ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ብኸመይ ካብ ዓዘቕቲ ኲናትን ቅርሕንትን ክወጽኡ ይኽእሉ?

11 መስከረም 2018 ኣብ ጽንብል ምኽፋት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከባቢ ዛላንበሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, 11 መስከረም 2018 ኣብ ጽንብል ምኽፋት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከባቢ ዛላንበሳ

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነዊሕ ሓባራዊ ታሪኽን ነጻጺልካ ክትርእዮ ዝኸብድ ምትእስሳርን ዘለዎም ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን፡ ንዝሓለፈ ፍርቂ ክፍለ ዘበን ብኲናትን ኵነተ ኲናትን ክደምዩ ጸኒሖም ኣለው።

ኣብ ገለኡ ንነጻነትን ፍትሕን ሓባራዊ ቃልሲ ከካይዱ፡ ብድሕሪኡ ብዶባዊ ምስምስን ፖለቲካውን ቁጠባዊ ቁርቁስን ብዝኣመሰሉ ምኽኒታት ብዝተወልዑ ኲናታት ኣደዳ ሞት፡ ዕንወትን ስደትን ክዀኑ ጸኒሖም እዮም።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ፡ ኣብ መንጐ ህወሓትን ፈደራል መንግስቲን ዝተወልዐ ኲናት፡ ኤርትራ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወጊና ኣብቲ ውግእ ብምጽንባራ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ብእኡ መጠን ተሓላሊኹ ይርከብ።

እቲ ብፖለቲከኛታት ዝተኣጕደ ኲናት ኣብ ህዝቢ እውን ጽልእን ቅርሕትን ፈጢሩ ነቲ ታሪኻዊ ዝምድና ባሕጒጕዎ ኣሎ።

ክልቲኡ ጐረባብቲ ህዝቢ፡ ትስፉው መጻኢ ዕድላቱ ከውሕስ፡ ንሓድሕዱ ተሳንዩን ተኸባቢሩን ክነብር፡ ነቲ ፖለቲከኛታትን ልሂቃንን ዘጓሃህርዎ ጽልእን ቅርሕንትን ነጺጉ፡ ብባህላዊ ክብርታቱን እምነቱን ክምእዘን፡ ብልቦናኡ ክዕረቕ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ቢቢሲ ንኽልተ ምሁራትን ሞያውያንን - ፕሮፌሰር ጌታቸው ካብ ካናዳ ከምኡ’ውን ጋዜጠኛ ኻልድ ዓብዱ ካብ ሽወደን ኣዘራሪቡ’ሎ፤

ፕሮፌሰር ጌታቸው

ምንጪ ስእሊ, UMD

ድሕረ ባይታ

ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ምእንቲ ሰብኣዊ መሰሎምን ክብረቶምን ተደጋጊፎም ኣብ ዘካየድዎ ሓባራዊ ቃልሲ ከቢድ ዋጋ ምኽፋሎም ዝገልጽ ፕሮፌሰር ጌታቸው፡ እቲ ዝተኸፍለ ኵለንትናዊ ዋጋ ሰላምን ዕብየትን ንምርግጋጽ ከምዝነበረ ይኣምን።

ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ግን ከቢድ ዋጋ ተኸፊሉ ከብቅዕ ምስቲ ዝተኸፍለ ዋጋ ዝመጣጠን ሰላም፡ ኣኽብሮ ሰብኣዊ መሰላት፡ ፍትሕን ዕብየትን ከምዘይተረኽበ ጋዜጠኛ ኻልድ ይገልጽ።

እቲ ንዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ብመሰረቱ ዝቐየረ፡ እቲ ኣብ 1998 ብዶብ ተመኽንዩ ዝተወልዐ ኲናት እዩ። እቲ ብዙሓት ዘይገመትዎ፡ ካብ ንኡስ ናይ ዶብ ግጭት ሰጊሩ ናብ ምሉእ ኲናት ዝዓረገ፡ ኣብ ምጅማሩ ብኣጋ ዝፍታሕ ዝመስል ዝነበረ ግጭት፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ኣኸቲሉ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

