ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ፈረንሳ ንዝሰገሩ ስደተኛታት መሊሳ ክትወስዶም ፀዊዑ

ፖሊስ ፈረንሳይ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምእታው መትረብ ኢንግሊዝ ንዝሰገሩ ስደተኛታት "መሊሳ ንምውሳድ" ክትሰማማዕ ፀዊዑ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ 27 ሰባት ዝሞትሉ ዘሕዝን ፍፃመ ንከይድገም፡ ፈረንሳ ነቶም ስደተኛታት "ብቕልጡፍ ክተግዕዞም" ዝጠልብ ሓሙሽተ ረቛሕታት ዘለዎ ደብዳበ ናብ ፕረዝደንት ኢማኑኤል ማክሮን ከምዝፀሓፈ ገሊፁ።

ሰብመዚ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ናይ ፈረንሳ መዘንኦም ሎሚ ኣብ ካሌይ ክራኸቡ እዮም።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል፡ ኣብዚ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ናይ መፃኢ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ንምዝታይ፡ ምስ ናይ ፈረንሳይ መዝንኣ ክትራኸብ እያ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍፃመ፡ ኣብ መትረብ ኢንግሊዝ ኣብ ህይወት ሰባት ካብ ዘጋጠመ ሞት እቲ ዝዓበየ ህልቂት ምዃኑ ተገሊጹ።

በቲ ሓደጋ 17 ደቂተባዕትዮ፣ ሓንቲ ነፍሰ ፆር ትርከበን 7 ደቂኣንስትዮን ሰለስተ ህፃናትን ሞይቶም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ኣብቲ ናብ ፕረዝደንት ፈረንሳ ዝለኣኾ ደብዳበ ሓሙሽተ ስጉምትታት ክውሰዱ ጠሊቡ ኣሎ። ንሳቶም'ውን፡

• ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ተወሰኽቲ ጀላቡ ከይብገሳ ንምክልኻል ሓባራዊ ሓለዋ ምክያድ

• ከም ራዳርን መሀወስን ዝበሉ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ምውፋር

• ኣብ ናይ ሕድሕድና ማያዊ ግዝኣት ብሓይሊ ኣየር ዝተሰነየ ሓለዋ ምክያድ

• ምስ መሓውራት ድሕነት እተን ሃገራት ዘሎ ሓባራዊ ስራሕ ምጥንኻር

• ኣብ ምምላስ ስደተኛታት ምስ ፈረንሳ ክልትኣዊ ውዕሊ ምክያድን ብቐጥታ ምስራሕ ዝብሉ ስጉምትታት ጠሊቡ ኣሎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "ነቲ ሓደገኛ መትረብ ሰጊሮም ንዝመፅኡ ስደተኛታት ንምምላስ ምስ ፈረንሳይ ዝግበር ውዕሊ ቀጥታውን ኣገዳስን ፅልዋ ኣለዎ" ኢሉ።

እንተኾነ ብወገን ፈረንሳ እዞም ስጉምትታት ንምቕባል ከቢድ ከምዝኾነ እዩ ዝግለፅ ዘሎ።

ፕረዝደንት ኢማኑኤል ማክሮን፡ ስደተኛታት መትረብ ኢንግሊዝ ኣቋሪፆም ከይሰግሩ ብኸመይ ምግታእ ይከኣል ኣብ ዝብል ንምዝታይ፡ ህፁፅ ኣኼባ ሚኒስትራት ኣውሮጳ ክካየድ ፀዊዑ ኣሎ።

ማክሮን፡ ዋላ'ኳ ሰብመዚ፡ ስደተኛታት ኣብ ፈረንሳ ክፀንሑ ከምዝኽእሉ እንተነገርዎም፡ እቶም ስደተኛታት ግና ናብ ብሪጣያ ክኸዱ እዮም ዝደልዩ፤ ፈረንሳ ካብ ብሪጣንያ ተወሳኺ ሓገዝ ትጠልብ'ያ ኢሉ።

ብሪጣንያ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ፈረንሳ ዶባት ኣብ ምውሓስ ንክትሕግዛ፡ ካብ 2021 ክሳብ 2022 ኣብ ዘሎ ግዘ፡ 54 ሚልየን ፓውንድ ንምኽፋል ከምዝተወዓዓለት ይዝከር። እንተኾነ ቁፅሪ ዶብ ኣቋሪፆም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ይውስኽ እዩ ዘሎ።