ብፍርያት መጸባበቒ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ዝረኽባ ዘለዋ ኤርትራውያን ማናቱ

ሰብ ሞያ ፍርያት መጸባበቒ መናቱ ፌቨንን ሄለንን

ምንጪ ስእሊ, FEVEN/HELEN

ፈቨን ተስፋሚካኤልን ሄለን ተስፋሚካኤልን ‘ከሽመል ግርባ’ ኣብ ዝበሃል መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ተወሊደን፡ ፕሮስፒተርያን ቤተክርስትያን ሮቸስተር ኒውዮርክ ብዝገብሮ መደብ ምሕጋዝ ስደተኛታት ድማ፡ ኣብ ካልኣይ ዓመተ ልደተን ምስ ወለደን ናብ ኣሜርካ ዝተሰደዳ ኤርትራውያን መናቱ ኣሕዋት እየን።

እዞም ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ዝረኸቡ ስድራ ቤት፡ ሰለስተ ቘልዑ ሒዞም ኣብ ሓድሽ ባህሊ፡ ክሊማን ሕብረተሰብን ናብራኦም ኣሃዱ ኢሎም ፈለሙ። እቲ ምዕባይ ቈልዑ በዳሂ'ኳ እንተነበረ ብልዑል ጻዕርን ተወፋይነትን ብባህለንን መንነተንን ዝሕበና፡ ወለደንን ሕብረተሰበንን ዘኽብራ ብትምህርተንን ስነ ምግባረንን ዝምስገና ማናቱ ኣዋልድን ክልተ ኣወዳትን ከዕብዮ በቒዖም።

ሄለን ብ ዓውዲ፡ መንግስትን ስነሕብረተሰብን ብዲግሪ ተመሪቓ፤ ፌቨን ድማ ብ ብሜድያን ርክባትን ቀዳማይ ዲግሪ፡ ብትምህርቲ ሰብኣዊ ዝምድናታት ከኣ ብኻልኣይ ብዲግሪ ተመሪቓ።

እዘን ብፍቕሪ ስድራ ቤት ማሚቘን ዝዓበያ ኣሓት፡ ናብ ሓደ ኮለጅ ክኸዳ'ኳ ድሌት እንተነበረን ኣቦአን ነንበይኑ ተመኵሮ ሂወት ምእንቲ ከጥርያን፡ በበይንኻ ምንባር ክፍትናኦ ንዝሃበን ማዕዳ ተቐቢለን ኣብ በበይኑ ኮለጃት ዘዝመረጾኦ ዓውደ ትምህርቲ ተማሂረን። እተን ኣብ ሂወተን ንመጀመርያ ግዜ ዝተፈላለያ ኣዝየን ዝፋተዋ ማናቱ፡ ኣብታ ቀዳመይቲ ወርሒ ብምሒር ናፍቘት ከባቢ 300 ዶላር ክሳብ ዝኸፍላ ክደዋወላ ይውዕላ ከምዝነበራ እናሰሓቓ ዘዘንትዋኦ ተዘክሮ እዩ።

በብቲ ዝተማህራሉ ዓውድታት እናሰርሓ ከኣ ጐድኒ ጐድኑ'ውን ሓቢረን ምስ ውጥን መርዓ ዝተሓሓዝ ትካል መስሪተን ክሰርሓ ጀመራ። ንከባቢ ሰለስተ ዓመት ምስ ሰርሓ ግን ከምቲ ዝሓለናኦ ስለዘይከደለን ኣቋረጻኦ።

ብኡኡ ተስፋ ከይቈረጻ ግን፡ እንታይ እዩ ከሕጕሰናን ከርብሓንናን ዝኽእል ስራሕ ኢለን ብምምይያጥ፡ እቲ ኣብ ግዜ ቝልዕነተን ንመሓዙተንን ቤተሰበንን (ሜክ-ኣፕ) መጸባበቒ፡ ዝገብራለን ዝነበራ ብምዝካር፡ ኣብ 2019፡ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ዘለወን መልክዕ ዘጕልሓሉ 2-4-1 ኮስሞቲክስ ዝሰመያኦ፡ ሊፕስቲክን ፈሳሲ ኩሕልን ዘፍሪ ትካል ከፊተን።

