ኣብ ዝለዓለ ጫፍ ጥበብ ዝዓረገት ኤርትራዊት ኢጣልያዊት ሲልቫና ኣረጋሽ ሳቮረሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዓለማዊ ኣህጉራዊ መድረኽ ሙዚቃን ምርኢትን ልዑል ስም ኣድናቖትን ዝረኸበት፡ ኣብ ታሪኽ ሙዚቃ ዓቢ ስምን ዝናን ምስ ዝወነኑ፡ ከም በዓል ሉዊ ኣርምስትሮንግ፡ ፍራንክ ሲናትራ፡ ስቲቪ ዋንደር፡ ክዊንሲ ጆንስ፡ ሉችያኖ ፓቫሮቲ፡ ዘኣመሰሉ ዓበይቲ ሙዚቀኛታት እትስራዕ፡ ብዜደንቕ ክእለትን ነብሰ ምትእምማንን እትዋሳእ ኤርትራዊት ኢጣልያዊት ሲልቫና ኣረጋሽ ሳቮረሊ ማዕረ ክንደይ ኮን ንፈልጣ ንኸውን?
ድሕረ ባይታ እታ ህብብቲ ድምጻዊት
ኣብ መድረኽ ምርኢት ‘ላራ ሰይንት ፖል’ ተባሂላ እያ ትጽዋዕ። እቲ ሓቀኛ ስማ ግን ሲልቫና ኣረጋሽ ሳቮረሊ እዩ።
ካብዚ እተጠቕሰ ኣስማት እታ “ኣረጋሽ” እትብል ምስ ሓረገ ትውልዲ ኤርትራውያን እትተኣሳሰር ስም እያ ንፈለማ ሓጠቕ እትብለና።
“ኣረጋሽ” እምበኣር ስም ናይተን ነዛ ስምይቲ ድምጻዊት ዝፈረያ ኤርትራዊት ኣደ እያ። መጸውዒ ስማ “ሲልቫና”፡ ስም ወላዲታ “ኣረጋሽ”፡ ስም ኣቦኣ ከኣ “ሳቮረሊ” እዩ ዝኸውን ዘሎ። ስለምንታይ ደኣ ስም ኣደ ናይ ኣቦነት ቦታ ተኪኡ ንዝብል ሕቶ ድሕሪ ቁሩብ ኣብዚ ዛንታ ክንረኽቦ ኢና።
እቲ ብዘመን መግዛእቲ ጥልያን ዝተኣታተወ ምትእስሳር ደቀባትን ባዕዳውያንን እናሃሰሰ እኳ እንተኸደ፡ ብትምህርቲ፡ ብቋንቋ፡ ብመውስቦን ባህሊን ዝኣመሰለ ነገራት ሱር ሰዲዱ’ዩ።
ኣብ መወዳእታ 30ታት ኣብ ኤርትራ ኣስታት 76,000 ኢጣልያውያን ይነብሩ ከም ዝነበሩ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ። እቶም 80ሽሕ ዝገማገሙ፡ ኣብ ኤርትራ መቺኡዎም ዝነበባሩ ዝነበሩ ዓሳክርን ሞያውያንን ኢጣልያውያን ከኣ ካብ ኤርትራውያን ኣዴታት ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ሓናፍጽ ቈልዑ ወለዱ።
ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ጣልያን ተሳዒሩ እንግሊዝ ምስ ኣተወ፡ ብዙሓት ኢጣልያውያን ንዓዶም ተመልሱ። እቶም ካብ ኤርትራውያን ኣዴታት ዝወለዱ ኢጣልያውያን ወተሃደራት ከኣ ነተን ዝወለዱለን ስለዝጠለሙዎን ብዙሓት ካብ’ቶም ቈልዑ ኣብ ድኽነትን ወዲቐም ገሊኦም ኣብ መዕበያ ዘኽትማት፡ ገሊኦም ምስ ኣዴታቶም ተጸጊዖም ይዓብዩ ነበሩ።
ብሽም ኣቦታቶም ክጽውዑ ዘይከኣሉ ብዙሓት ቈልዑ ከኣ ብሽም ኣዴታቶም ይጽውዑ ነበሩ። እዛ ሎሚ “ሲልቫና ኣረጋሽ” ብዝብል ስም ዛንታኣ እነልዕሎ ዘለና ስምይቲ ሰብ ከኣ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ኤርትራ እተወልዱ ሓናፍጽ እያ።