“ክልቲኦም ወገናት ብዙሕ ሰብ ከሲሮም፤ ብዙሕ ንብረት ዓንዩ፡፡ ዝርዝር ሓበሬታ’ኳ እንተዘይሃለወኒ ኣብ ኤርትራ፡ እቲ መንእሰይ ብኲናትን ኵነተ ኲናትን ካብ ብዙሕ ነገር ተሪፉ። ምስ ኤርትራ ዝዋሰና ከባቢታት ትግራይ፡ ካብዝን ካብትን ከይኰና ካብ ንግዳዊ ምንቅስቓስን ካልእን ተሪፈን” ይብል ፕሮፈሰር ጌታቸው።

እዚ ኵነታት እናተሓላለኸ ምስ ከደ፡ ፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ ፍጹም ተደዊኑ። መንግስቲ በቲ ዝተፈጥረ ኲናትን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ኵነተ ኲናትን ኣሳቢቡ፡ ንዅሉ ፖለቲካዊ ምዕባለታት “ኣብ ኲናት ኢና ዘለና፣ ኣይግዚኡን እዩ” ብዝብሉ መመኽነይታታት ንዅሉ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምዕባለታት ዕድል ከሊኡ፣ ለውጢ ንዝሓተቱ ላዕለዎት ሓለፍትን ጋዜጠኛታትን ብምእሳር፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ስልጣን ንኽብሕት ከም ዕድል ከም ዝተጠቕመሉ ጋዜጠኛ ኻልድ ንድሕሪት ተመሊሱ የረድእ።

ኣብ 2018 ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ስልጣን ዝደየበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ነቲ ን 20 ዓመታት ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ መንደቕ ስቕታ ንምፍራስ ዝወሰዶ ተበግሶ ሽልማት ኖቤል ዘኽሰቦን ታሪኽ ኲናት ዘብቅዓሉ ኣጋጣሚ ከምዝኸውንን ተስፋ ዝሃበ እዋን ከም ዝነበረ፡ ፕሮፌሰር ጌታቸው ይዝክር።

ዶብ ክልቲኡ ሃገራት ኣብ ዝተኸፍተሉ እዋን ከም ዝተራእየ ብፍላይ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን መራሕቱ ካብ ዝፈጥርዎ ፍልልያት ወጻኢ ጽልእን ቂምታን ከም ዘይብሉ ዝተራእየሉ ኣጋጣሚ ምንባሩ ኸኣ፡ ክልቲኦም - ፕሮፌሰር ጌታቸውን ጋዜጠኛ ኻልድን ይሰማምዑ።

ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ን20 ዓመታት ተማዓድዮም ዝነበሩ ቀረባ ዓጽመ ስጋ ጐረባብቲ ኣህዛብ ኣብ ጽንብል እቲ ዕርቀ ሰላም ንዓለም ብዘደነቐ ፍቕርን ናፍቘትን ጸምቢሎምዎ። እቶም ኣብ ድፍዓት ተፋጢጦም ዝነበሩ ወተሃደራት ከይተረፈ ነቲ ናይ ሰላም ሃዋህው ብፍሽኽታ ኣድሚቘምዎ።

ነቲ ኵነታት ዝተዓዘቡ ወጻእተኛታት ደጊም እዘን ክልተ ሃገራት ካብ ሕሉፈን ተማሂረን ኣብ ጐደና ዕብየትን ምዕባለን ሓቢረን ክስጕማ እየን ክሳብ ምባል በጺሖም። እንተዀነ እቲ ብፍቕሪ ፈሪሱ ዝተባህለ ሓጹር ዶባት ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ እንደገና ምስ ተዓጽወ ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዝነብር ህዝቢ ሰምቢዱ።

ሓድሽ ዙር ኲናትን ዝፈጠሮ ምትፍናንን

ጋዜጠኛ ኻልድ ዓብዱ

ምንጪ ስእሊ, KA

መግለጺ ስእሊ, ጋዜጠኛ ኻልድ ዓብዱ

ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ መንጐ መንግስታት ኢትዮጵያን ትግራይን ካልእ ዙር ደም ምፍሳስን ስቓይን ዘስዓበ ኲናት ምስተወልዐ ኵሉ ሰብ ከምዝሰንበደ ፕሮፈሰር ጌታቸው ይገልጽ።

