ኣብ ሰሙን 4 መዓልቲ ጥራይ ምስራሕ ንጥዕናና ጽቡቕ'ዩ – ንምንታይ ደኣ ዘይነተግብሮ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/Skynesher
ከም ልሙድ ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ መዓልቲ ንሰርሕ፡ ክልተ መዓልቲ ድማ ነዕርፍ።
ወትሩ ሰኑይ፡ ናብ ስራሕ ንወፍር። እዚ ወትሩ ዝደጋገም ስርዓት እዚ ግን ክሳብ ክንደይ ውጽኢታዊ እዩ?
ኣብ መጽሔት ሳይንስ 'ኔቸር ሂዩማን ቢሄቪየር' ዝተሓትመ መጽናዕቲ ነዚ ሕቶ ይምልስ። እዚ ኣብዚ ዓውዲ እዚ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ዝዓበየ መጽናዕቲ እዩ።
ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልቲ ጥራይ ምስራሕ ጥዕና ሰባት ከመሓይሽ ከም ዝኽእል ድማ የርኢ። እቲ መጽናዕቲ ብክኢላታት ቦስተን ኮሌጅ ዝተኻየደ እዩ።
እዚኦም፡ ምስ ስራሕ ዝተኣሳሰር ድኻም፡ ዕግበት ስራሕ፡ ከምኡ'ውን ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና መዚኖም። እቲ መጽናዕቲ ኣብ 141 ትካላት ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣውስትራልያ፡ ካናዳ፡ ኣየርላንድን ኒውዚላንድን ዝተኻየደ እዩ።
መራሒ እቲ መጽናዕቲ ፕሮፌሰር ዌን ፋን፡ "ኣብ ጥዕና እቶም ሰራሕተኛታት ርኡይ ምምሕያሽ ርኢና፡" ይብል
ብቕዓትን መኽሰብን እተን ኩባንያታት እውን ኣርባዕተ መዓልቲ ጥራይ ብምስራሕ ወሲኹ።
እቶም ተመራመርቲ ኣብቲ ኩባንያታት ዝገበርዎ ፈተነ ምስ ተዛዘመ፡ 90 ሚእታዊት ካብቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልታት ጥራይ ክሰርሑ ወሲኖም።
ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልቲ ምስራሕ ንጥዕናና ጠቓሚ ምዃኑ እንተተረጋጊጹ ግን፡ ስለ ምንታይ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ?
ብዙሕ ናይ ምስራሕ ልምዲ
ቻይናውያን ኣብ ሰሙን ሽዱሽተ መዓልታት፡ ካብ ሰዓት 9 ንግሆ ክሳብ ሰዓት 9 ናይ ምሸት (3 ክሳብ 3 ናይ ምሸት ኣቈጻጽራ ኢትዮጵያ) ብምስራሕ ይፍለጡ።
ኣብ ህንዲ፡ ሰራሕተኛታት ኣብቲ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ጽላታት ቴክኖሎጅን ፋይናንስን ንነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑ ጸቕጢ ይግበረሎም ኣሎ።
ተወሳኺ ሰዓት ብምስራሕ ጠለባት ዕዳጋ ዓለም ንምምላእ እውን ይጽዕሩ ኣለዉ።
ብመሰረት ፕሮፌሰር ወን፡ ኣብ ከም በዓል ቻይና፡ ህንዲ፡ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ነዊሕ ሰዓታት ምስራሕ ከም ጽቡቕ ባህሪ ይቝጸር።
ኣብ ጃፓን ተወሳኺ ሰዓት ኣዝዩ ልሙድ ስለ ዝዀነ ልዕሊ ዓቐን ስራሕ ብምስራሕ ዘጋጥም ሞት 'ካሮሺ' ዝብል ስም ተዋሂብዎ ኣሎ።
