ዴ ክለርክ፡ እቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሕጂ'ውን ዘይሰማምዕሉ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ብውርሻ ዝተቐበሎ ብሕጊ ዝተደገፈ ስርዓት ዓሌታውነት ንከብቅዕ ብምሕጋዙ ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝወሰደ ዴ ክለርክ ንገለ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ጽቡቕ መራሒ እዩ።
ንኻልኦት ክኣ፡ ካብቲ ስርዓት ዝተረብሐ ብምዃኑ ብብዙሓት ገበናት ብሕጊ ክሕተት ዝግብኦ እዩ።
እቲ ሓቂ፡ ብዙሕ ነገራት ዝነበሮ ሰብ ምዃኑ እዩ።
እዚ ወዲ 85 ዓመት ሰብኣይ፡ ናይ መወዳእታ ፕሬዝደንት ኣፓርታይድ እዩ።
ኣብተን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐለን ዓመታት ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ እቶም ልዕልነት ጽዓዱ ከብቅዕን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ በዓል ኔልሰን ማንዴላን ካልኦት መራሕቶምን ክፍትሑ ዝጠልቡ ዝነበሩ ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ከበድቲ ግህሰታት ይፍጽሙ ነይሮም።
ስርዓት ኣፓርታይድ፡ ኣዝዩ ርሑቕ ኣብ ዝብሃል ዘመን ዝነበረ ስርዓት ስለ ዘይኮነ፡ እቲ ኣሰሩ ሕጂ'ውን ኣሎ።
ኣብቲ እዋን ብዝፍጸም ዝነበረ ግህሰት ክኣ ተሓታቲ ዝኾነ የለን።
ገበናት ተፈጺሞም'ዮም፤ ግዳያት ምርካብ ይክኣል እዩ። ግን ክኣ ገበነኛታት ዝነበሩ ኣይመስልን።
ገለ ሰባት፡ ዴ ክለርክ እዚ ንክልወጥን ተሓታትነት ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኣፓርታይድ ንዝተፈጸሙ ኣብ ልዕሊ ህይወት ጸለምቲ ጽልዋ ዘሕደሩ ጉዳያትን ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ዝፈጸሞ ግህሰትን ንክልወጥን ተሓታትነት ንክነግስን ክገብር ይኽእል'ዩ ኢሎም ይኣምኑ።
እዚ እንኮላይ ንርእሱ ናብ ፍርዲ ምኻድ ይሓውስ።
ምኽንያቱ፡ ብሓደ ገጹ ንዓሰርታት ዓመታት ኣካል እቲ ስርዓት ኾይኑ ኣብ ቕድሚት ብዙሕ ዝሰርሐን ንዓመታት ካብቲ ስርዓት ዝተጠቐመን እዩ።
'ናይ ለውጢ ግዜ'
ካብ 1972 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ኣባል ባይቶ ሃገራዊ ሰልፊ ዝነበረ በዓል ሞያ ሕጊ ዴ ክለርክ፡ ብዛዕባ እቲ ስርዓት ኣፓርታይድ ዝፈጠረ ሰልፊ ግልጺ ኣረዳድኣ ነይሩዎ'ዩ።
ከምኡ ኮይኑ እናሃለወ ግን ኣብ ውሽጢ እቲ መሓውር ብምእታው ናብ ላዕሊ ክመጽእ ክኢሉ፤ ዘየካትዕ ድማ ካብቶም ካልኦት ብጾቱ ዝሓሸ ኣረኣእያ ነይሩዎ።
ምናልባት ኣብ ውሽጢ እቲሰ ልፊ ዝነበረ ስርዓት ኣፓርታይድ ብውሽጢ ብምምጓት ማንዴላ ኣብ ህንጸት እታ ሃገር ዕድል ንክውሃቦ ናብ ናይ ዝርርብ ጠረጴዛ ንክመጽእ ኣኽኢሉ'ዩ።
ፋውንዴሽን ሊቀ ጳጳስ ዴስሞንድ ቱቱ፡ ክለርክ ኣብ ዴሞክራሲያዊ ስግግር ንዝነበረቶ ኣበርክቶ ብምጥቃስ ኣብ ዕለተ ሞቱ ክዝከር ገይሩ።