ጋዜጠኛ ኻልድ ኣተሓሒዙ፡ “ኢሰያስ ግን፡ ዳርጋ ንዕስራ ዓመት ተጸብዩ፡ ዕድል ኣብ ዝረኸበሉ ነታ ሃገር ናብ ዓዘቕቲ ኲናት መሊሱዋ፤ ብዝኸፍአ መልክዑ ኸኣ ኣብቲ ህዝብታት ምቅሕሓር ክፍጠርን ክዓሙቕን ጠንቂ ኰይኑ እዩ፡” ይብል።

እቲ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ውጽኢት ናይቲ ብወገን ኤርትራ፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጲያ “ሕጽቦ’ ንምክያድ፡ ዕላማ ገይሩ ‘ገይም ኦቨር’ ብዝብል ዝጀመረ ኣካያዳን ምትእትታውን ዝመበገሲኡ እዩ፡ ክብል ከኣ ይውስኽ።

ብመሰረት ኣበሃህላ ኻልድ፡ እቲ ኣተሓሳስባ ኣጠማምታ እቲ ፕረዚደንት ኣብዚ ዞባ፡ ኣብ ኤርትራ ደው ኢልካ ጉዳይ ሃገርካ ምግባር ኣይኰነን፤ እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት - ኣብ ቃለ መጠይቓቱን፡ ካብ መጋድልቱን ከም ዝተጋህደ ‘ኵሉ ግዜ ንኤርትራ ጨቢጡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ግደ ክህልዎ እዩ ዝቃለስ፣ ካብኡ ኸኣ ኣብዚ ዞባ ንሱ ዝቕልሶ ኪዳን ክፈጥር እዩ ዝሓልም. . .፤ እዚ ኸኣ እቲ ቀንዲ ምንጪ ናይዚ ኵሉ ቅልውላው እዩ ይብል።

እንተዀነ፡ ካብ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መዳያት ሓሊፉ ናብቲ ህዝቢ ምውራዱ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ፡ ጋዜጠኛን ተንታንን ኻልድ ዓብዱ እቲ ቀንዲ ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ኣብቲ ኲናት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓጊዞም ዝተሳተፉ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ዘረፋን ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።

ምስኡ ኣተሓሒዙ እቲ ብዙሓት ከተማታት ትግራይ ድሕሪ ምቍጽጻር ዝተገብረ፡ ብዝተፈላለየ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ዝተነግረ ግፍዒታት ነይሩ፤ ነዚ ኸኣ፡ ነቲ ግዳይ ዝዀነ ሰላማዊ ህዝቢ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ክዅነን ዝግባኦ ነገራት እናሃለወ ንዕኡ ገዲፍካ፡ ‘ሰራዊት ኤርትራ ከምዚ ኣይገብርን እዩ. . . ናብ ዝብል ምጕትን ህልኽን ምእታው እቲ መዓት ዝወረዶ ህዝቢ ክቕየምን ገይርዎ እዩ፡ ይብል ጋዜጠኛ ኻልድ።

 “. . . ዘስካሕክሕ ጽንተት ዝወረዳን ዝወርዳ ዘሎን ትግራይ እያ” ዝብል ፕሮፈሰር ጌታቸው፡ “ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባር፡ ወላዲ፡ ዓበይቲ ሰባት ኵሉ ታሪኾም ምስ ኲናት ዝተተሓሓዘ ኰይኑ” ብምባል ብወገን ኤርትራ እውን ቀሊል ዘይኰነ ጕድኣት ከምዘሎ ይገልጽ።

እዚ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት፡ ንመጻእቲ ወለዶ ብዙሕ ሳዕቤን ዘምጽእ ነገር ኰይኑ እናተሓላለኸ ይኸይድ ከም ዘሎ፡ ክልቲኦም ወሃብቲ ርእይቶ ይሰማምዑ።

