ሰላም ዝሰበኸ ስነጥበባዊ ታሪኩ ብዛዕባ ስምምዕ ሰላም እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA
እታ ዲሽታግና ብትብል ንጽል ደርፉ ተፈታዊ ዝኾነ ታሪኩ ጋንካሲ፡ ኣብ ዝተርኽበሉ መድረኻት ሰላምን ፍቕርን ብምስባኽ ይፍለጥ።
እታ ምስ ሰማዕቲ ዘላለየቶን ብስም ሓድሽ ዓመት ብሄረ ኣሪ 'ዲሽታግና' ተባሂላ ዝተሰምየት ቀዳመይቲ ስርሑ፡ ብዛዕባ ፍቕርን ሰላምን እያ ትሰብኽ።
ዲሽታግና ኣብ ብሄረ ኣሪ ሓዱሽ ዓመት ብሓባር ዝበልዑሉ፡ ብሓባር ዝሰትዩሉ፡ ዝተባእሱ ዝዕረቑሉ፡ ንዝጸገሞም ዘካፈሉሉን ዝደጋገፉሉን በዓል እዩ።
ታሪኩ፡ እታ ደርፊ ምስ ወጸት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ በቲ ፍቕሪ ዘለዎን ዕርቂ ዝሰብኽን ባህሊ ስለ ዝተመሰጠ፡ ነታ ደርፊ ክሰርሕ ከም ዝተደፋፍአ ገሊጹ ነይሩ።
ዲሽታግና ምስ ተዘርገሐት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ድሮ ኣብ ዩቱብ 29 ሚልዮን ግዜ ተራእያ እያ።
ተወላዲ ሰኔጋል፡ ብዜግነት ኣሜሪካዊ ዝኾነ ህቡብ ድምጻዊ ኤይክን ነታ ደርፊ ሪሚክስ ገይሩዋ ኣሎ።
ኤይክን “. . .ዲሽታግና ኣብዚ እዋን ካብ ዝፈትኽዎም ስራሓት ሓደ እዩ. . .” ክብል ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ገሊጹ እዩ።
ኣብ እዋን ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ናብ ውትህድርና ተጸንቢሩ ምንባሩ ዝገልጽ ታሪኩ ብዙሕ ግዜ ኲናት ዘስካሕክሕ ከም ዝኾነ ይዛረብ።
ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተካየደ መድረኽ ጎስጓስ፡ "ድሕሪ ደጊም ኲናት ይኣክል!" ብዝብል ብዛዕባ ሰላም መደረ ኣስሚዑ ነይሩ።
እዚ ድማ ካብ ዝተፈላለየ ሸነኻት ቁጥዐ ኣልዒሉ። ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ቀሪቡ እናበኸየ ይቕሬታ ሓቲቱ እዩ።
"ብሓቂ 'ድሕሪ ደጊም ኲናት ይኣክል!' ኢልካ ብዛዕባ ሰላም ምስባኽ ይቕረታ የሕትት ድዩ?” ብምባል ኣብ ጎድኑ ደው ዝበሉ ብዙሓት’ውን ነይሮም እዮም።
እዚ ምስበለ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶርያ ድሕሪ ዝገበርዎ ዘተ ሰላም፡ እቲ ግጭት ከብቅዕ ተሰማሚዖም ኣለው።
ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ሰላም እንታይ ተሰሚዑካ? ክንብል ንታሪኩ ሓቲትናዮ።
ታሪኩ፡ በቲ ስምምዕ ሰላም ዝተሰምዖ ሓጎስ ወሰን ከም ዘይብሉ ይገልጽ።
"ወዲ ሰብ ይሃልዎ ኣይሃልዎ፡ ይመችዎ ኣይመችዎ፡ ሰላም ምስ ዝህሉ እዩ ዝሕጎስ . . . ልክዕ ከምቲ በቲ ዝበልክዎ ክውገዝ ከለኹ ዝነባዕኹ፡ ምስምማዖም ምስ ሰማዕኩ ናቱ ዝኽሪ ክነብዕ ገይሩኒ።"
ኣብቲ መድረኽ ጎስጓስ እንታይ እዩ ኢሉ?
ታሪኩ፡ ኣብቲ መድረኽ ሙዚቃዊ ስርሑ ከቕርብ ብመንግስቲ ከም ዝተዓደመ ይገልጽ።
ብዛዕባ ሰላምን ዕርቅን ክዛረብ ኣቐዲሙ ከም ዝሓሰበሉ’ውን ይዝክር።
ሽዑ፡ "ብረት ኣይምህረናን፡ ኩናት ኣይምህረናን፡ ጸገም ኣይምህረናን፤ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጲያ ጅግና እዩ፡ ፈራሕ ዝኾነ ሰብ የለን። ኩላትና ሓደ ስለዝኾንና በጃኹም ሰላም እዩ ዘድልየና" ዝብል መደረ ኣስሚዑ።
ታሪኩ፡ ከምኡ ዝበልኩሉ ምኽንያት መወዳእታ ኲናትን ቅርሕንቲን ዕርቂ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ፡ ሰባት ብኸቢድ ከይተጎድኡ ነቲ ኲናት ከብቅዕዎ ስለ ዝደሊ፡ ከምኡ'ውን "እንተ ሞይተ ሓቂ ተዛሪበ ክመውት፡ ታሪክ እዩ" ብምባል ከም ዝኾነ ይገልጽ።
"ከምቲ ንልምዓት ንኣባይ ዝደፈርናዮ፡ ኣነ'ውን ንሰላም ደፊረ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ገለ ሰባት ግን "ነቲ ቦታ ኣብ ግምት ዘየእተወ ዘረባ" ክብሉ ነቒፎሞ እዮም።
እንተኾነ ታሪኩ “ቃል ፈጣሪ ንክትዛረብ ቦታ ምምራጽ ኣየድልየካን እዩ። ብዛዕባ ሰላምን ፍቕርን እየ ተዛሪበ" ክብል ይምጉት።
ታሪኩ ነቲ ርእይቶ ዝሃበ እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ኣስፋሕፊሑ ኲናት ተጓሃሂሩ "ወፍሪ ድሕነት" ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን እዩ ነይሩ።
እዚ ድሕሪ ምዝራቡ፡ ዋላ እኳ ብኣካላት መንግስቲ ግፍዒ እንተዘይበጽሖ፡ ብገለ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ውልቀሰባትን ከም ዝተወገዘን ምፍርራሓት ከምዝበጽሖን ይዛረብ።
ኣብ ሓንቲ መደበር ቴለቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ እናበኸየ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይቕረታ ክሓትት ከኣ ተራእዩ።

ምንጪ ስእሊ, EBS TV
ታሪኩ እንታይ እዩ ኣብክይዎ?