"ኣብ ጃፓን ስራሕ፡ ካብ ስራሕ ንላዕሊ እዩ። ከም ማሕበራዊ ፍጻመ እዩ ዝረአ፡" ይብል ኣብ ጃፓን ክኢላ ዕዳጋ ስራሕ ሂሮሺ ኦኖ።
ዋላ ስራሕ ኣብ ዘየለወሉ እዋን ኣንጊህካ ምእታውን ደንጕኻ ምውጻእን ልሙድ እዩ።
እዚ "ውፉይነት ንምርኣይ እዩ ዝግበር። ከም ማርሻል ኣርት ንኽርአየልካ እዩ ዝግበር፡" ይብል እቲ ክኢላ።
ከይሰርሑ ዝበልዑ ሰባት ኣዝዮም ስለ ዝጽልኡ ኵሉ ሰብ ጻዕሩ ከርኢ ይፍትን።
ሓደ ሰብ ዓርቢ ዕረፍቲ እንተ ወሲዱ፡ 'ከመይ ገይሩ ንሓንቲ መዓልቲ ስራሕ ክዘልል ይኽእል?' ተባሂሉ ይሕመ።
ኣብ ጃፓን ናይ ኣቦነት ዕረፍቲ ከይተረፈ ይስረዝ።
"ዋላ'ኳ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ናይ ኣቦነት ዕረፍቲ እንተሃለወ፡ ውሑዳት ደቂ ተባዕትዮ እዮም ዝወስድዎ። ብዙሓት ዕረፍቲ ብምውሳድ ንመሳርሕቶም ከሸግሩ ኣይደልዩን፡" ይብል ሂሮሺ።
ፕሮፌሰር ወን፡ መጽናዕቲ ጋንታኡ ኣብ ባህሊ ስራሕ ዘሎ ኣረኣእያ ክቕይር ከም ዝኽእል ይዛረብ።
ኣብ ኣይስላንድ 90 ሚእታዊት ነበርቲ ናይ ስራሕ ሰዓታቶም ክሓጽር ገይሮም ኣለዉ። ናይ ስራሕ ሰዓታት ምሕጻር ብሕጊ ይፍቀድ እዩ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብራዚል፡ ፈረንሳ፡ ስጳኛ፡ ዶሚኒካን ሪፓብሊክን ቦትስዋናን ናይ ስራሕ ሰዓታት ወይ መዓልታት ንምሕጻር ፈተነታት ይካየድ ኣሎ።
ቶክዮ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ናብ ኣርባዕተ ንምንካይ ኣብ መስርሕ ትርከብ። ዱባይ እውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ወሲዳ ኣላ።
ደቡብ ኮርያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ 67 ትካላት ኣብ ሰሙን ናይ ኣርባዕተ መዓልትን ፈረቓን ስራሕ ከተተኣታቱ እያ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንህይወት ዝዘርግ ስራሕ
ሓላፊት ትካል '4ደይ ግሎባል' ካረን ሎው፡ "ካብ ለበዳ ኮቪድ ጀሚሩ፡ ህይወትን ስራሕን ዘይቃዶ እናዀነ መጺኡ'ዩ፡" ትብል።
እዚ ትካል፡ ኣብ ብራዚል፡ ናሚብያ፡ ጀርመንን ካልኦት ሃገራትን ትካሎም ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልቲ ከመይ ጌርካ ከም እትሰርሕ የርኢ።
ኣብ ኮሎራዶ ዝርከብ መደበር ፖሊስ፡ 250 ሰራሕተኛታት ንኣርባዕተ መዓልታት ክሰርሑ ኣፍቂዱ ኣሎ።
እዚ፡ እቲ ዝዓበየ ታሪኽ ዓወት ዝተራእዮ ተመኵሮ ምዃኑ ትገልጽ።
በዚ መሰረት፡ እቲ መደበር ፖሊስ ንተወሳኺ ሰዓት ዝወጽእ ወጻኢታት ብ80 ሚእታዊት ከም ዝቐነሰ ይፍለጥ።
እዚ ኣሰራርሓ "ኣብ ሓደ ሃንደበታዊ ጻውዒት ዘተኣናግድ መደበር ፖሊስ ውጽኢታዊ እንተዀይኑ፡ ኣብ ዝዀነ ትካል ክትግበር ይከኣል'ዩ፡" ትብል።
ኣብ 2019፡ ነዚ ስራሕ ክትጅምር እንከላ፡ ውሑዳት ትካላት ጥራይ እየን ነቲ ሓሳብ ተቐቢለንኦ ነይረን። ሕጂ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸራ ትካላት ኣሰራርሓአን ንምቕያር ቃል ኣትየን ኣለዋ።
