ስደት፡ 1000 ስደተኛታት ብባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ብሪጣንያ ብምእታዎም ዝለዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ

ሓለዋ ባሕሪ ኣብ ንኣሽጡ ጃልባ ዝረኸብዎም ስደተኛታት ናብ ዓባይ መርከብ ሰቒሎም እናወሰድዎም

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ኣስታት 1000 ስደተኛታት ብጃልባ ናብ ዓባይ ብሪያንያ ብምእታዎም፡ እቲ ቁጽሪ ዝለዓለ ኮይኑ ተመዝጊቡ።

ብተዛማዲ ባሕሪ ኢንግሊዝ ቻነል ካብ ማዕበል ሃዲኡ ስለ ዝነበረ፡ እተን ብዙሓት ስደተኛታት ጽዒነን ዝነበራ ጀላቡ ብድሓን ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክኣትዋ ምኽኣለን ይግለጽ።

ጠንቂ ክንድዚኦም ዝኣኽሉ ስደተኛታት ኣብ ሓደ መዓልቲ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሰግሩ ምኽኣሎም፡ ፈረንሳ ሓለዋኣ ተላሕልሕ ስለ ዘላ እዩ ተባሂሉ ትንቀፈሉ ኣላ።

ኣብ ዓመተ 2021 ልዕሊ 23 ሽሕ ሰደተኛታት ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ሰጊሮም ኣለዉ።

ምስቲ ኣብ መላእ ዓመት 2020 ተመዝጊቡ ዝነበረ 8404 ብምንጽጻር እቲ ቁጽር ብሰለስተ ዕጽፊ ዛይዱ ኣሎ።

ልዕሊ 98 ሚኢታዊት ካብቶም ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ብጃልባ ዝኣትዉ ስደተኛታት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ኣተዉ'ዮም ዑቕባ ዝሓቱ።

እንተኾነ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መገሻታት ደው ምስ በለ ናይ መብዛሕትኦም እቶም ሕቶ ዑቕባ ዘቕርቡ ስደተኛታት ሕቶኦም ይንጸግ'ዩ ዘሎ።

ኣብ 2019፡ 35,737 ስደተኛታት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑቕባ ክሓቱ እንከሉ ኣብ 2020 ግን እቲ ቁጽሪ ናብ 29,815 ወሪዱ።

ኣብ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ ዓመተ 2021 ኸኣ 14,670 ስደተኛታት ሕቶ ዑቕባ ኣቕሪቦም።

መንገግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ተመሳሳሊ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደው ንምባል ሓዲሽ ወጥን ከም ዝነድፍ ብምግላጽ "ገበትቲ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ገንበዞም ንክግሕጡ ስቅ ኢልና ሞት ሰባት ክንርኢ ኣይንክእልን ኢና" ኢሉ።