ኣብቲ እዋን እቲ ዘብከየኒ ሰብ ስለዘይተረድኣኒ እዩ ይብል ታሪኩ።
"ኣብዛ ምድሪ ዘሎ ሰብ ሓቂ ዝጠፍኦ ምዃኑ፡ ብፍላጥ ናብ ዓዘቕቲ እናኣተና ሰላም ጸሊኦም ንቃተል ክብሉኒ ከለዉ፡ ሓቂ ተሸፊኑ፡ ኣነ ከም ሓሳዊ ክፍረድ ከለኹ ንሱ እዩ ዘብከየኒ።"
እሞ እዚ ይቕሬታ የሕትት ድዩ ዝበልናዮ ታሪኩ፡ ይቕረታ ዝሓተተ ብዘረባኡ ስለ ዝተጣዓሰ ዘይኮነስ፡ "ከምቲ ዝበደሉ ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ዝተበደሉ'ውን ይቕረ ከምዝብሉ" ፍቕሪ ንምርኣይ ከም ዝገበሮ ይገልጽ።
"የሱስ’ውን ኣብ መስቀል ምስ ተሰቕለ ይቕረ በለሎም ኢሉ እዩ ዝሓተተ፤ ንሱ ዝመሃረና እዚ እዩ። ኣነ’ውን ንሃገረይ ተዋሪደን ተጸሪፈን'የ፡ እዚ ግን ታሪኽ'ዩ" ይብል።
ብሰንኪ እቲ ዝበጽሖ ውግዘትን ነቐፌታን ናብ ትውልዲ ዓዱ ክኸይድ ከም ዝተገደደን ኣብኡ'ውን ካብ ገለ ሰባት ተመሳሳሊ ነቐፌታ ከም ዘጋጠሞን ይዝክር።
ታሪኩ ኣብ ቀረባ እዋን "ረይዳየ" እትብል ንጽል ደርፊ ኣውጺኡ እዩ። ኣብዛ ደርፊ ድማ ፈጣሪ ሰላም ከውርድ ተማሕጺኑ’ዩ።
ድሕሪ እቲ ዝረኸቦ ውግዘትን ነቐፌታን እውን ኣብ ልዕሊ ሰላምን ፍቕርን ዘለዎ ኣረኣእያ ከምዘይተቐየረ ይዛረብ።
"ፈሊጥና፡ ብዘይ ምስትውዓል፡ እናፈለጥና ዝበተናዮም፡ ዘጥመናዮም፡ ሕጂ ድማ ከምቲ ትማሊ ንኲናት ኣበርክቶ ዝገበርናዮ፡ ንሰላም ዘለና ኣዋጺዕና ከከም ጉድኣቱ ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ክንሕግዝ ይግባእ። ኣቡኡ ዝሞተ ኣቦ፡ ሓዉ ንዝሰኣነ ሓው፡ ሓፍቱ ንዝሰኣነ ሓፍቲ ክንከውን ኣለና። መንግስቲ ነቲ ህዝቢ ካብቲ ሓዘኑ ክመልሶ ይግባእ" ክብል ተማሕጺኑ።
ድሕሪ እቲ ስምምዕ ዘለዎ ተስፋ
ድሕሪ እቲ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ሰላም ኮይና ክርእያ እየ ዝብል ተስፋ ኣለዎ።
ሰባት ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ፡ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፡ ብዘይ ዝኾነ ናይ ጸጥታ ስክፍታ፡ ክነግዱ፡ ክተሓጋገዙ፡ ንሓድሕዶም ክረዳድኡ ክርእይ ትምኒቱ እዩ።
እቲ ፖለቲካዊ ጎንጺ ብዙሕ ሰብኣዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላዋት ከም ዘስዓበ ብምሕባር፡ ኩሎም ብሄራት ኢትዮጵያ ንሓድሕዶም እናተፋቐሩ፡ ንሰላም ደው ክብሉን ዘለዎ ንዘይብሉ ብምክፋልን ሰላም ከምጽኡን ይላቦ።
"እቲ ንሰባት ንምቕታል ኣጽዋር ዝግዛኣሉ ገንዘብ፡ ሰባት ዘሐጉስ ነገር ምእንቲ ክገብሩ፡ ነቲ ንሓድሕድና ክንቀታተል ዝገዛእናዮ ኣጽዋር ደርቢና፡ ንዓና ዝጥርንፍን ጥሜትና ዘወግድን ኣጽዋር ክንገዝኣሉ ይግባእ። እዚ ብፍቕሪ ዝኸውን እዩ” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