ነዊሕ ከይጸንሓ ግን ኣብ ዓለምና ኮቪድ 19 ምስተላብዐ፡ ብዙሕ ብድሆን መሰናኽልን ኣጋጠመን። ስርሐንን ፍርያተንን ንኸላልያን መወልቲ ኣካላት ንክረኽባን ኣበርቲዐን ጸዓራ። ይዅን እምበር ኣብቲ ብጸዓዱን ሃብታማት ሰብ ዝናን ዝተዓብለለ ሓያል ውድድር ዘለዎ ኢንዱስትሪ ስነ-ጽባቐ፡ ንራኢአን ኣሚኑ ፋይናንስያዊ ምወላ ዝገብረለን ትካል ይዅን ውልቀሰብ ኣይረኸባን።

እንተዀነ እተን ኣሓት፡ ሕጂ'ውን ከይተሰናበዳ ኣብ ገዛእ ርእሰን ብምትእምማን ክንገብሮ ንኽእል ኢና ኢለን ብናተን ንእሽቶ ርእሰ ማል ተበገሳ። ዝሸጣሉ ድኳን ክኸፍታ ዓቕሚ ስለዘይነበረን ከኣ ኣብ ኢንስታግራም ፍርያተን ከላልያን ብ ኦንላይን ክሸጣን ጀመራ።

“ኣብ ፈለማ ኵሉ እዩ ዝኸብደካ፣ ዘይትፈልጦ ኣይትፈልጦን ኢኻ፤ ግን ካብታ ዘለኻያ ብዘለካ ምስ እትብገስ ኣብቲ ጕዕዞ እናፈለጥካን እናተመሃርካን እናዓበኻን ኢኻ ትኸይድ። ኣብ ሂወት ተስፋ እንተዘይቈሪጽካን ብትግሃት እንተሰሪሕካን ኵሉ ከም እትበጽሖ ባባን ማማን ብሂወቶም ኣርእዮምና እዮም። ለይትን ቀትርን ጽዒሮም፡ ኣቦና 8ይ ክፍሊ በጺሑ መጺኡ፡ ናብራ ከየሕመቘ ክሳብ ማስተርስ ተማሂሩ። ኣደና እውን ብወገና ቈልዑ እናዕበየትን ክልተ ስራሕ እናሰርሐት ነርስ ክትመሃር እናረኣናዮም ስለ ዝዓበና ሓቦን ኒሕን ካብኦም ኢና ወሪስናዮን ተማሂርናዮን፡" ብምባል ብዛዕባ እቲ ኣብ ተወዳዳሪ ንግዲ ብትብዓት ኣትየን ከድምዓ ዘኽኣለን ምስጢር ኣብነታዊ ሂወት ወለደን ምዃኑ ይግልጻ። 

ሰብ ሞያ ፍርያት መጸባበቒ መናቱ ፌቨንን ሄለንን

ምንጪ ስእሊ, FEVEN/HELEN

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ስደትን ብድሆታቱን ብኸመይ ይገልጻኦ?

