ኤርትራ-ኣሜሪካ፡ "ዓለምና፡ ኩሉ ብዘለዎ ተውህቦ ስነ-ጥበብ ዘስተማቕረላ ኣድማስ ምርኢት'ያ"

ምንጪ ስእሊ, Teklit/FB
እዚ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየን፡ ካብ ቑልዕነቱ ጀሚሩ፡ ኣብ ሑጻን ወረቐትን እናሓንጠጠ ዝዓበየ ኤርትራዊ መንእሰይ ንፍቕሪ ጥበቡ ካብ ዩኒቨርስቲ ሊፐስኮምብ ኣመሪካ፡ ብፍልጠት ዲግሪ ነዲቑ ገና ይምልኣሉ ኣሎ።
ብስርሓቱ ዝተደነቐ ክሪስ ፐፕለ ዝተባህለ ጸሓፊ እኳ ብ08 ጥቅምቲ 2007 "ሕልሚ ብተወፋይነትን ጻዕርን እዩ ዝገሃድ" ብዘርእስቱ ዓንቀጽ " ተስፋ ዘለዎ ቀባኢ!" ክብል ሰምዩዎ ኣሎ።
"ሃገሩ ኤርትራ ድማ ድሮ ንዝቀብኦ ቴምብር ኣብ ሃገራዊ መዝገብ ሰኒዳቶ ኣላ። ጽባሕ ንግሆ ከኣ ኣብ ኣደራሻት ጥበባት ዓለም ኣብ ዘርእዮ ምርኢት (ስእላዊ ኢግዚብሺን) እዚ መንእሰይ ማዕረ ክንደይ ፍቕሪ ጥበብ ከምዘለዎን፡ ፍቕሩ ንምርዋይ ከምዝጸዓረን ክትምስክረሉ እያ" ክብል ንተበግሶኦን ተወፋይነቱን ብምድማቕ ጽባሕ ንግሆ ካብቶም ዓለምና እትሕበነሎም ውሩያት ቀባእቲ ከምዝኸውን መስኪሩሉ።
ቀባኣይ ተኽሊት ኣብታ ብጽባቐኣን ግርማኣን፡ ብስነ-ጥበባዊ ክብራን ፍቕራን፡ ብንጹህ ኣየራን ምድራን እትፍቀር ኣስመራ ተወሊዱ ብፍቕሪ ስድራኡን ህዝቡን ማሚቚ ዓብዩ።
ክሳብ 2001 ከኣ ኣብታ ፍቕሪ ስነ-ጥበብ ዘማዕበለላን ጥበብ-ቅብኣ እተማህረላን ኣስመራ ጸኒሑ፡ ንዝለዓለ ትምህርቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብ ዝነብሩ ስድራ-ቤቱ ተጸምቢሩ።
ብዙሕ ግዜ ቀባእትን ሰኣልትን ጸሓፍትን ደረስትን ብኸመይ ፍቕሪ ጥበብ ከምዝሓደሮምን ብኸመይ ከምዘማዕብሉዎን ይሕተቱ እዮም። ተኽሊት እውን ተሓቲቱ - ግን ሓዲስ ምህዞ የሎን።
ከምቲ ውሩይ ቀባኣይ ዓለምና ፒካሶ " ነብሲ ወከፍ ሰብ ክውለድ እንከሎ ኣትሒዙ ስነ-ጥባባዊ እዩ። እቲ ፍልልይ ምቕጻሉን ምቁራጹን'ዩ" ዝበሎ፡ ነቲ ሓሳብ እዩ ደጊሙ ተኽሊት።
ካብ ቁልዕነቱ ኣትሒዙ ምስ መዛኑኡ ዝረኣዮ ነገራት ብሕንጻጽን ምስልን ክድገሞ፡ ከም ቆልዓ ብጨርቅን ስልክን መጻወቲ ክሰርሕ፡ ነቲ ዝሰርሖ ነገር ከጸባብቕ ብዝጀምሮ ፋሕተርተርን ብዝቐጸሎ ስራሕን እዩ ንፍቕሪ ቅብኣ ሃኒጹዎ።

ምንጪ ስእሊ, Teklit/FB
ኣብ ዘበነ ናጽነት ዝዓበየን ዝጎቦዘን ተኽሊት፡ በቶም ኣብ ቃልሲ ሓርነት ብቅብኣዊ ስርሓቶም ስም ዘጥረዩ ሃገራውያን ሰኣልቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኢብራሂም ስልጣን ስነፍልጠታዊ ትምህርቲ ብምቕሳም ንቅብኣዊ ስርሑ ዕምቆት ወሲኹሉ።
ነቲ ቅድሚ ሽዑ ብልምዲ ዝገብሮ ዝነበረ ፈተነ ከም ዓቐንን ዕምቆትን፡ ኣለኻኽያ ሕብርን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ትምህርቲ ወሲኹሉ። ብድሕሪኡ እውን ካብ ወጻኢ ብዝመጽኡ ክኢላታት ወጻእተኛታትን ደቂ ሃገርን ፍልጠት እናደለበ፡ ኣብ መዝገብ ሃገራዊ ቴምብር ስርሑ ክጽንብር ክኢሉ እዩ።
"ዓለምና፡ ማንም ፍጡር ብዘለዎ ተውህቦ ፍቕሪ ስነ-ጥበብ ዘስተማቕረላ ዓባይ ናይ ምርኢት ኣድማስ እያ" ዝብል ተኽሊት፡ ቀባእቲ፡ ነቲ ባህርይ ዝለገሰልና ተውህቦ ኣስተማቒርና፡ ብዕምቆት ኣንቢብና ተመሊስና እነንጸባርቕ መስትያት ተፈጥሮኣዊ ባህሪ ኢና ክብል ስነጥበባዊ ምስ ባህርይ ዘለዎ ፍቕርን ምትእስሳርን የጉልሕ።