"ከም ዝሰርሕ መርትዖታት ኣሎ። ምርድዳእ ጥራይ እዩ ዝሓትት፡" ትብል።
ብዙሓት ሰባት፡ ውሱን መዓልታት ስራሕ ፍርያነምት የጕድል'ዩ ኢሎም እኳ እንተኣመኑ፡ እቲ ክውንነት ግን ብኣንጻሩ እዩ።
ኣብ 2019፡ ማይክሮሶፍት ኣብ ጃፓን ዝርከብ ጨንፈሩ፡ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ናይ ስራሕ ሰሙን ብምቕያር፡ ፍርያምነት ሓደ ሰራሕተኛ ብ40 ሚእታዊት ክውስኽ ርእዩ'ዩ።
ግን እቲ ኣሰራርሓ ኣይቀጸለን።
ዓበይቲ ትካላት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ጨናፍር ስለ ዘለወንን ሰዓታት ስራሕ ስለ ዝፈላለን ነቲ ስርዓት ንምትግባር ክጽገማ ከም ዝኽእላ ካረን ትዛረብ።
ፕሮፌሰር ወን፡ ናይ ስራሕ መዓልታት ክሓጽር ከሎ፡ ዘየድሊ ኣኼባታት ብተሌፎን ወይ ብናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ተተኪኦም'ዮም ኢሉ።
ሰራሕተኛታት ነቲ ዝተሓጽረ ናይ ስራሕ መዓልቲ ንምኽሓስ ዝያዳ ይሰርሑ ዝብል ሓሳብ'ውን ግጉይ ምዃኑ ይምጕት።
"እቲ ቅውም-ነገር ሓሙሽተ መዓልታት ስራሕ ናብ ኣርባዕተ ምንካይ ምጭናቕ ኣይኰነን። እቲ ዕላማ ብኽነት ምንካይ'ዩ፡" ይብል።
እቲ ጥዑይ መገዲ
ኣብ ኬፕታውን ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ስቴለንቦሽ እትሰርሕ ሸሪል ዳቪስ፡ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልታት ምስራሕ፡ ጥዕና ዘለዎ ህይወት ክትነብር ክሕግዘካ ከም ዝኽእል ትዛረብ።
ናይ ስራሕ መዓልታት እቲ ንሳ እትመርሖ ጕጅለ ቅድሚ ናብ ኣርባዕተ መዓልታት ምቕያሩ፡ ብኸቢድ ድኻም ዝከላበቱ ንዝነበሩ 30 ሽሕ ተምሃሮ ስነ-ልቦናዊ ድጋፍ ትህብ ነይራ።
"ብዙሓት ሰራሕተኛታት ይሓሙ ነይሮም። ሰኒፎም ዘይኮነስ ብዙሕ ስለ ዝደኽሙ'ዩ። እቲ ስራሕ፡ ንዅሉ ዓቕምታቶም ጸንቂቝ ይወስዶ ነይሩ፡" ትብል።
ደቡብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ መጠን ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ዘለወን ሃገራት እያ።
ሸሪል ዋላ'ኳ ካብ ሓለፍታ ተቓውሞ እንተበጽሓ፡ ነቲ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ስራሕ ንምትግባር ተቓሊሳ።
"ኣይሰርሕን'ዩ ኢሎም። ግን ሰሪሑ፡" ትብል።
ቅድሚ እቲ ለውጢ ኣብ ዝነበሩ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ሰራሕተኛታት፡ ብምኽንያት ሕማም 51 ግዜ ዕረፍቲ ሓቲቶም። እቲ ናይ ስራሕ መዓልታት ናብ ኣርባዕተ ምስ ወረደ ግን፡ እዚ ናብ ኣርባዕተ መዓልታት ጥራይ ወሪዱ።
ብዙሓት ዝሓሸ ድቃስ ከም ዝደቀሱ፡ ዝያዳ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከም ዝገብሩን ሓድሽ ግዜ ዘሕልፉሎም ነገራት ከም ዝጀመሩን ተዛሪቦም።