ፌቨን፤ ሄለን ሓፍተይ፡ እቲ ሓቦ ኣብ ደምና ጸኒሑ እያ ትብል። ኣነ'ውን “ታሪኽና ቅድሚ ምውላድና እዩ ጀሚሩ" ኢለ እየ ዝሓስብ። ብሓቂ ድማ ከምኡ እዩ፤ መጀመርያ ምስ መጻእካ ናይ ባህሊ ብድሆ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ክሊማ ብድሆ'ውን እዩ ዝኸብደካ። ሃሩር ካብ ዝበዝሖ ቦታ ጸሓይ ናብ ዘይትረኣየሉ ዓዲ በረድ ምስ መጻእካ፡ ባህሊ ጥራይ ዘይኮነስ ክሊማ'ውን እዩ ዝከብደካ፤ ግን፡ ወለድና ነቲ ኣይከውንን እዩ ዝበሃል ክስዕርዎ ስለ ዝረኣና ንዅሉ ክንሓልፎ ኣይተጸገምናን። ዘይከኣል ከምዘየለ ብሂወቶም ኣብነት ዝዀኑና ወለዲ ስለዘለዉን፡ ኣብ ሮቸስተር ዘለዉ ኤርትራውያን ማሕበረኮም እውን ክንዲ ኣኮ፡ ሓወቦ፡ ዓባይናናን ኣባሓጐናን ብምዃን ስለዘማሞቝና ንዅሉ ብድሆ ክንስዕሮን ኣብ ኵሉ መዳይ ሂወትና ብዙሕ ክንዕወት ኣኽኢሉና እዩ።

ብኸመይ ኢኽን ናብ ኢንዱስትሪ መጸባበቒ ኣቲኽን?

“ማማ ስራሕ ክትከይድ እንከላ ቀይሕ ሊፒስቲክ ክትገብር ንርእያ ስለዝነበርና ምጽብባቕ ከም ነብሰ ክንክን ገይርና ኢና ንወስዶ። እቲ ዘለና ጽባቐ ከነጕልሖ እምበር ንኻልኦት ክንመስል ኣይንደልይን ኢና። መብዛሕትኡ ግን ምስ ናትና ሕብሪ ቆርበት ዝኸይድ ስለዘይነበረ መጀመርያ ንዓና ንጥቀመሉን ንኻልኦት ዝተፈላለየ ሕብሪ ቆርበት ዝውንና ደቀንስትዮ ዘካተተ ፍርያት ሰሪሕና፡" ብምባል ንኣጀማምራአን የዕልል

ስያመ '2-4-1' ኸ እንታይ ንምባል እዩ?

[ስሓቅ. . .] መናቱ እንተዄንካ . . . ብዙሕ ግዜ ክልተ ንሓደ (2 -1) ዝብል ሓደ ልሙድ ኣሜሪካውያን ዝጥቀምሉ ኣበሃህላ ኣሎ። ቀጻሊ ሰባት ከምኡ ክብሉና እንከለዉ፡ ባባ ድማ ዕትብ ኢሉ ዋእ ከምኡ ዝበሃል የለን! ኣብ ክብሪ ርእስን ዲስካውንት ዝበሃል የለን ኢሉ ይምልሰሎም ነይሩ። በዚ ከኣ ከም ደቀንስትዮ ናይ ብሓቂ ኣብ ገዛእ ርእስና ዘሎና ኣረኣእያ ካብ ብንኣሽቱና እናተሃንጸ መጺኡ። በዚ ተዘክሮ ድማ ኢና ነዛ ትካልና 2-4-1 ኢልናያ።

እዘን ማናቱ ክኢላታት መጸባበቒ ኣቓልቦ ኦፕራ ዊንፍሪ፡ ቦቢ ብራውንን ካልኦት ዓበይቲ ዓለምና ክስሕባ ዝኸኣላ ክዀና እንከለዋ ብኸመይ እየን ናብዚ ደረጃ'ዚ በጺሐን? ዝረኸባኦ ጥቕሚ ኸ እንታይ ይኸውን?

ፌቨን፤ መጀመርያ እዚ ዅሉ ዓወት ውጽኢት ጻዕርናን ኣብ ስራሕ ዘለና ትግሃትን እዩ ኢለ'የ ዝሓስብ። ብተወሳኺ ኵሉ ፍርያትና ኣዝዩ ኳሊቲ እዩ፣ ጸለምቲ ስደተኛታት ምዃንና፡ ማናቱ ምዃንና ኸኣ ናይ ገዛእ ርእሱ ተራ ነይርዎ።

