'ኣንጕዕ ዘምክኽ' ሓያል ሙቐት ብኸመይ እርጋን ከምዘቀላጥፍ ትፈልጡዶ?

'ኣንጕዕ ዘምክኽ' ሓያል ሙቐት ብኸመይ እርጋን ከምዘቀላጥፍ ትፈልጡዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሱሌማን ሓምዳን፡ ኣብ ሓንቲ ኣመና እተቃጽል ውዕይቲ ከተማ ምንባር ተጻዊሩዎ'ሎ። ኣብታ ሙቐት ኣብ ወርሓት ሰነ-መስከረም ክሳብ 45 ደረጃ ሰልሰስ ዝበጽሓላ ዱባይ ኣብ ሓደ መሸጣ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ እዩ ዝሰርሕ።

"ኣብ ግዜ ቀትሪ ንደገ እንተ ወጺእካ፡ ኣብ ጭው ዝበለ ምድረበዳ ከም ዝወጻእካ ኰይኑ እዩ ዝስምዓካ፤ እቲ ሙቐትን ራህዲን ክዕፍነካ ይኽእል'ዩ፡" ይብል።

"ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ገዛ ኰይነ ክሰርሕ እመርጽ። ናብ ደገ ክወጽእ እንተዀይነ ጸሓይ ምስ ዓረበት ከባቢ ሰዓት 7 ምሸት እዩ። ሽዑ'ውን ውዑይ'ዩ ግን ዘይጽወር ከኣ ኣይኰነን።"

ኣብዚ ወቕቲ፡ ብዙሕ ሰብ ኣብ ጐደናታት ኣይትርእን ኢኻ፣ ኣዝዮም ውሑዳት እዮም፡ "ስለዚ ናብ ስራሕ ምኻድ እንተዀይኑ፡ ካብ ገዛ ናብ መኪና ናብ ቤት ጽሕፈት ጥራይ እየ፡" ይውስኽ።

"ኣብ ኵሉ ቦታታት ኤር-ኮንዲሽነር [መቐየሪ ኣየር] ኣሎ፤ ብፍላይ ኣብቲ ብዙሓት ሰባት መዓልቶም ዘሕልፉሉ ሞላት፤ ሞል ካልኣይ ገዛኻ'ዩ!"

ኣብ መዝሓሊ ፋን ደው ዝበለ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ከም መብዛሕትና፡ ሱሌማን፡ ነዚ ዘመናዊ መዓልታዊ ህይወቱ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይሕሰብ ዝነበረ ሙቐት ይመዓራረዮ ኣሎ።

ተመራመርቲ፡ ውሽጣዊ ኣካላትና ነዚ ዓይነት ከቢድ ሙቐት ብቐጻልነት እንተ ተቓሊዑ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ይምርምሩ ኣለዉ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ካሊፎርንያ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ግዝኣታትን ክሊማን ዝነብሩ ሓያሎ ኣሽሓት ኣመሪካውያን፡ መዓልታዊ ንልዕሊ 32 ደረጃ ሰልሰስ እንተ ተቓሊዖም እንታይ የጋጥም ኣብ ዝብል ዛዕባ ተንቲኑ።

እቲ ጕጅለ፡ ን3600 ተሳተፍቲ መርመራ ደም ብምግባር፡ ኢፒዶሞሎጅያዊ ዕድመ [ብዝተፈላየ ኵነታት ዝጽሎ ጥዕናዊ ዕድመ] ብመንጽር ሓቀኛ ዕድመ፡ ኣብ ዝተወሰነ ሓባሪ ደረጃ ሙቐት ኣነጻጺሩ።

ጸሓፊ ናይቲ ምርምራዊ መጽናዕቲ፡ ዩንዮንግ ቾይ፡ እቲ ኣብ ኣካላቶም ዘስዓቦ ጕድኣት ዘሰንብድ እዩ ድሕሪ ምባል፣ "ብዝያዳ ብስሩዕን ቀጻሊን መንገዲ ንሓያል ሙቐት ዝተቓልዑ ሰባት ኣመና ቀልጢፎም ይኣርጉ፡" ኢላ።

ጽላል ዝሓዘ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣመሪካ ቍጽሪ ናይተን ብርቱዕ ዋዒ ዝረኣየለን መዓልታት ክሳብ 2050 ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ካብ 20 ክሳብ 30 መዓልታት ክዀና ከም ዝኽእላ ይግመት።

ኣብ ኣካላትና ነባሪ ጽልዋ ኣለዎዶ?