“(እቶም ህዝብታት) ብዙሕ ነገር እዮም ስኢኖም። ብገንዘብ፡ ብንብረት ጥራይ ዝግለጽ ኣይኮነን፤ እቲ ስነ ልቦና፡ ማሕበራዊ ምትእስሳር ኵሉ፡ ገሊኡ ክምለስ ብዘይክእል መልክዑ ኰነ ተባሂሉ ዝዓነወሉ ኵነታት እዩ ዘሎ፡” ይብል ፕሮፈሰር ጌታቸው።

ኻልድ ብተመሳሳሊ፡ እቲ ብሰንክ’ቲ ኲናት፡ ንሱ ዝፈጠሮ ምትሕልላኻትን ካብ ፖለቲከኛታትን መራሕትን ወጺኡ ናብ ህዝቢ ስለዝኣተወ፡ ሳዕቤናቱ ንናይ መጻኢ ሰላምን ሓቢርካ ምንባር ክልቲኡ ህዝብታትን ኣሰካፊ ምዃኑ የረድእ።

ኣተሓሒዙ፡ እቲ ኣብ እዋን ኲናት ንፕሮፓጋንዳ ፖለቲካ መራሕትን ተባሂሉ ተቐናቢሩ ዝወሃብ ነዝሒታት፡ ህዝቢ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሜድያ ዘለዉ ሰባት ንነዊሕ ብዝጥምት ልቦናን ጥንቃቐን ክሕዝዎ ከም ዝግባእ የዘኻኽር።

ብኸመይ ደኣሉ ካብዚ ዓዘቕትን ምትፍናንን ዝውጻእ?

ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ኣትሒዝካ ብኽልቲኡ ወገን ብፍላይ ኣብ ደገ ዝነብሩ ዜጋታትን ‘ኣክቲቪስትን’ ካብቲ ሳዕቤን ሰብኣዊ ዕንወት እቲ ኲናት ብዝረሓቐ፡ ኣብ ፕሮፓጋንዳ ተጸሚድካ ጽልኢን ምንዕዓቕን ዘንጸባርቕ ጽሑፋት፡ ደርፍታት፡ ካርቱናትን ካልእን ምዝርግሑ፡ ማዕረ ‘ቲ ኣብ ባይታ ዝወረደ ዕንወት፡ ኣብ ኣተሓሳስባን ኣጠማምታን’ውን ዕንወት ከም ዘስዓበ ይእመን።

እዚ ይዅን ግን፡ ኣብተን ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት’ውን እንተዀነ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ክኹንኑ፣ ነቲ ኲናትን ዕጽዋን ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ከቢድ ጸገም ተሸሚሙ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ገንዘባውን ሞራላውን ሓገዝ ክገብሩን ተራእዮም እዮም፡፡

ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት፡ ኣስታት 800 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

እቲ ኲናት ኣብ ህይወትን ንብረትን ጥራሕ ዘይኮነስ ንማሕበራዊ ምትእስሳር ኢትዮጵያውያን’ውን ዝበታተኸ ከምዝኾነ እውን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ተዛሪቡ ነይሩ።

ብፍላይ ኣብ መንጐ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ክዓሙቕ ዝጸንሐ ፍልልይ ንምፍዋስ ብዘላቒ ካብ ዓዘቕቲ ኲናት ንምውጻእን ከ እንታይ እዩ ክግበር ኣለዎ ዝብል ሕቶ ብዙሓት እዩ።

“ኣብዚ ክልተ ዓመት እንተርኢና ኣብ ትግራይ ዝወረደ፡ ነገር ኣዝዩ ከቢድ እዩ፤ ግደን መንግስትን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ምናልባት ዛጊት ኣብ መንጐ እዞም ክልተ ህዝብታት ነይሩ ዝበሃል ጸገማት፡ ንሓዋሩ ተስፋ ከይህልዎ፡ ከይፍታሕ ብዝገብር መልክዑ እዩ ዝካየድ ዘሎ” ዝብል ፕሮፌሰር ጌታቸው እንተ ተሰሪሕሉ ግን ተስፋታት ከምዘሎ ይገልጽ።