ንሕና ንናይ ኣሜርካ ሲስተም ብዝግባአ ፈሊጥና ምስቲ ናትና ኤርትራውነት ጽቡቕ ጌርና ኢና ሃኒጽናዮ። ድሕረ ባይታና ድማ ጽቡቕ ሓጊዙና።

2-4-1 ኮስመቲክስ ምስ ጀመርና፡ ኣብ 6 ወርሑ እዩ ኮቪድ መጺኡ። ብዙሕ ውረድ ደይብ ሓሊፍና ገና ሕጂ ኣብ 3 ዓመትና ኦፐራ ክልተ ግዜ፡ ን2-4-1 ኮስመቲክስ ኣብ ዝርዝር ኣመና እትፈትዎ ፍርያት ረቝሓትና። ኦፕራ ክትረቚሓና እንከላ ኣዝዩ ዓቢ ነገር እዩ። ምኽንያቱ ካብ ኵሉ ሽነኽ ሂወት ኣዝዮም ብዙሓት ሰዓብቲ ስለዘለዉዋ፡ ፍርያትና ኣብ ብዙሕ ክባጻሕ ዓቢ ግደ ነይርዎ፤ ብዙሕ ሰብ ከኣ ፈሊጡና። ብመንገዳ ድማ ምስ ብዙሓት ዓበይቲ ብራንድታትን ጸለውቲ ሰባትን ናይ ምርኻብ ኣፍደገታት ተኸፊቱልና። ብሳላኡ ድማ መሸጣናን ኣታዊናን ክብ ኢሉ።"

ሄለን፤ ነታ 2-4-1 ወብሳይትና ንሰርሓሉ ኣብ ዝነበርና ግዜ፡ ከም ሓውሲ ዋዛ ኣብቲ ድሕረ ገጽና ኣብታ ሮል ሞደል እትብል ሊፕስቲክና መግለጺ ክንጽሕፍ እንከለና፡ ነንሕድሕድና ኦፕራ እንታይ ትብለና 'መስለኪ? እናተበሃሃልና፡ ክንጽሕፎ ዝዝከረኒ። ሕጂ ምስ ኦፕራ ተራኺብና ጥራክ ዘይኮነ፡ ፍርያትና ናይ ኦፕራ ናይ ሊፕስቲክ ምርጫ ኰይኑ ክርእዮ እንከለኹ እተመለሰ ጸሎት ኣደና ድዩ ወላስ ከምቲ ሰባት ዝብልዎ ሓይሊ ናይ ኣወንታዊ ዘርኢ ምዝራእ እዩ፡ እንድዒ ግን ኣዝዩ ይገርመኒ።

ከምቲ ሳይመን ሰዲክ ዝበሎ’ውን፡ “ሰባት እንታይ ትገብር ኣለኻ ዘይኮነስ ስለምንታይ ኢኻ ከምኡ ትገብር ንዝብል እዮም ካባኻ ዝገዝእዎ" ስለዚ ንሕና ድማ ኣብቲ ወብሳይትና ብዙሕ ዛንታታት ብምእታውና ምስ ሰባት ስምዒታዊ ምትእስሳር ፈጢሩልና። ብዙሓት ሰባት ነዚ ናይ ኦፕራ ምስያም ከም ተወዳዲርና ዝረኸብናዮ ወይ ዝተዓወትናዮ እዩ ዝመስሎም ግን ከምኡ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ ንሶም እዮም ረኺቦም ፍርያትክን ስደዳልና ኢሎምና።

ንሕናውን ሰዲድናሎም እዚ ዘግበሮም ድማ ኣነ ከምዝመስለኒ እቲ ዛንታና እዩ ብፍላይ "Go the extra mile, its never crowded” እትብል ሓረግን ከምዝታት ዘተባብዕን ዘነቃቕሕ ካልእ ብህሎታትን ፍርያትናን ምናልባት እውን ነቲ ሃቐነና ስለዝረኣይዎ እዮም መጀመርያ ረኺቦምና።

