ህቡብ ድምጻዊ ዓሊ ቢራ ዓሪፉ

ድምፃዊ ዓሊ ቢራ

ሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዓውዲ ሙዚቃ ዝናን ተፈታውነትን ዝረኸበ ዓሊ መሓመድ ቢራ ኣብ መበል 75 ዓመቱ ከም ዝዓረፈ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ኣፍሊጡ።

ሞት ዓሊ ቢራ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኦሮሞ ዓቢይ ሓዘን እዩ ይብል መግለጺ ኮሚኒኬሽን ክልል ኣሮሚያ።

ኣብ ምምዕባል ስነ-ጥበብ ህዝቢ ኦሮሞ ዓቢይ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ዝንገረሉ ድምጻዊ ዓሊ ቢራ ብዙሓት ዘመን-ተሳገርቲ ሙዚቃዊ ስርሓት ኣበርኪቱ እዩ።

ግንቦት 1940 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዝተወልደ ዓሊ ቢራ፡ ንዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ብሰንኪ ዘጋጠሞ ጸገማት ጥዕና ሕክምናዊ ደገፍ ክረክብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ስነጥበባዊ ዓሊ ቢራ ቅድሚ ሕጂ’ውን ጸገማት ጥዕና ስለዘጋጠሞ፡ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ኣዳማን ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት ሕክምና ተገረይሩሉ ነይሩ።

ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ብሕማም ልብን ሕማም ሽኮርን ይሳቐ ምንባሩ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፉ 60 ዓመታት ኣብ ስርሓት ሙዚቃ ኦሮሞ ልዑል ዝናን ተቐባልነትን ረኺቡ እዩ። ኣብ ምምዕባል ሙዚቃ ቋንቋ ኦሮሞ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበረ’ውን ይዝረበሉ።

ዓሊ፡ ኣብቲ ንፍርቂ ዘመን ዝጸንሐሉ ናይ ሙዚቃ ሂወቱ ልዕሊ 260 ደርፍታት ዝተጻወተ ኰይኑ፡ ኣብ ስነ ጥበብ ብዝገበሮ ኣበርክቶ ብዙሕ ሽልማት ተዓዊቱ እዩ።

ብዘይካ ኦሮምኛ ብቛንቋታት ኣምሓርኛን ሶማልኛን እውን ተፈላጥነቱ ዘዕዘዙ ደርፍታት ኣፍርዩ።

ሙዚቃዊ ስርሓቱ ድማ በቶም ነቲ ቋንቋ ዝዛረቡ ሕብረተሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ ብኻልኦት እውን ዝለዓለ ተፈታውነት ክረክብ ኣኽኢሎምዎ እዮም።

እዋን ቁልዕነት ዓሊ

ዓሊ ንኣቦኡ ሓደ ወዲ እዩ። ብርግጽ ብወገን ኣደኡ ብዙሓት ኣሓትን ኣሕዋትን ኣለዉዎ።

ኣደኡን ኣቦኡን ክፈላለዩ እንከለዉ ወዲ ሰለስተ ዓመት እዩ ነይሩ።

“ኣቦይ ሰራሕ ማይ ቡንባ እዩ ነይሩ” ይብል ዓሊ። ምስ ኣቦኡ እዩ ዓብዩ።

ዓሊ ወዲ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ዓመት እንከሎ ኣቦኡ ናብ ሰይቲ ሓወቦኡ ወይዘሮ መይሮ ክነብር ወሰዶ።

ነታ ባኒ ብምሻጥ መዓልታዊ መነባብሮኣ ትመርሕ ዝነበረት ወ/ሮ መይሮ ንምሕጋዝ፡ ባኒ ኣብ ርእሱ ተሰኪሙ ዓሚል ንምስሓብ እናደረፈ ይሸይጥ ነበረ።

በዚ ብልሓቱ ከኣ ካብ ካልኦት መሓዙቱ ብዝቐልጠፈ ነቲ ዝሓዞ ባኒ ሸይጡ ክውድእ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብታ ዘመዱ’ውን ሓሙሽተ ሳንቲም ሞቑሽሽ ክረክብ ይገብሮ ነይሩ።

