ዝዓበየ ማእከል ስራሕቲ ስነ-ጥበብ ኣብ ከተማ ኬፕ ታውን-ደቡብ ኣፍሪካ ተከፊቱ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ናይ ጥበባት ምርኢት ኣደራሽ ወይ ሙዝየም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ከተማ ኬፕ ታውን ተኸፊቱ። እዚ ናይ ምርኢት ኣደራሽ ንዘመናዊ ስነጥበባዊ ስርሓት ኣፍሪቃን ካብዛ ኣህጉር ወፃኢ ንዝነብሩ ኣፍሪቃውያንን (ዳያስፖራ) ዝሓቁፍ እዩ።

እዚ ዘይትስ ሙዚየም ኦፍ ኮንተምፖራሪ ኣፈሪካን ኣርትስ (ዘይትስ ሞካ) ተባሂሉ ዝተሰየመ ኣደራሽ፡ ኣብ ውሽጢ ጥንታዊ ቆፎታት ዝተሰርሐ ኮይኑ፡ ኣብ ገምገም'ቲ በቪ&ኣ ዎተርፍሮንት (ገምገም ቀላይ ወየ ማይ) ተደኵኑ ይርከብ።

እቲ ህንፃ ቶማስ ሂዘርዊክ ብዝተባህለ ብሪጣናዊ ዲዛይነር እዩ ናብ ኣምፑላዊ ቅርፅታት ዝሓዙ መሳኹቲ ዘለዎም ብዙሓት ክፍልታት ተቐይሩ።

ንበፃሕቲ ድማ ብጎማ ብዝተሰርሐ ዝነፍር ዘሎ ዝመስል ዓርሞሽሸ ናይ ዓንጎግ ቅርፂ ዝሓዘ ምስሊ ይቕበሎም። እቲ ቅርፂ ብደቡብ ኣፍሪቃዊ ስነጥበበኛ ኒኮላስ ህሎቦ እዩ ተሰሪሑ።

መብዛሐትኡ ኣብቲ ምርኢት ተዘርጊሑ ዘሎ ስነጥበባዊ ስራሓት ብናይቲ ሙዝየም መዋሊ ወይ ስፖንሰር ዝኾነ ናይ ቀደም ኣካያዲ ፑማ ዝነበረ ጀርመናዊ ጆሸን ብውልቂ ዝተኣከበ እዩ።

"ኣፍሪቃውያን ኣብዚ ከሕቆፉ ኣለዎም" ይብል ንሱ።

"እዚ፡ ናተይ ወይ ናይ ዎተርፍሮንት ሙዝየም ኣይኮነን እንታይ ድኣ ናይ ኣፍሪቃ እምበር" ኢሉ።

ሓደ ካብቲ ዝዓበየ መስሕባት ድማ ብጋናዊ ናይ ፅርባ ክኢላ ዝኾነ እል ኣናሱ ዝቐረበ ስርሓት እዩ።

ኣናሱ፡ እቲ ክቡር ናይ ፕራይም ኢምፐሪያለ ኢንተርናሽናል ኣርትስ ኣዋርድ ውይ ሽልማት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተሸሊሙ።

እንተኾነ እቲ ምርኢት ገለ ኣገዳሲ ዝኾነ ስራሓት ኣፈሪቃውያን ስነጥበበኛታት ጎዲሉዎ'ሎ ይብሉ ወሃብቲ ርእይቶ።

"ስራሓት ካሜሩናውያን ስነ ጥበበኛታት ሳሙኤል ፎሶ፤ ፓስካል ማርቲነ ታዩን ባርተለሚ ታጉ፤ ከምኡ'ውን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሮቢን ሮደ፡ ትረይሲ ሮስን በርኒ ሲርለን ዘይምህላዎም ኣገደስቲ ሃጋፋት ምህላዎም ይሕብር" ኢሉ ሓደ ከላሲ - ኣርት ኣብ ናይ ደቡብ ኣፈሪቃ ጋዜጣ ሳንደይ ታይምስ፤ ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱ ዓቢ ግምት ዝወሃቦም መሪሕ ስነ-ጥበበኛታት ምኻኖም ብምሕባር።

ኣብ ገለ እዋናት ናይ ሓደ ሰሙን ናይ ኣፍሪቃ ፓስፖርት ዝሓዙ ሰባት ናብዚ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ህዝባዊ ሙዝየም ብነፃ ክኣትዉ ክፍቀደሎም እዩ።