ብውሑዱ እቲ ኣብ ደገ ዝግበር ዘሎ፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ነዚ ጉዳይ ንምግጣሙ ዝውሰድ ተበግሶታት ክድንፍዕ ከም ዘለዎ ኸኣ ጋዜጠኛ ኻልድ የዘካኽር።

ዶብ ኤርትን ኢትዮጵያን ኣብ 2018 ንገለ ኣዋርሕ ምስ ተኸፍተ፡ ህዝብን ንብረትን ብናጻ ካብን ናብን ክንቀሳቐስ ጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዶብ ኤርትን ኢትዮጵያን ኣብ 2018 ንገለ ኣዋርሕ ምስ ተኸፍተ፡ ህዝብን ንብረትን ብናጻ ካብን ናብን ክንቀሳቐስ ጀሚሩ

ፕሮፌሰር፡ “ከቢድ ክብል እንከለኹ ‘ተስፋ የብሉን፤ ምንም ክግበር ዝኽእል ነገር የለን’ ኣይብልን፡ ምኽንያቱ፡ ሓረስታይ ትግራይን ሓረስታይ ኤርትራን፡ ማንም ኣብ መንጐኦም ከይኣተወ፡ እንታይ ትደልዩ እንተኢልካዮም፡ እቲ እንጽበዮ መልሲ እዮም ዝህቡ፤ ሰላም ውዒሎም ክኣትዉ፣ ደቈም ሰላም ክዀኑ እዮም ዝደልዩ፡ ብብዙሕ መልክዕ ዝግለጽ ረብሓታቶም ዝዛመድ እዩ። እዚ ሰረት ጌርካ ክስርሑ ዝኽእሉ ብዙሓት ነገራት ኣለዉ ኢለ እኣምን፡” ይብል።

ብምኽንያት እቲ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዘጋጠመ “ፍሉይ ጸገም’፡ ፍሉይ ፍታሕ ከምዘድሊ ዝገልጽ ፕሮፌሰር ጌታቸው ኣሰፋ፡ ዘላቒ ሰላም ከውርዱ ይኽእሉ እዮም ዝብሎም ነጥብታት የቐምጥ።

‘‘እቲ ቀንዲ ኣፍልጦ ካብ ምሃብ እዩ ዝጅምር፡ ብፍላይ ብሸነኽ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ትግራይ በጺሑ ዘሎ ሓቂ ብትሪ ክኹነን ኣለዎ፡ ፍትሒ ክህሉ ኣለዎ፤ ገበነኛታት መን እዮም ብዘየገድስ፡ እቲ ዝተበደለ ኣብ ናይ ሓቂ መድረኽ ፍትሒ ክርከብ ኣለዎ፤ ናይ ክልቲኦም ህዝታት ረብሓን ሰላምን ብኸመይ ይተኣሳሰር ኣብ ዝብል ብዓውታ ምሕሳብ፣ ምዝታይ፣ ምስራሕን ፍልይ ንዝበሉ ሓሳባት እዝንኻ ብምኽፋትን እዩ ዝመጽእ።

“ብወገን ኤርትራን ትግራይን ዝተጀመሩ ጽቡቓት ስራሕቲ ኣለዉ፡ ነዚኦም ኣጠጢዕካ፡ ነቶም ፖለቲከኛታት ንጐድኒ ገዲፍካ፡ ከውጻእ ዝኽእል ጸገም እዩ ኢለ እኣምን” ይብል ፕሮፌሰር ጌታቸው።

ብወገን ትግራይ እውን፡ ገለ መራሕቲ፡ ፖለቲከኛታትን ምሁራንን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝህብዎ ንታሪኽ፡ ልኡላውነትን ኤርትራ ዘነኣእስ፤ ንብሄራት ኤርትራ መቓቒልካ ንምሓዝ ዝግበር ትረኻ ተዅታዂ ተጻብኦታት ደው ከብሉ ከም ዝግባእ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።