ንእሽቶ ዓሊ ፊደላት ምስ ተማህረ ቋንቋ ዓረብ ክመሃር ጀመረ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ መምህር ኣብ ዘይህልወሉ እዋን፡ ወይ ኣብ ዕረፍቲ ንመሓዙቱ ምድራፍን ምስዕሳዕን ባህ ይብሎ ነይሩ።

ብኣውራኡ ድማ ናይ ዓረብኛን ህንዲን ሙዚቃ ይጻወት።

ኣቦኡ ወዱ ዝዀነ ተክኒካዊ ሞያ ክህልዎ ይደሊ ስለዝነበረ፡ በዓልሞያ ዕንጨይቲ ክኸውን ይደፋፍኦ እኳ እንተነበረ፡ ልቢ ዓሊ ግን ናብ ሙዚቃ ሸፈተ።

መገሻ ጂቡትን ተጓንፎ ዓሊን...

ድምፃዊ ዓሊ ቢራ

ዓሊ ዝተወለደላን ዝዓበየላን ድሬዳዋ ካብ ተዛረብቲ ቋንቋታት ኣምሓርኛ፡ ኦሮምኛ፡ ኣደርኛን ሶማልኛን ብተወሳኺ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ተዛረብቲ ጣልያንኛን ፈረንሳኛን እውን ነይሮምዎ።

ዓሊ ቋንቋ ኦሮምኛ ካብ ዝዛረቡ ስድራ ቤት ዝመጸ'ኳ እንተዀነ፡ ምስ ኣቦኡ ግን ዓረብኛን ኣሮምኛን እናሓዋወሰ ይዛረብ ነይሩ።

ብኦሮምኛ፡ ኣደርኛ፡ ሶማልኛ፡ ዓፋርን ኣምሓርኛን ደሪፉ’ዩ። ብቛንቋ ወጻኢ ድማ ብዓረብ፡ ሽወደንን እንግሊዝኛን ደሪፉ።

ዓሊ ቢራ ምስ ጕጅለ ሙዚቃ ‘ኣፍረን ቀሎ’ ኰይኑ ኣብ ድሬዳዋ ስርሑ ከቕርብ ዝረኣዩ ሰባት ናብ ጅቡቲ ከይዱ ተመኵሮኡ ንኻልኦት መንእሰያት ከካፍልን ስርሑ ከቕርብን ሓቲቶምዎ።

እንተዀነ ኣብቲ እዋን ኣመሓደርቲ ድሬዳዋ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣባላት ባንድ ኣፍረን ቀሎ ናብ ጅቡቲ ዝቐረበሎም ዕድመ ምስ ሰምዑ ክቕበልዎ ኣይከኣሉን።

ዓሊን መሳርሕቱን ግን ምርኢት ከቕርቡ ብናይ ባዕሎም ውሳነ ናብ ጅቡቲ ኣምርሑ።

ኣብ ጅቡቲ ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጻንሒት ብምግባር ምስ ተመልሱ ድማ ኣባላት እቲ ጕጅለ ተኣሲሮም ናብ ማሕዩር ወረዱ።

ዝተኸሰሱሉ ምኽንያት 'ንንጉሰ ነገስት [ሃጸይ ሃይለስላሴ] ኣብ ስታድዩም ጅቡቲ ጸሪፎም' ዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ከምዝነበረ እቲ ስነጥበባዊ ይዝክር።

በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ 1956 ንሰለስተ ሰሙን ተኣሲሩ። ዓሊ፡ ዋላ'ኳ ነጻ እንተተባህለ፡ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ኣካላት ጸጥታ ግን በቲ ውሳነ ሕጕሳት ብዘይምንባሮም ብተደጋጋሚ ይኣስርዎ ከምዝነበሩ ይዛረብ።

ወላዲኡ፡ ወዶም በዚ ኵነታት ከይቅጽል ስለዝተጨነቝ ንኣዝማዶም ኣሸጊሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ሰደድዎ።

ዓሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መጸአ፡ ኣብ ሓጋይ 1957 ናብ ንጉሳዊ ጕጅለ ኪነት ‘ክቡር ዘበዐኛ’ [ናይ ክብሪ ሓለዋ] ተጸንበረ።