ሲልቫና ኣረጋሽ፡ ብ 30 ሚያዝያ 1945 ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ። ዕድል ጌራግን ዋላ’ኳ ብስም ኣዲኣ ትጽዋዕ እንተነበረት፡ ኣቦኣ ንዓዲ ጥልያንክምለስ እንከሎ ኣብ ሰሜን ኢጣልያ ናብ ዝርከብ ፉዚኛኖ ዝበሃል ቦታ ምስኡ ሒዙዋ ከደ። ሽዑ ጓል ሸውዓተ ዓመት እያ ነይራ።
ስም ኣቦኣ ብምውሳድ ድማ ሲልቫና ኣረጋሽ ሳቮረሊ ብዝብል ስም እናተጸውዐት ኣብ ፉዚኞኖ ዓበየትን ተማህረትን። ሰነዳት ከም ዝሕብርዎ ግን ኣዲኣ ኣደይ ኣረጋሽ ምስኣ ኣይተጓዕዛን። ስመን ኮነ እንታውነተን ኣብ ሰነዳት ኮነ ኣብ ዛንታ ኣይተጠቕሰን።
‘ሳቮረሊ’ ዝብል ስም ኣቦኣ መዓስ ከም እተቀበለቶ’ኳ ኣይፈለጥ፡ ሲልቫና ዕድል ጌራ ኣብ ዓዲ ጥልያን ብጽቡቕ ዓበየት። ኣብ ቁልዕነታ ከኣ ከም ብዙሓት መዛኑኣ መንእሰያት ኣቓልቦኣ ብሙዚቃ ተሰልበ።
ሲልቫና ጥበብ-ደርፊ ካብ ፍሉጣት ናይ ሙዚቃ መምህራን - ከም ፕሮፈሶር ቲና ብሪኒ ዘኣመሰላ - ተማህረት፡ ምስኡ ኸኣ ሙዚቃ ናይ መሃልያ ጃክሰን (ፍልጥቲ ጸላም ኣሜሪካዊት መንፈሳዊት ደራፊት)፡ ናይ ሉዊ ኣርምስትሮንግ (ጐይታ ጃዝ) ፡ እታ ብንግስቲ ናይ ጃዝ ሙዚቓ እትፍለጥ ኤላ ፊትስገራልድ ከምኡ’ውን ናይ ካልኦት ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ሙዚቓ እናሰምዐት ዓበየት።
ኣብ ሳንረሞ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓሰርተ ሽድሽተ ዓመት ምስ መልአት፡ ብ1962 ምዃኑ’ዩ፡ ኣብ ፈስቲቫል ሳንረሞ ክትካፈል በቕዐት። ኣብ ሳንረሞ ‘ሕብርታት ደስታ’ (I Colori Della Felicitá ) ዘርእስታ ዕውትቲ ደርፊ ኣቕረበት።
ንምዃኑ፡ ሳንረሞ ኣብ ገምገም ሰሜናዊ ምዕራብ ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ኰይና ካብ 1951 ጀሚሩ ዓመተ-ዓመት እቲ ዝዓበየ ናይ ሙዚቃ ፈስቲቫል እተአንግድ ታሪኻዊት ከተማ ኢያ።
ሲልቫና ኣብ ሳንረሞ ብኡ-ንብኡ ዓቢ ክእለት-ደርፊ ከም ዘለዋ ተራእየ። ኣይጸንሐትን፡ ኣብ ተለቪዥን ደጋጊማ ክትርአ ጀመረት።
ኣብ ፊልም፡ ንግዲ፡ ሳይንስ፡ ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ኣህጕራውያን መድርኻት ኤርትራውያን ወይ ከኣ ትውልዲ-ኤርትራ ዘለዎም ሓሓሊፎም ይርከቡ’ዮም። ኣብ ሙዚቃ ዓለም ከም ናይ ሲልቫና ዝኣመሰለ ስምን ዝናን ግን ዛጊት ኣይተሰምዐን።
ሲልቫና ብ1976 ምስ ፔር ክዊንቶ ካርያጂ ዝተባህለ ርኹብን ክኢላን ማናጀር ሓቢራ ክትሰርሕ ምስ ጀመረት ኣብ ሙዚቃ ዓለም ዓቢ ዓወትተጎናጸፈት። ካብ ሽዑ ጀሚራ ናይ መድርኽ ስማ - ላራ ሰይንት ፖል - ሒዛ ክትዋሳእን ክትደርፍን ጀመረት። ምስ ካርያጂ ሓዳር መስሪታ ኸኣ ማንወላን ግወንዳሊና ዝበሃላ ክልተ ኣዋልድ ወለደት።