ሙቐት ኣብ ኣእምሮኣዊ ምሕሳብን ምስልሳልን ንጥፈታት ብሓፈሻ ናይ ምሕሳብ ክእለትና፡ ጥዕና ልብን ስርዓተ ደምን ከምኡ'ውን ኵላሊት ማዕረ ክንደይ ለውጢ ከምጽእ ከም ዝኽእል ተመራመርቲ ድሮ በጺሖምዎ እዮም።

እዚ ኰይኑ ግን መረዳእታታት ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ካሊፎርንያ ከም ዘመልክቶ፡ ቀጻሊ ተቓላዕነት ንልዑል ሙቐት፡ ከሚካላዊ መስርሕ ዲኤንኤ - ሜቲለሽን ብዝበሃል መስርሕ - ብመሰረቱ ከም ዝቕይሮ የመልክት።

"ሙቐት ኣካላትና ክውስኽ እንከሎ እቶም ንዋህዮታትና ዝኸበቡ ስብሒታት ሓቀኛ ተፈጥሮኦም ክቕይሩ ይጅምሩ፤ እዚ ድማ ምፍርኻሽ ይፈጥር፡" ይብል ጀፍ ጉደል ደራሲ 'ዘ ሂት ዊል ኪል ዩ ፈርስት - ላይፍ ኤንድ ደዝ ኦን ኤ ስኮርችድ ፕላነት'።

"ኣቃውማ ናይቶም ዋህዮታት ይፈላለ - ከምቲ እንቋቝሖ ከነብስሎ እንከለና ሽፋን ናይቲ እንቋቝሖ ባህሪኡ ዝቕይሮ ዓይነት - ይኸውን።"

ዝሰምለወ ሰብኣይ ማይ እናሰተየ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ውዑይ ክሊማ ምንባር ማለት ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰሩ ሕማማት ከም ሕማም ሽኮር፡ ምርሳዕን ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን ኣቐዲምካ ከተማዕብል ትኽእል ኢኻ ማለት ክኸውን ይኽእል።

'ኤፒጀነቲካዊ' እርጋን እንታይ እዩ?

ስለዚ ዋህዮታትና ብኽንደይ መጠን ቅልጣፈ ኢና ነብስሎ ዘለና ማለት እዩ?

ኵላትና እንፈልጦ፡ ገለ ሰባት ካብ ካልኦት ዝቐልጠፈ ዝኣረጉ ክመስሉ ይኽእሉ እዮም፤ ዶክተር ቾይ ካብ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ካሊፎርንያ፡ ብቐሊል ኣዘራርባ 'ኤፒጀነቲክ እርጋን' ሓደ ካብቶም ሞያውያን ናይ ሓደ ሰብ ስነ-ህይወታዊ እርጋን ክዕቅንሉ ዝኽእሉ ኣገባብ እዩ ይብል።

እዚ ማለት ኣካላትና ብደረጃ ዋህዮታት ክሳብ ክንደይ ጽቡቕ ስራሕ ይሰርሕ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

"ዲኤንኤ ኣብ እዋን ልደት ውሱን እዩ፤ ፈጺምና ኣይንቕይሮን ኢና። ሜቲለሽን ግን ልክዕ ከም መወልዒ መብራህቲ ንጂንን ንመግለጺ ጂን መቈጻጸሪ እዩ፡" ትብል ዶክተር ቾይ።

ነዚ ንምምርማር እዩ ድማ መርመራ ደም ዝግበር።

"ዲኤንኤ ከም ሓደ ውጥን ህወትና ክንሓስቦ ንኽእል ኢና፤ ሜቲለሽን ግን እንታይ ይንቀሳቐስን ኣይንቀሳቐስን መቐየሪ ቦርድ ዓይነት ገይርና ክንርድኦ ንኽእል፡" ኢላ ተብርህ እታ ዶክተር።

