ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዘኸተሎ ምቁራጽ መሸጣ ንኣሽቱ ጀላቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናውቲ ስፖርት ብምሻጥ ዝፍለጥ መደብር ዴካትሎን እቶም ባሕሪ ዝሰግሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝጥቀሙለን ታንኳ (ንኣሽቱ ጀላቡ) ምሻጥ ኣቋሪጹ።
እቲ መደብር ኣብ ሰሜን ፈረንሳ ንዕዳጋ ዘቕርበን ዝነበረ ታንኳታት ምሻጥ ዘቋረጸሉ ቀንዲ ምኽንያት እቶም ናብ ካናል እንግሊዝ ዝሰግሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከይጥቀሙለን ብዝብል’ዩ።
ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ካብ ዘለዉ መዓስከራት ስደተኛታት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምእታው ዝፍትኑ ስደተኛታት ቁጽሮም ብዝለዓለ መጠን ይውስኽ ብምህላዉ ናብዚ ውሳነ ከም ዝበጽሐ ድማ ኣረዲኡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 1,185 ስደተኛታት ንካነል (መትረብ) እንግሊዝ ብምስጋር ናብ እንግሊዝ ከም ዝኣተዉ ይዝከር። እቲ ቁጽሪ ከኣ ዝለዓለ ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።
ኣብ ጽባሕ እቶም ስደተኛታት ዝሰገሩሉ መዓልቲ ድማ ካልኦት ስደተኛታት ታንኳታት ተጠቒሞም ክሰግሩ ብምፍታኖም ሰለስተ ስደተኛታት ደሃዮም ምጥፍኡ ተገሊጹ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ዝለዓለ ቁጽሪ ዘለዎም ስደተኛታት ምስጋሮም “ተቐባልነት ዘይብሉ” ክብል ዝገለጸ መንግስቲ ዓባይ ንሪጣንያ፡ ፈረንሳ እቶም ስደተኛታት ዝገብርዎ ውሑስ ዘይኮነ ጉዕዞ ንምቁጽጻር ተወሳኺ ዕዮ ከም ዝጽበያ ሓቢሩ።
መደብር ናውቲ ስፖርት ዴካትሎን “ነተን ታንኳታት ምዕዳግ ካብ ድሕሪ ሕዚ ቀሊል ኣይክኸውንን” ክብል ንኣኤፍፒ ገሊጹ።
እቶም ናብ እንግሊዝ ንምብጻሕ ተስፋ ዝገብሩ ስደተኛታት ክጥቀሙለን እንተተፈቒዱ “ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ’ዩ” ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
ፈረንሳ፡ ስደተኛታት ዝገብርዎ ፈተነ ምስጋር ዶብ ንምቁጽጻር ብዝብል ኣብ ሰሜናዊ ገማገም ጥቓ ዱንኪርክ ዝነበረ መዕቖቢ ዘፍረሰት ኮይና፡ ብዙሓት ኣሰጋገርቲ ሰባት እውን ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወት ተፈሊጡ’ሎ።
ስደተኛታት ብብዝሒ ምስጋሮም ንርክብ ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ክሕርፍፍ ምግባሩ ይግለጽ።
ሚንስትራት ውሽጣዊ ጉዳያት ክልትኤን ሃገራት ድማ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ንምዝርራብ ብሰኑይ ተራኺቦም ነይሮም።
እቲ መትረብ (ካናል) እንግሊዝ ንስደተኛታት ዘይምችው ንምግባር ከም ዝተሰማምዑ’ውን ይግለጽ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