‘ላራ ሰይንት ፖል’ ኣብ ሳንረሞ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ምሉእ ዓዲ ጥልያን እናተወርየት ከደት፣ ተወንጨፈት ከኣ። ሰለስተ ጊዜ ኣብ ሳንረሞ ኣብ ዛዛሚ ውድድር ክትበጽሕ ብምኽኣላ (1968/ 1972/ 1973) ዓቢ ዓወት ኣመዝገበት። ጥዑምን ሓያልን ድምጺ ስለ ዝነበራ፡ ዓቕማ ድማ ስለ ዘመስከረት ምስ ዓበይቲ ሙዚቀኛታትን ብምፍላጥ ኣብ ምዕቡልን ስልጡንን ኢጣልያዊ ባህሊ ቦታ ረኸበት።
ብ1968 ላራ ሰይንት ፖል ኣብ ሳንረሞ ምስቲ ኣዝዩ ዉርይ ጸሊም ኣሜርካዊ ሉዊ ኣርምስትሮንግ ኣብ ታሪኽ ሙዚቃ ጃዝ እቲ ዝዓበየ ጥሩምበኛ (master jazz trumpeter) ሓቢራ ብምድራፍ ታሪኻዊ ዓወት ኣመዝገበት።
ኣብቲ ዘመን’ቲ ብሙዚቃ ጃዝ ካብ ሉዊ ኣርምስትሮንግ ዝበልጽ ደራፋይ ኣይነበረን። ሉዊ ኣርምስትሮንግ ድማ ብክእለት ላራ ሰይንት ፖል “ሓንቲ ካብ ኣብ ህይወተይ ዘጓነፉኒ ዓቢ ክእለት ዘለዋ ደራፊት” ክብል ኣድናቖቱ ገለጸ።
ምስ ከም ፍራንክ ሲናትራ ድሕሪ ካልኣይ ዉግኣ ዓለም ብሉጽ ስም ዘጥረየ ደራፋይን ተዋሳኢን፤ ሉችያኖ ፓቫሮቲ ብዘበኑ እቲ ቀዳማይን ዓቢ ዉርሻ ዝገደፈን ናይ ኦፐራ ደራፋይ፤ ክዊንሲ ጆንስ ጌና ብህይወቱ ዘሎ መሃዛይን ደራስይን ኣፍራይን ሙዚቃ ኰይኑ ምስ ብዙሓት ሙዚቀኛታት ብምትሕብባር ሓያሎ ደርፍታት ዘበርከተ ኣዝዩ ህርኩት ሙዚቃዊ-ሊቅ’ዩ ዝኣመሰሉ ብሉጻት ሰባት ክትራኸብን ክትዋሳእን ዝበቕዐት ትውልደ ኤርትራዊት ሲልቫና ኣረጋሽ ምስ ሉዊ ኣርምስትሮንግን ላዮነል ሃምፕተን (ፍሉጥ መራሕ ቢግ-ባንድ) ኰይና ንጳጳስ ዮውሃንስ ጳውሎስ 4ይ ከም ዝረኸበቶ ሰነዳት ታሪኽ ይምስክሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምዕባለ ‘ላራ ሰይንት ፖል’
ኣብ 70’ታትን 80’ታትን ዝና ላራ ሰይንት ፖል መሊሱ ወሰኸ። ሓንቲ ካብ’ቶም ኣብ ዓዲ ጥልያን ይዅን ኤውሮጳ ኣዝዮም ዉሩያት ስነ-ጥበበኛ ኰያና ኸኣ ጸብለል በለት። ኣብቲ ዝበለጸ መደበር ተለቪዥን ኢጣልያ (RAI) ኣብ በብዓይነቶም መደባት እጃማታ ብምቕራብ ሓንቲ ካብ’ቶም ኣዝዮም ህብብቲ ኮኾብ ክትከውን በቕዐት።
እቲ ዝዓበየ ዕዳጋ ሙዚቓ ላራ ሰይንት ፖል ኣብ ኤውሮፓ’ኳ ይንበር፡ ኣብ ኣርጀንቲና፡ ብራዚል፡ ከምኡ’ውን ጃፓን ስማ እናዓበየ ከደ።
ዝናኣ ካብ ኤውሮጳ ሰጊሩ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ በጽሐ። ንዕዳጋ ኣሜሪካ ጥሒሳ ብምእታው ምስ ረይ ቻርለስ፡ ስቲቪ ዋንደር፡ ፍራንክ ሲናትራ፡ ቢል ኮንቲ፡ ሀንሪ ማንቺኒ ከምኡ’ውን ሮበርታ ፍላክ ሓቢራ ኣብ መድርኽ ወጺኣ ብምድራፍ ክእለታን ኣድላይነታን ኣመስከረት። እዞም ስነ-ጥበበኛታት’ዚኦም ኣብ ሙዚቃ ዓለም ኣሜሪካ ዓቢ ጽልዋ ዝነበሮም ሰባት’ዮም።
