ዝዓበየ ማእከል ስራሕቲ ስነ-ጥበብ ኣብ ከተማ ኬፕ ታውን-ደቡብ ኣፍሪካ ተከፊቱ።

ስርሕቲ ደቡብ ኣፍሪካዊ ስነ-ጥበበኛ ኣቲ ፓትራ ሩጋ፡ ኣብ ማእከል ስነ-ጥበብ ዘይትዝ ሞካ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ስራሓት ደቡብ ኣፍሪቃዊ ስነጥበበኛ ኣቲ-ፓትራ ሩጋ ብናቱ ናይ ፋሸን ደዛይን ድሐረ ባይታ ዝተፀልወ'ዩ

ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ናይ ጥበባት ምርኢት ኣደራሽ ወይ ሙዝየም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ከተማ ኬፕ ታውን ተኸፊቱ። እዚ ናይ ምርኢት ኣደራሽ ንዘመናዊ ስነጥበባዊ ስርሓት ኣፍሪቃን ካብዛ ኣህጉር ወፃኢ ንዝነብሩ ኣፍሪቃውያንን (ዳያስፖራ) ዝሓቁፍ እዩ።

እዚ ዘይትስ ሙዚየም ኦፍ ኮንተምፖራሪ ኣፈሪካን ኣርትስ (ዘይትስ ሞካ) ተባሂሉ ዝተሰየመ ኣደራሽ፡ ኣብ ውሽጢ ጥንታዊ ቆፎታት ዝተሰርሐ ኮይኑ፡ ኣብ ገምገም'ቲ በቪ&ኣ ዎተርፍሮንት (ገምገም ቀላይ ወየ ማይ) ተደኵኑ ይርከብ።

እቲ ህንፃ ቶማስ ሂዘርዊክ ብዝተባህለ ብሪጣናዊ ዲዛይነር እዩ ናብ ኣምፑላዊ ቅርፅታት ዝሓዙ መሳኹቲ ዘለዎም ብዙሓት ክፍልታት ተቐይሩ።

ንበፃሕቲ ድማ ብጎማ ብዝተሰርሐ ዝነፍር ዘሎ ዝመስል ዓርሞሽሸ ናይ ዓንጎግ ቅርፂ ዝሓዘ ምስሊ ይቕበሎም። እቲ ቅርፂ ብደቡብ ኣፍሪቃዊ ስነጥበበኛ ኒኮላስ ህሎቦ እዩ ተሰሪሑ።

ኣብ ማእከል ዘሎ ቅርፃ ሀሎቦ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ስራሓት ፅርበት ቅርፂ ናይ ደቡበ ኣፍሪቃዊ ስነጥበበኛ ኒኮላስ ሀሎቦ ነቲ ቀንዲ ኣደራሽ ይዕብልሎ

መብዛሐትኡ ኣብቲ ምርኢት ተዘርጊሑ ዘሎ ስነጥበባዊ ስራሓት ብናይቲ ሙዝየም መዋሊ ወይ ስፖንሰር ዝኾነ ናይ ቀደም ኣካያዲ ፑማ ዝነበረ ጀርመናዊ ጆሸን ብውልቂ ዝተኣከበ እዩ።

"ኣፍሪቃውያን ኣብዚ ከሕቆፉ ኣለዎም" ይብል ንሱ።

"እዚ፡ ናተይ ወይ ናይ ዎተርፍሮንት ሙዝየም ኣይኮነን እንታይ ድኣ ናይ ኣፍሪቃ እምበር" ኢሉ።

ስራሕቲ ኬንያዊ ሳይራስ ካቢሩ ኣብ ሙዚየም ዘይተዝ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ወዲ 32 ዓመት ቪዥዋል ኣርቲስት ኬንያዊ ሳይራስ ካቢሩ ናይ 2016 ካርትዝ ኣፍሪቃ ዝበለፀ መሓዚ ተባሂሉ ተሸሊሙ ነይሩ
ኣብ ሙዚየም ዘይቲዝ ዝርከቡ ስራሕቲ ደቡብ ኣፈሪቃዊ ስነጥበበኛ ናንዲፋ ምንታምቦ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ንናይ ወዲ ሰብ ቅርፂ ክመሳሰል ዝተገበረ ቆርበት ኣላሕም፡ ብደቡብ ኣፈሪቃዊ ስነጥበበኛ ናንዲፋ ምንታምቦ

ሓደ ካብቲ ዝዓበየ መስሕባት ድማ ብጋናዊ ናይ ፅርባ ክኢላ ዝኾነ እል ኣናሱ ዝቐረበ ስርሓት እዩ።

ኣናሱ፡ እቲ ክቡር ናይ ፕራይም ኢምፐሪያለ ኢንተርናሽናል ኣርትስ ኣዋርድ ውይ ሽልማት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተሸሊሙ።

ስራሕቲ ጋናዊ ስነ-ጥበበኛ ዲሶልቪን ኮንቲነንትስ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ዲሶልቪን ኮንቲነንትስ ወይ ከኣ ዝሓቃ ኣህጉራት ዝተሰምየ ነንሕድሕዱ ዝተሓላለኸ ቁርፅራፅ ኣለሚንየምን ነሓስን ዝኾነ ስራሓት ኣል ኣናሱይ

እንተኾነ እቲ ምርኢት ገለ ኣገዳሲ ዝኾነ ስራሓት ኣፈሪቃውያን ስነጥበበኛታት ጎዲሉዎ'ሎ ይብሉ ወሃብቲ ርእይቶ።

"ስራሓት ካሜሩናውያን ስነ ጥበበኛታት ሳሙኤል ፎሶ፤ ፓስካል ማርቲነ ታዩን ባርተለሚ ታጉ፤ ከምኡ'ውን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሮቢን ሮደ፡ ትረይሲ ሮስን በርኒ ሲርለን ዘይምህላዎም ኣገደስቲ ሃጋፋት ምህላዎም ይሕብር" ኢሉ ሓደ ከላሲ - ኣርት ኣብ ናይ ደቡብ ኣፈሪቃ ጋዜጣ ሳንደይ ታይምስ፤ ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱ ዓቢ ግምት ዝወሃቦም መሪሕ ስነ-ጥበበኛታት ምኻኖም ብምሕባር።

ብደቡብ ኣፍሪካዊ ስነ-ጥበበኛ ከንደል ዝተሰርሒ ስራሕቲ እትስእል ሰብ - 15 መስከረም 2017

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ስራሓት ከንደል ጊርስ ዝኾነ ሃንጊን ፒስስ (1993) ወይ ከኣ ዝተንጠልጠለ ቁራፅ ነቲ ኣብ ግዜ ኣፓረታይድ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ግፍዓዊ ተገባራት የርኢ
ደጋዊ ክፋል ዘይቲዝ ሞካ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, እቲ ሙዝየም ኣብ ውሽጢ ናይ 1920ታት ዝተሰርሑ ናይ እኽሊ ቆፎታት ተደኩኑ ይርከብ

ኣብ ገለ እዋናት ናይ ሓደ ሰሙን ናይ ኣፍሪቃ ፓስፖርት ዝሓዙ ሰባት ናብዚ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ህዝባዊ ሙዝየም ብነፃ ክኣትዉ ክፍቀደሎም እዩ።