ተወሳኺ እውን ፍርያትና ንጸለምቲ፡ ጸዓዱን ብርህ ዝበለ ሕብሪ ቆርበት ንዝውንና ደቀንስትዮ ኮታስ ምስ ኵሉ ዓይነት ሕብሪ ዝሰማማዕ ምዃኑ ብዙሕ ብልጫታታት ኣሎዎ። ኦፕራ'ውን ሓተቲ ዑቕባ ክነስና ኣብ ከምዚ ደረጃ ምብጻሕና ብምንኣድ ኣብ መጽሄታ ጠቒሳቶ ኣላ።

ኣስመራን ቀይሕ ባሕርን ብዛዕባ ዝተሰምዩ ፍርያትክን ከ?

ምስላ ኣፍሪቃውያን ኣሎ፣ ንላዕሊ እናደየብካ ክትከይድ እንከለኻ፡ እታ ኣስካላ ኣበይ ከም ዘቐመጥካያ ዘክር ይብሉ። ማለት ካበይ ከም ዝመጻእካ ክትርስዕ የብልካን። ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ መሰረት ንሱ ስለዝዀነ። ንሕና ድማ ኣብ ውሽጥና ንሃገርና ብዙሕ ነገር ክንገብር ኢና ዝብል ዓሚቝ ስምዒት ኣሎና።

ኣብ ሃገርና ጽርግያታት መሳለጥያታትን ካልእ ብዙሕ ንህዝብና ከነበርክት ሕልምና እዩ። ልብና ኣብኡ ስለዘሎ ኢና ድማ ንገለ ካብቲ ፍርያትና፡ ኣስመራ፡ ቀይሕ ባሕሪ ብምባል ሰሚናዮ። እዚ በቲ ሓደ ምስ ርእሰ ከተማና ሌላ ንዘይብሎም ብዛዕባ ሃገርና ክንነግሮም ዕድል ይህበና። ስለ ዝዀነ ኣብ ኵሉ ኤርትራ ክትጽዋዕን ክትፍለጥን የኽእላ እዩ። ኣስመራ ሊፕስቲክ ኣብ ማእከል ዓበይቲ ብራንድታት ዓለምና ተሰሪዑ ክትርእዮ እንከለኻ ካብኡ ዝዓቢ ሓበን የለን።

ኣብ ስደት ብብዙሕ ውረድ ደይብ ንዝሓልፋ ደቀንስትዮ ዘለክን መልእኽቲ?

ግደ ሓቂ ክንዛረብ ሎሚ ንስኺ ክትዕድምናን እዚ ዅሉ ረኺብናዮ ዘሎናን ክንረኽብ ዝኸኣልና ልዕሊ ሰብና ነፊዕና ዘይኰንናስ፡ ዕድልን ኣጋጣምን ስለዝረኸብና እዩ። ብርግጽ ድማ ኣብ ኤርትራ ይዅን ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራት ስደተኛታታት ዘለዋ ኣሕዋትና ካባና ንላዕሊ ክገብራ ከምዝኸእላ ንኣምን ኢና።

ካብ ተመኵሮና ክንዛረብ እንተዄንና ኵሉ ግዜ ንሓደ ነገር ክበጽሖ እየ እንተኢልካ ከም ትብጽሖ ክንነግረን ከነዘኻኽረን ንደሊ። ካልእ'ውን በቲ ዘለካን ኣብቲ ዘለኻዮን ኴንካ ኢኻ ክትብገስ ዘሎካ። ስለዚ ብኣጋኡ ብሕቶታትን ፍርሕን ኣይትከልከላ። ምኽንያቱ ዘይበጻሕካዮ ክትፈልጥ ኣይትኽእልን ኢኻ። እቲ ጕዕዞ ምስ ጀመርካዮ ግን እናተማሃርካን ብዙሕ እናፈለጥካን ስለ እትኸይድ ኣጆኽን ክንብለን ንፈቱ። 

ሰብ ሞያ ፍርያት መጸባበቒ መናቱ ፌቬንን ሄለንን

ምንጪ ስእሊ, FEVEN/HELEN

መጻኢ መደባትክን?