ምንጪ ስእሊ, Teklit/FB
ፍቕሪ ጥበብን ትምህርትን ኣካቲቱ ዝሰጎመ ተኽሊት ኣብ ኣስመራ ምስ ቻይናውያን መማህራን ቅብኣ ንትሸዓተ ወርሒ ተማሂሩ ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊቪስኮ፡ ብኣርት ስቲድዮን ግራፊክስ ዲዛይንን ቐዳማይ ዲግሪ ረኺቡ።
ዋላኳ ክሳብ ኣጸቢቕካ እትዓብን እትፍለጥን ብእቶት ቅብኣ ጥራሕ ክትነባበር ከቢድ እንተኾነ ተኽሊት ግን ዳርጋ ኩሉ ህይወቱ ንፍቕሪ ጥበብ እዩ ወፍዩዎ። ዝበዝሕ ግዜኡ ንጥበብ እዩ ዝህቦ።
"ኩሉ ነገር ብጥበብ ስለዝርእዮ - ጥበብ ንዓይ ፍቕሪ እዩ" ክብል ድማ ይገልጾ። "ንጽባቐ፡ ኣጠማምታ'ዩ ዝውስኖ" ይብል ተኽሊት "ጽባቐን መልክዕን" ንዝብላ ቃላት ክትንትን እንከሎ፡ "ክፉእን ጽቡቕን ዝበሃል የለን።
እቲ ዝውስኖ ኣጠማምታ እዩ። ንሓደ ጸሊም ሕብሪ ዝፈቱ ጸሊም ነገር ጽቡቕ ከኽውን እንከሎ ነቲ ቀጠልያ ዝፈቱ ከኣ እታ ቐጠልያ እያ ጽብቕቲ" ብምባል ኣብ ዓለም ንኹሉ ነገር ኣጠማምታ ከም ዝውስኖ፡ ንኣብነት ሞናሊዛ ጽብቕቲ ቅብኣ'ኳ እንተኾነት፡ ግን ብዙሓት ሓለፋ ዘለዎም ቅብኣታት ከምዘለው የረድእ።
ኣብ ፍቕሪ ቅብኣ ፍሉይ ጽልዋ ዘሕደረሉ ቅድሚ ፖስት ኢምፕሬሽኒዝም ዝነበረ ፍሉጥ ስነ ጥበባዊ ቪንሰንት ቫንጎ'ዩ ምዃኑ ዝሕብር ተኽሊት ታሪኽ ህይወትን፡ ኣብ ዓውዲ ቅብኣ ንዝነበሮ ተወፋይንት እውን እዩ ዘድንቕ።

ምንጪ ስእሊ, Teklit/FB
ስነ-ጥበባዊ ፍቕሪ እቲ ካብ ርኹባት ሆላንዳውያን ስድራቤት ዝተወልደ ቪንሰንት መዘና ኣይነበሮን።
ካብ ኣመንቲ ስድራ ብሃይማኖታዊ ጽልዋ ዝዓበየ ቪነሰንት ክሳብ ኣብ 37 ዕድመኡ ብዲፕሬሺን ነብሱ ዘሕልፍ ንዓለምና 860 ናይ ዘይቲ ቅብ ዝርከቦ 2100 ስነጥበባዊ ስርሓት ኣበርኪቱላ።
ተምሳጥ ተኽሊ ከኣ ኣብ ቅድን ስታይልን ቪንሰንት እዩ። ቪንሰንት ንስእልታቱ ብድሙቕ ሕብሪ እዩ ዝቐብእ።
ቪንሰንት ከም ኣብ ቅብኣ ኣብቲ ድሕሪ ሞቱ ዝተሓትሙ ናብ ምንኣሱ ሓው ዝጽሕፎም ዝነበረ ደብዳበታት እውን እንተኾነ ዓሚቚ ክእለት ከምዝነበሮ ተመስኪሩ እዩ።
ተኽሊት ብቑጽሪ እኳ እንተዘይገለጾ ክሳብ ሕጂ ኣዚዩ ብዙሕ ቅብኣታት እዩ ኣፍርዩ ኣብ ጉዕዞኦን ንመጻእን ከኣ ዝተዓጻጸፈ ስርሓት ንምፍራይ ብራሹ ኣዋዲዱ ኣብ ስራሕ ተጸሚዱ ይርከብ።
ኣብ ሓደ እዋን ከኣ ከምቲ ክሪስ ፐፕለ " በዓል ተስፋ ቀባኢ" ክብል ዝገለጾ ሕልምታቱ ብጻዕሩ ተረጋጊጹ ክንርኢ ደላይ ኩሉ ፈታው ቅብኣን ጥበብን እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