"ኣተኵሮኦም ወሲኹ። ነቶም ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍ ዝህብዎም ተምሃሮ'ውን ዝያዳ ርህራሀ ከርእዩ ጀሚሮም፡" ኢላ።
ለውጢ ዝደልዩ መንእሰያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኵለን ትካላት ግን እቲ ናይ ስራሕ ሰዓታት ብምንካይ ዝያዳ ውጽኢታውያን ክዀና ኣይክእላን እየን።
ብመሰረት ፕሮፌሰር ወን፡ ኣቃውማ ቍጠባ ሓንቲ ሃገር ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ።
"መብዛሕትኦም ኣፍሪቃውያን ኣብ ሕርሻ ወይ ዕደና ዝተዋፈሩ እዮም። እቲ ስራሕ ዘይስሩዕ ስለ ዝዀነ፡ ናይ ስራሕ ሰዓታት ምንካይ ቀሊል ኣይኰነን፡" ይብል።
ትሑት ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታቶም ንላዕሊ ደሞዞም ክውስኽ እንተኽኢሉ'ዩ ዘገድሶም።
ፕሮፌሰር ወን ኣብ መጽናዕቱ ንዓውዲታት ህንጻ፡ ኣገልግሎትን ማኑፋክቸሪንን ኣጠቓሊሉ'ዩ።
"ኣብ ሰሙን ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ስራሕ ኣብ ዝዀነ ዓውዲ ክትግበር ይከኣል እዩ። ግን ንዅሉ ክሰርሕ ዝኽእል'ዩ ክብል ኣይደልን፡" ይብል።
እቲ ዝቕየር ዘሎ ናይ ስራሕ ባህሊ ብሰንኪ ጸቕጢ መንእሰያት ምዃኑ ክኢላታት ይሰማምዑ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ መንእሰያት ካብ ደሞዝ ንላዕሊ ኣብ መንጐ ስራሕን ውልቃዊ ህይወትን ዘሎ ሚዛን ምርካብ ዝያዳ ተገዳስነት ኣለዎም።
ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መንእሰያት፡ ደሞዞም ጐዲሉ'ውን ውሑድ ሰዓታት ክሰርሑን ፍቓደኛታት እዮም።
"መንእሰያት ነቲ ልሙድ ልምዲ ኣይደልዩን'ዮም። ስራሕን ህይወትን ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ኣለዎም፡" ይብል ፕሮፌሰር ወን።
ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ብዙሓት ሰባት ስርሖም (ግሬት ሬዚግኔሽን ተባሂሉ ዝፍለጥ) ገዲፎም፡ ሓድሽ ናይ ስራሕን ህይወትን ሚዛን ልምድታት ምምጽኦም ይገልጽ።
ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኣድላዪ ዝዀነ ነገር ጥራይ ምውጋን (Quiet Quitting) ዝብሃልን ኣብ ቻይና ጸቕጢ ስራሕ ዘይምቕባልን (Laying Flat ዝበሃል) ምስዚ ዝተኣሳሰሩ እዮም።
ኣብ ጃፓን እውን ለውጢ ይረአ ኣሎ።
"ሕጂ 30 ሚእታዊት ደቂ ተባዕትዮ ጃፓናውያን ናይ ኣቦነት ዕረፍቲ ይወስዱ። እዚኦም መብዛሕትኦም መንእሰያት እዮም። ኮቪድ ለውጢ ኣምጺኡ ኣሎ። ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልቲ ጥራይ ምስራሕ ልምዲ ክኸውን ተስፋ እገብር፡" ይብል ሂሮሺ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







