ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝፈርሕኦ ፈጸጋ ብኣመጋግባ ክፍወስ ይኽእልዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መላእ ዓለም ሓያሎ መንእሰያት ምስ ፈጸጋ ክቃለሱ ይረኣዩ።
ፈጸጋ፡ ጽሕጊ ጸጕሪ ብዘይትን ዝሞቱ ዋህዮታት ቈርበትን ምስ ዝዕጸዉ እዩ ዝመጽእ።
ዝያዳ ኣብ እዋን ጕርዝውና ዝረአ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ኵሉ ዕድመን ዓሌትን ንዝርከቡ ሰባት ክጸሉ ይኽእል።
ኣብ እዋን ጕርዝውና፡ ወርሓዊ ጽግያት፡ ጥንሲን ዘጋጥም ለውጢ ሆርሞናት ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጠንቅታት ፈጸጋ እዩ።
ፈጸጋ ሰረታዊ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ፤ ኣብ ስድራቤትና ታሪኽ ፈጸጋ እንተ ሃልዩ ፈጸጋ ናይ ምምዕባል ተኽእሎና ይውስኽ።
ገለ መመላኽዒታት፡ ቅብኣት ዘለዎም ፍርያት ጸጕሪ፡ ገለ መድሃኒታት ከይተረፈ ፈጸጋ ከነማዕብል ኣበርክቶ ክገብሩ ይኽእሉ።
እዚ ጸገም ቆርበት ግን ብኣመጋግባ ክፍወስ ይኽእልዶ?
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሃሰስ እንተ ኢልኩም፡ ብቐሊሉ ብዙሕ ሓሳባት፡ ምኽርታትን ትረኻታትን ክትረኽቡ ትኽእሉ።
ግን ኵሉ ዝቐርብ ሓሳብን ምኽርን ቅኑዕ እዩ ማለት ኣይኰነን።
"እዚ መዓልታዊ ዘጋጥመኒ ጉዳይ'ዩ፡" ትብል ኣማኻሪት ሓኪም ቆርበት ዶክተር ኣንጃሊ ማህቶ።
"ብዙሓት ሰባት ብኣመጋግባኦም ሕማም ቆርበቶም ንምቍጽጻር ይፍትኑ እዮም። ገሊኦም ካብ ኣዕሩኽን ቤተሰብን፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወይ ኢንተርነት ብዝረኽቦ ድኹም ሓበሬታ ከምኡ ክገብሩ ይፍትኑ፡" ትብል።
ኣብ ክንዲ ናብ ሓኪም ምኻድ፡ ካብ ሓደ ተጽዕኖ ፈጣሪ ዝተዋህበ ምኽሪ ኣመጋግባ ምኽታል ዘስዕቦ ጸገም ብቐጻሊ ከም ዘጋጥማ ዶክተር ማህቶ ትገልጽ።
"ሰባት ኣብ ክንዲ ሞያዊ ሕክምናዊ ምኽሪ ዝደልዩ፡ ብዙሕ ግዜ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኢንተርነትን ናይ ኦንላይን መጽሔታትን ክኸዱ ይረኣዩ። ግጉይ ሓበሬታታት ብዙሕ እዩ፡ ኣብ ዕዳጋ ውልቃዊ ክንክን ዝነጥፉ ድማ ድሌቶም [ፍርያቶም] ምሻጥ እዩ።"

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock
ልዑል ቅብኣት ዘለዎ መግቢ ፈጸጋ የስዕብ ድዩ?
"ልዑል ቅብኣት ዘለዎም መግብታት ጠንቂ ወይ መበገሲ ፈጸጋ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ኣረኣእያ ኣሎ፡" ትብል እታ ዶክተር።
እዚ ግን ልሙድ ግጉይ ኣረኣእያ እዩ።
ይዅን'ምበር፡ ልዑል ቅብኣት ዘለዎም መግብታት ኣብ ምብሳል ብዙሕ ግዜ እንተ ወሲድና፡ ኣብ ቆርበትና ዝያዳ ጸገም ክነስተብህል ተኽእሎ ኣሎ።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ እቲ መግቢ ብዙሕ ዘይቲ ስለ ዝመጥጥን እዚ ድማ ኣብ ጽሕጊ ጸጕርና ክጣበቕን ክዓጽዎን ስለ ዝኽእል'ዩ።
እንተዀነ ግን ልዑል ደረጃ ሽኮር ዘለዎም ወይ ሽኮር ደም ዘስዕቡ መግብታት፡ ወይ ድማ ብቐጻሊ ልዑል ዝተጻረየ ሽኮር ዘለዎም ኣመጋግባታት፡ ፈጸጋ ከስዕቡ ከም ዝኽእሉ ስነፍልጠታዊ መርትዖታት ይቕልቀሉ ከም ዘለዉ ወሲኻ ትገልጽ።
እዞም ብቕልጡፍ ኣብ ደም ዘሎ ሽኮር ክብርኽ ዝገብሩ መግብታት፡ ጻዕዳ ባኒ፡ ሩዝ፡ ብሽኮቲ፡ ኬክ፡ ዶናት፡ ክሮሳንት ዝኣመሰሉ ይርከብዎም።
እዞም መግብታት ኣካል ጥዑይ ኣመጋግባ ክዀኑ ይኽእሉ'ዮም፣ እንተዀነ ግን ብመጠኑ ክውሰዱ ከም ዘለዎም ዶክተር ማህቶ ትምዕድ።
ውጽኢት ጸባ ፈጸጋ ከስዕብ ይኽእል ድዩ?