መጀመርያ ከም ኤርትራውያን ዜጋታት ንህዝብና ብእንኸእሎ ክንሕግዝ እቲ ዝዓበየ ራኢና እዩ። ብዘይካ'ዚ እውን ኣብ መጻኢ ፍርያትና ኣብ ሃገርና ኣትዩ ህዝብና ተጠቃሚ ክኽውን ሕልምና እዩ። ኣነን ሄለንን እውን ኣብ ኣፍሪቃ መጺእና ከነውፍር ዓቢ መደብ ኣሎና።

ኣፍሪቃውያን ንኣፍሪቃ ከይዶም ዘይተበርበረ ጸጋታት ክጥቀምሉ እውን ንእግረ መንገድና ንላቦ፡ ብምባል የዕልላ።

ወላዲአን ኣቶ ተስፋሚኪኤል ዮሃንስ እውን ንዓወት ደቁን ኣተዓባብያአንን ኣመልኪቱ፡ “ኣነን በዓልቲ ቤተይን፡ ከም ኣቦን ኣደን ሓድነትን ስምረትን እንተ ሃልዩካ ውሉድካ ኣብ ቁም ነገር ክበጽሑ ይኸእሉ እዮም ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣሎና። ካብ መጀመርያ ገንዘብ ከምዘይነበረና ንፈልጥ ኢና። ጸለምቲ ኢና፡ ግናኸ ኩሩዓት ኢና፡" ይብል።

ኣተሓሒዙ ኣቶ ተስፋሚኪኤል፡ ስለዚ ንደቅና ገንዘብ ዘይኰነ ንሓድሕድካ ፍቕሪ፡ ምክብባር፡ መን ምዃንናን ካበይ ከምዝመጻእናን ብግሉጽ ብምንጋር ኢና ብዘለና ፍቕሪ ስራሕን ትሕትናን ኣርኣያ ክንኰኖም ፈቲንና፡ ይብል።

"መንነትና፡ ያታና፡ ባህልናን ታሪኽናን ኵሉ ከይሓባእና ምንጋርና መሰረቶም ክፈልጡን ብስርዓት ክኸዱን ጠቒሙና እዩ፡” ብምባል ኣቦአን እውን ብወገኑ ወድን ጓልን ኢሉ ከየዳለወ ማዕረ እቶም ኣወዳት እናረኣየ ከምዘዕበየንን እዚ ድማ ካብ ህጻንነተን ርእሰ ተኣማንነት ክዓብያ ከምዘኽኣለን ይዛረብ።

ኣብ ርእሲ'ዚ፡ “ሰባት ብዛዕባ መልክዐን ክዛረቡ እንከለዉ ንሕና ብዛዕባ ብልሐንን ልቦንናአንን እናነገርና ኢና ኣዕቢናየን። ርእሰ ተኣማንነተን፡ ኣብ ገዛእ ርእሰን ዘለወን ኣመላኻኽታ፡ ንሰባት ዘለወን ኣኽብሮትን ብዝግባእ ሃኒጽናዮ ኢና፡" ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ኣቶ ተስፋሚኪኤል ዮሃንስ፡ "ደቅና ኣብ መስተን ኣብ ካልእ ናይ ጸጋም ጐደናን ከይከዳ ሓሲብና ኣይንፈልጥን ኢና። ምኽንያቱ፡ ካብ ህጻንነተን ብዝግባእ መልሚልና ኢና ኣዕቢናየን። ብዓቢኡ ድማ ኣምላኽ ሓጊዙና። ከምዚአን ውሉድ ስለዝሃበና ነመስግኖ።” ክብል ወለዲ ንደቆም ኣብ ምቕራጽ ዝኽተልዎ ኣገባብ ኣተዓባብያ፡ ኣብ ሂወት ደቆም ዓቢ ተራ ከምዝጻወት ይገልጽ።