በሊሕ ዝዀነ ፖለቲካዊ መሪሕነት የለን እምበር፡ ሕጂ’ውን ድሕሪ’ቲ ዅሉ መንእሰይ ኤርትራ ኣብዚታት ክኣቱ ኣይምተገብአን ዝብል ኻልድ ዓብዱ፡ “ጉዳያት ፖለቲካዊ መፍትሒ እዩ ክግበረሎም ዘለዎ፡ ሓይሊ ነገራት ክሓላልኽ እንተዘይኰይኑ መፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን፡ ህዝቢ ኣብቲ ዝራኸበሉ ነገራት’ውን ክዘራረበሉ ተበግሶ ክወስድን የድሊ፡ ይብል።

“ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኰይኖም፡ ነዚ ኣፍልጦ ሂቦም፡ ብፍላይ ብዝረአን ብዝስማዕን መልክዕ ክዅንኑ ምጽባይ ዘይክውንነታዊ እዩ፡” ዝብል ፕሮፌሰር ጌታቸው፡ ካብቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ ግና ብዙሕ ትጽቢት ከምዝግበር እዩ ዝዛረብ።

ጋዜጠኛ ኻልድ፡ ምስዚ ሓሳብ’ዚ ብምስምማዕ፡ “እንተዀነ፡ ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ገና እቲ ናይ ኲናት ሃዋሁ እዩ ዘሎ፡ ሰባት ብጻዕቂ ምግፋፍን ምኽታትን እዩ ዝርአ ዘሎ፤ ካብኡ ሓሊፉ’ውን እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ምስ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ጕጅለታት ኢትዮጵያ - ብፍላይ ኣምሓራን ዓፋርን - ምሕዝነት ኣብ ምፍጣርን እዩ ተጸሚዱ ዘሎ፡” ድሕሪ ምባል፡ እዚታት ነታ ሃገር ብቐጻሊ እናድመያ፡ እናሳቐያን ዋጋ እናኽፈላን ዝኸይድ ስለዝዀነ፡ ነዚ ዝገትእ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ክፍጠርን ክገትኦን መተካእታ ዘይብሉ ጉዳይ ኤርትራውያን ምዃኑ’ውን የዘኻኽር።

ከም እምነት ፕሮፌሰር ጌታቸው፡ ምሁራትን መራሕቲ ሃይማኖትን ክልቲኦም ህዝቢታት ዝያዳ ሓላፍነት ኣለዎም፤ መራኸቢ ብዙሃን እውን ከምኡ።

“ምሁራት ትግራይን ኤርትራን፡ ቅድሚ ሕጂ፡ ዋላ’ውን ኣብቲ ዘሎ ኵነታት፡ ሓቢሮም ብዙሕ ስርሓት ሰሪሖም እንተዝዀኑ፡ ሓደ ሓዲኦም ነገራት ዝሓሹ ዶ ምዀኑ ነይሮም ይብል፤ ንሓዋሩ እውን እንተርኢና ኣብ ቤተ ምሁራትን ቤተ እምነታትን ስራሕ የድሊ እዩ።” ይብል።

ብፍልጠት ዝምራሕ ሓራ ዝዀነ ሓላፍነታዊ ሚድያ እውን ልዑል ግደ ከም ዘለዎ ብምምልካት፡ ሜድያታት ኤርትራን ትግራይን፡ ኣብዚ መዳይ ወሳኒ ተራ ክህልወን ከም ዝኽእል፡ ክልቲኦም ወሃብቲ ርእይቶ ኣስሚሮምሉ።

ፕሮፌሰር ጌታቸው ኣሰፋ፡ ኣብ ምዕራብ ካናዳ ዩኒቨርሲቲ ካልጋሪ ዝምህር፣ ከምኡ’ውን ዩኤምዲ ዝበሃል ሚድያ መስሪቱ፡ ፖለቲካዊ ኵነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኢትዮጵያ ብቐጻሊ ዝከታተል ምሁር እዩ።

ኻልድ ዓብዱ፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ዝነብር ኣብ ሞያ ጋዜጠኛነት ነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ ተንታኒን ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ምሁርን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን እዩ።