"ንገለ ውሑዳትን ዝተወሰኑን ሰባት፡ ጸባ ካብ ኣመጋግባኦም ምእላይ ረብሓ ክህልዎ ይኽእል እዩ፡" ትብል ዶክተር ማህቶ።
ትሑት ስብሒ ዘለዎ ጸባ ካብቲ ምሉእ ስብሒ ዘለዎ ንላዕሊ ጸገም ዘለዎ ከም ዝመስል ሕክምናዊ መጽናዕትታት ይሕብሩ።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያታት ግን ንጹር ኣይኰነን።
"ስለዚ፡ ጸባ ኣብ ዝተወሰኑ ሰባት ተራ ክህልዎ ይኽእል እዩ፡" ትብል።
"ጸባ ንኣብነት ክንዲ ርግኦ ወይ ፎርማጆ ተመሳሳሊ ጽልዋ ዘይክህልዎ ይኽእል እዩ፡" ብምባል ሕጂ'ውን ብዙሕ ዘይተነጸረ ነገር ከም ዘሎ ትሕብር።
ተመራመርቲ ኣብ መንጎ ጸባን ፈጸጋን ዘሎ ምትእስሳር ንምፍላጥ ክሳዕ ሕጂ እናጸዓሩ ይርከቡ።

ምንጪ ስእሊ, Wikipedia
ፈጸጋ ዘስዕቡ 'ሕማቕ መግብታት' ኣየኖት እዮም?
"ብባህሪኡ 'ጽቡቕ' ወይ 'ሕማቕ' ዝበሃል መግቢ የሎን። ኣመጋግባ ዝያዳ ኣብ ምሉእ ዕድመኻ ብቐጻልን ብጥዑይን ኣገባብ ምብላዕ'ዩ። ሚዛን ምሕላው ወሳኒ ነገር'ዩ፡" ትብል ዶክተር ማህቶ።
"እንተዀነ ግን ንመብዛሕትኦም ፈጸጋ ዘለዎም ሰባት፡ ኣመጋግባ ብመጠኑ ሸለል ዘይበሃል ውጽኢት ክህልዎ ተኽእሎ ኣሎ፡" ክትብል ትውስኽ።
ፈጸጋ ብካሎሪ፡ ስብሕን ዝተጻረየ ካርቦሃይድረይትን ዝሃብተመ ኣመጋግባ ሓያል ምትእስሳር ኣለዎ።
ከም በርገር፡ ናጌትስ፡ ሃት ዶግ፡ ፍሬንች ፍራይ፡ ለስላሳ ዝኣመሰሉ ብቕልጡፍ ዝበጽሑ መግቢታት፡ ንሓደጋ ፈጸጋ ክውስኹ ተኽእሎ ኣሎ።
ካፈይን ወይ ቡን፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ማርጋሪን፡ ቺፕስ ዝኣመሰሉ ብቐጥታ ፈጸጋ ዘስዕቡ እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ኣብ ገለ ውልቀሰባት ግን ዝጸንሐ ፈጸጋ ከጋድዱ ይኽእል እዮም።
ፈጸጋ ንምንካይ ከም ዝሕግዙ ዝንገረሎም መግብን መኣዛታትን
ፕሮባዮቲክስ፡ ኣንቲኦክሲዳንት፡ ኦሜጋ-3 ስብሒ ኣሲድ፡ ዚንጎን ቫይታሚናት ኤን ኢን ንፈጸጋ ተቓላዒ ቆርበት ከም ዝሕግዙ ክንገር ጸኒሑ እዩ።
ስነፍልጠት ግን ነቲ ይድግፎዶ?
"ኣብዚ ዘሎ መረዳእታታት ውሱን ኰይኑ፡ ካብ ንኣሽቱ ትዕዝብታዊ መጽናዕትታት ዝመጽእ እዩ፡" ትብል ዶክተር ማህቶ።
ንሳ ከም እትብሎ ድማ እዞም መጽናዕትታት፡ ብተዛማዲ ውሑዳት ተሳተፍቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድኹም ኣገባብ ወይ ቅዲን ፈተነን ስታቲስቲካዊ ትንተናን ዘለዎም'ዮም።
ስለዝዀነ ድማ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ መግብታት ብዘየማትእ መንገዲ ፈጸጋ ንምንካይ ሓቀኛ ረብሓ ኣለዎም ንምባል ኣጸጋሚ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock
ጭንቀት እንተ ተሰሚዕኩም. . .
"ዝዀነ ሰብ ብሰንኪ ፈጸጋኡ ሕማቕ ወይ ርእሰ-ንቕሓት ክስምዖ የብሉን፡" ትብል ዶክተር ማህቶ።
ብዛዕባ ቆርበትና ምጭናቕ ከንቱነት ኣይኰነን።
ፈጸጋ ድማ ናይ ጽባቐ ወይ መመላኽዒ ጸገም ከም ዘይኰነ ክንግንዘብ ኣለና።
ፈጸጋ ሕክምናዊ ፍወሳታት ዘለዎ ኵነታት'ዩ።
ስለዚ ሰባት ስቕ ኢሎም ክሳቐዩ ኣይግባእን።
"ኣብ ፍርያት ጽባቐ ወይ መመላእታታት ብዙሕ ገንዘብ ንምውጻእ ክታለሉ የብሎምን።"
ካብ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ወይ ካብ ኣማኻሪ ሓኪም ቆርበት ሞያዊ ሓገዝ ምድላይ ረብሓኡ ይዓዝዝ።
ዶክተር ማህቶ፡ "ፈጸጋ ምስ ጭንቀት፡ ቅዛነት፡ ትሑት ርእሰ-ምትእምማንን ድኹም ምስሊ ኣካላትን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፣ ብሰንኩ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ በሰላ ቅድሚ ምምዕባልኩም ክንሕክመኩም ንደሊ፡" ብምባል፡ ሰባት ሞያዊ ሕክምና ከቐድሙ ትምዕድ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