ክዊንሲ ጆንስ፡ ንብዙሓት ኣገደስቲ ኣመሪካውያን ሙዚቀኛታት (ከም ማይክል ጃክሰን ዘኣመሰሉ) ሙዚቃ ዘወሃህድ ሊቅ፡ ብዓቕሚ ላራ ሰይንት ፖል ተደኒቑ ክልተ ደርፍታታ ባዕሉ ኣወሃሂዱ ከም ዘቕርበላ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ።
ላራ ሰይንት ፖል በቲ ኣብ ሙዚቃ-ዓለም ዝገበረቶ ኣበርክቶ ብርክት ዝበሉ ብልጫታት ረኺባ’ያ - ከም ወርቃዊ ሽልማት ኤውሮጳ ዘኣመሰለ፣ ኣብ ጃፓን ዝተኻየደ ኣህጕራዊ ፈስቲቫል ሙዚቃ’ውን ከይተረፈ ብልጫ ረኺባ’ያ።
ኣብ 80’ታት ካብ ሙዚቃ ዓለም ግልል ኢላ ብዙሕ ስርሓት ሰርሐት - ከም ኣላይት መድርኽ፡ ጋዜጠኛ፡ ኣሰናዳኢት ምርኢት ፋሽን ... ብዓቢኡ ኸኣ ናይ ኣሮቢክስ (ምውስዋስ ኣካላት) ኣብ ቪድዮ ክትቀርጽ ክኢላ’ያ።
ኣብ 80’ታት ኣሮቢክስ ኣብ ኣሜሪካ ብበዓል ጀይን ፎንዳ - ፍልጥቲ ተዋሳኢት ሲነማ ዝነበረት ተመሪሑ ኣዝዩ ገኒኑ ነበረ። ላራ ሰይንት ፖል ድማ ምስ ጀይን ፎንዳ ብምትእስሳር ናታ ናይ ኣሮቢክስ ቪድዮታት ክትቀርጽ ጀመረት፣ ኣብ’ቶም ቪድዮታት ከኣ ብብርክት ዝበሉ ናታ ደርፍታት ኣሰንያ ክትወሳወስን ክትስዕስዕን ትርአ ነበረት፣ ኣብ’ቲ መዳይ’ቲ ድማ ዓቢ ዓወት ተጐናጸፈት።
ብ1988 ላራ ሰይንት ፖል ኣብ ካዚኖ-ሳንረሞ ከም ኣቕራቢትን መራሒት ሙዚቃ ፈስቲቫልን ኰይና ቀረበት።
ቀጺላ ‘ቪቫ ሆሊዉድ’ ዚበሃል ንብሉጻት ተዋሳእቲ ብልጫ ዘበርክት መደብ ምስ ሰብኣያ ኰይና ኣበገሰት። እቲ መደብ ከኣ ተዓወተ።እታ ቀዳመይቲ ብልጫ ዝረኸበት ኣክትረስ ድማ በቲ ደይቪስ እትበሃል ኣብ ታሪኽ ሲነማ ኣሜሪካ ዓቢ ተራ ዝተጻወተት ክኢላ ነበረት።
ኣብ ተስዓታት፡ ናብ ሙዚቃ-ዓለም ብምምላስ፡ ምስ ሰብኣያ ብምትሕብባር፡ ዓበይቲ ምርኢታት ከተቕርብ ከኣለት። ‘ላራ ሱፐርስፐሻል’ ዝበሃል ምርኢታ ኣብ 19 ሃገራት ክዝርጋሕ ከኣለ። እቲ መደብ ብዙሓት ዓበይቲ ደቂዓድን ናይ ጥልያን መበቆል ዘለዎም ወጻእተኛታት፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ሰብ-ግዙፍ-ስም ብምዕዳም ኣበርክቶኦም ዝጽንብል ነበረ። ኣብቲ መደብ ከም ፍራንክ ሲናትራ፡ ሊዛ መነሊ፡ ሃሪ በላፎንተ ዘኣመሰሉ፡ ከምኡ’ውን ብዙሓት ካልኦት ስነ-ጥበበኛታት ከተቕርብ ከኣለት።
ብ1995 ሓደ ካብ’ቶም ምስ ሰብኣያ ተሓባቢራ ዝሰርሓቶም ኣድናቖት ዝረኸበ ዶኩመንታዊ ፊልም ታሪኽ ሉችያኖ ፓቫሮቲ’ዩ - ኣብ ታሪኽ ስነ-ጥበብ ደርፊ ኣሜሪካ እቲ ዝለዓለ ቦታ ዝነበሮ ስነ-ጥበበኛ።
እቲ ዜሕዝን ግን ሰብኣያ ኣብቲ ዓመት’ቲ ብወቕዒ (stroke) ተቐዚፉ ሞተ፣ ብእኡ ምኽንያት ከኣ ላራ ሰይንት ፖል ሰንከልከል ክትብል ጀመረት።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ’ቲ ኹሉ ዓወታት ...
