ምጅማር፡ ምምሕያሻት ከምዘሎ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ ኦቻ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ መቐለን ሽረን በረራ ምጅማሩ፡ ኣገልግሎት ባንክ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ከምኡ’ውን ኣገልግሎታተ ቴለኮሚኒኬሽንን መብራህትን ምጅማሩ ዘተባብዕ ምዃኑ ይገልጽ።
እንተኾነ ግና ምሉእ ኣገልግሎት ባንክ፡ ህዝባዊ መጉዓዝያን ንግዳዊ ቀረባትን ጌና ከምዘይጀመረ ሓቢሩ።
“ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘሎ ጠለባት ሰብኣዊ ረድኤት ሕጂ’ውን ልዑል እዩ። ምግብን ካልእ ሓገዛትን እኳ እንተቐጸሉ ነበርቲ ናብ መንበሪ ቤቶም ዝተመለሱ ዝርከብዎም ካልኦት ከባቢታት ሃጓፋት ይረአ’ዩ” ይብል።
ብዘይካ’ቲ ብኲናት ሓድሕድ ዝተሃሰየ ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምብራቕን ደቡባውን ክፋል እታ ሃገር፡ ድርቂ ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩ ምህላው እቲ መግለጺ የረድእ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ድርቂ 12 ሚልዮን ሰባት ሕጽረት ምግቢ ገጢምዎም ከምዘሎን 8 ሚልዮን ሰባት ናይ ማይን ናይ ጽሬት መሐለዊ ድጋፍን ከምዘድልዮም ተገሊጹ እዩ።
ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ዝተኸሰተ ሕማም ሸሮኽ፡ ጌና ኣስጋኢ ምዃኑ መግለጺ ኦቻ ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