"ነዚ መስርሕ ንምርዳእ ዘኽእል ኣገዳሲ ነገር እንተ'ልዩ፡ ከም ጸቕጢ፡ ብከላ ኣየር ዝኣመሰሉ ከባቢያዊ ኵነታት ምቅላዕ ከምኡ ድማ ሙቐት ነቶም መቐያየሪታት ከመይ ከም ዝጸልዎም ምርኣይ ይከኣል።"

ዶክተር ቾይ፡ ውጽኢት መጽናዕታ ከም ዘመልክቶ፡ ነባሪ ተቓላዕነት ሙቐት ኣብ ኣካላትና ከም ዓበይቲ ፍልልያት ኣነባብራ ዓቢ ጽልዋ ከም ዘለዎ እዩ፤ "እዚ ምስቲ ርኡይ ሳዕቤናት ምትካኽ ሽጋራን ብዙሕ መስተን ዝወዳደር'ዩ።"

እዚ ቅልጡፍ እርጋን ንእሽቶ ክመስል ይኽእል'ዩ - ንዝተወሰነ ኣዋርሕ ኣብዚ ጸኒሕካ ናብቲ - ምስ ግዜ ግን ብኸመይ ከም ዝህነጽ ምርዳእ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ዋላ'ውን ዓመት ዓመት ብቐጻሊ ብዝተወሰነ መጠን ዝውስኽ ስነ-ህይወታዊ እርጋን፡ ተደማሚሩ ኣብ ሓያሎ ዓመታት ቅልጡፍ እርጋን ከስዕብ ይኽእል።

እዚ ማለት ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰሩ ሕማማት ከም ሕማም ሽኮር፡ ምርሳዕ፡ ሕማም ልብን ሰራውር ደምን ኣዝዩ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ [ዕድመ] ክምዕብል ይኽእል ማለት እዩ።

ዶክተር ቾይ ግን እቲ መጽናዕቲ ዕድል ይህብ ከም ዘሎ እያ ተመልክት።

"[እዚ ርድኢት] ከም ቅድመ-ዅነት ኢና ንርእዮ፡ እዚ ድማ ንሓካይም ነቲ ኵነታት ንምፍዋስ ሕክምናዊ ጻዕሪ ንኽገብሩ ከም 'ወርቃዊ ግዜ' እዩ" ብምባል ትገልጽ።

ምስያብን ምጭምዳድ ቈርበትን

ስለዚ፡ ኣብ ኣዝዩ ልዑል ሙቐት ዘለዎ ቦታ ምንባር፡ ንመልክዕካ ይቕይሮ እዩ ማለት ድዩ?

ሱሌማን፡ ኣብ ዱባይ ኣካላቱ ብቕልጡፍ ክኣርግ ይዕዘብ ከም ዘሎን፡ ኣብ ገጹ ዝያዳ መስመራትን ምሽብሻብን ከም ዝተራእየን ይዛረብ።

"ዝሓለፈ ክራማት ክሳብ ክንድኡ ቈርበተይ ብጸሓይ ስለ ዝተቓጸለ ናብ ሓካይም ክኸይድ ግድን ነይሩ፤ ብሓቂ ተሃስዩ፡ ገና'ውን በሰላ ይርኢ ኣለኹ፡" ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ለንደን እናነበረ ከሎ ኣብ ግምት ኣእትዩዎ ዘይፈልጥ፡ መከላኸሊ ጸሓይ ክደሊ ከም ዝተገደደ ይዛረብ።

"ሰባት ንምንታይ ጽላል ከም ዘዘውትሩ ይርድኣኒ'ዩ። ገዛ ምስ በጻሕካ ኣብ ቆርበትካ ዝተፈጥረ ምቅላዕ ንጸሓይን ሳዕቤኑን ይስምዓካ።"

ካብ ጸሓይ ብቐጥታ ንዝወርድ ጨረር 'ኣልትራ-ቫዮለት' ብቐጻልነት ምቅላዕ፡ ኣብ ቆርበትካ ንዝፍጠር ምዕጣር ከም ዝውስኽ ብምግባር፡ ኣረጊት የምስለካ።