"ዴ ክለርክ፡ ኣብ ታሪኽ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓብዪ ተራ ተጻዊቱ'ዩ። ኣብቲ መብዛሕትኦም መሳርሕቱ መጻኢ እታ ሃገር ብሓደ ዓይነት መገዲ ዘይርኣይሉ እዋን፡ ለውጢ ከም ዘድሊ ተረዲኡ ንዕኢ ዝጥዕም ኩነታት ኣመቻችዩ" ኢሉ።
ዴ ክለርክ ምስ ኔልሰን ማንዴላ ሽልማት ኖቤል ወሲዱ'ዩ።
ውርሻ ማንዴላ ዝዕቅቡ ሰባት ድማ፡ ዴ ክለርክ "ዓብዪ" ውርሻ ዘለዎ ግን ድማ "ማዕረ" ዘይኾነ ክብሉ ይገልጹዎ።
ንሱ፡ ኣብ እዋን ስርዓት ኣፓርታይድ ብዙሓት ሃገራትን መላፍንቲ እቲ ኣባል ዝነበረሉ ሰልፊ ገጸን ክዓጽፋ ምስ ጀመራን መንግስቱ እናኸሰረ ምስ መጽአን ምስ ሰልፊ ኤኤንሲ ክዘራረብ መሪጹ።
ማንዴላ Long Walk to Freedom ኣብ ዝብል መጽሓፉ "ክለርክ፡ ዋላ'ውን ሰጓሚ ኣተሓሳስባ ዘለዎ እንተመሰለ ብዝኾነ መልክዑ ናይ ናጽነት ሰብ ኣይነበረን። ንርእሱ ካብ ስልጣን ንምውጻእ ዋላ ሓደ ዕረያ ኣይገበረን።
"እኳ ድኣ እቲ ዝገብሮ ዝነበረ ብተዛማዲ ምኽንያት'ዩ፤ እዚ ኽኣ ኣብ ሓድሽ ኣሰራርሓ ስልጣን ምርግጋጽ'ዩ" ክብል ብግልጺ ኣስፊሩዎ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
'ፈራሕ' ከምኡ'ውን 'ጠላም'
ዴ ክለርክ፡ ምስ ሰልፊ ኤኤአንሲ ክዘራረብ ምውሳኑ ብብዙሓት ኣብቲ ንሱ ዝነበረሉ ደንበ ዝነበሩ ኣባላት ክንጸል ምኽንያት ኮይኑ'ዩ።
ገሊኦም ክሳብ ሕጂ ከም ጠላሚ ይርእዩዎ።
ቅድሚ ሒደ ዓመታት፡ ኣብታ ናይ ጽዓዱ ጥራይ ዝኾነት ከተማ ኦራኒያ፡ ክሳብ ሕጂ ናይ ኣፓርታይድ ዝኾነት ንኡሽቶ ባንዴራ ተሰቒላ ትርኣይ ነይራ።
ኣብዛ ከተማ፡ ናይቶም መራሕቲ መንግስቲ ኣፓርታይድ ሓወልታት'ውን ካብ ንሓስ ተቐሪጹ ብሓበን ተቐሚጡ'ዩ።
ክለርክ ግን፡ ካብዚ መስርዕ "ጀጋኑ" ተኣልዩ።
ንምንታይ ኢልና ዝሓተትናዮም ሰባት፡ ንሱ ፈራሕ ከም ዝኾነ ብምግላጽ ጠሊሙና'ዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ ይዛረቡ።
ክለርክ፡ ምስ ሞተ እቲ ፋውንዴሽኑ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ ኣብ ሓደ እዋን ንስርዓት ኣፓርታይድ ዝድግፍ እኳ እንተነበረ ኣብ 1980ታት ግን "ሙሉእ ንሙሉእ ተቐይረ'የ" ክብል ይስማዕ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
በዚ ምኽንያት ምስ ማንዴላን ካልኦት ፖለቲከኛታትን ክዘራረብ ከም ዝወሰነ ገሊጹ።
"ሎሚ'ውን ክደግሞ፤ ኣፓርታይድ ንጸለምቲ፣ ህንዳውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘብጽሖ ቓንዛ፣ ጉድኣትን ንዕቀትን ይቕሬታ ይሓትት" ክብል ኣብቲ ናይ መወዳእታ ብቪድዮ ዝገደፎ መልእኽቲ ገሊጹ።
ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ውርሻ ኣፓርታይድ ሚሊዮናት ኣብ ትሕቲ ድኽነትን ዘይማዕርነታዊ ስርዓትን ክነብሩ ገይሩ እዩ ኢሎም ይኣምኑ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