ዓሊ ኣብ ድሬዳዋ ምስ ዝነበረ ጕጅለ ሙዚቃ ኣፍረን ቀሎ ዝጀመሮ ዘመናዊ ስራሕቲ ሙዚቃ ኦሮሞ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሒዝዎ’ዩ ከይዱ።

ካብ ኣባላት ጕጅለ ሙዚቃ ኣፍረን ቀሎ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ ክብሪ ዘመናዊ ሙዚቃ ኦሮሞ ሓፍ ንምባል ዝበቕዐ እንኮ ድምጻዊ ዓሊ ቢራ ነይሩ።

ኣብ ክቡር ዘብዐኛ ክቑጸር እንከሎ፡ ደሞዙ 30 ብር ከምዝነበረ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ድማ 90 ብር ከምዝበጽሐ ይዛረብ።

ንሰለስተ ዓመት ምስ ክቡር ዘበኛ ድሕሪ ምስራሕ፡ ካብኡ ወጺኡ ምድር ባቡር ናብ ዝተበሃለ ካልእ ጕጅለ ብምእታው ክሰርሕ ጀሚሩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ሓድሽ ጕጅለ 138 ብር ወርሓዊ ደሞዝ ይኸፍሎ'ኳ እንተነበረ፡ ዓሊን ፍቕሪ ሙዚቃን ግን ብቐሊሉ ዝፈላለዩ ኣይነበሩን።

ሽልማትን ዓሊን

ዓሊ ኣብ 1984 ነይሩ ንፈለማ እዋን ካብ ኢትዮጵያ ጠቕሊሉ ዝወጽአ።

ካብ ሃገር ምስ ወጸ ድማ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ኮሌጅ ሰይንት ሞኒካ፡ ሙዚቃ (ናይ 20 ክፍለ ዘመን ምዕራባዊ ክልሰ ሓሳብ ሙዚቃ) ተማሂሩ ተመሪቝ።

ኣፍቃሪ ትምህርቲ ዝነበረ ዓሊ ኵሉ ግዜ ኣገዳስነት ትምህርቲ ይሰብኽ ነይሩ።

ድምጻዊ ዓሊ ቢራ ምስ በዓልቲ ቤቱ

"ድንቍርና ንኣእምሮ የዕውሮ" ዝብል ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ዝኸዶ ቦታ ትምህርቲ ናብ ኵሉ ክበጽሕ ጻዕሪታት ይገብር።

ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ፡ ሽወደን፡ ካናዳን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ስደት ዝነበረ ዓሊ፡ ኣብ ዕድመኡ ልዕሊ 50 ሽልማት ከምዝረኸበ ይግለጽ።

መብዛሕትኡ ድማ ኣብ ምዕባለ ባህሊ፡ ሙዚቃን ቋንቋን ኦሮሞ ብዝገበሮ ኣበርክቶ ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ዝተወፈዩሉ ናይ ዕድመ-ዘመን ሽልማትን ናይ ምስጋና ምስክር ወረቐትን እዮም።

ብተወሳኺ፡ ካብ ዩኒቨርስቲታት ጂማን ድሬዳዋን ናይ ክብሪ ዶክትረይት ረኺቡ።

ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ናይ ክብሪ ዶክትረይት ምስሃቦ፡ ካብቲ ኣብ ዝተወልደሉን ሙዚቃ ዝጀመረሉን ቦታ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ብዛዕባ ዝተዋህቦ ክብሪ ፍሉይ ስምዒት ተሰሚዕዎ’ዶ ይኸውን ዝብል ክገልጽ ካብ ቢቢሲ ሕቶ ቀሪቡሉ ነይሩ።

". . . ጎንደር ይዅን ጎጃም፡ ንዘኽበረኒ ኵሉ ሓደ ካብቲ ካልእ ኣብሊጸ ኣይርእን እየ። ነታ ኢደይ ዘርጊሐ ዝተስኣልክዋ ስእሊ ብምውሳድ፡ ካብቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ጂማ ንላዕሊ ሕጕስ ከምዝዀንኩ ይዛረቡ ነይሮም። ክልቲኦም ብማዕረ ከምዘኽበሩኒ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ፤ እግዚኣብሄር የኽብሮም" ክብል መልሲ ሂቡ።