ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተዋዛያይ ትሬቨር ኖህ ረባሺ ከምዝነበረ ዓባዩ ተዛሪባ

ምንጪ ስእሊ, Kevin Mazur
ውሩይ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተዋዛያይ ትሬቨር ኖህ፡ ምስ ጓል 91 ዓመት ዓባዩ ዝገበሮ ደስ ዘብል ቃለ መሕተት ፈኒዉ ኣሎ።
ነቲ ቃለ መሕተት ኣብቲ 'ዴይሊ ሾው' ዝበሃል መደቡ ከቕርቦ እዩ ቀሪጽዎ።
ትሬቨር መበል 100 ዓመት ልደት ኔልሰን ማንዴላ ኣብ ዝኽበረሉ ምርኢት ክርከብ እዩ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከይዱ።
ትሬቨር ንዓባዩ፡ ኣብ እዋን ኣፓርታይድ ንዝነበራ ተመኩሮን ህይወት ቁልዕነቱ እንታይ ይመስል ከምዝነበረን ሓቲትዋ።
ትሬቨር ብቖልዕኡ "ዘይደክምን ናይ ብሓቂ ረባሽን" ከምዝነበረ ምስገለጸት፡ ክርብሽ ከሎ ድማ ብሸበጥ ገይራ ትቐጽዖ ከምዝነበረት ነጊራቶ።
"እዚ ገዚፍ መቐመጫኻ፤ ንሸበጠይ ይፈልጣ እዩ" ክትብል ድማ ተዋዝያትሉ።
ነቲ ዝነበሮም ጻንሒት ኣብዚ ቪድዮ ረኣይዎ፡
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