ላራ ሰይንት ፖል እዚ ኹሉ ዓወታት ክትጐናጸፍ፡ ከም ኣምባሳደር ባህሊ ሙዚቃ ጣልያን ኰይና ኣብ ምሉእ ዓለም ክትበጽሕ፡ ኣድናቖት ዓበይቲ ሙዚቀኛታት ክትረክብ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ከኣ ኣብ ዝለዓለ መድርኽ ምርኢት ክትበጽሕ በቲ ዝተወለድሉ ቦታ ይዅን ኩነታት ኣዲኣ ኣብ ሰነዳት ህይወታ ብዘይምስፋሮም ዛንታኣ ጐደሎ ምዃኑ ኣንባቢ ክርዳእ ይኽእል ይኸውን።
ግናኸ፡ በቲ ንሳ ዘበርከተቶ፡ ንኣብነት ሙዚቃ ጸለምቲ ኣሜሪካ ምስ ባህሊ ሙዚቃ ጣልያን ኣዋሃሂዳ ከተቐርብ ብምኽኣላ፡ ኣብ ሞንጎ ሙዚቀኛታት ጸለምትን ጸዓዱን ዓቢ ድልድል ብምህናጻ እትዝከር ክኢላ ሰብ’ያ።
ይዅን’ምበር፡ ኩሉ መፈጸምታ ስለ ዘለዎ፡ ህይወት ላራ ሰይንት ፖል ቀስ ኢሉ ክዝሕትል ጀመረ።
ሰብኣያ ምስ ሞተ ኣብ ህይወታ ሓደ ዘደንገላ ሞገደ ነውጺ ኸኣ ኣጓነፋ። ሰብኣያ እቲ ናይ ባንካ ሕሳቦም ብግቡእ ኣይመሓድሮን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ዕዳ ክሳብ ትኣቱ ዀነት።
ይዅን’ምበር ላራ ሰይንት ፖል ካብ ብርሃን-መድርኽ ንከይትእለ ክሳብ ዝከኣላ ትሰርሕ ነበረት።
ዓመት 2000 ኣትዩ ነቲ ሓዲሽ ክፍለ ዘመን ሰለይ ኢላ ብዘይ ሰብኣያ ጀመረቶ። ዕብየት ኣርኪቡ ሕማም መጸ። እቲ ኹሉ ሃብቲ፡ እቲ ኹሉ ዝና ሓሊፉ ኣብ ድኽነት ተሸመመት።
ብ2012 ነቲ ትነብረሉ ዝነበረ ዓቢ ገዛ ከተመሓድሮ ብዘይምኽኣላ ክትወጽእ ተገደደት። ምስኡ እቲ ጽቡቕ ስማ ኣንቈልቈለ፡ ብሕማቕ ከኣ ተታሕዘት። መንግስቲ ጣልያን በቲ ዘበርከተቶ ስርሓት ርእዩ ንመናብያኣ ዝኸውን ተቈራጺ ገበረላ።
ሕማማ ግን ኣይመሓራን። ብ2017 ብሕማም መንሽሮ ተታሒዛ ብዕለት 8 ጉንበት 2018 ካብዛ ዓለም ኣብ 73 ዕድሚኣ ተፈልየት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