እንተዀነ፡ ንጸጕሪ ብቕልጡፍ ኣብ ምስያብ ዘለዎ ተራ ማዕረ ክንደይ ምዃኑ ዛጊት ንጹር ኣይኰነን።

ሕብሪ ጸጕሪ ሜላኖሳይትስ ብዝበሃሉ ሕብሪ ዘፍርዩ ዋህዮታት ዝውሰን ኰይኑ፡ ገለ ክኢላታት ስነቆርበት ግን እዚ ኣልትራ-ቫዮለት ብርሃን ጸሓይ ነዚ መስርሕ ከም ዝሃስዮ ይሕብሩ።

ዝፍለጥ ነገር እንተ ሃልዩ፡ ዝተፈላለዩ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኵነታት ብምውሳኽ ሙቐትን ራህድን ከም ዝጋደዱ እዩ።

ንኣብነት ዝውድቕ ሕማም፡ ወቕዒ፡ ሕማም ኣእምሮ፡ መርዘንን 'ማልቲፕል ስክለሮሲስን' ዝኣመሰሉ ሕማማት በዚ ኵነታት ኣየር ዝጋደዱ ምዃኖም እዩ።

እዚ ኵሉ ኵነታት ድማ - ንኣብነት ብኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣቢልካ ክብደት ሰብነት ንምቍጽጻር ኣዝዩ ከቢድ ክገብሮ ይኽእል።

ሓደ ቈልዓ ኣብ መንጫዕጫዕታ እናዘሓለ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሙቐት ንሜታቦሊዝም ዝቕይር ብዛዕባ ምዃኑ ዛጊት ንጹር ነገር የሎን

ምክልኻል ካብ ሓይል ሙቐት ንመን?

ኣብ ጀርመን ኣብ 2023 ኣብ ዝተኻየደ ንእሽቶ መጽናዕቲ፡ ልዑል ሙቐት ምስ ቅልጡፍ ዕድመ ምድፋእ ዋህዮታት'ውን ኣተሓሒዙ ነይሩ።

ሓደ ካብቲ ንመጽናዕታዊ ትዅረት፡ ንኣገባብ ሜቲለሽን ዲኤንኤ ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰሩ ሕማማት ኣተኣሳሲርካ ምትርጓም እዩ ነይሩ።

ዶክተር ወንሊ ኒ ካብ ዩኒቨርሲቲ ጀርመን፡ "ሕማም ሽኮርን ክራሸን ዘለዎም ሰባት ኣዝዮም ቀልጢፎም ከም ዝኣርጉ ዘርኢ'ዩ፡" ትብል።

"ሕሙማት ሽኮርያ ብቐጻሊ ንብርቱዕ ሙቐት ዝያዳ ተቓላዕቲ ኰይኖም ረኺብናዮም ኢና፡" ትውስኽ።

እታ ዶክተር፡ ስራሕ ደም ኣብ ዋህዮታት ዝቐልጠፈ እርጋን ምስ ዘርኢ፡ ንሞትን ንዝለዓለ ሓደጋ ሕማም ሽኮር፡ ልብን ስርዓተ ደምን፡ ሕማም ሳንቡእን ሕማም ስነ-ኣእምሮን ድሙቕ ሓባሪ ምዃኑ ትዛረብ።

ካብ ቀንዲ ሕጽረታት እቲ መጽናዕቲ ዝተመልከተ ድማ፡ ኤፒጀነቲክ፡ ዋላ'ኳ ቅልጡፍ እርጋን ንምርዳእ ሓጋዚ እንተዀነ፡ ኣብ ኣካላትና ኣየኖት ስርዓታት ብሙቐት ዝያዳ ከም ዝጕድኡ ዘይነግር ምዃኑ እዩ።

እቲ ብዶክተር ቾይ ዝምራሕ ጕጅለ፡ ስርዓተ ኵሊት፡ ሓንጎል ወይ ልቢ ብኸቢድ ምቘት ዝጽሎ ድዩ? ንምትንታን መደብ ሒዙ ይንቀሳቐስ ኣሎ።

ጽላል ዝሓዛ ክልተ ኣዋልድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣልትራ-ቫዮለት ጨረር ብርሃን ጸሓይ ንእርጋን ቆርበት ዓቢይ ጽልዋ ዘለዎ ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ

'ህይወቶም ክቕይሩ'ዮም'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጀፍ ጉደል፡ ኣብ ፎኒክስ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን ሙቐት ክሳብ 46 ደረጃ ሰልሰስ ዝዓረገላ መዓልቲ ምስ ተዓዘበ እዩ፡ ብዛዕባ ለውጢ ክሊማ ዝገልጽ መጽሓፉ ክጽሕፍ ወሲኑ።

ናብ ሓደ ኣኼባኡ ሓያሎ ኣንጐሎታት ሰጊሩ ብእግሩ ክኸይድ ተበጊሱ፤ ኣብ መንገዲ ግን ብሰንኪ ዝሃረሞ ከቢድ ሙቐትን ጸሓይን ዳርጋ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ነይሩ።

ንሱ፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ተመኵሮ ጥራይ ንሜታቦሊዝም ክቕይሮ ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ክርድኦ ተበጊሱ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣናጹ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ዋላ ንሓደ ግዜ ንሓደ ጽንኩር ሙቐት ምቅላዕ ኣብ ሜታቦሊዝም እተን ኣናጹ ነባሪ ጽልዋ ከም ዝፈጠረ ይሕብር።

ደቡባውያን ግዝኣታት ኣመሪካ ድሮ ዝነውሐ ወቕቲ ዋዒ የጋጥመን ኣሎ፤ ዓመት ዓመት ድማ ብኣጋኡ ይመጽእ ኣሎ።

"ኣብ ከም ብዓል ቴክሳስ ዝኣመሰሉ ቦታታት፡ ሰባት ኵሉ ግዜ ብዛዕባ [ወቕቲ ሙቐት] ይሓስቡ፡" ይብል ሚስተር ጉደል።

"ካብ ዝሓለፉ ክልተ ክራማት ህይወቶም ክቕይሩን ብዛዕባ ከመይ ይሰርሑን ይንቀሳቐሱን ብዝተፈላለየ መንገዲ ክሓስቡ ከም ዘለዎም ይፈልጡ'ዮም።"

ሚስተር ጉደል፡ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ንቕሓት ህዝቢ ብዛዕባ ሓደጋታት ብርቱዕ ሙቐት እናዓበየ ምስ ከደ፡ ድሮ ኣብ ቋንቋ ርኡይ ለውጢ ከም ዝተራእየ ይዛረብ።

ንሓይሊ ማዕበል ሙቐት ምስ ህቦብላ ዝመሳሰል ቍጽሪ ዘለዎ ደረጃ ምሃብ ይሕሰብ ኣሎ፤ ዋላ'ኳ መጠን ራህዲ እውን ምዕቃን ዝድሊ እንተዀነ።

ሰባት ብዛዕባ ምውሳኽ ሙቐት ብመንጽር፡ "ሓደገኛ ሓይሊ፡ ብፍላይ ኣብ ደገ ዝሰርሑ ይዅን መከላኸሊ ኣብ ዘይብሎም ህንጻታት ዝሰርሑ ሰባትን" ክሓስቡ ጀሚሮም ኣለዉ ይብል።

ንሱ ከም ዝብሎ ቅልውላው ክሊማ ድሮ ዓበይቲ ፍልልያት ፈጢሩ ኣሎ።

"ኣብ ክልተ ኢና ተመቒልና ዘለና፤ እቲ ዝዝሕልን እቲ ዝቝሎን፡" ድሕሪ ምባል፡ "ብሓደ ወገን ማይ፡ ጽላልን መዝሓሊ ኣየርን ኣሎ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ረሃጽ፡ ስቓይን ዋላ'ውን ኣብቲ ዝኸፍአ ኵነታት ሞት'ውን ኣሎ።"

ሕጂ ኵሎም ደቂ ቴክሳስ ብዛዕባ ሙቐት ዝፈልጥዎ ኣገዳሲ ነገር፡ "ሃዳናይ ሓይሊ ምዃኑን መጀመርታ ነቶም ተቓላዕቲ ዘጥቅዕን ምዃኑን'ዩ።"